ድለ

“እቲ ርእሱ ዜልዕል ኪሓስር እዩ፥ ርእሱ ዜትሕት ከአ ልዕል ኪብል እዩ እሞ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ አገልጋሊኹም ይኹን” (ማቴ 23፡12)

ትሕትና ዝጎደሎ ሕይወት ከም ጨው ዝጎደሎ መግቢ እዩ። አብ ገለ እዋን ትሕትና ከም ሕመቕ ወይ እውን ልቦና ከም ዝግደልና ኮይኑ ክርአ ይክአል እዩ፥ ግን መጠን ትሑታት ዝኾናሉ ሕይወትና ሰላም ፍቕርን ምርድዳእን እዩ ዝበዝሖ። ንትሕትና ዘጥፍእ እዚ ሎሚ ዓለም ብዓለሙ አብ ስቓይ አውሪዱ ዘሎ ትዕቢት አንነት መን ከማይ ዝብል እዩ። ሰይጣን ዝተዓወተሉ ልቢ ቀዳመይቲ መለለይቱ አነ ዝብል እዩ። ንብዙሓት አብ መገዲ ጥፍአት ዘብጽሖም ልቦም አምላኽ አብ ክንዲ ዝሰፍሮ ሰይጣን ክሰፍሮ ምስ አፍቀዱ እዩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ኢሳያስ 1፡10-20፥ መዝ. 50፡8-23፥ ማቴ 23፡1-12።

ሕይወት ወዲ ሰብ ድሕሪ ውድቀት ቀዳሞት ወለዲ እንተ ረአናዮ ትዕቢት፥ አንነት፥ ክፍአት ብምግባር እዩ ዝፍለጥ። ነፍሲ ወከፍና አብ ሕይወትና ከም እንርእዮ ጸገም ናይ ከምዚ ፈተና አሎና። ሰባት ስምና ከካፍኡ ክጸልኡና ወይ ከዋርዱና እንከለዉ ክንዕገስ ክንጸውር ይኸብደና ሽዑ መልሰ ግብሪ ንህብ። እዚ ውድቀት ዘምጽኦ ጸገም እዩ።

ክርስቶስ ነዚ ብውድቀት ዝመጽአ ጸገም ደቂ ሰብ ክዕሪ ትሕትና ከም ቀንዲ መጋበሪ ገሩ እዩ መጺኡና። አምላኽ ሰብ ብምዃን ንአና ብኹሉ ብዘይ ኃጢአት ብምምሳል ቀሪቡና ባህርና ወሲዱ። እዚ እዩ መሠረት ትሕትና አምላኽ። ፈጣሪ መልክዕ ፍጡር ክለብስ እንከሎ። ንአና መሲሉ ሱቕ አይበለን ሕይወቱ ትምህርቱ ኩሉ አብ ትሕትና ዘምርሐ እዩ ነሩ። ከምዚ ኸአ ኢሉና።

“እቲ ርእሱ ዜልዕል ኪሓስር እዩ፥ ርእሱ ዜትሕት ከአ ልዕል ኪብል እዩ እሞ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ አገልጋሊኹም ይኹን” (ማቴ 23፡12) ኢሉና። ትሕትና ሓንቲ ካብተን አብ መጀመርታ አብ ስብከቱ ደጋጊሙ ዝነገራን ዘርአያን እያ። አብ እምባ አብ ዘስተምሃሮ እቶም ንጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ኪጸግቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም (ማቴ 5፡6) እናበለ ትሕትናን ንጽሕናን ንሰብ መሰረት ሓጎሱን ምስ አምላኽ ክራኸብ ዝሕግዝ ከም ዝኾነ ነጊሩና። ብመንፈስ ትሑት ምዃን ድኻ ምዃን ብቀዳምነት ዝስርዓ አብ ብፅዕና፥ ቅድስና ዘብጽሓ እየን።

ጎይታና አብ ኩሉ ትምህርቱ ደጋጊሙ ትሕትና አብ ሕይወትና ክነዘውትር ነጊሩና። “ከም ሕጻናት ትሑታት እንተ ዘይኮንኩም መንግስተ ሰማይ አይክትአትዉን ኢኹም ኢሉና፥ አብ ማቴ 23፡1-12 ትዕቢት ፈሪሳውያን ድሕሪ አጋሊጹ “እቲ ርእሱ ዘልዕል ክሓስር እዩ፥ እቲ ርእሱ ዘትሕት ክኸብር እዩ” እናበለ መንፈስ ትሕትና ገሊጹ ነጊሩና።  

