ድለ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካቲሊካውያን መካነ ስፍራ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካቲሊካውያን መካነ ስፍራ ዝፍጸም መጥቃዕቲ 

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካቲሊካውያን መካነ ስፍራ ዝፍጸም መጥቃዕቲ

ኣቡናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “እዚ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዝፍጽም ገበን ዕሽሽ ዘይበሃል ብልሽው ተግባር እዩ” ስለዚህ “ከምዚ ዓይነት ናይ ጽልእ መግለጺ ተግባር ከይፍጸም ኵሉ ኣብ ምኽባር ቅዱሳትን ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ ክተግህን

ካብ ግንቦት 2020 ዓ.ም. ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሚእቲ መካነ ስፍራ ካቶሊካውያን ዘርክስ ተግባር ከምእተፈጸመ ናይታ ሃገር ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ሓልዮ ሽማግለ ኣብ ዘውጸኦ ጽብጻ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሳጥናዔላውን ናይ ጽልእን ነውርን ቃላት - ዝሓለፈ ዕለት 19 ጥቅምቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መበል 100 ዘርክስ ግብረ ዕንወት ኣብ ካቶሊካዊ መካነ ስፍራ ከም እተፈጸመን ኣብ ኮሎራዶ ከተማ ደንቨርን ዝርከብ ባዚሊካ ንጽሕተ ድንግል ማርያም ነዚ ጸይፋ ተግባር ፍሉይ ዒላማ ከምዝኾነ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሽማግለ ሓልዮ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከምዝሓበረን ካብ ወርሒ ግንቦት 2020 ክሳብ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ሚእቲ ሳዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መካነ ስፍራ ዘርክስ ተግባር ከምእተፈጸመ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቲሞትይ ዶላንን ናይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ጒዳይ ዝኸታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ኮኣክልይ ብናይ ሓባር ክታትሞም ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎ መግለጺ፥ “እቲ ተርእዮ እዚ ስለምንታይን ካብ መንን ብመንን ከም ዝፍጸም ክትፈልጦ ዘጸግም እዩ፡ ይዅን እምበር ሕብረተሰብ ብዙሕ ጸጋ ኣምላኽ ከምዘድልዮ የጒልሕ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣዕናዊ ፍጻሜ ከብቅዕ

ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምእንቲ እቶም ጸረ እምነት ዝኾነ ጸያፍ ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት “ክጽለይን ይቕረ ክበሃለሎም” ነተባብዕ “ከምዚ ዝገበርናሉ ምኽንያት ንገለ ገለ  ዝሓለፈ ሓጢኣትና መቕጻዕቲ ክኸውን ቢሎም ዝፍጽምዎ እንተድኣ ኰይኖም ዕርቂ ንሓትት። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን እቲ ብዛዕባ ትምህርትታትና ዘቖጠዖም ኰይኖም ከኣ ብዛዕና ትምህርትና መብርሂ ክህቦም ንደሊ፡ ዝዀነ ኮይኑ ግን “እቲ ምኽንያት ንሱ ኣይመስለናን፡ ከምዚ ዓይነት ጸያፍን ኣዕናውን ተግባር እዚ ከብቅዕ ጻውዒት ነቕርብ ቢሎም ነቲ እምነትን ሃይማኖት ዘርክስ ተግባር ኰኒኖም ሓይሊ ጸጥታ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ክምርምርን ተወሳኽን ተመሳሳሊ ዘርክስ ተግባር ከይፍጸም ጒቡእ ስጒምትታት ብምውሳዱ ነመስግን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸያፍ መግለጺ ጽልእ

ኣቡናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “እዚ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዝፍጽም ገበን ዕሽሽ ዘይበሃል ብልሽው ተግባር እዩ” ስለዚህ “ከምዚ ዓይነት ናይ ጽልእ መግለጺ ተግባር ከይፍጸም ኵሉ ኣብ ምኽባር ቅዱሳትን ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ ክተግህን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸያፍ ተግባር ከይፍጸም” ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ምኽባርን ምክንኻንን ቅዱሳት ናይ ኣምልኾን ስግደትን ዝፍራ ዘተባብዕ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽት ከምዘመሓላለፉን ክንየው እዚ እውን ንስግደትን ኣምልኾን ስፍራ ዕቃበ ዝካየድ መደባት ዘድሊ ወጻኢ ካብቲ ዝነበሮ ክብ ንምባል ከምዝወሰኑን ኵሉ ኣብ ጸሎትን ምክንኻን ዕቃበን ቅዱሳት ስፍራ ክሳተፍ ጽዋዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝሓል ሽማግለ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

21 October 2021, 09:28