ድለ

ሊባኖስ፥ ርክብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ መዓስክር ዓቃቢ ሰላም ሊባኖስ፥ ርክብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ መዓስክር ዓቃቢ ሰላም 

ሊባኖስ፥ ርክብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ መዓስክር ዓቃቢ ሰላም

“እምነት - እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዘጋጠመ ለብዕን በዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ቝጠባዊ ቅልውላው ንደቅሰብ ብኣካልን ብመንፈስን ኣብ ዘሳቕየሉ ዘሎ እዋን ምጽንናዕን ተስፋን እዩ”። እዚ እውን ነቲ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ሊባኖስ ክራኸቡን ነዚ ቕልውላው ዅሉ ንምብዳህ ሃይማኖት ዘቕርቦ መልሲ ኣማእኪሎም ንኽመያይጡ

ዕለት 19 ሰነ ኣብ ሊባኖስ ናይ ኢጣልያ ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ኣብ ሻማ ኣብ ዝርከብ መዓስክሩ ድሕሪ ለብዒ - 19 ናይ ኵለን ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከባ ሃይማኖታት መራሕቲ ንፈለማ ግዜ ተራኺቦምን ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ዛዕባ ሊባኖስ ዘመእከለ መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝጸውዕዎ መደብ ኣማኣኪሎም ከምእተመያየጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 4 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ኣብ ከተማ በይሩት ኣብ ዝርከብ ወደብ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓውን ከምኡ እውን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ብዘስዓቦ ዘሎ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው እትነብር ኣብ ዘላ ሃገረ ሊባኖስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ብሓባር ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሕውነትን ዘተን ፍቕርን ትእምርቲ ኦም ኣውሊዕ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ሻማ ዝርከብ ናይ ኢጣሊያ ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ዓቃቢ ሰላም መዓስክር ኣብ ዝርከብ ናይቲ ዓቃቢ ሰላም ዋና ኣዛዚ ብሪጋዲየር ጀነራል ዴቪድ ስካላብሪኒ ዘነቓቕሕዎ መደብ ርክብ ተሳቲፎም ከምዝተኸሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ እዚ መደብ እዚ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸውዕዎ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖ እምነትን ተስፋን ዘንበረ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሓድነት ኣብ ሓባራዊ ምትሕብባር

ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ስፒተሪ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፥ ቅዱስ ኣቦና “ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይንና ንኽነብር” ብፍላይ “ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምና” ብዘካይድዎ ርክብ” ዝህብዎ ኣብነታዊ ምስክርነት ክስዓብን እዚ እውን ኣብታ ሃገር ኣብ ዘጋጥም ዘሎ ቕልውላው ዝምስከር ዘሎ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፥ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ቝሸታት ሊባኖስ ሓድነት ከምዘሎ ገሊጾም፥ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ብሓባር ንህዝቢ ዘድሊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ከምዝሓብሩን ግብረ ሰናይ የተሓባብር እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሰላም ምዕያይ

“እምነት - እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዘጋጠመ ለብዕን በዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ቝጠባዊ ቅልውላው ንደቅሰብ ብኣካልን ብመንፈስን ኣብ ዘሳቕየሉ ዘሎ እዋን ምጽንናዕን ተስፋን እዩ”። እዚ እውን ነቲ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ሊባኖስ ክራኸቡን ነዚ ቕልውላው ዅሉ ንምብዳህ ሃይማኖት ዘቕርቦ መልሲ ኣማእኪሎም ንኽመያይጡ ከምዘነቓቖሖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣብ መንጐ እተፈላለዩ ማሕብረሰባት ስኒት ኣድላዪ ምዃኑ ንምርግጋጽ ሰላማዊ ህላወን ዘተን ምህላዉ እቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ሓይሊ ምክልኻል ኢጣሊያ ዓቃቢ ሰላም ምስጋና ይግብኦ። ከመይሲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ርግኣትን ድሕንነትን ንምዕቃብ ኣበርክቶኡ ልዑል እዩ። እቲ ዓቃቢ ሰላም ብወተሃድራዊ ሞያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሃይማኖታውን ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ልምድታትን ንናይቲ ዓዲ ዘርእዮ ዓቢይ ኣኽብሮት ናይ ሓቂ ሓናጺ ሰላም ምዃኑ ዝምስክር እዩ ነዚ ዝበሉ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ስፒተሪ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ብዙሓት ነፍሳት ኣብ ፍቕሪ ሊባኖስ ይሓብሩ

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብ ብጀካ ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ኣቡነ ስፒተሪ ንናይ ግሪክ መልቒጣ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሲዶነን ጢሮስን ሜጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ በቸራ ሃዳድን ናይ ጢሮስን ሲዶነን ማርጂዩን ናይ ግሪኽ ኦርቶዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኤሊያስ ክፉሪን ናይ ሺዓውያን ሙፍጢ ሸኽ ሓሳን ኣብዱላሕን ናይ ሱናውያን ሙፍጢ ሸኽ ኢሳም ካሳብን ናይ ማሮናዊ ስርዓት ኣብ ጢሮ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቻርበል ኣብዳላሕ ወኪል ኣባ ቶንይ ኤሊያስ ክምእተሳተፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

21 June 2021, 18:23