ቅ. አጎስጢኖስ ሓደ እዋን ሰለስት ቀንድን አድለይትን ናይ ጽድቂ ስርሓት ንገር ተባሂሉ ምስተሓተ ሓደ አገዳሲ መልሲ ሂቡ ይብሃል። እታ ቀዳመይት ትሕትና እያ፥ እታ ካልአይቲ ትሕትና እያ እታ ሳልሰይቲ ትሕትና እያ እናበለ መሊሱ።

ናይ ጎይታና ትሕትና ኲኖ ርድኢትና እዩ ንሱ ትሕትና አይኮነን ምሂሩ ብትሕትና እዩ ዝነብር ነሩ። አብ ቤተልሔም አብ መብልዕ ማል ክውለድ መሪጹ፥ ቆልዓ እንከሎ ንግብጺ አብ ዓዲ ጓና ተሰዲዱ። አብ ናዝሬት ከም ማንም ሰብ ዓብዩ። ከም ጸራቢ ኮይኑ ዕለታዊ ሥርሑ ይገብር ነሩ። አብ ህዝባዊ አገልግሎቱ ንርስኡ ዘማዕቁበሉ ቤት አይነበሮን። ኢሳያስ አቐዲሙ ከምዚ ኢሉ ነሩ “ንዑቕን ብሰብ ድርቡይ ነበረ ብዓል ስቓይ ብሕማም ልዱይ ከምቲ አብ ቅድሚኡ ገጾም ዝጕልብቡሉ ሰብ ዝተዋረደ ነበረ ንሕናውን ገለ እኳ አይቆጸርናዮን” (ኢሳ 53፡3)። ካልኦት ከላግጹሉን ከም ማንም ከይተፈልጠ ክነብር መሪጹ፥ ተጸሪፉ፥ ተእሲሩ፥ ተወቒዑን ተሳቕዩን። ቅ. ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጵስዩስ ከም ዝጸሓፎ “ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት አረ እኳ ደአ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት ተአዘዘ” (ፊልጵ 2፡8)። ሞቱ ናይ ሓደ ባርያ ሞት ክኸውን አፍቀደ። ክርስቶስ ኩሉ ሕይወቱ ዘምሃሮ ትሕትና እዩ።

ቅ. ፍራንቸስኮስ ሓደ ካብቶም መማህርና ትሕትና ነቲ ናይ ክርስቶስ ትሕትና አጸቢቑ ዘስተማቐረን ዝተረድአን ከምዚ ኢሉ፡ “ነፍስወከፍ ዕለት ዝገልጾ ከምቲ ንርእሱ አትሒቱ ካብ ሰማይ አብ ማሕጸን ማርያም ዝኃደሮ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዕለት አባና መጺኡ ዝወረዶ ውርደትን ክንርኢ ካብ ሕጽኒ አብኡ አብ መንበረ ታቦት አብ ኢድ ካህን ክንርእዮ ይደልየና። አብዚ ቅዱስ እንጌር ከምቲ ንሓዋርያቱ ብሓቀኛ ሰውነቱ ዝተራእዮም ከምኡ ሎሚ ንአና እውን ርእሱ ከርእየና ይደሊ” እናበለ አምላኽ ዘርአዮ ትሕትናን ንሕና ክንኮኖ ዘሎናን ክገልጺ ኢሉ ዝሃቦ ቃል እዩ።

እቲ ርእሱ ዘልዕል ኪሓስር እዩ፥ ርእሱ ዜትሕት ከአ ልዕል ክብል እዩ፥ እሞ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ አገልጋሊኹም ይኹን” (ማቴ 23፡11-12) ኢሉና። ክርስትና አብ ኩሉ ክበጽሕ ትሕትና ከም ቀንዲ መጋበሪ ተራእዩ ዝኾነ ክርስትያን ክገብሮ ዘለዎ እዩ፥ አብዚ ጊዜ ጾም እምብአር ሓደ ብዝያዳ ኽንገብሮ ዘሎና አብ ሕይወትና ንርእስና ልዕሊ ካልኦት ክብ ዘበልናሉ ንኻልኦት ዝነዓቕናሉ፥ ንአይ ይጥዓመኒ ዝበልናሉ እና ሓሰብና ነቲ ጎይታና ዘርአዮ ትሕትና እናዘከርና ነቲ ንሱ ዝአዘዞ ክንፍጽም እዩ።

