ድለ

ምእንት ፍቕሪ ናይ ዝተሰውኤ ሕይወት መሰኻኽር ሰለስተ ደናግል ምእንት ፍቕሪ ናይ ዝተሰውኤ ሕይወት መሰኻኽር ሰለስተ ደናግል  

ምእንት ፍቕሪ ናይ ዝተሰውኤ ሕይወት መሰኻኽር ሰለስተ ደናግል

እቲ ናይተን ደናግል ማሕበር ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ 1952 ዓ.ም. ከምዝኣተወን፡ እተን ሰለስተ ደናግል ኣብ 1995 ዓ.ም. ነቶም ብለብዒ ኤቦላ ዝተጠቕዑ ህሙማን ኣብ ምእላይ እንከለዋ በቲ ሕማም ተለኺፈን ዝዓረፋ

ኣብ 1995 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ነቶም ብሕማም ኤቦላ ዝተጠቕዑ ኣብ ምግጋል እንከለዋ በቲ ተላባዒ ሕማም ተጠቕዔን ምእንቲ ፍቕሪ ሕይወተን ዝሰወኣ እናቴ ፍሎራልባ ሮንዲን እናቴ ክላራንጀላ ጊላርዲን እናቴ ዲናሮሳ በለሪን ሰለስተ ኣባላት ማሕበር ደናግል ድኻታት ዘበርጋሞ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር በማላድነተን ክጽለን ናብ ብጹዕናን ስዒቡ እውን ናብ ቅድስና ዘብጽሔን ከይዲ ብወግዒ ክብገስ ገድለ ጽድቅናኤን ኣፍልጦ ብምሃብ ክቡራት ዝብል መጸውዕ ክወሃበን ዝሓትት ሰነድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 20 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብክታሞም ይኹንታ ከምዝሃብሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምእንት ፍቕሪ ናይ ዝተሰውኤ ሕይወት መሰኻኽር ሰለስተ ደናግል ናብ ብጽዕና
ምእንት ፍቕሪ ናይ ዝተሰውኤ ሕይወት መሰኻኽር ሰለስተ ደናግል ናብ ብጽዕና

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ክንየው እቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ሎሚ እውን ሕዝቢ ዝገማምዕን ዘረሓሕቕን ንስቓይን ዓመጽን ዝዳርጉ ዝተፈላለዩ ለብዕታት ይረአይ፥ ኣብ ጊኒን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ሕማም ኤቦላ ዳግም ይርአይ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና ዘውጸኦ መግለጺ ክሕብር እንከሎ፡ ነቶም ብዝተፈላለየ ተላገብ ሕማም ዝተለኽፉ ንበይኖም ከይሓደጉ ኣብ ምግልጋሎም ሕይወቶም ዝሰውኡን ዘገልግሉን ዘለዉን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን “ጐረባብትና ዝኾኑ ቅዱሳት” እንክብሉ ከምዝገለጽዎን ይዝከር።

ምእንት ፍቕሪ ናይ ዝተሰውኤ ሕይወት መሰኻኽር ሰለስተ ደናግል ናብ ብጽዕና
ምእንት ፍቕሪ ናይ ዝተሰውኤ ሕይወት መሰኻኽር ሰለስተ ደናግል ናብ ብጽዕና

ኣብ ጐድኒ ተኣፋፍያንን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን

እተን ሰለስተ ደናግል ናይቲ ብኣባ ልዊጂ ማሪያ ፓላዞሎ ኣብ 1869 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ በርጋሞ ናይ ዝተመስረተ ማሕበር ድኻታት ደናግል ኣባላት ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ተላኢኸን ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ዝተናዕቁን ህሙማንን ዘገልግላ ዝነበራ ምዃነን ክሕበር እንከሎ እቲ ናይተን ደናግል ማሕበር ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ 1952 ዓ.ም. ከምዝኣተወን፡ እተን ሰለስተ ደናግል ኣብ 1995 ዓ.ም. ነቶም ብለብዒ ኤቦላ ዝተጠቕዑ ህሙማን ኣብ ምእላይ እንከለዋ በቲ ሕማም ተለኺፈን ዝዓረፋ እናቴ ሮንዲን ጊላርዲን በለሪን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቢላ ነቲ ብናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዝቐረበ ገድለ ተወፋይነተን ኣፍልጦ ዝህብን ክቡራት ንዝብል መጸውዕ ብቑዓት ዝብል ናይ ውሳኔ ሰነድ ይዅንታ ከምዝሃብሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ገርካ ኣብ ምፍቃር እሙናት

ኣብቲ ዘገልግላሉ ዝነበረ ናይ ለብዒ ኤቦላ ማእከል ተባሂሉ ኣብ ዝንገረሉ ከባቢ ኪኵኢት ነቶም በቲ ሕማም ተላገብ ንዝተለኽፉ ኣብ ምግልጋል ተዋፊረን ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምፍቃር እሙናት ኰይነን ህሙማን ኣብ ምግልጋል ተዋፊረን ዝነበራ ኣብቲ ኣገልግሎት ሕውየተን ዘወፈያ ካልኦት ናይቲ ማሕበር ደናግል ኣባላት እናቴ ኣነልቪራ ኦዞሊን እናቴ ቪትሮሳ ዞርዛን እናቴ ዳኒየላንጅለ ሶርቲን እውን ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያ ተመሳሳሊ ኣፍልጦ ክወሃበን ተስፋ ንገብር እንክብላ ናይተን ክቡራት ዝተባህላ ደናግል ናብ ብጽዕናን ቅድስናን ዘብጽሐን መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢት ናይቲ ማሕበር ኣባል እናቴ ሊናደለ ክንክሊኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን።

24 February 2021, 12:10