ድለ

ካርዲናል ሾንቦርን፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ርሕራሐን ማሕበረሰብኣውነትን ካርዲናል ሾንቦርን፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ርሕራሐን ማሕበረሰብኣውነትን 

ካርዲናል ሾንቦርን፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ርሕራሐን ማሕበረሰብኣውነትን

ብናትኵም ኣረኣእያ እዚ ሲኖዶስ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምትግባር ጐዲሉ ዘሎ ነገር ንምፍጻም ዝኣመተ ኣጋጣሚ ጌርና ኽንሓስቦ ንኽእልዶ? ብርግጽ።

ናይ ቪየና ሊቀ ጳጳሳት ንዜና ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ክትጅምር እንኰላ እተጸበይዎ ብኸመይ ፍልይቲ ክትከውን ከምዘልዋ ይገልጹ። “ኣብ ስቓይ ካልቶ ምክፋል ልዕሊ ዅሉ መባእታዊ ነገር እዩ” ቢሎም ገሊኤን ሃገራት ኤውሮጳ ንስደተይናታት ንኽዓግታ መናድኽ የቑማ፥ ይዅን እምበር እዚ መገዲ እዚ ፈጺሙ ከምዘይዓዪ የጠንቅቝ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናልን ናይ ቪየና ሊቀ ጳጳሳትን ክሪስቶፍ ሾንቦርን ኣብ ብዙሓት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዝተሳተፉ እዮም። ኣብቲ ዝተጸወዓ ካብ 2021 – 2023 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ መወዳእታ ሲኖዶስ ከኣ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ድምጺ ንምስማዕ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓመቘ ይኸይድ ምህላዉ ዘመላኽት እዩ። እዚ ኸኣ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘበገስዎ ሲኖዶስ ነዚ ዘረጋግጽ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባ ይቨስ ኮንጋር ብምጥቓስ ነቲ ሲኖዶስ ክኸፍቱ እንከለዉ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ዘይኰነስ “ዝተፈልየት ቤተ ክርስቲያን” ክንገብር ከምዘሎና ይገልጹ። ብጹዕነትኵም እታ ቤተ ክርስቲያን ካብዚ ዘላትሉ እተፈልየት ክትከውን ዘለዋ ስለምንታይ እዩ? ዝያዳ ምስማዕ ትም ንምባል ዘይኰነስ ህዝቢ ኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ መከራ ዚወርዶም ንምስማዕ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ብዅነታት ብዙሓት ሰባት ኣቢሉ ዝነገረና ነገራት ንምስማዕ። ነቲ ማእከል ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ርሕራሐ ጻውዒት እዩ። ኣብ ሮማ ብሓቂ ነዚ ዝምስክር ማለት ናይ ርሕራሐን ቀረባ ናይ ምዃን ብዙሕ ተመክሮታት ኣሎ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ካልእ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነስ ዝተፈልየት ቤተ ክርስቲያን” እዮም ዝሓትቱ ከምዝመስለኒ።

ብፍላይ እንታይ ተመክሮታት ኢዅም እትጠቕሱ ዘለዅም? ንኣብነት ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካብ ብዙሓት ዓመታት እትሒዙ ሰናይ ኣብነት ዝምስክር ዘሎን ኪያራ ኣሚራንቲ እውን እዚ ማሕበረሰብ እዚ ብሓቂ ደስ ዘብል እዩ። እዚ ምልክት ናይታ ቀረባውነት እትነብር ፍልይቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ኢየሱስ ምስታ ሓደ ወዳ ዝሞታ መበለት ኪራኸብ ከሎ ዘሎ ኵነት ነዚ እዩ ዘርእየና - ወንጌል “ብርሕራሐ ተደሪዅ” ይብል። “ኣብ ስቓይ ካልቶ ምክፋል ልዕሊ ዅሉ መባእታዊ ነገር እዩ”፡ እዚ ክእለት እዚ ኸኣ ኢየሱስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕተም ክኸውን ደለዮ።

እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ምምኻር ዝብል ዝተበገሰ መስርሕ ነቲ ሲኖዶስ እንታይ ተወሳኺ ክብሪ እዩ ዝህቦ? ኣብ ኵሉ ሲኖዶስ ምኽኽር ይግበር እዩ። ቅዱስ ኣቦና እዚ ምኽኽር እዚ ክሰፍሕ እዩ ዝደልዩ፥ እቲ ምስማዕ እንክብሉ ዘገልጽዎ ንሱ እዩ። ነቶም ከም ናታና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ግን ከኣ መብዛሕቲኡ ግዜ በቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ስነ ምግባራዊ ስርዓትን ክቡራት ዋጋታትን ተመሪሖም ዝነብሩ ሰባት ክንሰምዖም የድሊ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ዅሉ ምስማዕ እዚ እንታይ ንምግባር እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ቅዱስ ኣቦና መደባት ስጒምቲ ኣይኰነን ዝሓትቱ ዘለዎ እንታይ ደኣ እቲ ማሕበረሰብ ዝገብር ማዕቅን፥ ተሳታፍነትን ምስማዕን እዩ። ካብዚ ኸኣ ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝብልዎ “ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ካልኦት ካብ ሃይማኖቶም ንምስዳዕ ዘይኮነስ ንምምራኽ እዩ። ቤተ ክርስቲያን እትዓቢ ካብ ምስዳዕ ዘይኮነስ ኣብ ምምራኽ እዩ”። ከምቲ ነብይ ዝብሎ ድማ “ኣረማውያን ምስ መጹ ‘ኣምላኽ ኣብ መንጎዅም እዩ” ኪብሉ እዮም።

