ድለ

2021.04.02 ሃይማኖትን ፖሊቲካን ኣብ ታሪኽ 'ምድረ-ኣቢስንያን' ናይ ሎሚ ኤርትራን 2021.04.02 ሃይማኖትን ፖሊቲካን ኣብ ታሪኽ 'ምድረ-ኣቢስንያን' ናይ ሎሚ ኤርትራን 

ሃይማኖትን ፖሊቲካን ኣብ ታሪኽ 'ምድረ-ኣቢስንያን' ናይ ሎሚ ኤርትራን! በየነ ቀላቲ

ሃይማኖትን ፖሎቲካን እንተደልዮም ንደቂሰባት የተሓባብርዎም እሞ ብሓድነት ብዙሕ ጽቡቅ ነገራት ከምዝፍጽሙን ብምዕብልና ከምዝግስግሱን ይገብሮዎም፡ እንተደልዮም ከኣ ማይ ቀጠነ ብዝዓይነቱ ምስምስ ተፈላልዮም ነቲ ብሓደ ኰይኖም ዝሃነጽዎ ሓድነትን ምዕባለን ከዕንውን ነንሕድሕዶም ከምዝቃተሉን ይገብርዎም። ዘመደ ኣዳም ልዕልናኡ ዘንጊዑ በዘን ክልተ ጉዳያት እዚአን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጀሚሩ ክማጐትን ተጸልዩ ክጸሉ ሒዂ ክብል ይነብር። መምህር በየነ ቀላቲ 'እምነት ድዩ ካብ ፖሊቲካ እንሕባኣሉ ባዕቲ ወይስ ፖሎቲካ ካብ እምነት እንሕበኣሉ በዓቲ' ክብሉ መነቃቅሒ ሓሳብ ብምቅራብ ታሪኽ ክርስትና ሃገርናን ቅልስ ሃይማኖትን ፖሊቲካን ክሳብ እዛ ዘሎናያ ሰዓት ኣቅሪቦምልና ኣለው።

ሓደ ካብቲ በብባህልኻ መበቆልካን ታሪኽካን ንከይትርስዕ ዝግበር ልማድ ኣእምሮ ካብ ትሰዂዓሉ ዕለት ጀሚሮም ብሕጻንነት ንውሉድ ወለዶ ዝመሓላለፍ ወዲ/ጓል መን ካብ ዝብል ጀሚርካ ክሳብ ሸውዓተ ወለዶ ወይውን ልዕሊኡ ንዘለዓለም ከምዘይርሳዕ ገርካ ምውቃር ከምኡ እውን ካብ ቀረባ ታርኽ ቤተሰብ ጀሚርካ ብእንዳን ዓድን ሃገርን ዝንገር ኣፈታሪኽ ምውርራስ እዩ። ቃል ይርሳዕ ጽሑፍ ይውረስ ንዝብል ኣምር ዘስተውዓሉ ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ግን በብዘመኑ ነቲ ብቃል ዝተቀበልዎን ባዕሎም መርሚሮም ዝረኸብዎን ብጽሑፍ ክምዝግቡ ካብ ዝጀመሩ ናይ ጥንቲ ሰባት ክሳብ ለይቲ ሎሚ እቶም ዕውታት ዝኾኑ ኣብ ዝተፈላለየ መዝግበ መጻሕፍትን ኣብ ዘመና ከኣ ዲጂታል ዝበሃል መኸዘኒ ኩሉ ክእክብዎ ክኢሎም። 

መምህር በየነ ቀላቲ ነቲ ካብ ሕጻንነቶም ክንገር ዝሰምዕዎን ኣብ ቤተትምህርቲ ዝተማህርዎን ዝመሃርዎን መበቆል እምነቶምስ ይኹን ምሳኡ ተታሓሒዙ ዝኸይድ ባህልን ፖሎቲካን ካብ ሡር መሠረቱ ጀሚሮም ኣብ ጽሑፍ ከስፍሩ ብማለት ''ሃይማኖትን ፖሊቲካን ኣብ ታሪኽ 'ምድረ-ኣቢስንያን' ናይ ሎሚ ኤርትራን'' ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ትንተና ኣቅሪቦምልና ኣለው። 

በዓል ሠናይ ዝኽሪ ነፍሰኄር ብፁዕ አቡነ ኣብርሃ ፍራንሷ ፍሉይ ጠባይ ምድረ ሓበሻ እንክገልጹ 'ተቀባል ጋሻ' ይብልዎ ነበሩ። መምህር በየነ እውን ኣብዛ ሓሳብ እዚኣ ዝርዕም ብዝመስል ኣተሓሳስባ ኣብዛ ኣቅሪቦምልና ዘለው መጽሓፍ ዝገልጹልና ነዚ ይመስል። ኣብ ዘመነ አርዌ ዝተፈላለየ እምነታት ዘዘውትር ዝነበረ ምድረ ሓበሻ ንኦሪት ሃንጐፋይ ኢሉ ተቀቢሉ ናተይ ኢሉ ብምልባስ ኣይሁዳዊ እምነትን ባህልን ድሕሪ ምውራስ ካብታ ኣብ ግሐ 8.27 ተጠቂሳ ዘላ ንግሥቲ ህንደኬን ጥምቀት ኣገልጋሊአን ጀሚሩ ምሳኡ ዝተሓሓዝ ትውፊት ስብከት ማቴዎስ ወንጌላውን ታሪኽ ቅዱስ ፍሬሚናጦስ አቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃንን ተሥዐቱ ቅዱሳንን ብሓንሳብ ብምጥቅላል ክርስትና ከመይ ቢሉ ከምዝተቀበለን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንዘሎ ምዕባሌታትን ሰፊሕ መግለጺ ሂቦምና ኣለው እሞ ንንበባ። 

ደራሲ ዝተወከስዎም ጽሑፋት ከኣ ካብቲ ምንጪ ኩሉ ሓቂ ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ኣትሒዝካ 28 መበቆላዊ ጽሑፋትን ዝተፈላለዩ ብሂል ሊቃውንትን ትውፊትን እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ዝብልዎ ንምምስኽኻርን ነፍስወከፍ ኣንባቢ ንርእይቶ ደራሲ ፈልዩ ንምርኣይን ዘኽእል ስለዝኾነ ብክፉት ኣእምሮን ምኽኑይ ሥነመጐተን ኣብቲ ኩነት ክትዛተ ከምዝከኣል ዘመልክት እዩ። 

ከምቲ ደራሲ ኣብ መባእታን መደምደምታን ኣመልኪቶሞ ዘለው ታሪኽ መምህር ኣብ ርእሲ ምዃኑ ከም ጸሓፊኡ እውን ስለዝበሃል ብዝተኻእለ መጠን ካብ ዘየድሊ ነቀፌታ ሃናጺ መአረምታ እንተተመርጸ ዝሓሸ ምኾነ።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 April 2021, 11:07