ድለ

ጴጥሮስ ብትእዛዝ ኢየሱስ ብማየ ማይ እናኸደ ማዕበል ርእዩ ፈርሐ! ኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣእወየ። ሽዑ ኢየሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሐዞ እሞ፡ ኣታ ጕዱል እምነት፡ ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧ በሎ (ማቴ 14.30-31) ጴጥሮስ ብትእዛዝ ኢየሱስ ብማየ ማይ እናኸደ ማዕበል ርእዩ ፈርሐ! ኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣእወየ። ሽዑ ኢየሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሐዞ እሞ፡ ኣታ ጕዱል እምነት፡ ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧ በሎ (ማቴ 14.30-31) 

፭ይ ሰንበት ዘክረምት ሓምለ 25 2013 ዓ.ም. (08/1/2021)

መዝሙር፡ በሰንበት ቦአ ኢየሱስ ምኵራቦም ለአይሁድ ምህሮሙ ወይቤሎሙ. . . . ኢየሱስ ብሰንበት አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ፥ ሰንበተይ አኽብሩ እናበለ መሃሮም፥ ብሰንበት አጋንንቲ አውጽኤ፥ ብቓሉ ንለምጻማት አንጽሔ፥ ብሰንበት አብ ምድሪ ጡፍ ኢሉ ጭቃ ገበረ ብጥፍጣፉ ንዕዉር አሕወየ፥ ዘራእን ዓጻድን ብሓንሳብ ምእንቲ ክሕጎሱ አብ ኵላ ምድሪ አብ ኵላ ወገን አብ ዘድሊ ቦታ ዘበለን ንደመናታት ዝናብ ከውርዱ አዘዞም። ምድሪ ከአ ርእያ አመስገነቶ ባሕሪ ድማ ሰገደትሉ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ቲቶ፡3፡1-15፥ 1ጴጥሮ 4፡6-12፥ ግ.ሓ. 28፡1-17፥ ማቴ. 14፡22-ፍ። ምስባክ፡ የዐርግ ደመናት እም አጽናፈ ምድር። ወገብረ መብረቀ ለጊዜ ዝናም፥ ዘያወጽኦሙ ለነፋሳት እመዛግብቲሆሙ። “ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ ኸም ዝልዓል ይገብሮ፥ ብጊዜ ዝናማት መብረቕ ይገብር፥ ንንፋስ ካብ መዝገቡ የውፅኦ” መዝ.135፡7።

ዕለተ ሰንበት ከምኡ እዋናት ክረምቲ ሓልዮት አምላኽ ንፍጡር ብዝያዳ ዘርአየሉ ምዃኑ ዝገልጽ መዝሙር ኢና ዘሚርና። አብዚ ዓለም እንከሎ ኢየሱስ ንደቂ ሰብ ብዝገብሮ ዝነበረ ተአምራታት ፍቕሩ ሓልዮቱ ከምኡ ክንጉዓዞ ዘሎና ጉዕዞ ነጊሩና። ሰንበት አኽብሩ እናበለ ንመዓልቲ ሰንበት መዓልቲ አምላኽ ክንገብራ ይደልየና። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ነቲ አምላኽ ዝህበና ወይ ዘርእየና ምልክት ፍቕሩ አላሊና ክንክእል እሞ አብ ፍቕሩ ጸኒዕና ክነብር ይደልየና አሎ። መብጽዓ ሕይወትና ንቅድስና እዩ፥ ፍቕሪ ክንሰብኽ፥ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ አብ ዓለም ክነንግስ ናይ ነፍሲ ወከፍና ጸዋዕታ እዩ።