ትሕትና ዝጎደሎ ሕይወት ከም ጨው ዝጎደሎ መግቢ እዩ። አብ ገለ እዋን ትሕትና ከም ሕመቕ ወይ እውን ልቦና ከም ዝግደልና ኮይኑ ክርአ ይክአል እዩ፥ ግን መጠን ትሑታት ዝኾናሉ ሕይወትና ሰላም ፍቕርን ምርድዳእን እዩ ዝበዝሖ። ንትሕትና ዘጥፍእ እዚ ሎሚ ዓለም ብዓለሙ አብ ስቓይ አውሪዱ ዘሎ ትዕቢት አንነት መን ከማይ ዝብል እዩ። ሰይጣን ዝተዓወተሉ ልቢ ቀዳመይቲ መለለይቱ አነ ዝብል እዩ። ንብዙሓት አብ መገዲ ጥፍአት ዘብጽሖም ልቦም አምላኽ አብ ክንዲ ዝሰፍሮ ሰይጣን ክሰፍሮ ምስ አፍቀዱ እዩ።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ርእስና ክንክሕድ ዕለት ዕለት መስቀል ጸርና ክንስዕቦ እዩ ትምህርቱ። ብርግጽ መስቀል ቀሊል አይኮነን ከቢድ እዩ ገለ እዋን ክበዱ ከምቲ ንኢየሱስ ሰለስተ ጊዜ ዘውደቖ ሒዙና ክወድቕ እይኽእል እዩ፥ ግን ንጎቦ ቀራንዮ ደይብና ምስ ኢየሱስ ክንመውት ምስ እንመርጽ ሽዑ ጩራ ትንሣኤ ልብና ማሪኹ ንኹሉ ጸርና ክንቅጽል ንኽእል። ሕይወት መቐረት ዝህልዎ አምላኽ ብምልኡ ክመልኮ እንከሎ ጥራሕ እዩ። ቅ. አጎስጢኖስ ነፍስና ንአምላኽ ምስ ረኸበት ጥራሕ ከምእትዕርፍ ይነግረና። ዕረፍቲ የድልየና አሎ እዚ ኸአ ግዙፋዊ ዕረፍቲ ዘይኮነ ንአምላኽ ምርካብ እዩ።

ትሕትና ክነዘውትር እንከሎና ክንጥቀመሎም ዘሎና መንፈሳውያን መጋበሪታት ባዕሉ ክርስቶስ ምሂሩና አሎ፥ ከምዚ ኸአ ኢሉና፥ ምጽዋት ክንህብ ከሎና መለኸት ክንወቅዕ የብልናን፥ ማዕጾና ዓጺና ክንጽሊ አሎና። ብሕቡእ ንሓደ ከየርአና ክንጸውም ከም ዝጾምና መናፍሕ ከይንነፍሕ የጠንቅቐና። ነቲ ዝርአ ኩሉ ክንዓጽዎ አሎና፥ ካብ ናይ ክብሪ መናብር ክንርሕቕ አሎና፥ መሕጸቢ እግሪ ወሲድና አእጋር ጎረባብትና ክንሓጽብ አሎና፥ እዚ ኽንገብር ከሎና ክብሪ ዓለምን ኩሉ ምስኡ ዝኸይድ ከይደለና እዩ ክኸውን ዘለዎ። ከም ማንም እንገራን ወይንን ክንቁረስ፥ ክነካፍልንን ክንዕደልን አሎና። ምድራዊ ትዕቢትና ክነጥፍእ ካብ እግዚአብሔርን ካብ ክፉእ ዝገበሩናን ዝገበርናዮምን ጎረባብትና ሕድገት ክንሓትት አሎና።

