ድለ

ኣቡናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ዝምልከት ሰነድ ኣጽዲቖም ኣቡናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ዝምልከት ሰነድ ኣጽዲቖም 

ኣቡናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ዝምልከት ሰነድ ኣጽዲቖም

እቲ ሰነድ ክርስቶስ ዘቖሞ ቅዱስ ቍርባን ናይ ሓቂ ህላወ ጐይታ ምዃኑ እውን የረጋግጽ። እዚ ኸኣ እቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ቅዳሴ ብዙሓት ካቶሊካውያን ዘለዎም ምርዳእ እናነከየ ብምኻዱ ከምኡ እውን እቲ ለብዒ ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዘሕደሮ ጽልዋ ዘስዓቦ ምላሽ እዩ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ኣማእኪሉ ካብ ዕለት 16 ሕዳር ክሳብ ዕለት 18 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ግዝኣት መሪላንድ ከተማ ባልቲሞራ “ቅዱስ ቍርባን ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ዘካየዶ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ 222 ናይ ድጋፍ 8 ናይ ተቓውሞ ድምጺ ዝተወሃቦ “ቅዱስ ቍርባን ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን” ዘርእስቱ ሰነድ ኣጽዲቑ። እቲ ሰነድ ኣብ ሱታፌ ቅዱስ ቍርባን ዝኽልከሉ ውልቀ ሰባት ወይ ጉጅለታት ዘይጠቅስ እዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ሓላፍነት ዝተቐመጡ ላዕለዎት ኣካላት ንሱታፌ ቅዱስ ቍርባን “ምስ እምነትን ስነ ምግባርን ቤተ ክርስቲያን” ክሰማምዑ ኣለዎም ዝብል ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ናይ ዝሳተፍ ሓላፍነት ዘዘኻኽር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንልዕሊ ሓደ ዓመት ጽዑቕ ክትዕ ድሕሪ ምግባር፡ ኣቡናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መላእ ዓለም ለብዒ ካብ ዝባራዕ ንነጀው ንፈለማ ግዜ ኣብቲ ኣብ ከተማ ባልቲሞራ ኣብ ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዝተዛዘመሉ ዕለት 28 ሕዳር ናይ ሓባር ሰነድ ከም ዘጽደቐን፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ ብዛዕባ ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዝገልጽ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣሕጽር ኣቢሉ ዝገልጽን ዘነቓቕሕን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጽንሲ ወይ ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ ፖለቲካን መንግስትን ዓቢይን ንኡስን ሓላፍነት ዝተመርጹ ኣካላት ኣብ ቅዱስ ቍርባን ይሳተፉን ኣይሳተፉን ንዝብል ጒዳይ ዘይጠቅስ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዝለዓለ ድምጺ ብዙሃን

“ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን” ናይቲ ሰነድ ኣርእስቲ ክኸውን እንከሎ መብዛሕቲኦም እቶም ናይቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጒባኤ ተጋባእያን 222 ቅቡል ዝበልዎን 8 ናይ ተቓውሞም ሰለስተ ከኣ ድምጸ ተዓቅቦ ዝሃብሉ ከምዝኾነን፡ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ናይቲ ዝጸደቐ ሰነድ ነቶም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ምዃኖም ዝእውጁ ግን ከኣ ንምጻል ጽንሲ ፍቝድ ዝብል ሕጊ ዝድግፉ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ወይ ከምቲ ገሊኦም ኣቡና ዝገለጽዎ ገና መድሃኒት ብዘይተረኽበሉ ሕማም ዝተለኽፉ ካብቲ መሪር ስቓይ ንኽናገፉ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ ፍቑድ ዝብል ሕግን ብዛዕባ መርዓ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባትን ዝምልከቱ “ሕቶታት” ዘይጠቅስ ኮይኑ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓያል ጋግ ክፈጥር ስለ ዝኽእል ድማ ዘይጠቐሶ ክኸውን እንከሎ፡ ቅድም ክብል ቅድስቲ መንበር ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ላዳሪያ ኣቢላ እዚ ሕቶ እዚ ኣብ መንጐ ኣቦናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፈጥሮ ዝክእል ምግምማዕ ሻቕሎት ከም ዘሕድረላ ገሊጻ፡ ኣብ መንጐኦም ዘተ ክህሉ ሓደራ ክትብል ከም ዝመዓደት ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምስማዕን ዘተን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ክሪስቶፈ ፒየር ነቲ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ምስማዕ እትብል ቃል 17 ሳዕ ከም ከምእተጠቀሙላን ባዕሎም ነቶም ተጋባእያን ኣቡናት “ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ንውሑዳት ሰብ ፍሉይ መሰል” ዝብል ከምዘይኮነ ንኸስተውዕሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩን ብዙሓት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝክረ መስዋዕቲ ክርስቶስ ዝምልከት ምስጢር ኣብ ፖለቲካ ኪምዝመዝ ከም ዝኽእል ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም ከምዝነበሩ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብዛዕባ ጒዳይ ምንጻል ጽንሲ ኣይተጠቕሰን

