ድለ

ታሪኽ

ከም ኢየሱስ ምስ ድኻታት ምንባር፡ ኣብነት ኣባ ዅልዮ ላንቸሎቲ

“ምስ ር.ሊ.ጳ. ብስልኪ ምርኻብ ኣዚዩ ባህ ዘብልን ዘተባብዕን እዩ”። ነቶም ኣብ ጽንኩር ኵነት ዝርከቡ ቀረባ እዮ። “ንድኻታት ተኸናኸውንዎም ምሳታቶም ኵኑ”፡ ንስኻ ከም ኢየሱስ ድኻታት ዝሓረኻን ምስ ድኻታት እትነብርን ኢኻ” ከም ዝበልዎም

ከምቲ ክርስቶስ ዚምህሮ ኣብ ጐድኒ ድካታት ምዃን። እዚ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ንኣባ ኹልዮ ላንቸሎቲ ብስልኪ ተራኺቦም ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ዝበልዎ ሓሳብ እዩ። እዚ ተልእኾ እዚ ኣብቲ ኣብ ብራዚል ሳው ፓውሎ ኣብ ዝርከብ “ማእከል ቅዱስ ማርቲን” መዓልታዊ ንድኻታት ግዳም ሓደርን ዝተነጸሉን ወሰናስን እዋናዊ ዓለም ሰብን ዝርከቡ ሓንጐፋይ ቢሎም ዝቕበሉ ኣባ ላንቸሎቲ ዝነብርዎ ዕለታዊ ሕይወቶም ዝንጸባርቐ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ምስቶም ኣብ ጐደናታት ሳው ፓውሎዝነብሩ ሰባት ኢና ብሓባር ንነብር ዘሎና ሎሚ ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ ሰባት ከምዝኾኑኑ እዚ ኸኣ ቝጽሪ ቈልዑን ደቀንስትዮም ዘጠቓልል እዩ። እዚ ቍጽሪ እዚ ክብ እናበለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ካብ ህዝቢ ዝተነጸሉን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ድኻታትን ዝተናዕቍን ከም ናይ መጠረሽታ ቤቶም ጐዳና ዝኾኖም ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ዝነብሩ እያቶም።” ኣብ ዅሊዮ ላንቸሎቲ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ኣብ ብራዚል ትርከብ ዝዓበየት ከተማ ዘጋጥም ዘሎ ማሕበራዊ ጸገማ ጭቡጥ ስእሊ የቕርቡ። እዞም ልኡካነ ወንጌል ኣብ 72 ዓመት ዕድመኦም ናይታ ከተማ ሓዋርያዊ ገብረ ኖልዎ ኣብ ጐደናታት መደብ ኣወሃሃዲ ልክዕ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓትዎ ነታ “እትወጽእ ቤተ ክርስትያን” ምስክርነት ይህቡ።

ከም ኢየሱስ ምስ ድኻታት ምንባር፡ ኣብነት ኣባ ዅልዮ ላንቸሎቲ
ከም ኢየሱስ ምስ ድኻታት ምንባር፡ ኣብነት ኣባ ዅልዮ ላንቸሎቲ

ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዝፍጸም ዝነበረ ዓመጽ ኣዚዩ የሰንብደኒ ነይሩ! ኣብ ቅድሚ እታ ቆሞስ ኮይኖም ዘገልግሉላ ቁምስና ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት መዓልቲ መዓልቲ ምግብን ዝተፈላለዩ ሓገዝ ዝመል ዓረቢያ እናደፍኡ ናብቶም ግዳም ሓደር የቕንዑ፥ ነቶም ኣብቲ ዘቖምዎ ማእከል ቅዱስ ማርቲን ኣስታት 500 ንዝግመቱ ንግዳም ሓደር ኣሕዋትና ኣሓትናን መዓዲ ቝርሲ የቕርቡ። ንብዙሓት እቲ ኣባ ዅሊዮ ዘቕርብዎ ናይ ምግቢ ሓገዝ እታ ኣብ መዓልቲ ዝረኽብዋ ዕለታዊ እንጀራ እያ። እቶም ኣብ መኣዲ ዝቋደሱ ግዳም ሓደር ኣሕዋትን ኣሓትን ምስ ኣብ ኵሊዮ ኣብ ጸሎት ይሓብሩ። እግዚኣብሔር በቶም ካህን ኣቢሉ ወትሩ ስለ ዝበጽሖም ድማ ብጸሎት የመስግኑ። ኣብዚ ኣባ ዅሊዮ ዘቕርብዎ ሓገዝ እውን ብዙሓት ወለንተይናታት ይዋስኡን ይተሓባበሩን።

ከም ኢየሱስ ምስ ድኻታት ምንባር፡ ኣብነት ኣባ ዅልዮ ላንቸሎቲ
ከም ኢየሱስ ምስ ድኻታት ምንባር፡ ኣብነት ኣባ ዅልዮ ላንቸሎቲ

ንድኻታትን ተኣፋፍያንን ድምጺ ምዃን

ኣባ ኵሊዮ ባዕሎም ከም ዝገልጽዎ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ናይ ምርኻብ ባህሊ ምድንፋዕ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ባህሊ እዚ እውን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ዝብልዎ ንድኻታት ድምጺ ምዃን ዝብል እዩ፡ ኣብቶም ዝተናዕቁን ብሕብረተሰብ ከም ውዳቕ ዝርኣዩ ምግልጋል ዓቢይ ጸጋ እዩ።

ከም ኢየሱስ ምስ ድኻታት ምንባር፡ ኣብነት ኣባ ዅልዮ ላንቸሎቲ
ከም ኢየሱስ ምስ ድኻታት ምንባር፡ ኣብነት ኣባ ዅልዮ ላንቸሎቲ

ኣብ 2020 ዓ.ም. ብስልኪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ከምእተራኸቡ

ምስ “ድኻታት ብሓባር ምንባር ምሳታቶም ምብዓልን ምሳታቶም ምሕናጽ፡ ብሓባር ምሳታቶም መዓዲ ምክፋል” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ንኣባ ዅሊዮ ኣብ 2020 ዓ.ም. ስልኪ ደዊሎም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዝበልወን ቃላት ናይ ኣባ ኵሊዮ ዕለታዊ ሕይወት ምዃኑ ዝምስክር እዩ። ምስ ድኻታት ኰይንና ንድኻታት ምግልጋል ምስ ኢየሱስ ምርኻብ እዩ።

ከም ኢየሱስ ምስ ድኻታት ምንባር፡ ኣብነት ኣባ ዅልዮ ላንቸሎቲ
ከም ኢየሱስ ምስ ድኻታት ምንባር፡ ኣብነት ኣባ ዅልዮ ላንቸሎቲ

“ምስ ር.ሊ.ጳ. ብስልኪ ምርኻብ ኣዚዩ ባህ ዘብልን ዘተባብዕን እዩ”። ነቶም ኣብ ጽንኩር ኵነት ዝርከቡ ቀረባ እዮ። “ንድኻታት ተኸናኸውንዎም ምሳታቶም ኵኑ”፡ ንስኻ ከም ኢየሱስ ድኻታት ዝሓረኻን ምስ ድኻታት እትነብርን ኢኻ” ከም ዝበልዎም ኣባ ኵሊዩ ይገልጹ።

Photogallery

ከም ኢየሱስ ምስ ድኻታት ምንባር፡ ኣብነት ኣባ ዅልዮ ላንቸሎቲ
15 October 2021, 09:06