ድለ

ወከልቲ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሲኖዶስ፥ ህላወ ደቀንስትዮ ንቤተ ክርስቲያን ውህበት እዩ ወከልቲ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሲኖዶስ፥ ህላወ ደቀንስትዮ ንቤተ ክርስቲያን ውህበት እዩ 

ወከልቲ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሲኖዶስ፥ ህላወ ደቀንስትዮ ንቤተ ክርስቲያን ውህበት እዩ

ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ምስ ሃብታም መንእሰይ ክራኸብ እንከሎ ወንጌል ዘዘንትዎ ታሪኽ ኣማኣኪሎም ቅድስነቶም ከብርሁ እንከለዉ፥ ኢየሱስ ቅድም ይራኸቦ ደሓር ከኣ ይሰምዖ፥ እዚ ጥልቂ ምስማዕ እዚ ኸኣ እቲ መንእሰይ ልልያ ንኽገብርን ንኸስተውዕልን የብቀዖ። እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ንኸስተውዕል ይሕግዞ። ብዘይካ እዚ ብሓቂ ናጻ ልቢ መእንቲ ክህልወካ ዘሎካ ሃብቲ ምክፋል ጥራሕ እዅል ኣይኰነን

ሲኖዶስ ኣመንቲ ንኢኣማንያን ብዛዕባ ጒዕዞኦም ግቡእ ቋንቋ ብምድላይን ሕቶታቶምን ኣረኣእያኦምን ብምስማዕን ቀረባ ናብ ምዃን ዘርህዎም እዩ፥ ነዚ ዝበላ ሃና ፖሆራላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ ኣስዒበን እውን “ተውህቦ ደቂንስትዮ ንቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ዜሀብትማ ከምዝኾነን ንቤተ ክርስቲያን ዘድልያ ምዃኑ እኣምን እየ” ይብላ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሃና ፖሆራላ ካብ ረፕባሊክ ቸክ ዝመጻ ኣባል ማሕበር ኣፍቅሮተ ዘቤት ዓለማዊት ውፍይቲ ዝሓለፈ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካብ 2021 – 2023 ዓ.ም. ብፍሉይ ኣገባብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘበገስዎ ሲኖዶስ ንምኽፈቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፋ ካብቶም ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ንዓለማውያን ምእመናን ኤውሮጳ ወኪሎም ኣብቲ ሲኖዶስ ንኽሳተፉ ዝለኣኾም ሸውዓተ ዓለማውያን ምእመናን ወከልቲ ሓንቲ ኣባል ሰበኻ ፕራግ ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ዝነበሩ ናይ ሰበኻ ፕራግ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሚሎስላቭ ቭልክ ሓጋዚት ዝነበራ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ግደ ምእመናን ኣብ ምስፋሕ እምነትን ተሳታፍነት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት የዘኻኽራ።

እቲ ናይ ሲኖዶስ መዳለዊ ሰነድ ምስ ኣመንቲ ካልኦት ሃይማኖታት ምስቶም ካብ እምነት ርሒቖም ምስ ዘለዉ ሰባት ምስ በርገሳዊ ማሕበርሰብ ከምኡ እውን ምስ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓቅታት ናይ ርክብን ሓባራዊ ናይ ዘተ ተገብሶታት ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽት፡ ኣብታ ኢእግዚኣብሔራውያን ብብዝሓት ዘለዉዋ ሃገረ ረፓብሊካዊት ቸክ ኣዚ ኣመለኻኽታ እዚ ብኸመይ እዩ ክፍጸም ዝኽእል? ብናተይ ኣረኣእያ ዓብይ ምህዞን ናይ ምሕሳብ ክእለትን እዩ ዝሓትተና። ንኣብነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመኽፈቲ ሲኖዶስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ድሕሪ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምስ ጐደና ሓደር ሰባት ዘካየድዎ ርክብ ኣገሪሙኒ እዩ። እዚ እውን ኣብነት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ጥራሕ እተሳትፍ ዘይኮነስ ኵሎም ከከም ምዃኖም እትሓቁፍ እያ። ምስ ዘይኣመንቲ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ክንጥቀመሉን ብዛዕባ ጒዕዞኦም ግቡእ ቋንቋ ብምድላይን ሕቶታቶምን ኣረኣእያኦምን ብምስማዕን ቀረባ ናብ ምዃን ከነብልን ዝሕግዘና እውን እዩ።

