ድለ

ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር ምእንቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጽለ ይምሕጸኑ ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር ምእንቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጽለ ይምሕጸኑ 

ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር ምእንቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጽለ ይምሕጸኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተባሪዑ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት እናሓሰቡ፡ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣን ምንእቲ ስኒት ክዓዩ፥ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ እሓብር

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሰበኻ ዱርባን ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ዊልፍሪድ ፎክስ ናፒየር ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሮም ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋን ግጭትን ተኣልዩ ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰላም ክወርድ ምሕጽንታ ከምዘቕረቡን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓቢይ ናዕብን ዘመተን ተዋሒጣ ከምዘላን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሁከትን ዓመጽን ካብ 1994 ዓ.ም. ደሞክራሲ ስርዓት ካብ እትዓትር ንነጀው ካብ እተራእየ ዓመጽ ኣዚዩ ዝኸፍአ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዕግርግር ንምህዳእ ብዝተግበሮ ስርሒት ምስ ኣድመይናታት ናብ ውጥረት ከምዘእተወን ልዕሊ 200 ሰባት ናይ ሞት ሕደጋ ከምዘጋጠሞምን ካልኦት ኣስታት 1000 ዝግመቱ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ምንጪታት ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

እቲ ናዕቢ ዕለት 8 ሓምለ ነበር ርእሰ ብሔር ጃኮብ ዙማ ንቤት ፍርዲ ብንዕቐት ገበን ን15 ወርሒ ማእሰርቲ ተበይንዎም ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተዉ ዝተባርዔ ኮይኑ፡ ደገፍቲ ዙማ ኣብታ ክዋዙሉ ናታል ዝስማ ዓዶም ብርቱዕ ተቓውሞ ተለዓዒሉ፡ ስዒቡ ናብ ዞባ ጋውንተንን ጆሃንስበርግን ፕረቶሪያን ከምእተላበዔን ብጠቕላላ ኣባይቲ መሸጣን ማካይንን ንብረት ብምውዳምን ካብኡ ሓሊፉ እውን ማእለያ ዘይብሉ ዘመተ ከምእተፈጸመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ጸረ ዓመጽን ናዕብን ዘካይዶ ዘሎ መስርሕ ደድሕሪ፡ እቲ ዓመጽ ይቕጽል እውን እንተሃለወ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር በርገሳዊ ስርዓት ንምምላስ ይቃለስ እውን ይሃልው እቲ ተቓውሞ ዘሕደሮ ዓቢይ ጽልዋ ኣብታ በቲ ድሮ ብዝነበረ ኣጸጋሚ ማሕበራውን ቍጠባውን ኵነታት ደሓር እውን ለብዒ ኮቪድ - 19 ተወሲኽዎን እዚ ለብዒ እዚ ነቲ ዝነበረ ማሕበራውን ቍጠባውን ጸገም ከምዘግደዶን እታ ሃገር በዞም ሰለስተ ማዕበላት ትናወጽ ከምዘላ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 18 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተባሪዑ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት እናሓሰቡ፡ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣን ምንእቲ ስኒት ክዓዩ፥ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ እሓብር ቢሎም፡ ጐነጽ ተኣልዩ ኵሉ ብሓባር ምእንቲ ሰላም ክዓዩ ሓደራ ቢሎም፥

እቲ ዘሕዝን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ እቲ ለብዒ ንዅነታት ናይቶም ድሮ ብቑጠባን ጥዕናን ቅልውላው እተተንከፉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣሕዋትንናን ኣሓትናን ነቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ስንኵፍ ኩነታቶም ዘጋድዶ ዓመጽ ዝመእልኦ ዝሕዝን ፍጻሜታት ይስማዕ ኣሎ፡

