ድለ

2020.04.16 መካነ ንግደት መለኮታዊ ምሕረት፡ ቤ.ክ መንፈስ ቅዱስ ዘሳስያ ሮማ. 2020.04.16 መካነ ንግደት መለኮታዊ ምሕረት፡ ቤ.ክ መንፈስ ቅዱስ ዘሳስያ ሮማ. 

ብመለኮታዊ ምሕረቱ ጐይታ ኣብ ውድቀትና ዳግም ክለዓሉ ዘለዎም ውሉድ ይዕዘብ!

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ሎምዘመን እውን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸክሶ ንካልኣይ ግዜ ነቲ ዓቢይ ናይ ምሕረት በዓል ኣብ ዳግማይ ትንሣኤ ዝበዓል ዝኽሪ መለኮታዊ ምሕረት ኣብ ቤተክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ዘሳስያ ሮማ ብሕታዊ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ ትዊተር ዝበሃል መራኸቢ ብዙሓን ‘ብዛዕባ ውድቀታትና ኣይንሻቀል እንታይ ደኣ ናብቲ ኣብ ሕስረት እንርከብ ውሉድ መለኮታዊ ፍቅሪ ምሕረቱ ዝገልጸልና ንመልከት` ኢሎም። ናይቲ ቤተክርስትያን ሓልፊ ሞንሲኞር ባርት ከኣ መለኮታዊ ምሕረት ጐይታ ንቫይረስ ኣነነት ክትባት እዩ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅድስት ፋውስትና ደጋጊሙ እንክረኣያን እንክምህራን ዝቀሰመቶ ዜና መዋዕል ሕይወታ ወይውን ዳያሪ ኣብ ዝብል ጽሑፋ ተስፍሮ ነበረት። ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደጋጊሙ ዝብላ ዝነበረ ንሳ እትጠቅሶ ሓደ ‘ተልእኮይ ብሞተይ ኣይኮነን ዝዛዘም እኳ ደኣ ብሞተይ እዩ ዝጅምር’ እንክብል ቀንዲ ተልእኮ ኢየሱስ ዝኾነ ድሕነት ዘመደ ኣዳም ብመሥዋዕቱ ብሞቱ ክምዝፍጸም እዚ ከኣ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ስለዝገልጽ ምስቲ ዓምዲ እምነትና ዝኾነ ትንሣኤ ሙታን ዝዝከረሉ በዓለ ፋሲካ ኣተኣሳሲሩ ኣብ ዳግማይ ትንሣኤ ማዕረ ሞቱን ትንሣኤኡን መለኮታዊ ምሕረቱ ክዝከር ካብቲ ንሱ ዘወፈዮ ጸጋታት ከኣ ኩልና ክንሓፍስ ትዕድም።

እዛ ዕውቲ ቅድስቲ እዚኣ ማዕረ ኢየሱስ እኳ እንተዘይኮነ ከም ተኸታሊቱ ቁሩብ ቁራቦ ሕማማቱ እውን ከምዝተሳተፈት ዜና መዋዕል ሕይወታ የመልክት። ብዙሕ ስቃይ ከምዝተጓነፋ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል ድቅድቅ ጸልማት ነፍሲ ዝብሎ ሓያል ገድሊ ተጋዲላ ዝሓለፈት ዕውቲ ኰይና ብ1905 ዓም ግሎግየች ኣብ ዝበሃል ቊሸት ሃገረ ፖላንድ ካብ ሓረስቶስ ስድራቤት ተወሊዳ ከም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 33 ዓመት ዕድሚኣ ጒዕዞ መስቀላ ብዓወት ዛዚማ ኣብ ገዳም ደናግል ክራኩፍ ዓረፈት። ኣብ ገዳማዊ ሕይወታ ነቲ ብኩለን ደናግል ዝተናዕቀ ስራሕ ምግብና ሒዛ ኣብ ኩቺና ከምኡ እውን ጽሬትን ስራሕ ኣታኽልትን ምሕላው ማዕጾን ብዓቢ ትሕትና ትፍጽም ነበረት። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ዘይትረኣየሉን ብዙሕ ጉልበትን ትዕግስትን ዝሓትት ኣገልግሎት እንከላ ብዋሕዲ ጥዕናን ካልእ ጐይታ ተሳታፊት ሕማማቱ ክትከውን ዘፍቀደላ ውሽጣዊ መስቀል እውን ነበራ። ነዚ ምሥጢር እዚ መናዘዝታን ኣባት ነፍሳን ኣሕሉቅን ይፈልጥዎ ነበሩ። እዚ ሎሚ ዝበዓል ዘሎ በዓል ከአ ከም ቀንዲ ተልእኮ ተዋህባ።

በዓል መለኮታዊ ምሕረት ኢየሱስ ባዕሉ ዝወሰኖ በዓል!

በዓል መለኮታዊ ምሕረት እንክዝከር ንቅድስት እናቴ ፋውስትና ብደቂቅ ዝተኸታተሉን ኣብነታ ክኽተሉ ካብ ዘንቀዱን መስቀሎም ጸሮም ኣብ ዓወት ቅድስና ዝበጽሑን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እዮም። ነዚ መንፈሳውነት እዚ ከም መሪሕ ሕይወቶም ገሮም ነዊሕ ድሕሪ ተጓዒዞም ንቤተክርስትያን እውን ከምቲ ጐይታ ዝመደቦ ዓቢይ መጋበሪ ድሕነት ምዃኑ ብምግንዛብ ናይ ሎሚ 21 ዓመት ይገብር ትኽክል ንምዃን ብዕለት 30 ሚያዝያ 2000 ዓም ናይዛ ብዙሕ ዝተጋደለት ሕይወትን ምስክርነትን ንጉዳይ ቅዱሳን ብእትከታተል ማሕበር ተጸኒዑ ምስ ቀረቦም ቅድስናኣ ብምእዋጅ ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ዓመት መጸ ዳግማይ ትንሣኤ በዓለ መለኮታዊ ምሕረት ክኸውን ኣብ ርእሲ ምውሳን ምሉእ ሥሬት ሓጢኣት ንምርካብ ከምቲ ንቅድስት ፋውስቲና ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደራ ዝተዋህቦ ካብ ምሸት ጸሎተ ሓሙስ ጀሚርካ ክሳብ ዳግማይ ትንሣኤ ናይ ታስዕቲ ጸሎት ብምግብርን ጽጹይ መርመራ ሕልና ገርና ብምንዛዝን ቅዳሴ ሰሚዕካ ብምቊራብን ምሉእ ምሕረት ክርከብ ከምዝከኣል እዚ ከኣ ንዝሞቱ ኣዝማድናስ ይኹን ንዘሎናስ ይኹን ምሉእ ስሬት ሓጢኣት ከም ዘውህብ ኣወጁ።

ኣብዛ ፍልይቲ በዓል እዚኣ ኣብ መእተዊ ከም ዝገልጽናዮ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ሎምዘመን እውን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸክሶ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ቤተክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ዘሳስያ ሮማ ሎሚ ንግሆ ሰዓት 10.30 ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ምስ ውሑዳት ሰባት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

11 April 2021, 11:02