ድለ

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ናይ ኢጣሊያ ቅነ ሕብረተሰብኣዊ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ናይ ኢጣሊያ ቅነ ሕብረተሰብኣዊ 

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ናይ ኢጣሊያ ቅነ ሕብረተሰብኣዊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተጋባእያን ኰኑ ኣዳለውቲ መበል 49 ናይ ኢጣሊያ ማሕበራዊ ቅነ ዘይተጸበይዎ ንዅሎም ባህ ዘበለ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣቢሎም፥ “እቲ ኣብዘን ማዕልታት እዚኣተን ብዝዕባ መጻኢ መሬት ዘስተንትን ጒባኤ፥ ልዕሊ ዅሉ ተስፋ ንምግባር ዝኽፈት ለውጢ ዝሓትት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ናብቲ ኣብ ሃገረ ኢጣሊያ ዞባ ፑሊያ ናብ ዝተኸፍተ ብሔራዊ ቅነ ሕብረተሰብኣዊ ማንም ከይተጸበዮን ከይሓሰቦን ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘመላለፉን ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲን ናይ ከተማ ታራንቶ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሳንቶሮን ኣብቲ ብሰንኪ ለብዒ ዝተኣታተው ዘሎ ብድሆታት ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ናብቲ ኣብ ዞባ ፑሊያ ከተማ ታራንቶ ናብ ዝተኸፍተ ናይ ኢጣሊያ መበል 49 ማሕበረሰብኣዊ ቅነ ተጋባእያን ኵሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ነቶም “ብሰንኪ ሞትን መከራን ደቃቶም፡ ዝበኽዩን ዝበኽያን” ኣቦታትን ኣዴታትን ኣባይቲ ስድራን ቅርበቶም ሓልዮቶም ከምዝገለጹን፥ እቲ ማሕበራዊ ቅነ “ተስፋ እንገብራ መሬት፥ ከባቢ ስራሕ መጻእን፡ ኵሉ ተማራዃሲ እዩ” ብዝብ ርእሰ ጉዳይ ዝምራሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እንነብረላ መሬት ናይ ኵሉ ምልዋጥ ትሓትት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተጋባእያን ኰኑ ኣዳለውቲ መበል 49 ናይ ኢጣሊያ ማሕበራዊ ቅነ ዘይተጸበይዎ ንዅሎም ባህ ዘበለ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣቢሎም፥ “እቲ ኣብዘን ማዕልታት እዚኣተን ብዝዕባ መጻኢ መሬት ዘስተንትን ጒባኤ፥ ልዕሊ ዅሉ ተስፋ ንምግባር ዝኽፈት ለውጢ ዝሓትት እዩ። እዛ ተስፋ እንገብረላ መሬት እውን፡ ትብዓትን ድሕነት ንምርካብ ዘሎና ባህጊ ተዘኻኽረና። ከባቢ ስራሕ ከምኡ እውን መጻኢ ንሓድሕዱ ዝጻረር ዘይኰነስ ንምሉእ ስኒት ዘለዎ ሓድሽ ኣነባብራ ብዓውታ ይሓትተና፡ ኵሉ ተማራዃሲ ምዃኑ ፈጺምና ክንዝንግዕ የብልናን” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መንእሰያት፥ ሓለውቲ ፍጥረት

ቅዱስነቶም ንመንእሰያት እናሓሰቡ፥ “ንፍጥረት ብኸመይ ከም እንሕልዎ መምሃራንና ኢኻትኵም፡ ህልዋን ኢኻትኵም፡ ናይ ሎሚ  ‘መሬት’ ኢኻትኵም፡ ብዛዕባ መሬት ካብ ዝሕንጸጽ መደብን ካብ ዝካየድ ኣስተንትኖን ሕሩጋት ኰይንኩም ኣይሰማዕኵም፡ ትምኒትኵም ናይ ኵሉ ሰብ ሕልሚ ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ኣካባቢ እትምህርዎ ብዙሕ ነገራት ድማ ኣለኵም” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ነቶም ኣብ መስቀላዊ መገዲ ዝርከቡ ሰባት አስተብህለሎም

ነቶም ተስፋ ዝቘረጹን ንኣብነት ካብ ዓዶም ክወጹ እተገዱ እሞ ስራሕ ዘይብሎም ወይ ዝምዝመዙ ሰባት ዘጓንፎም ነዞም ኣብ መስቀላዊ ኵነታት ዝርከቡ ሓደራ ነስተብህለሎም፡ ጽን ኢልና ንስማዓዮም። ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንስእነት ስራሕ ዝተቓልዐን ወይ ከኣ ካብ ኣደ ምዃንን ወይ ከኣ ስራሕን ሓዲኡ ክመርጻ ዝግደዳ ኣለዋ። ህይወቶም ንኸመሓይሹ ዕድል ዘይብሎም ሰራሕተንታት ተቐባልነት ዘይብሎምን ዝንጸሉን ድኻታትን ስደተይናታትን እተጠንጠኑን ብጽሞና ዝብልዑ ኣረጋውያን ግዳያት ሓራጣን ብልሽውናን ዝኾና ኣባይቲ ስድራን እቶም ብናይ ገበን ጉጅለታት እተሃስዩ ነጋዶን . . . ብዙሓት ኣብ ስራሕ ዓለም ዝተዳጐኑ ቈልዑን እዞም ኵሎም ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ከቢድ ኵነት እያቶም ዝርከቡ፡ እናረኣና ዘይራዩ ኣይንዅን ቢሎም መንፈስ ቅዱስ ነቲ ናይ መቓብር ልዳት ዓቢይ ኣእማን ክእለይን ሕጋዊ ተስፋታቶም መታን ኪፍጸም ንመንፈስ ቅዱስ ንጽልይ! ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ወትሩ ኣብ ጒዕዞ

