ድለ

2021.11.17 ACN Red Week in Brasile Christ Redemptor. Credit: Today Soluções 2021.11.17 ACN Red Week in Brasile Christ Redemptor. Credit: Today Soluções 

ስደት ክርስትያን ንምዝካር ካተድራላትን ሓውልትታን ብቀይሕ ብርሃን የንጸባርቃ!

ኣብ ፈቀዶ ኲርናዕ ዓለምና ንዝፈስስ ደም ሰማዕታት ክርስትያን ንምዝካር ሓገዝ ንእትሳቀ ቤተክርስትያን ዘበርክት ተቅዋም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቀይሕ ሶሙን ብዝብል መደብ ካብ ሎሚ ክሳብ ዝመጽእ 24 ሕዳር 2021 ኩለን ካተድራላትን ሓውልታትን ብቀይሕ መብራህቲ ክደምቃ እየን፣ እዚ ኣብ ርእሲ እቶም ዝስደዱ ክርስትያን ነተን ክፍሊ ውሑዳን ብሔረሰባት ዝኾናን ዝተፈላለየ ዓመጽ ዝቅበላን ደቂኣንስትዮ እውን የጠቃልል። ሓላፊ ሓገዝ ንእትሳቀ ቤተክርስትያን እተበርክት ተቅዋም ‘ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ኣብ ነጻነት እምነት ዘይሕልዋ ሃገራት ይነብሩ’ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ጳጳሳዉ ተቅዋም  ሓገዝ ንእትሳቀ ቤተክርስትያን ረድ ዊክ ማለት ቀይሕ ሶሙን ብዝብል መደብ ንዝኽሪ እቲ ኣብ ፈቀዶኡ ዝፈስስ ደም ሰማዕታት ክርስትያን ከም ወትሩ ንኩሉ ዘርእን ብርሃንን ምዃኑ ንምዝካር ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ዓበይቲ ካተድራላትን ኣብያተክርስትያንን ሓውልታትን ሕዝባውያን ተቊዋማትን ብቀይሕ መብራህቲ ከምዘንጸባራቁ ኣመልኪቱ። ሓላፊ ናይዚ ተቅዋም ኣብ ሃገረ ጣልያን ኣለሳንድሮ ሞንተዱሮ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ‘እቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ ስለ እምነቶም ዝቅበልዎ ስቃይን ሰማዕትነትን ንምዝኽኻር’ ነዚ መደብ ቀይሕ ሶሙን ከምዝሓንጸጹ እንከመልክት ምሳኡ ብምትሕሓዝ ከኣ ‘እተን ኣባላት ውሑዳን ብሔረሰባት ማሕበርሰብ ዓለምና ዝኾና ዝቅበላኦ ዘለዋ ዓመጽን ስቃይን እውን ማዕረ እዚ ክዝከር እዩ’ እንክብሉ ብርኡይን ስውርን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ካብ ዓመጽን ስቃይን ክሳብ ሞት እውን ምስዚ ከምዝስራዕን ‘ኩሉ ኩሉ እዚ ብሓንሳእ ተደማሚሩ ኩልና ብሓባር ክንቃለሶ ዘሎና ዓቢ ገድሊ` ምዃኑን ገሊጾም።