አብ ጊዜ ጾም ንኹሉ ነገራትና ከምቲ አምላኽን ሰብን ዝደልዮ ክንዕረን አብ ጽቡቕ መገዲ ክንምለስን ኢና እንገብሮ። አብ ትንቢት ኢሳያስ 1፡10-16 ዘሎ እንተ አንበብና ምርጫ ይህበና። ብካልእ ከአ ከም ናይ መጨረሻ መጠንቀቕታ ገርና እውን ክንርእዮ ንኽእል። ብሓቂ አስተውዕል አቢልና እንተ ርአና ጎይታና ማራኺ ዕድመ ወይ መዘኻኸሪ እዚ ወይ እቲ ዘይትብለሉ የቕርበልና። ነዚ ዕድመ እንተ ዘይተቐቢልና ናይ ብሓቂ ጸማማት ወይ ቀልቢ ዘይብሎም ኢና። አምላኽ ከም ብእምነት ዝበሰልና ገሩ እዩ ምስ ነፍሲ ወከፍና ምስኡ ክንዛረብ ወይ አብ ቅድሚኡ ዝደልየና ዘሎ። ማንም ሰብ አይኮነን ምሳና ዝዛተ ዘሎ እግዚአብሔር ባዕሉ እዩ።

“ተነስሑ ካብ ኃጢአትኩምውን ተሓጸቡ ገዛእ ርእስኹም አንጽሑ፥ አብ ቅድመይ ክፉእ ምግባር ኅደጉ፥ ሠናይ ምግባር ተመሃሩ፥ ብቕንዕና ፍረዱ፥ ንጥቑዓት ርድእዎም፥ ንዘኽታማት ፍትሒ አውጽኡሎም ንመበለታት ተጣበቑለን” እናበለ ይዛረበና አሎ። ክንሳሕ እንተ ኸአልና “ብኃጢአትኩም እኳ ኸም ደም እንተ ቔሕኩም ከም በረድ ከፃዕድወኩም እየ” እናበለ አብዚ እዋን ክንገብሮ ዝግብአናን እንረኸቦ ጸጋን የብርሃልና።

አብ መዝሙር 50፡8-23 ዘሎ እንተ አንበብና ምሕረት እግዚአብሔር ናይ እቶም ሕይወቶም አብ መገዲ አምላኽ ዝመልሱ ይነግረና። ስለምንታይ ንሕጊ አምላክ ብሓሶት ከም እንሕልዎ ንኸውን እናጸላእናዮም ከም አርዑት ከም ዝኸብዱና ገርና እናነበርና ከም እንሕልዎምን እንቕበሎምን ኮና እንነብር። ከምዚ እንተ ኾነ ከምቲ አተሓሳስባ ቆልዑት እዩ ዘሎ ርድኢትና። ብአእምሮ ዓቢና ካብ አምላኽ መምርሕን ጸግዕን ምትብባዕን ክንሓትት አሎና። እዚ መምርሕና ምትብባዕን ከም ዕድመ ኮይኑ ሎሚ ይቐርበና አሎ። ዕድመና ጻዊዕትና ሓቂ ከም ዓላማና፥ ንዝተጋገየ ክንእርም፥ ንልመና ዘኽታማት ክንሰምዕ፥ ንመበለታት ክንከላኸለልን እዩ። እዚ ክንገብር እንተ ኸአልና ድሕነት አምላኽ ክንርኢ ኢና። ንኹሉ ድኽመታትናን ጌጋታትና ሓዲግና ንርእስና ሓደ ልብና መንፈስን ክነጥሪ ኢና።