ገሊኦም ኣቡናት እቲ ሰነድ እተፈላለየ መአረምታ ክግበረሉ ድሕሪ ምሕታቶም ኣብ መወዳእታ ዳርጋ ኵሎም (ንሓድሕዱ ዚጋጮ ርእይቶታት እኳ እንተነበረ) ነቲ ብናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገት ዘዳለዎ 26 ገጽ ዝሓዘ ጽሑት ከምእተቐበልዎን ኣብቲ ሰነድ ኣብ ሱታፌ ቅዱስ ቍርባን ዝኽልከሉን ዘይክልከሉን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከመይ ኵነትን መኣዝን ንዝብል ሕቶ ብንጹር ዘይገልጽ ከምዝኾነን ይዅን እምበር ናይ ካቶሊክ እምነት ሰዓብቲ ኣቕዋሞም “ምስ እምነትን ስነ ምግባርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን” ተሰማሚዑ ዝነብር ክኸውን ከምዘለዎን ከምኡ እውን ንህይወት ዘይተወልዱ ሕጻናት ኣፍልጦ ንኽህብሉን ናይ ህይወት ባህሊ ከነቓቕሑን ከስፍሑን ዘለዎም “ፍልዩ ሓላፍነት” የጒልሕ።

“ኣብ ከቢጽ ሓጢኣት ከሎኻ ደምን ስጋን ክርስቶስ ምቕባል ንሓድሕዱ ዝገራጨው እዩ” ዝብል ነጥቢ ኣብቲ ሰነድ ይንባብ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ከም ዝበሎን ከምኡ እውን ብመሰረት ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርትታትን፥ እቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ተግባር ምስ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ንዝነበሮ ርክብ ዘፍረሰ ግን ከኣ እቲ እተባረኸ ቅዱስ ቍርባን ዝቕበል ሰብ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ሱታፌ እዩ ዝነጽግን ምስቲ ዘለዎ ሓላፍነት ዘይሰማማዕ ተግባር እውን እዩ ዝፍጽም፡ ዝብል ሓሳብ ከምእተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሰብኣዊ ህይወትን ክብርን ምድጋፍ

ስለዚ ኣቡናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውልቀ ሰባት “ምስ ዝርአ ሕብረት ቤተ ክርስቲያንን ስነ ምግባራዊ ሕግታትን ክነጻጸር ከሎ ምስ ህዝባዊ ስጒምትታት እተተሓሓዘ ኵነታት ናይ ምዕራይ” ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ። ኵሎም ክርስቲያን ንህይወትን ክብርን ናይ ኵሉ ተኣፋፊ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምድጋፍን ንህይወትን ክብርን ደቅሰብ ከገልግሉ”፥ እዚ ኸኣ “ዘይተወልደ ሕጻን ስደተይናታትን ግዳያት ዓሌታውነትን ምጒዳል ፍትሒ ህሙማንን ኣረጋውያንን ዝምልከት ምዃኑ ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሕዳሴ ቅዱስ ቍርባን

እቲ ሰነድ ክርስቶስ ዘቖሞ ቅዱስ ቍርባን ናይ ሓቂ ህላወ ጐይታ ምዃኑ እውን የረጋግጽ። እዚ ኸኣ እቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ቅዳሴ ብዙሓት ካቶሊካውያን ዘለዎም ምርዳእ እናነከየ ብምኻዱ ከምኡ እውን እቲ ለብዒ ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዘሕደሮ ጽልዋ ዘስዓቦ ምላሽ እዩ። ብልክዕ ኣብዚ ኣረኣእያ እዚ እቶም ናይ ርእሰ ሰበኽ ቅዱስ ጳውሎስ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣንድሪው ኮዘንስ ኣብዚ ናይ ቀውዒ እዋን ዘቕረብዎ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዳግመ ልደት ቅዱስ ቍርባን ዝምልከት ንሰለስተ ዓመት ዘገልግል መደብ ኣንቂሎም እዮም። እዚ ኸኣ ብትምህርትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ውጥናት ዚፍጸመሉ መገዲ ሓድሽ መርበብ ሓበሬታን ከምኡ እውን ካብ 50 ግዝኣት ዝተዋጽኡ 50 ካህናት ኣገዳስነት ቅዱስ ቁርባን ዘማእከለ ኣስተምህሮን ስብከት ዘቕርብሉ መገዲ መሰረት ዝሳለጥ ኮይኑ እዚ መደብ እዚ ኣብ ወርሒ ሰነ 2024 ዓ.ም. በቲ ኣብ ኢንድያናፖሊስ ኣብ ዝካየደ ሃገራዊ ባይቶ ቅዱስ ቁርባን ዝዛዘም ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ዳላስ - ሰነድ ዳግም ምምልካት

እቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጒባኤ ብጀካ እቲ ቀንዲ ናይቲ ኣኼባ ርእሰ ጒዳይ ዝኾነ ቅዱስ ቍርባን ካልእ ብ230 ድምጺ ቅቡል ተባሂሉን 5 ናይ ተቓውሞ ድምጺ ዝሃብሉ ውሳኔ መሰረት ነቲ ኣብ 2002 ዓ.ም. ኣብ ቴክሳስ ቤተ ክርስቲያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘኽታማት ቆልዑ ንምዕቋብ ዝብል ውሳኔ ስዒቡ ዘጋጠመ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ተኣፋፍያን መንእሰያትን መሰረት እቲ ናይ “ዳላስ ናይ ውሳኔ ሰነድ” ዳግም ክኽለስ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡ ኣተሓሒዙ እውን ድሕሪ ዕስራ ዓመት ኣቢሉ ኣቡናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዚ ቐረበ ዓመታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘተኣታተዉዎ ሕዳሴ ንምስራጽ እቲ ሰነድ ተኸሊሱ ክሕደስ ኣለዎ ከምዝበሉ ሓቢሩ።

20 November 2021, 15:02