 ሓላፊ ናይዚ ተቅዋም ኣብ ሃገረ ጣልያን ኣለሳንድሮ ሞንተዱሮ ‘እዛ ሓርነት ወይውን ነጻነት እምነት ትብል ኣምር ኣብ ዓለምና ዳርጋ ተጐስያ ናይቶም ዝተጐስዩ ክፍሊ ሕብረሰብና ኰይናዶ ትረአ ማለት ሌላን ጉሌላን ዘማዕበለትዶ ትመስል’ ዝብል ርእይቶ ዚዓይነቱ ሕቶ እንክምልስ፣ ‘እወ ቀዳሞትን ዳሕረትን ኢልካ ንዝተፈላለዩ ነጻነታት ከምትምልከት ዝገብር ኣገባብ ይረአ ኣሎ። ንኣብነት ጾታዊ ማዕርነት ዝብል ኣምር ክንዮኡ ካልእ ከምዘየለ ኩሉ ኣባኡ ከምዘተኩር ገይሩ ዓለም ብዓለሙ ብዛዕባኡ ጥራይ እንክዋሳእ እቲ ካልእ ነጻነታት ናብ ካልኣይ ደረጃ ወሪዱ ንዕዘብ፣ እንተ ንሕና ግን ነጻነት እምነት እውን ማዕረ ማዕረኡ ቈላሕታ ክግበረሉ ንጽውዕ። ብመሠረቱ እንክረኤ ዓለምለኸ ኣዋጅ መሰል ደቂሰባት ነዚ ጉዳይ እዚ ነጻነት ሕልና ነጻነት ሓሳብ ኢሉ እንክገልጾ ነጻነት እምነት እንብሎ ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። በዚ ከኣ ኢና ነቲ መበቆላዊ ምልክታት ሃገራት ዝኾና ህንጻታትን ሓውልትታን ብቀይሕ መብራህቲ ከምዝንጸባረቁ ብምግባር ነጻነት እምነት እውን ቀዳምነት ክዋሃቦ ከምዘለዎ ክነዘኻኽር ንቃለስ ዘሎና’ ኢሎም።

ሎሚ ኣብ ዓለምና ኩነታት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ነጻነት እምነት ከመይ ኮን ኣሎ! ንእትብል ሕቶ እንክምልሽ ከኣ ‘ካብ ሕዝቢ ዓለምና ሓሙሽተ ቢልዮንን ክልተ ሚእቲ ሚልዮንን ዝኾኑ ነጻነት እምነት ኣብ ዘይሕለወለን ሃገራት እዮም ዝነብሩ ዘለው። ኣብዘን ሃገራት እዚአን ምናዳ እቶም ውሑዳን ዝኾነ ክፍልታት ብርቱዕ ተጽዕኖ ናይ ምስትንዓቅን ሌላን ጉሌላን ብዝገደደ ከኣ ጭቆናን ስደትን ኣሎ። ንክርስትያን ብዝምልከት ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ስደት ዝርከቡ ክርስትያን ልዕሊ 416 ሚልዮን ይኾኑ። እንተኾነ ብዙሓት ካብኦም ሞት ሕጹይ ኰይንዎም ነቲ ዝወርዶም ኣደራዕ ኣይገልጹን። ነዚ ቀንዲ ምኽንያት ፍርሒ ክኸውን እንከሎ ብካልእ ወገን ከኣ እንተደኣ ከሲሶምን ኣጋሊጾምን ናይ ሃይማኖት ግጭት ከይፍጠር ዝብል ስግኣት እዩ ግን ከምኡ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ንሓቂ እንክተጋልጽ ግጭት ክህሉ ኣይክእልን ነቶም ግዳይ ዝኾኑ ቅርበትካ ክትገልጽን ክትድግፎምን ምተፈተነ። ዓለምለኸ ማሕበረሰና እውን እንትኾነ ኣዳዕዲዑ ከይዛረብ ናኣሽቱ ትብዓት ዝጐደሎ ምልክታት ጥራይ እዩ ዝህብ። ንኣብነት ገለ መንግሥታት ከም በዓል ጀርመን ዓባይ ብሪጣንያ ሆላንድን ደንማርክን ንነጻነት እምነት ፍሉይ ልኡኽ ይሰዳ። ኣብ ርእሲ እዚ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዓመት ዓመት ንውሑዳን እምነታት ዝምልከት ጸብጻብ የቅርባ፣ ከምኡ ኣብ መደባት ደገፍ ክርስትያን ኣብ ነነዌ ሃገረ ኢራቅ ንዝርከብ ሓገዝ የበርክታ’ እንክብል ኩነታት ስደት ክርስትያንን ነጻነት እምነትን ገና ቈላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 November 2021, 15:31