ጾም አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ሓዲስ ልብን ሓዲስ መንፈስን እንገብረሉን እዩ። እዚ እዋን ንኽፉእ መገዲ እንሓድገሉ ንጽቡቕ ከአ እንምሃረሉ ጊዜ እዩ። ሎሚ አምላኽ ዕድመን መምርሕታትን ዝህበና ዘሎ ከም መጠንቀቕታ ክፈራርሓና ኢሉ አይኮነን። ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ንዝጠፋእና ደቂ አብ ቤቱ ክንአቱ ክንምለስ እሞ ጣዕሚ ወላዲ ክነስተማቕር ኢሉ እዩ። አምላኽ እዝዞ ከም ዝሓርር መስዋዕቲ ዝቐርቦ አይኮነን ዝደሊ ዘሎ እንታይ ድአ ፍጹም እምነት ከም ምስጋን ዝዓርግ እዩ ድላዩ። እዚ ጊዜ ትሑት ክትከውን ዝምህር እዩ። ሓዲስ ልብን መንፈስን ክነጥሪ እንተ ዘይክአልና አብ መአዲ ድሕነት ክንጽንበር ክኸብደና እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ጊዜ ጾም ሓዲስ ዕድል ንተሓድሶ ትሕትናን ዝዕድም እዩ። ቤተ ክርስትያን ነዚ ዕድል በብእዋኑ አብ ቃል አምላኽ ከም እንቕርብ ስለ እትገብረና ክነምስግን ይግብአና። ሎሚ ዝያዳ ዕድላት ንቃል አምላኽ ክንሰምዕን ክንቅበልን፥ ከምኡ ንኸማና ዝበሉ አሕዋትና ብትሕትና ክቐርቡ ክንመክርን ክንስሕቦም ናይ ነፍሲወከፍና ሓላፍነት እዩ።

እግዚአብሔር ሓውኻ/ሓፍትኻ አበሎ/ላ እናበለ ይሓትት አሎ። ጉዕዞ ሰማይ ንበይንና ክንጉዓዝ አይኮነን ዝድለ ዘሎ ብሓባር ክንጉዓዝ አብ ሓደ መአዲ ፍቕሪ ክንምገብ እዩ ድላይ አምላኽና ስለዚ አበሎ ሓወይ ሓፍተይ ክንብል አምላኽ ዝሓቶ ሕቶ እዩ። ከም ቃኤል ሰይጣን ሓዲሩና ሓላው ሓወይ ወይ ሓፍተይ አይኮንኩን እንተ በልና አብ ቤትና መርገም ኢና ነምጽእ ዘሎና።

ጣዕሚ ዓለምን አነ ዝብል መንፈስና ክማርኸና እንከሎ ንክፍአትን ጥልመትን ክንገብር ቀሊል እዩ። ሥጋና ብምቾት ብቐሊል ዝስዓር ስለ ዝኾነ ርእስና ስምዒትናን አተሓሳስባና ክንመልኽ እዚ ቅዱስ ጊዜ ጾም ሓጋዚና እዩ። ነዚ ተረዲእና ካብ ርእስናን ግጉይ ስምዒትናን ወጺእና ንክርስቶስ ክንስዕቦ ሎሚ ንበገስ።   

እዚ ጉዕዞ ጾምና እምብአር ናይ ገዛ ርእስና አቲና ንስምዒትናን ንአይ ይጥዓመንን አብ ክብሪ ርእስና ዝብል መንፈስ አጉዲልና ትሕትና አብ ውሽጥ ልብና አሕዲርና ምእንቲ ካልኦት ኢልና ክነፍቅርን ክነገልግልን ዝብል ቅዱስ መንፈስ አብ ልብና ንዝራእ፥ እዚ ኸአ ምእንቲ ክብሪ አምላኽን ድሕነት ነፍሳት ክንገብሮ ንማለት እዩ።

ማርያም ብአምላኽ ዝለዓለ ክብሪ ረኺባ አደ ክርስቶስ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ኮይና። መልአኽ እግዚአብሔር ጸጋ ዝመልአኪ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እናበለ አበሲርዋ። ኤልሳቤጥ ዘደመዳ ማርያም ዝረኸበቶ ጸጋ ርእያ ስለ ዝኽአለት እዚ ኹሉ ካበይ ኮነለይ እናበለት አደ ጎይታይ አብ ቤተይ ክትመጽኢ እናበለት አኽቢራት። ማርያም ወላ እኳ እዚ ኹሉ ትበሃል መለልይአ ትሕትና እዩ በዚ አደ ትሕትና ትብሃል። አብዚ ቅዱስ ጉዕዞ ጾም መገዲ ትሕትና ምሃርና ንበላ።

“ትሑታት ውሉድ አምላኽ ክብሃሉ እዮም እሞ ብጹአን/ዕዉታት እዮም”።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ                                                                     

08 April 2021, 13:21