ብናትኵም ኣረኣእያ እዚ ሲኖዶስ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምትግባር ጐዲሉ ዘሎ ነገር ንምፍጻም ዝኣመተ ኣጋጣሚ ጌርና ኽንሓስቦ ንኽእልዶ? ብርግጽ። ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ንኽረክብ ነዊሕ ግዜ እዩ ዝሓትት። ንኣብነት እቲ ናይ መጀመርታ ዓቢይ ናይ ቂልቂያ ጉባኤ እስከ ንሕሰብ። ኣብ 2025 ዓ.ም. ናይቲ ጒባኤ ኢዮቤል ከነብዕል ኢና። ቤተ ክርስቲያን ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኸፈተ ናይቲ ጉባኤ ውሳኔታት ከተዀምስዖን ናብ ተግባር ንኸተምጽኦ ሰለስተ ኣርባዕተ ዘመን ወሲዱላ እዩ። ዋዕላ ትረንቶ እውን ኣብ ገሊኡ ሰበኻታት ቪየና ንምትግባሩ 250 ዓመታት ወሲዱ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስትያን ዋዕላ ናይ መንፈስ ቅዱስ “ህቦብላ ንፋስ እዩ” ነዚ ብምሉእ ርድኢት ንምትግባሩ ግዜ ይሓትት። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16ን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ገምሪ “ህዝቢ እግዚኣብሔር” ዝነበሮም ነዚ ብፍሉዩ ዘስተውዕሉ እዮም። ኵላትና ህዝቢ ኣምላኽን ህላወ እግዚኣብሔር ኣብ ዓለምን ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ር.ሊ.ጳ. ኣገዳስነት ጸሎትን ማእከልነት ጸሎት ኣብ ሲኖዶድስን ኣገድሲ ምዃኑን እዚ ኸኣ ከምቲ ንሶም ዝብልዎ “መንፈስ ቅዱስ ዘስተንፍሶን ዝብሎም ኣብ ውሽጥና ክንሰምዖ መታን ኣዩ።”

ኣብ መደምደምታ ብዛዕባ ሓንቲ ‘መካበብያ ዘይብላ’ ቤተ ክርስቲያን ተዛሪባን ኢና፡ እዚ ምስቲ ኣብ ዓለምና ዝረአዩ ካልእ ዓይነት መናድቕ ብምትሕሓዝ ንመልከቶ። ዓሰርተ ክልተ ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ናይቲ ሕብረት መርሕነት ኣካል ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዶባት ንምዕቋብ ጸዓት ስደተይናታት ንምዕጋት ሓድሽ መሳርሒታት ክተኽላ ሓቲተን ኢየኝ። ገለ ኻብዚ ድማ መናድቕ ምቛም ዝብል እዩ። ነዚ ጒዳይ እዚ ብኸመይ ትምልከትዎ? ኣነ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ታሪኻዊ ርእእይ ኣሎኒ - ምዕጋትን መናድቕ ምቛምን ፈጺሙ ኣይዓየየን! እቲ መናድቕ ኣብ ሕእጸያዊ ግዝኣት ሮማ ዝነበረ መናድቕ ኣውረልያን እቶም ባባራውያን ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ሰባት ናብ ግዝኣቱ ንኸይኣትዉ ቢሉ ዘቖሞ እዩ ነይሩ። ንኸይመጹ ግን ኣይዓገቶምን። እዚ ዅሉ ጻዕርታት ርዱእ እዩ ፍርሂ ኣሎ። ሓደጋ ኣሎ ናይ ሓቂ ሓደጋ ኣሎ፡ እወ ክንርስዖ የብልናን፡ እንተ ዀነ ግን ካልእ መገድታት እውን ኣሎ። ኤውሮጳ ሃብታም ስለ ዝዀነት ሰባት ካብ ሃገሮም ምእንቲ ከይስደዱ ንድኻታት ሃገራት ምሕጋዝ ከተበራትዕ ትኽእል። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “እቲ ናይ ኤውሮጳን ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካን ሩሲያን ቻይናን” ምህርቲ ኣጽዋር፡ ጸዓት ስደተይናታት እዩ ዘፍሪ እንክብሉ ብተደጋጋሚ ገሊጾምዎ እዮም። ኣጽዋር ምምራትን ናይ ድኻታት ሃገራት ጸጋታት መዝማዚ ፖለቲካዊ ሜላ እንተ ድኣ ዘሎ ኰይኑ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን እንተዘይኣለናዮ ስደተይናታት እተጐረፉ ምርኣይ ክገርመና የብሉን። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሶሪያ ምብጻሕ ኣካይደ ነይረ። ንማሕበረሰብ ክርስቲያን በጺሐን ብዙሓት መንእሰያት ከኣ ኣብ ሃገርና መጻኢ ስለ ዘየለ ክንስደድ ኢና እንደሊ’ ክብሉ ሰሚዐዮም እየ። መጻኢ ዘይህሉ ግን ስለምንታይ እዩ? ምኽንያቱ እቶም ሓላያላት ዓለም ሰላም ስለ ዘይገብሩ እዩ። ንዓማጽያን የዕጥቑ፥ ሰላም ክህሉን ሕዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩን ቤቱን ብሰላም ክንብር ኣክንዲ ምሕጋዝ ኣጽዋር ይቐርብ። ስለዚ ጸኣት ስደተይናታት ኣብ ምፍራይ ተሓታትነት ዝማዕበላ ሃገራት ኣለወን ምባል ጌጋ ኣይኰነን፥ጸኣት ስደተይናታት ስለምንታይ እዩ ዘገርመና? ጸኣት ስደተይናታት ደራኽን ጸኣት ስደተይናታት ዘተሓሳስቦን ምዃን ዘይሰማማዕ ሓሳብን ተግባርን እዩ! እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

16 October 2021, 09:31