ድለ

ኢጣሊያ፥ ተጠራጣሪ እምነት ጥራይ ዘይኮነስ “ሃይማኖት ዝሰፍሓላ” ኣተኵሮ ንኽቡራት ዋጋታት እትገብር ኢጣሊያ፥ ተጠራጣሪ እምነት ጥራይ ዘይኮነስ “ሃይማኖት ዝሰፍሓላ” ኣተኵሮ ንኽቡራት ዋጋታት እትገብር 

ኢጣሊያ፥ ተጠራጣሪ እምነት ጥራይ ዘይኮነስ “ሃይማኖት ዝሰፍሓላ” ኣተኵሮ ንኽቡራት ዋጋታት እትገብር

እቲ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅድሚ 25 ዓመት “ሃይማኖት - እምነት ኣብ ኢጣልያ” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ 1995 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ድህረ ለብዒ ኣብ ዘሎ ዓመት ዘካየዶ ጥልቂ መጽናዕቲ ሃይማኖት - እምነት ኣብ ኢጣሊያ እንታይን ከመይን ይመስል ንጹር ስእሊ ዘቕርብ

ቅድሚ 25 ዓመት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት “ዘይተረጋገጸ እምነት” ብዝብል ኣርእስቲ ዘበገሶ እምነትን ሃይማኖትን ኣብ ኢጣሊያ ፈልዩ ዝምርምር ዘካየዶ ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ መጽናዕቲ ሰነድ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ከምዝቐረበን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ 22 ሚእታዊ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ዝሳተፍን ቅጽሪ እቶም ድሕሪ ሞት ኣብ ዘሎ ህይወት ዚኣምኑ ሰባት ካብ 41 ሚእታዊ ናብ 28 ሚእታዊ ከምዝነከየን እንከመላኽት፡ ነቲ ሰነድ ብውግዒ ንንባብ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ሊቅ ቺፕሪያኒ “ናይ ክቡራት ዋጋት ሃይማኖት” ይቐውም ከምዘሎ ዘመላኽት ሰነድ እዩ እንክብሉ፡ ናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብረት ዋና ኣመሓዳሪ ብጹዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ እውን ብወገኖም፥ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ዓይነት ተሳትፎ ምህላዉ ዘነጽርን ሓድሽ ዓይነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝጠልብ ምልክት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢጣሊያ ዝነበረ ዝንባለ “እምነት ኣብ ኣምላኽ” ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ናብ “ምጥርጣር እምነት” ገጺ ከምዘበለን ከም ስድራ ቤት ኣኽብሮት ፍትሒ ሓድነት እንግዶት ምክፋል ስራሕ ምሕዝነት ምንቅስቓስ ኣካላት - ስፖርት ቅንዕና ዝኣመሰለ “ኣገዳሲ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት” ክብ እናበለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ቅዳሴ ሰናብቲ ዝሳተፉ ካብ 1995 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ብ 9 ሚእታዊ ከምዝነከየን ዝያዳ ዘስተንትንን ውሽጡ ዝምርምርን” ኣብ ምዃን ስለ ዝዓበየ ድማ ነገራት ብይኵን ዘይቕበል ብምዃኑ ንሃይማኖትን እምነት ዘለዎ ኣቀራርባ እውን ቀይሩ ይርከብ፡ ስለዚህ እቲ ዘለዎ ምጥርጣር ፍሽለት ኣብ እምነት ዝውክል ኣይኮነን። ነዚ ዝበሉ እቲ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሮማ ትረ መንበረ ጥበብ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ሊቅን መምህርን ሮበርቶ ቺፕሪያኒ እዮም።

ሃይማኖት ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመት

እቲ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅድሚ 25 ዓመት “ሃይማኖት - እምነት ኣብ ኢጣልያ” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ 1995 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ድህረ ለብዒ ኣብ ዘሎ ዓመት ዘካየዶ ጥልቂ መጽናዕቲ ሃይማኖት - እምነት ኣብ ኢጣሊያ እንታይን ከመይን ይመስል ንጹር ስእሊ ዘቕርብ እዩ። ነቲ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ጒባኤ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብርተ ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ፥ እቲ ጸብጻብ “ኵነታት ጥዕና ህዝቢ” ዝሕብር ስእሊ እንክብሉ ነቲ ሰነድ ገሊጾም፥ “መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቅድሚ ምንቕቓሕ ብዛዕባ እቲ ኽንዓየሉ - ጉስነት ከነካይደሉ እንደሊ ቦታ ዘሎና ፍልጠት ከነዕምቖ ኣሎና፡ እትዋፈረሉ ቦታ ምፍላጥ ንእተካይዶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሰረት እዩ፥ ነቲ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ዝመርሑ ፕሮፈሰር ቺፕሪያኒን ተሓበርቶም ፍራንኮ ጋረሊን ክልኦትን እውን ብወገኖም፥ “እቲ ጸብጻብ ዝቕርቦ ኣሃዛዊ ሓበሬታ ዕሽሽ ከይበልካ ክንየው እቲ ኣሃዝ ምባል የድሊ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በቲ ጸብጻብ መሰረት፥ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰናብቲ ዝሳተፍ ብዝሒ ካብ 31.1 ሚእታዊ ናብ 22 ክሳብ 14 ሚእታዊ ከምዝነከየን እምነት ኣብ ሕይወት ዓቢይ ምርግጋእ ክህሉ ይገብር ዝብሉ ካብ 10.4 ሚእታዊ ናብ 19 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን ህይወት ድሕሪ ሞት ዚኣምኑ ካብ 41.5 ናብ 28.6 ሚእታዊ ከምዝነከዩን እቲ ሰነድ የመላኽት።

28 October 2021, 09:09