ድለ

ታሪኽ

ኣውያት እታ እትሳቐ መሬትን ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!

ፕሮፈሰር ራማናታን “ኣደና ተፈጥሮ ንጐድኣ ከም ዘለና ብዅሉ መገዲ ክትነግረና ትጽዕር ኣላ። እዚ ኸኣ ናብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቶም ዛዕባ ናይ ምድሪ ገዓር እንክብሉ ናብ ዝገልጽዎ ሓሳብ እዩ ዝመርሓና” ቅዱስነቶም ከምዝብልው፥ “እቲ ገዓር መሬት ምስ ገዓር ድኻታት ሓቢርና ክንሰምዖ” ከምዘሎና ዘመላኽት እውን እዩ

ናይ ስነ ከባቢ ኣየር ንብረት ሊቅ ፕሮፈሰር ራማናታን፥ ፥ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም “ስርዓት ናይ ከባቢ ኣየር ንብረት ከም ዚጠፍእ” ይገብር፡ እዚ እውን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ እውያት ናይታ እትሳቐ መሬት ናይ ድኻታት ኣውያትን ናይ ኵላትና ኣውያት እዩ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ እተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝመጹ መራሕቲ ኣብቲ ካብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ግላስጐ ዝካየድ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዓውደ ኣኼባ ዕላማኡ ነቲ ውዕል ፓሪስ ዘንበሮ ሸቶታት ንምውቃዕ ቅልጡፍ ስጒምቲ ምውሳድ ዝብል ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዋዕላ ፓሪስ ንናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኻን ኣማኻሪ ኮይኖም ዝተሳተፉ ፕሮፈሰር ቨርባድራን ራማናታን ናይ ስነ ኣየር ንብረት ሊቅ ዝተነበይዎ ሎሚ ዘጋጥመና ዘሎ “ምዝባዕ ኵነታት ኣየር” ንኽንክይ ቅልጡፍ ስጒምቲ እንተ ዘየወሲድና ብ 50 ሚእታዊ ክብ ክብል ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድው ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ገዓር ኣዴና ተፈጥሮ

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት “ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣማኻሪ ዛዕባ ከባቢ ኣየር” ናይ ስነ ከባቢ ኣየር ንብረት ሊቅ ፕሮፈሰር ራማናታን ኣብ 1975 ዓ.ም. ወዲ 31 ዓመት ዕድመ እንከለዉ ብዛዕባ ለውጥታትን ምዝባዕን ከባቢ ኣየር ንፈለማ ግዜ ርእይቶን ጽሑፋት ከቕርቡ ዝጀመሩ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ “ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ብሰብኣዊ መገዲ ኣይተዛረብናን። ብዛዕባ ምከት ሃብቲ በረድ ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕሪ ገና ብዓንተውኡ ይዛረቡ ነይሮም። ምኽንያቱ እዚ ኣብ መንጐ ምውሳኽ ሙቐትን ክትሩ ኵነታት ኣየርን ዘሎ ለውጢ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ብንጹር ክርአ ጀሚሩ ኣሎ።” 

ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!
ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!

ፕሮፈሰር ራማናታን “ኣደና ተፈጥሮ ንጐድኣ ከም ዘለና ብዅሉ መገዲ ክትነግረና ትጽዕር ኣላ። እዚ ኸኣ ናብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቶም ዛዕባ ናይ ምድሪ ገዓር እንክብሉ ናብ ዝገልጽዎ ሓሳብ እዩ ዝመርሓና” ቅዱስነቶም ከምዝብልው፥ “እቲ ገዓር መሬት ምስ ገዓር ድኻታት ሓቢርና ክንሰምዖ” ከምዘሎና ዘመላኽት እውን እዩ።

ኣውያት ምድር

ምድሪ ብኸመይ ኣገባብ ኣቢላ እያ እትግዕር ወይ ገዓራ እተስምዕ? ቀዳማይ በቲ ዝውስኽ ዘሎ ሙቐት ኣቢላ እያ። ፕሮፈሰር ራማናታን ኣብ 2018 ዓ.ም. ምስ መሳርሕቶም ኰይኖም ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ፥ ኣብ 2030 ዓ.ም. እቲ ሙቐት ምድሪ ብ 1.5 ዲግሪ ሰንቲ ግረድ ከም ዝውስኽ ተነብዮም እዮም። “ገና ኸኣ ትሽዓተ ዓመት ይተርፈና። ካብ 1 ናብ 1.5 ክብታ ሙቐት ምድሪ እቲ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ምዝባዕ ኵነታት ኣየርን ዘስዕቦ ዘሎ ኵለ መዳያዊ መጒዳእቲ ብ 50 ሚእታዊ ክውስኽ ዝድርኽ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።

ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!
ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!