ኣብ ቅድሚ እቶም ወንጌል ከህስሱ ንዝፍታተኑ ብድሆታት ኢድካ ሂብካ ከም ንቡር ምርኣይን ልሙስ ምዃን ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንስዕሮን እዚ ፍቕሪ እዚ ንቕድሚት ንኽንብል ዝድርኸና ምዃኑ ኣስተውዒልና ተስፋ ወትሩ ኣብ ምንቅስቓስ ምዃኑ ከነስተውዕል፥ ኣብ ኣቢያተ ክርስትያናትናን ብሉጻት ጒጅለታትናን ዕጹዋት ዘይምዃን . . . ዝሕሸት ብልጽትን ሓደኳ ሕሩግ ዘይኮነላ ሓቛፊት ዓለም ብዅሉ ጽፍሕታት ምዕባለን ኣብ ፖለቲካን ኣብ ቍጠባን ውሕስ ምግባር። ዘይሕጋዊ ነገራት ዘበለ ኵሉ ኣይፋል ምባል ከፍርሃና የብሉን ልዕሊ ኵሉ . . . ሰናይ ምዝራእ ከፍርሃና የብሉን” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መገድታትና ናብ ሓባራዊ ጥቕሚ ዝመርሕ ክኸውን

“ተስፋ ወትሩ ኣንፈት ክንቅይር ከም እንኽእል ጸገማት ንምፍታሕ ወትሩ መዋጽኦ ክንገብር ከም እንኽእል ኣፍልጦ ንኽህልወና ይዕድመና። ማሓድሮ ጥራይ ዘይኮነስ ንሰብኣዊ ማሓድሮ ማለት ንማሓድሮ ልቢ ዝትንክፍ ዓሚቝ ለውጢ የድልየና፡ ነቲ ውሑስ ዝኾነ ዝተወሃበና ንምዕቋብ ዝብል ቀሊል መፍትሒ ንምንዳይ ዘይኮነስ ንጥቕሚ  እቶም መንእሰያት ወለዶ ነባሪ መስርሕ ለውጢ ንምቕራብ ሕልናና ብኸመይ ከም እነማዕብሎ እንተ ፈሊጥና ጥራይ ኢና ምልዋጥ ዝህሉ። እዚ ምልዋጥ እዚ ንመሬት ዓቢይ ኣበርክቶ ከምዝህልዎን ናይ ዘተን ሰላም ዝኾነ ወጋሕታ ዘርህው ባህሊ ከምዘተኣታትው ርጉጽ እዩ” ከምዝበሉን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ናብቲ ናይ ኢጣሊያ ማሕበራዊ ቅነ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ፥ “እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከቢድ ተፈና ከምዝኾነን ገና እውን ከምዘየብቀዔን ኣዘኻኺሮም ዓቕምናን ድሩትነናን ምንጽጻራትናን ኵሉ ሓድሽ ኣርኣያ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ እዩ። ሓድነት ንጸገማት ካብ ንምግጣምን ንምፍታሕን ካብ ሕይወት ንምልክኻልን ኣትሒዙ ንባህርያት ወድሰብ ምሉእ ብምሉእ ንምድጋፍ ከም ቀንዲ ረቛሒ ምግባር ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትእምማን ስምዒት ተሰዓሪ ምዃኑ የረጋግጸልና . . . ነቲ ኢማዕርነት ዜምጽኦ ኣሉታዊ ጽልዋ ብግቡእ ንኽንገጥሞ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዝንጽል ባህሊ ኣክንዲ ንምውጋድ ንዓዪን ኣብ ንእሽቱ ጉጅለታት ዘደብነና ኩነት እንተድኣ ነድህብ ኴይና መላእ ሃገር እያ እትሳቐ፥ ከም ሃገርን ህዝብን ምሕሳብ የድሊ . . . ምዕባለ ካብ ኵሉ ዓይነት ድኽነት ምስ ኣካባቢ ምትዕራቕ ኣብ ድሕንነት ደቅሰብ ዘተኰረ ሓድሽ ምህዞ ከምኡ እውን ማሕበራውነት ርእሰ ማል ዝገብር ሕብረተሰብ ምድልዳል የድሊ፥ ኣብ ኵሉ መዳይ እነዋፍሮ ሃብቲ ሰብኣውነት ዘማእከለ ይዅን . . . ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 October 2021, 08:22