ናይ ማቴዎስ ወንጌል ብዛዕባ ኢየሱስ ብማየ ማይ ከም ዝከደ ይነግረና እዚ አብ ማርቆስ 6:45-ፍ ከምኡ አብ ዮሓ 6፡15-21 ንረኽቦ። አብዚ ንሓዋርያቱ አብ ስግር ባሕሪ ክጸንሕዎ ንሱ አብ እምባ ክጽሊ ከም ዝኸደ ነንብብ። አብ እምባ ምኻድ ቦታ ጽምዋ ከምኡ እምባ ቦታ አምላኽ እዩ፥ ንሙሴ አብ እምባ ትእዛዛት ሂብዎ ንኤልያስ አብ እምባ ተራእይዎ፥ አብ ደብረ ታቦር ራእይ ኢየሱስ ተቐይሩ ስለዚ እምባ ቦታ አምላኽ እዩ። አብ እምባ ደየበ ክብለና እንከሎ ምስ ሰማያዊ አብኡ ክራኸብ አብ ጽሙና ከይዱ ማለት እዩ። ነዚ መሰረት ገሮም ቀዳሞት ክርስትያን ሃገርና ዳርጋ መብዝሕትኦም ገዳማት አብ እምባታት እዮም ተደኲኖም ዝርከቡ። አብኡ ጸጥታ አሎ አብኡ ናይ ባህሪ ጽባቐ አሎ አብኡ ንአምላኽ ክትዝክር ዝሕግዝ ብዙሕ አልኦ ስለዚ እምባ ተመራጺ ቦታ እዩ። አብ ሃገርና ቤተ ክርስትያን ካብዚ ብምብጋስ አብ ሓፍ ዝበለ ቦት ይሰርሕዎ።

ሓዋርያት ብጃልባ እናተጓዕዙ ማዕበል ተጓኒፍዎም። በቲ ዝነበረ ማዕበል ብጣዕሚ ፈሪሖም እንከለዉ ኢየሱስ አብ ወጋሕታ ብጥቓኦም ክሓልፍ ምስ ረአይዎ ምትሃት መሲልዎም አእወዩ። አብዚ ብዙሕ ንምሃር፥

