ድለ

2021.10.11 ካርዲናል ኦየድራኦጐ፥ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ጸሎት መልሲ ኣጽዋር እዩ 2021.10.11 ካርዲናል ኦየድራኦጐ፥ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ጸሎት መልሲ ኣጽዋር እዩ 

ካርዲናል ኦየድራኦጐ፥ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ጸሎት መልሲ ኣጽዋር እዩ

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሰሜናዊ ቡርኪና ፋሶ ኣብ እትርከብ ቑሸት ብለይቲ ብዘውረድዎ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 131 ሰባት ተቐቲሎም እዮም። ስለምንታይ ንሕዋቶም ዝቐትሉ፡ ስለምንታይ? ብድሕሪ እዞም መቕተልቲ ዝፍጽሙ ሰባት እዚኣቶም መን እዩ ዘሎ? መን እዩ ሓግዛት ዘቕርበሎም?

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዛዕባ ሲኖዶሳውነት ንኸምክር ዝጸውዕዎ ካብ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ነቒሉ ናብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝበጽሕ ኣብ ሃገር ቫቲካን ብዝካየድ ጉባኤ ብጹዓን ኣበው ሲኖዶስ ዝዛዘም ንኸበግሱ ኣብ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ንመላእ ክፍሊ ዓለም ዝውክሉ ናብ ሮማ ካብ ዝዓደምዎም ብጹዓን ጳጳሳት ሓደ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ ምኽትል ኣቦ መንበር ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ክሳይ ክሳይ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሉቾ ኣንድረስ ሙዋንዱላን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ሄንሪ ኣካኣቢያም ዝተሰነዩ ናይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ  ኣቦ መንበር ኣብ ቡርኪና ፋሲ ናይ ኡጋዱጉ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፊሊፕ ኦየድራኦጐን ከምዝኾኑን ድሕሪ ብዛዕባ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ፥

ብጹዕነትኵም እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተኻየደ ርክብ እንታይ ይመስል ንብምልእታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ እንታይ ትርጒም ኣለዎ? እቲ ዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ክንሳተፍ ብር.ሊ.ጳ. ተሓቲትናን ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ዓለም ዓሰርተ ልኡኻት ክልእኽ እውን ስለ ዝተወሰነ ናብ ሃገረ ቫቲካን መጺእንና ብስም ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጒባኤ ምስ ቅዱስነቶም ንኽንራኸብ እውን ሓቲትና ፍቓዶም ኰይኑ እውን ተቐቢሎምና እዮም። ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን 500 ሰበኻታትን 38 ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ኣስታት 30 ሺሕ ካህናትን 70 ሺሕ ውፉያን ኣለዉ፡ እቲ ኣብ 1994 ዓ.ም. እተገበረ ዛዕባ ኣፍሪቃ ዝመኸረ ሲኖዶስ ከምኡ እውን ስዒቡ  ዝተለገሰ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ንብምልእታ እታ ኣብ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ናይ ጒስነት ምርጫ ማለት ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤት ኣምላኽ ብሕድሪ ተዋህበ። ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት  ኣቦ ስድራ ኣሎ እቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ኣቦ ስድራ ቤት እዮም ከምዚ ብሚዃኑ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጒባኤ መርሕነት ምስ ቅዱስነቶም ክራኸብን ኣብ መዳይ ወንጌላውነትን ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ጸገማትን ፍትሕን ሰላምን ዝብል ጉዳይ ኣብ ኣፍሪቃ ብተገዳስነት ዝከታተሉልዎን ሓጐስን ብድሆታትን ከካፍሎም ደለየ በዚ መሰረት እውን  ተቐቢሎማናን ቃለ ምዕዳን እውን ለጊሶምልናን እዮም። እቲ ርክብ ምትእምማንን ምርድዳኣን ምሕዝነት ዝመልኦ እዩ ነይሩ፡ ብዙሕ ምኽሪ እውን ሂብምና እዮም። ንቤተ ክርስቲያን ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ከምዘለዎም ተስተውዕል ነታ ኣብ ኣፍሪቃ ዘላ ቤተ ክርስትያን ዓሚቝ ፍቕሪ ከምዘለዎምን ንቕድሚት ክንስጒም ፈጺምና ንድሕሪት ከይንብል ድማ የተባብዑና።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ግብረ ሽበራ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ብሩኪና ፋሶ እንታይ ኵነታት እዩ ዘሎ፥ ንማሕበራዊ ዕርቂ እንይታ ክግበር ኣለዎ ትብሉ? እቲ ዅነታት ኣዚዩ ዘስግእ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ናይጀርያ ምስ ባኮ ሃራም ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ናብ ማሊ ኒጀር ከምኡ እውን ናብ ቡርኪና ፋሶ ዝመጹ እያቶም። ውትሩ ንጉዳይ ድሕንነትን ሰላምን ዝምልከት ጸገማት ኢና እናተነጻጸን እንነብር። ብዙሓት ኣሸበርቲ ኣብ ሰሰሙን ንኣሕዋቶምን ኣሓቶም ክቐትሉ እዩ ዝርአ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሰሜናዊ ቡርኪና ፋሶ ኣብ እትርከብ ቑሸት ብለይቲ ብዘውረድዎ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 131 ሰባት ተቐቲሎም እዮም። ስለምንታይ ንሕዋቶም ዝቐትሉ፡ ስለምንታይ? ብድሕሪ እዞም መቕተልቲ ዝፍጽሙ ሰባት እዚኣቶም መን እዩ ዘሎ? መን እዩ ሓግዛት ዘቕርበሎም? ኣብ ቡርኪና ፋሲ ክላሽ ኣይምረትን፡ እቲ ዝጥቀሙሉ ኣጽዋር ካበይ እያቶም ዝረኽብዎ? ዘድልዮም ወጻኢታቶም ብመን እዩ ዝሽፈን? ስለዚህ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብዛ ዓለም ዝርአ ዘሎ ጸገማትን ብድሆታትን ንክንብድህ ዝያዳ ሓድነት ከነስተንትንን ውሑስ ክንገብሮን ኣሎና። መልሲ እዞም ሕቶታት ኣዚኣቶም ክላሽ ዘይኮነ ንኣና ክላሽና ጸሎት እዩ፥ ጽሎትና እዩ ክላሽና፡ ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነ ኵሉ ሳዕ ከምኡ እዩ። ድሕሪኡ ነቶም ካብ ቦታኦም ዝመዛበሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምድጋፍ ከልእ ስጒምትታት ንወድስ ማለት ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ንነጥፍ ብጠቕላላ ኣልቦ ኵሉ መሰረታዊ ነገር ዝኾኑ 1,400,000 ዜጋታት ኣብ ሰሜን ቡርኪና ፋሶ መሬቶምን ቤቶምን ዛሕዚሖም ናብ ደቡብ ክፍሊ ቡርኪና ፋሶ ዝተሰዱ እያቶም ብሃገር ደረጃ ከም ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ሓድነትንን ሰላምን ምትእምማንን ዝከኣለና ድማ ንገብር፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ምትሕብባር እውን ንተኣማመን ኢና፣ ከምዚ ክኸውን ጻውዒት ነቕርብ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

12 October 2021, 15:57