ቢሎም፡ ነዚ ዘሕዝን ኵነት ድሕረ ባይታ ገይሮም፥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ቅልውላው ኣብ ዞባ ዱርባን ኣብ ክፍለ ከተማ ማንደላን ስዌቶን ኣብ ሓያሎ ዞባታት ጆሃንስበርግ ዝሰፍሕ ዘሎ ቅልውላው ናይቲ ስእነት ስራሕን ሕጽረት መግብን ሕጽረት መድሃኒትን ድኽነትን ሳዕቤን እዩ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሁከት ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ኣብቲ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘቕረቦ ጻውዒት፥

ምስ ኣቡናት ደቡብ ኣፍሪቃ ብሓባር ንዅሎም እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ዝምልከቶም ኣካላት ንሰላም ክዓዩ፡ ንስኡናት ኣብ ምሕጋዝ ምስ ሰበ ስልጣናት ብምትሕብባር ክዓዩ ምሕጽንታይ አቕርብ፡ እቲ ንሕዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ ኩሎም ደቃ ስምምዕ ክህልው ዝመርሖም ባህጊ ከይርሳዕ ዳግም ክውለድ ጻውዒት አቕርብ!

እክብሉ ሕብረቶም ከምዝገለጹ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕ ካርዲናል ዊልፍሪድ ፎክስ ናፒየር ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ዱብርባን ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ምርግጋእን ሰላምን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘቕረብዎ ጸሎትን ጻውዒት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስነቶም ብዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ምእንቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ትጽልይ ኣላ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፐተር ወልስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ናዕቢ ካብ ኣቡናትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ውድባትን ካብ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ክዋዙሉን ናታልን ዝሃብዎ ዝተፈላለየ ጸብጻብት ብምእካብ ነቲ ህልው ኩነታት ብቐረባ ብምክትታልን ሰላምን ምርግጋእን ንኽምለስ ዘካይድዎ ዘለዎ ጻዕሪ እውን ጠቒሶም ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ኪደት ኣዕናዊ እዩ፡ ዘይጐነጻዊ ኣይኮነን ዝነበረ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ሰብኣዊ ሕይወትን ንብረትን ከቢድ ኪሳራ ኣስዒቡ እዩ። ሕጂ ምርግጋእ እተመልሰ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ ጐደናታት ግን እቲ ተኻይዱ ዝነበረ ናዕቢ ክሳብ ክደይ ዓመጽ ዝመልኦ ከምዝነበረ ዝሕብር ትርኢት ይርአ ኣሎ።

እቲ ዝተባርዐ ናዕቢ ብዛዕባ ድኻታት ተውሳኺ ሻቕሎት ዘበገሰ እዩ፡ ብዙሓት ረድኤት እንተ ዘይረኸቡ ብጥምየት ከምዝሳቐዩን ቢሎም፥ ነቶም ዕለታዊ እንጌራ ዘይብሎም ዜጋታት ዝሓስብ ማሕበረሰብ ስልጡን እዩ፡ ብዛዕባ እቶም ስሱዓት ብጒጅለ ዝቘሙን መራሕቲ ንረብሓታት እታ ሃገር ኪትክኡ ዝፈቕዱ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ስልጣን ንምዕቃብ ወይ ንምርካብ ንመጻኢ እታ ሃገር መስዋዕቲ ንምግባር ድልዩዋት ዝኾኑ ናይ ብሓቂ ድኻታት እያቶም፥ ሓደ ፖለቲካ ልዑል ዘብሎ ናይ ሕዝብን ሃገርን ረብሓ ዘቐድም ምስ ዝኸውን እዩ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ደቡብ ኣፍሪቃ ንድኻታትን መሳኪንን ዜታታት እትሓልይ ሃገር መታን ክትከው ነዚኣቶም ክፍሊ ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ዜኽእላ ዓቕሚ መታን ኪህልዋ ትጉሃትን ቅኑዓትን ፍትሓውያንን መሪሕነት ንኺርከቡ ንጸልይ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 60 ሺሕ ዜጋታት ከምዝሞቱን ኣብዚ እዋን’ዚ እዚ እውን እቲ ደልታ እተሰምየ ካልኣ ኾሮና ተህዋስ ይላባዕ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

21 July 2021, 21:09