  • መጀመርያ እቲ ባሕሪ አምሳል ዓለም እዩ፥ ብዙሕ ጭንቅን ህውከትን ዝመልኦ፥ ንሕና ደቂ ሰብ አብ መንጎ እዚ ማዕበል ዝኾነ ዓለም ኢና እንነብር። ዓለምና ሎሚ እውን እንተ ረኤናያ ብግፍዒ ብዓመጽ አድሕድ እያ እትፍለጥ፥ ሰባት ክጠላለሙን ክቃተሉን ኢና እንርኢ ዘሎና። አብ ከምዚ ዝአመሰለ ዓለም ብእምነት ጸኒዕካ እንተ ዘይነበርካ ቀሊል አይኮነን። አብ ሕይወት ሰንከልከል ይበዝሕ። ምንዋጽ ምህዋኽ ግድን እዩ ሽዑ ንኢየሱስ ክንዝክር ይግብአና።
  • እታ መርከብ አምሳል ቤተ ክርስትያን ኢያ። ብዙሓት አበው ቤተ ክርስትያንን ሕይወት ቤተ ክርስትያን እንክገልጹ አብዚ ህውከትን ጭንቅን ዝመልኦ ዓለም መድህን ኮይና ቤተ ክርስትያን ንደቂ ሰብ ካብ ምጥሓል ካብ ጥፍአት ከምዝድሕኑ ትገብር። በቲ ክርስቶስ ዝሃባ መጋበሪ ድሕነት ዝኾኑ ምስጢራት ገራ ካብ ዓዝቕቲ ጥፍአት ተድሕነና። አብ ገሊኡ ነዚአ መርከብ ብአምሳል ማርያም ዝትርግምዋ እውን አለዉ። ማርያም መርሶ ድኅነት እያ ንብላ።
  • ኢየሱስ ብጥቕኦም ክሓልፍ ደልዩ። አብ ሕይወትና አምላኽ አብ ጥቓና ከምዘሎ ምሳና ከምዘሎ ንዝንግዕ፥ አይነስተውዕለሉን። ብፍላይ አብ ጽንኩር እዋን አለሊና ክንክእል ይደልየና። ሓዋርያት ምትሃት መሲልዎም ንሕና እውን ነቲ ዝጓነፈና ከም መቕጻዕቲ ከም መርገም ገርና ከይረኤና በቲ ዝጓነፈና መልእኽቲ አምላኽ አለሊና ክንክእል የድሊ።
  • አጆኹም አነ እየ። ሓዋርያት አብቲ እውን ጭንቂ አነ እየ ክብሎም ከሎ ዝተሰምዖም ሓጎስ ክንግምቶ ንኽእል። አጆኻ/ኺ ክብለና አብ ጥቓና አሎ። ክሕግዘና ካብቲ እንነብሮ ዓዘቕቲ ኃጢአት ከውጽአና ይደሊ እዩ። ግን አብኡ እምነት ክህልወና ሕይወትና ክንቅይር የድሊ። ክንሕደስ ክንከዶ ዝግብአና ጽኑዕ መገዲ አሎ። ሎሚ እውን አጆኹም እናበለ አብዛ መከራ ዝበዝሓ ዓለምና አብኡ ክንምለስ ይሓተና አሎ።
  • አብታ ንሶም ዝነበርዋ ጃልባ አተወ ንፋስ ድማ ሃድኤ። አብ ቤትና አብ ሓዳርና አብ ዓድና ንኢየሱስ ክነእትዎ። ሎሚ አብ ገዛይ ንኢየሱስ ከእትዎ እየ ኢልና ክንሓስብ። ንሱ አብ ልብና አብ ሕይወትና አብ መነባብሮና እንተሎ ህድአት ሰላም ፍቕሪ ቅሳነት ዕረፍቲ ኩሉ አሎ። ንፋሳት ክእዘዝዎ እንከለዉ ነቲ ናይ ኢየሱስ ስልጣን እዮም ዝገልጹ።
  • ልቦም ተደፊኑ ስለ ዝነበረ አየስተውዓሉን። ኢየሱስ አብ ቅድሚ ሓዋርያት ብዙሕ ተአምራት አምላኽ ምዃኑ ዘረድእ ገሩ ነሩ እንተ ኾነ ልቦም ስለ ዘይተኸፍተ ክርእይዎ ክርድእዎ አይከአሉን። ልብና ምስተዓጽወ ጸገም እዩ። ብቐትሩ ጸልማት እዩ ዝጉልብበና። ዝኾነ ክፉእ ክንገብር አየጸግመናን እዩ፥ ከምኡ ንሓቂ ንሰላም ክንሰርሕ ይኸብደና፥ ብኻልእ አዘራርባ አምላኽ ካብ ልብና ነውጽኦ። ሎሚ ሰንበት ልብና ክንከፍት እሞ አብኡ ክንምለስ ይደልየና።
  • እቶም ህዝቢ ንኢየሱስ አለልይዎ. . . ዘፈር ክዳኑ ተንኪፎም ብዙሓት ይሓውዩ ነበሩ። እቶም ገርሄኛታት ህዝቢ ንኢየሱስ አምላኽ ምዃኑ አለልዮሞ። ዘፈር ክዳኑ ተንኪፎም ይሓውዩ ነሮም። ብኃጢአቶም ይንስሑ አብኡ ይአምኑ ሽዑ ይሓውዩ ነሮም። ሎሚ ንሕና ካብ ዘሎናዮ ኃጢአት ክንሓዊ አብ ኢየሱስ እምነት ገርና ንቕረብ ብኃጢአትና አብ መንበረ ንስሓ አቲና ንነሳሕ። ካብ ዘሎናዮ ስቓይ መንፈስ ክንሓዊ አብኡ ንቕረብ ቤቱ ገዛና ንግበሮ። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ስጋኡን ደሙን ብምቅባል ክንሓዊ ነጺሕና ንቀበሎ ከሕውየና እዩ።

 

አብዚ ምድራዊ ሕይወትና ክንጉዓዞ ዝግብአና መገዲ ብዙሕ ፈተና ከምኡ ዝተሓባለኸ መነባብሮ አብ ገለ እዋን ከቢድ ዝኾነ ከም እነሕልፍ ኩልና እንርእዮ እዩ። ንአምላኽ ማእከል ሕይወትና ገርና እንተ ተጎዓዝና ዝኾነ ከምዘየሸንፈና ርጉጽ እዩ። እዛ ዝተፈላለየ ማዕበል ዘልአ ዓለምና ሓንቢስና ክንክእል እሞ ክንዕወት አብታ ጃልባ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ንጸጋዕ። ካብ ዝጓነፈና ግዝያዊ ማዕበል ፈሪሕና እምነትና ሰንከልከል አይነብል። አብ ኢየሱስ አምላኽና ቋሕ ነብል እሞ አጆኹም ምሳኹም አሎኹ ክብለና እዩ።