ወትሩ ምስትውዓል ኣድላዪ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ምስ ሃብታም መንእሰይ ክራኸብ እንከሎ ወንጌል ዘዘንትዎ ታሪኽ ኣማኣኪሎም ቅድስነቶም ከብርሁ እንከለዉ፥ ኢየሱስ ቅድም ይራኸቦ ደሓር ከኣ ይሰምዖ፥ እዚ ጥልቂ ምስማዕ እዚ ኸኣ እቲ መንእሰይ ልልያ ንኽገብርን ንኸስተውዕልን የብቀዖ። እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ንኸስተውዕል ይሕግዞ። ብዘይካ እዚ ብሓቂ ናጻ ልቢ መእንቲ ክህልወካ ዘሎካ ሃብቲ ምክፋል ጥራሕ እዅል ኣይኰነን። ንሕና እውን ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ክህልወናን ቀረባኦም ክንከውንን ምሳታቶም ግዜ ከነሕልፍን ምሳታቶም ክንከውን ክንፈልጦምን ክሳዕ መወዳእታ ክንሰምዖም ምናልባት እውን ምሳታቶም ኴንና ነቲ ዝብልዎ ከነስተውዕል ኣሎና። እቲ ንዓታቶም ዝወፈናዮ ግዜ ርዝነትን ነቶም ዘይኣመንቲ ብዝያዳ ከም ዚሳተፉ ኪገብሮም ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ዋላ እውን ሃይማኖታዊ እምነት ከም ዘለዎም እንተ ዘይገለጹ ኣባላት ስድራ ቤት ከም ዝዀኑ ኰይኑ ክስምዖም ዚገብር ይመስለኒ።

ኣባል ማሕበር ኣፍቅሮተ ዘቤት ኢኽን። ብመሰረት ስርዓት ማሕበር ኣፍቅሮተ ዘቤት ናይዚ ማሕበር መራሒ ወትሩ ጓለንስተይቲ ክትከውም ኣለዋ ይብል። እተን ነዚ ማሕበር እታ መስራቲት ዝኾነት ኪያራ ሉብኽ ኣብ ወንጌል ዘሎ መልእኽቲ ሕውነት ብሃይማኖትን ብመልክዓ ምድራውን ማሕበራውን እተፈላለዩ ሰባት ዝውክል ምዃኑ ይሕብራ። ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዘለወን ግደ  ብጭቡጥ እንታይ ይመስለክን? እዛ ሕቶ እዚኣ ቀላል ኣይኰነትን። ፈለማ ናብ ኣእምሮይ ዚመጻኒ ነገር እንተ ወሓደ ኣነ ከም ጓለንተይቲ ነታ ኣገልጋሊት ኣምላኽ ዝኾነት ማርያም ምስዓብ እዩ። እቲ ጽሞና ዝተመልኦ ኣገልግሎታ። ብዘይ ማርያም ኢየሱስ ኣይምተወልደን ነይሩ። ህያባትና ከም ደቅንስትዮ እቲ ካባና ክፈሪ ዝኽእል ኵሉ ሒዝና ኢና ናብ ቤተ ክርስቲያን እንኣትው። ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ብዙሓት ደቀንስትዮ ከምእተራኽባን ሓንቲ ካብኣተን እውን እተን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምኽትል ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሓብትና ናታሊ ኔረን። እዚ ብዛዕባ መሰላት ደቅንስትዮ ንምርካብ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ብብሕተይ ክህቦ ዝክእል ነገራት ንኽሓስብ ከም ህያብ ኩይኑ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከቕርቦ ኣሎኒ፣ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኢየሱስ ምስጢራዊ ኣካል ምዃና ንኣምን እንተድኣ ኴንና እቲ ኣብ  ቤተ ክርስትያን እነቕርቦ ኣገልግሎት ንኢየሱስ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንደቀንስትዮ ኣብ እተፈላለየ ሓላፍነት ከቐምጥዎን እርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ኣብዚ ኣብ መንጐ ሰብኡትን ኣንስትን ዘሎ ሓባራዊ ምንቅስቓስ ኣዚዩ ዘማዕብል ከምዝኾነ እየ ዝኣምን። ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደኣዊ ባህርይ ዘጒልሕ እውን እዩ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

16 October 2021, 09:33