ክልቲኦም ንሓድሕዶም ጥብቂ ርክብ ስለ ዘለዎም እቲ ምውሳኽ ሙቐት ነቲ ኵነታት ኣየር ኣብ ምቕያር እዩ ዘብቅዕ። እቶም ተመራማሪ ስነ ፍልጠት “ኣብ ዝሓለፈ 10 – 15 ዓመታት ናብ ዓለም ለኻዊ ምዝባዕ ስርዓት ከባቢ ኣየር ዝቕየር ዘሎ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም” ገና ኣብ መጀመርታ ጥራይ ከም ዘለና የጠንቅቝ። እቶም ፕሮፈሰር ቀጺሎም ከም ዝገለጽዎ ኣብ ኵሉ ክፍልታት ምድሪ ፍልይ ዝበለ ኵነታት ኣየር የጋጥም ኣሎ። “እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽሕ ዓመት ማለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ዘጋጥም ነገራት ሕጂ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት እዩ ዘጋጥም ዘሎ። ብሓፈሻ ኪርአ ከሎ እቲ ዝነቐጸ ከባቢ እናነቐጸ ኪኸይዲ እንከሎ እቲ ዝጠሊ ዝያዳ እናጠለለ እዩ ዝኸይድ፥ ናይዚ ኣብነት እውን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጀርመን ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ እዩ” ዘሰንብድ ሳዕቤን ዘለዎ ዝናም።”

ገዓር ድኻታት

ፕሮፈሰር ራማናታን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንገዓር ምድሪ ምስ ገዓር ድኻታት ስለ ዘተሓሓዝዎን የድንቖም። እቶም ነዳዲ ዘይረኽቡ ሰለስተ ቢሎዮን ዝዀኑ ኣብ ምድረ ገጽ ዘለዎ ሰባት” በቲ ኣብ ሙቐትን ከባቢ ኣየርን ዝርአ ለውጢ ከም ዝጽለዉን፡ ብዛዕባ እዚ እውን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተዘራረቡሉን፡ “ከም መግቢ ምድላውን መሞቒ ኣባይትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ድሌቶም ንምምላእ ዕንጸይትን ዒባ ዝኣመሰሉ ኮታ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ እዮም ዝጥቀሙ። እንተዀነ ግን መብዛሕትኦም እዞም ሰለስተ ቢሊዮን ዝዀኑ ሰባት እዚኣቶም ሓረስቶት እያቶም። ብዛዕባ እቶም ብኣሽሓት ሚሊዮናት ዝቑጸር ሄክታር መሬት ዝውንኑ ምዕራባውያን ሓረስቶት ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና - እቶም ካልኦት ሰለስተ ቢሊዮን ዝኾኑ ሓርስቶት ፍርቂ ሄክታር ምናልባት እውን ሓደ ሄክታር ዝውንኑ እያቶም። ስለዝ እቲ ዘጋጥም ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ብዝያዳ ተሓታቲ እቲ ዝጥቓዕ ድማ ኵሉ ይኸውን።

ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!
ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!

ገዓር ኵሉ

ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ድኻታት ኣብ ማእከላይ ደረጃ ዘለው ከምኡ እውን ሃብታማት ብተመሳሳሊ ሳዕቤን ይሳቐዩ። ማይ ኣይሂን ሰደድ ባርዕ ሓውን ኣብ መንጐ ሰባትን ኣእዋምን ፍልልይ የብሉን። “ለውጢ ከባቢ ኣየር ከምቲ ኮቪድ ንሓደ ዘይናሕስይ ናብ ኩሉ እዩ ዝበጽሕ”።

“ብፍላይ ብዛዕባ እቶም ካብ ወርሒ ናብ ውርሒ ብዝኽፈሎም ደሞዝ ናብራኦም ዝመርሑ ደቃቶም ናብ ኣባይቲ ትምህርቲ ክልእዅ ዝደልዩ፡ ካብ 30 ክሳብ 50 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት እየ ዝሓስብ፡ ቤቶም ብሓዊ ምስ ዝዓንው ከኣ  . . . እቲ ምዝባዕ ዘስዕቦ ዕንወት ምኽንያት ኵሉ ስርዓት መድሕን ዋሕስ ጋር ንብረት እውን ከይተረፈ እዩ ዝፈሽል። . . . ለውጢ ኩነታት ኣየር ንዅሉ እዩ ዝትንክፍ፡” ይብሉ።

ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!
ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!

ነቲ ገዓር ምቕያር የድሊ

ይዅን እምበር ይብሉ ፕሮፈሰር ራማናታን፥ “ምርጫታት ክንግበር ይግባእ” ቢሎም እዚ እቲ ምውሳኽ ሙቐትን ምዕልቕላቕ ማይ ክሳዕ ዘይሞትኵ ዋላ ሓደ ኣይገብረንን እዩ እናጠሓልካ ገና ኣይሞትኵን ብምባል ዕሽነት ዝበሃል ኣይኩነን፥ “እቲ ዘሐጒስ ብዙሓት በላሕቲ ነዚ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ብኸመይ ምላሽ ክንህበሉ ቢሎም ዝሓስቡን ብዛዕባ እዚ ዚመራመሩን ምህላዎም እዩ፡ ነቲ ሎሚ ዘሎ ገዓር ምቕያር የድሊ። መብዛሕቲኡ ዝርአ ጸገም ኵሉ ናይ ምቕያር ዕድል ኣባና ምዃኑ እዩ ዝንገር። እቲ ገዓር ካም ናይ ሓደ ሕማም ምልክት እዩ።”

