ድለ

2021.10.09 Inizio del cammino sinodale 2021.10.09 Inizio del cammino sinodale 

ሲኖዶሳውነት ዝምልከት ክፍሊ ትምህርቲ ኣብ ጳጳሳዊ ዪኒቨርሲቲ ግረጎርያና ሮማ!

ኣብ ጳጳሳዊ ዪኒቨርሲቲ ግረጎርያ ሮማ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ናይቲ ተቊዋም ኣባ ረንክቨ ‘ንዘይተሰምዔ ንምስማዕ ኣእዛንናን ልብናን ብምኽፋት ነንሕድሕድና ጽን ቢልካ ምስማዕ ክንመሃር ኣሎና’ እንክብሉ ካብ ዕለት 26 ሕዳር 2021 ጀሚሩ ሲኖዶሳውነት ዝምልከት ትምህርቲ ብበይነ መረብ ተሰናድዩ ከምዘሎን ንጳጳሳትን ኣብ ኩለን ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን ኣገልግትሎ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ከይዲ ሲኖዶስ ተዋፊሮም ንዘለው ክፉት ከምዝኾነ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዕለት 9ን10ን ኣብ ቫቲካን ብዕሊ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን ንምቋም ዝካየድ ሲኖዶስ እንክብሉ ንዝኸፍትዎ ሲኖዶስ ስዒቡ ኣፍልጦ ሲኖዶስን ሲኖዶሳዊነትን ንምብራኽ መንነ ጥበብ ግረጎርያና ነዚ ዝምልከት ምሉእ ትምህርቲ ብምስንዳእ 12 ክፍልታት ዘለዎ ብቀጥታ ብበይነ መረብት ካብ ኩሉ ዓለም ክትከታተሎ ዝከኣል ዕለት 26 ሕዳር ክጅመር ምዃኑ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።  ኣርእስቲ ናይቲ ትምህርቲ ‘ሲኖዶስን ሲኖዶሳዊነትን ብዓይኒ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ዘለው ኣመለኻኽታታት’ ዝብል ኰይኑ ጳጳሳት ከይተረፉ ንክሳተፍዎ እዩ ተሰናድዩ ዘሎ፤ ኣተኲሮ ናይቲ ትምህርቲ ቅድሚ ዝኣገረ ነቲ ንሕዝቢ ጽን ቢልካ ምስማዕ ዝብል ቀንዲ ተልእኮ ናይ ሲኖዶስ ንምርዳእን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን እቶም ነዚ ትምህርቲ እዚ ዝከታተሉ ነንሕድሕዶም ጽን ቢሎም ናይ ምስማዕ ልምምድ ብተግባር ከካይዱን ሓሳባቶምን ር እይቶታቶምን ነንሕድሕዶም ከከፍሉ ዝኽ እሉሉ ጥበብ ንምኽ ዕባት ምዃኑ እውን ተመልኪቱ። ኣሰናዳእቲ ናይቲ መደብ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ተበግሶ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ማዕረ ማዕረኡ ንባህርይ እታ ብመሠረታ ሲኖዶሳዊት ዝኾነት ቤተክርስትያን ብዕምቈት ንምፍላጥ ትምህርቲ ንባበ መለኮታዊ ዳህሳስን መጽናዕትን ስለዝሓትት ክፉት ተሎግያዊ ዘተ ብምኽፋት እሂን ምሂን ቢልካ ንዘሎ ራእይን ብቅዓትን ተመኲሮን ሻቅሎትን ከማኡ እውን ባህልን ናይ ግዜኡ ምልክታት ኣንቢብካን ተርጒምካን ምኽኣልን ንምኽዕባት እዩ’ እንክብሉ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ትምህርቲ ኣብሪሆም። ከመይ ቢሉ ከምዝጀመረን ናይዚ ኣካዳሚካዊ ዕላማታት ተበግሶን ኣብ መካነ ጥበብ ግረጎርያና ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ሓላፊ ዝኾነ ኣባ ፊሊፕ ረንክቨች ንዜና ቫቲካን ነዚ ዝስ ዕብ መብርሂ ሂቦም።ብቀንዱ ንትምህርቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን መምርሒ ቤትጽሕፈት ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳትን ተጠንቂቅና ብምስዓብ እንክኾን፤ ነዚ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተደጊፍና ብዛዕባ ቤተክርስትያንን ኩነታት እምነትን ህልው ኩነታት ሓቀኛን ምትእምማን ዝፈጥርን መጽናዕቲ ንምክያድ ፍሉይ ዕድል ዝህብ ኰይኑ ረኸብናዮ። ብካል እ ኣዘራርባ ንሕና ኣብዚ መካነ ጥበብ እዚ እነቅርቦ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ከኣ እዚ ስለዝኾነ ነታ ‘ወትሩ ሓቀኛታትን ተኣመንትን ኰና ንክንርከብ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ከም ሊቃውንቲ ንባበ መለኮት ኣእምሮና ክሳብ ዝበጽሖ ምኽንያታዊ መጽናዕቲ ንምክያድን ብዛዕባ እምነትን ሕይወት ቤተክርስትያንን ንምምርማርን ነቶም ተመሃሮና ጥራይ ዘይኮነ ብመንጽርቢቤተክርስትያንን ማሕበረሰብናን ክነስፍሖ ደሊና’። ብዝመስለኒ ከኣ ኣብ መንጎ እቲ እዚ ሲኖዶስ እዚ ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዝሓስቦን ሎሚ ከም ሎሚ መጽናዕቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ክገብሮ ዘለዎን ምሉእ ብምሉኡ ዝሰማማዕ ኰይኑ ይረኣየኒ፤ በዚኸስ እዚ ተበግሶ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ነቲ እንገብሮ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ክሕግዞ ይኽእል ከማኡ እውን ንሕና ብወገና ንዝግበር ዘሎ ጒ ዕዞ ሲኖዶስ እጃምና ክነበርክት ንኽእል እንክብሉ ኣብርሁ።ንሓደ መደብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንክትሰናዶ መኣስ ብከመይ ዝበለ ኣገባብ ዝብላን ካልእ ሕቶታን ክስ ዕብ ግድን ብምዃኑ ንኣባ  ፊሊፕ ቀጺላ ዝቀረበት ሕቶ ከመይ ዓይነት ኣገባብ ክጥቅሙ ምዃኖም ነበረ፤