ቃል ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቲቶ ዝተጻሕፈት ሎሚ ንአና እውን ትምልከት እያ። ንቃል አምላኽ ክንምሃር ክነብሮ አብ ሕይወትና ክርኤ ይምዕደና። ንሰናይ ግብሪ ስንድዋት ክንከውን ነነድሕድና አፍደገ ምሕረት ክንከፍት ይምዕደና። ሠናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኺተግሁ በዚ አጸቢቕካ ክተረድኦም እደሊ አሎኹ፥ እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ እናበለ አማናይ ክርስቶስ አብ ሰናይ ግራት ክወፍር ይዕደም አሎ። ሰላማውያንን ምቕሉላትን ምስ ኩሉ ሰብ ብትሕትና ዚነብሩ ኪኾኑ አዘኻኽሮም ይብል። ሰላም መለለዪ ክርስትያን እዩ። ሰላም ግን ካብ ሰማይ ኮፍ ኢልካ ኮሎኻ አይኮነትን እትመጽእ፥ ደም እናጠዓመና መስቀል ተሰኪምና ኢና ክነምጽአ ዝግባእ። ጥዒሙና እንከሎ ሰላም ክነምጽእ ከቢድ እዩ። ሰብ ሎሚ ንሰላም አማዕድዩ እዩ ዝርእያ ዘሎ እሞ አሕዋተይ ነፍስወከፍና ንሰላም ክንዘርኣ አብ መንጎና ክነንግሳ ድላይ አምላኽ እዩ። ኢየሱስ ሰላመይ እህበኩም አሎኹ እናበለ ሰላም ክንቅበል ይደልየና።

ካብ ዕሽነትን ክርክርን ካብ ወለዶታት ምጽብጻብን. . . . ርሓቕ ልቡና ገርካ ንዘይጠቅም ነገራት ምእላይ ንሰብ ሰብ ይገብሮ። አብ መንጎ ሰባት ፍልልይ ናይ ወገን ዓለት ሃይማኖት ክርኤ እንከሎ አብ ሕልንኦም ሰይጣን ተዓዊትሎም አሎ ማለት እዩ። ኩልና ደቃ ሓደ ክርስቶስ ስለ ዝኾና ሓድነት ፍቕሪ መለለይና ክንከውን ድላይ ሰማያዊ አቦና እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ በዚ መከራ ስለ ዝጸገበ ነቶም ጸቢብ አተሓሳስባ ገሮም አብ ዓለትን ወገንን ዝአምኑ ከርሕቆም ንቲቶ ይምዕዶ እዚ መንፈስ አምላኽ አይኮነን። ወገነይ ምባል አይኮነን እቲ ኃጢአት ንወገንካ ኢልካ ነቲ ካልእ ወገን ክትገፍዕ ፍቕሪ ሓልዮት ክተጉድል እንከሎኻ እዩ። እምበር ወገነይ ዘይብል አይወልድ ይብሃል ሓቂ እዩ ፍቕሪ ወገና አብ ዝዓበየ ፍቕሪ ሕብረተ ሰብና የብጽሓና። ንስድራና ንወገና ዘይነፍቅር ዘይነኽብር እንተ ኾና ንኻልኦት ክነኽብር ቀሊል አይኮነን። ስለዚ እቲ ሓቀኛ ትርጉም ሒዝና ክንጉዓዝ እሞ ንሕመቕ አሊና አብቲ ብርሃን ክርስቶስ አባና በሪሁ ዝርአየሉ ሰናይ ግብሪ ክንወፍር ሓደራ።

በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር ንአምላኽ አብ ሕይወትና ቦታ ሂብና ክንሕደስ እሞ አብ ቅድስና ክነብር ንሰባት አብ አምላኽ ዝቐርቡሉ መገዲ ክንሕብር አምላኽ ይሓተና አሎ። አምላኽ ተለአኹኒ አብ ድሕነት አሕዋትኩም እጃምኩም ክተበርክቱ ድላየይ እዩ እሞ ተአ                                                                                                                                                                                                                                                                                            ኹኒ ይብለና አሎ። ንአምላኽ ክንሰምዖ ንኹሉ ካብ አምላኽ ዝፈልየና ነገራት ክንጥንቀቐሉ ይግባእ። ክአልኩሉ አምላኽ አጆኹም ምሳኹም አሎኹ ይብለና ስለ ዘሎ ንሓቂ ንፍቅሪ ናትና ገርና ንቅድስና ንሓዛ።

አምላኽ ጠለት በረኸቱ አብዚሑ ርሑስ ክራማት ገሩ ብሩኽ መስቀል ይብረቐልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።

 

01 August 2021, 10:38