እዞም ተመራማሪ ስነ ፍልጠት፥ . . . ነቲ ዝርአይ ዘሎ ምዝባዕ ኵነታት ከባቢ ኣየር ምትኽኻል ዝከኣል እዩ ዝብል ኣርኣእያ ካሳብ ዝተወሰነ እዋን ሓቂ ነይሩ፥ ሎሚ ግና ከምኡ ኣይኰነን ብዙሕ ግዜ ኣባኺንናን  እዚዩ ተድንጒዩ እዩ፡ እቲ ክንገብሮ እንኽእል ናይ ተፈጥሮ ባህርያዊ ኪደት ንኽንጥቀም ናብ ዘኽእል ኣገባብ ሕይወት ምምላስ እዩ፥ . . . ኣነባብራና ምስ ስርዓት ተፈጥሮ ምትኽኻል፡ ፍትሒ ንተፈጥሮን ንድኻታትን ምባል እዩ። ቁጡብ ህይወት ምንባርን ካብ ኵሉ ምምዝማዝ ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ገዛእ ርእስና ምሕራር እዩ። ኣነባብራኻ ምቕያር ክንብል እንከሎና ነቲ ምዝባዕ ክብ ከብሎ ዘይኽእል ኣገባብ ሕይወት ምቕያር እዩ።”

ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!
ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!

ኣየናይ ድምጺ እዩ ክስማዕ ዘለዎ?

“ነቲ ዝፍኖ ጋዝ - ከባቢ ኣየር ዝብክል - ምንካይ” እንተ ዀነ ከምቲ ፕሮፈሰር ራማናታን ከምዝብልዎ እዚ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝምልከት ጒዳይ ፖለቲካዊ ኰይኑ ኣሎ። ካብቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ሳጹን ኣውጺእካ ክርአ ኣለዎ። እንተ ዘይኰይነ ግና ከምቲ እንርእዮ ዘሎና ምግምማዕ እዩ ዝፈጥር። ስለዚህ ገዓር መሬትን ገዓር ድኻታትን ጽን ናብ ምባል ዘድህብ ፖለቲካ የድሊ።

ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!
ኣውያት እታ እትሳቐ መሬት ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ኵሉ ክኸውን እዩ!

“ብናተይ ኣረኣእያ - ይብሉ ፕሮፈሰር ራማናታን - ፖለቲካዊ ዘይኰነ ዋዕላ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣቢያተ መቕደስን ኣቢያተ ሙክራብን ኣቢያተ መስጊድን እዩ፡ ኵሉ እቲ ንሰባት ዝንገሮም ነገራት ፖለቲካዊ መዳይ ኣለዎ። እቲ ዘሕዝን ከኣ መራኸቢ ብዙሓን እውን ኣብ ክልተ ግንባር ምግምማዑ እዩ። ሰባት ቀልጢፎም ከስተውዕሉ ኣለዎም ሃይማኖታውያን ውድባትን መራሕትን ከኣ ነዚ ባዶነት እዚ ክመልእዎ ኣለዎም - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣቢሎም ቀዳማይ ስጒምቲ ወሲዶም እዮም። ኣብቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ፍልጠት ተቕዋም ኣብ ዝተዳለዎ ስነ ፍልጠትን እምነትን ፖለቲካን ኣብ ዘርእስቱ ዓውደ መጽናዕቲ “ስነ ፍልጠትን እምነትን ፖለቲካን ንሓድሕዶም ዚደጋገፍሉ ሓያሎ ረቛሒታት ከምዘሎ ኣመላኺቱ እዩ። ካቶሊካውያን ዝኾንኵም ዛዕባ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ካብቶም ዝተረፉ 50 ሚእታዊ ነቶም 10 ሚእታዊ ጥራሕ እውን ከተእምኑ እንተኽኢልኩም ድሮ ዓቢዪ ስጒምቲ ክንወስድ ኢና - እዚ ኸኣ ቅኑዕ ተበግሶ ዝወስዱ ብቑዓት መራሕቲ ኽንመርጽ የኽእለና። ኵሉ ነገረ ኣብ እምነት እዩ ዘተኵር።”

ታሪኽ ሕይወት ፕሮፈሰር ቪራብሃድራን ራማናታን፥ ኣብ ህንዲ ናይ ዞባ ታሚል ናዱ ርእሰ ከተማ ቸናይ ዝተወልዱን ኣብ ህንዲ ክሳብ ቀዳማይ ናይ መንበረ ጥበብ ተመራቒ ኮይኖም ድሓር ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጊዕዞም ኣብኡ ድማ ኣብ ሃገራዊ መንበረ ጥበብ ኒው ዮርክ ሊቕነት ኣመስኪሮም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ካሊፎርኒያ ሳን ዲየጐ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኤድዋር ፍራይድማን ናይ ስነ ከባቢ ኣየር ንብረት መምህር ከምዝኾኑን ኣብ 2004 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል እንክብሉ ከምዝሰመይዎም ይዝከር።

27 October 2021, 09:20