ብከመይ ዝበለ ኣገባብ ንዝብል ሕቶ ዝምልሽ ኣገባብ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ኣማሃህራና ዘተኣታቶናዮ ሓዲስ ጥበብ ኣሎ፤ እዚ ከኣ ንልዕሊ ክልተ መንፈቅ ትምህርቲ ብኩሉ ኩሉ ተዓጺና ኣብ ገገዛና ክንውሸብ ምስ ተገደድና ነቶም ብደገ እናተመላለሱ ዝመሃሩ ዝነበሩ ሓዲስ ኣገባብ ኣመሃህራ ኣብ ገገዛኻ ኰንካ ብበይነ መረብት ዝወሃብ ትምህርቲ ንክንገብር ተገደድና፤ እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ከም ተዓዘብቲ ወይውን ኣጋይሽ ተመሃሮ እንብሎም ከይተረፈ ክፉት ነበረ። ሓደ ካብቲ ትምህርታት ንዘሎናዮ ኩነታት ዝምልከት ኣብ መንጎ እምነትን ሳይንስን ዘሎ ርክብ ኣብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝብል ብዙሓት ዝሰዓብዎ ነበረ። ኣብዚ ናይ ሕጂ መደብ እውን ነንሕድሕድካ ጽን ቢልካ ድሕሪ ምስማዕን ምስትንታንን ር.ሊ.ጳ በዚ ሲኖዶስ እዚ እንታይ ዕላማ ኣለዎም ንሕናኸ ከም ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት መጠን ሎሚ ከም ሎሚ ን እምነት ከመይ ገቢርና ነመሓላልፍ ንመጻኢ ወለዶኸ ብኸመይ ነመሓላልፍ ብዝብል መንፈስ ክግበርን ኣዎንታዊ ውጽ ኢት ክህልዎ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉን ኰይኑ ኩሎም ዝሳተፉሉ ኣቡናት ከይተረፉ ክሳተፍዎ እንጽበዮ 12 ክፍልታት ዘለዎ ትምህርቲ እዩ። ከም መባእታ ናብእቶም መማህራን መባእታዊ መግለጺ ብዛዕባ ሲኖዶስን መሠረታውያን ጉዳያቱን ኣብ ታሪኽን ባህልን ቤተክርስትያን ተመርኲሶም የቅርቡ ስዒቡ ብዛዕባ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ሲኖዶሳዊ ጒ ዕዞ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያንን እናበልካ ዚኣክል መብርሂ መምስ ተዋህቦ ክፉት ዘተ ይካየድ እንክብሉ ኣገባብ ናይቲ ኣመሃህራ ብምግላጽ ሓሳቦም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

25 November 2021, 15:43