ድለ

በዓለ ኪዳነ ምህረት የካቲት 16 2013 ዓ.ም. (2/22/2021) ኪዳንኪ ኮነ ለሓጥኣን ተስፋነ!

ዚቅ “ወታሥተስርዪ ኃጢአተ ሕዝበኪ ተበውሐ ለኪ እምአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ከመ ትኩኒ ተንከተመ ለውሉደ ሰብእ ለሕይወት ዘለዓለም - ካብ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንደቂ ሰብ መሳልል ሕይወት ዘለዓለም ክትኮኒ ተፈቒዱልኪ እዩ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ገላትያ 4፡1-12፥1ዮሓ1፡4-8፥(ራእይ 12፡1-6)፥ ግ.ሓ.1፡13-15፥ ሉቃስ 1፡39-57።   ምስባክ፡  እስመ ትቤ ለዓለም አሓንጽ ምሕረተ በሰማይ ጸንዐ ጽድቀከ፥ ኪዳን ተካዮትኩ ምስለ ኅሩያንየ። “ንዓለም ምሕረት ክገብር እዩ፥ አብ ሰማይ ኪዳንካ ጽኑዕ እዩ፥ ምስቶም ሕሩያነይ ኪዳን አትየ እየ” መዝ. 89፡1-2።

ዓመታዊ ዝኽረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት ዘኪርና ነብዕል አሎና። ተበውሐ ለኪ እም አብ ወወልድ መመንፈስ ቅዱስ ከመ ትኩኒ ተንከተመ ለውሉደ ሰብእ ለሕይወት ዘለዓለም ካብ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንደቂ ሰብ መሳልል ሕይወት ዘለዓለም ክትኮኒ ተፈቒዱልኪ እዩ። እናበልና አብቲ አምላኽ አብ ማርያም ዝገበሮ መሰረት ገርና ኢና ሎሚ ንማርያም ዘኪርናያ ዘሎና። ኩሉ ነገረ ማርያም አምላኽ ዝደልዮን ዝመደቦን እዩ ንሳ ኸአ ነቲ አምላኽ ዘቕረበላ ብምሉእ እምነት ሕራይ ኢላ ተቐቢላቶ ነዚ መሰረት ገርና ብዓለ ማርያም ነኽብር።

ቀዳሞት ወለድና ሰይጣን ተዓዊትሎም ሎሚ እውን ይዕወተልና አሎ፥ንሶም ካብ አምላኽ ምስ ወጽኡ እታ ሓንቲ ምስ አምላኽ ክዕረቑ ተስፋ ዝኾነቶም እቲ ካብ ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ ዝብል ተስፋ ጥራሕ እያ ነራቶም። መጽሓፍ ቅዳሴና ነዚ ክገልጽ እንከሎ አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት፥ ካብ ገነት ክስደድ እንከሎ ንስኺ ጥራሕ ኢኺ ነርኪ ተስፍኡ ይብል። ማርያም ከስ ዓራቒት ሰማይን ምድርን ስለ ዝኾነት ዝተፈላለየ ነቲ ንሳ ዝገበረቶ ዝገልጽ አስማት ይውሃባ፥ ታቦተ ኪዳን፥ ተስፋ ቅቡጻን፥ ኦ ምዕራግ እምድር እስከ ሰማይ፥ እናበልና ተራ ማርያም አብ ድሕነትና ዝገልጽ ንሰመያ። `

ታቦተ ኪዳን፡

አብ ብሉይ ኪዳን ታቦተ ኪዳን ዝለዓለ ክብሪ ይውሃቦ ነሩ ምኽንያቱ አብኡ ህላዌ አምላኽ ዝግለጸሉ ስለ ዝነበረ። አብቲ ታቦተ ኪዳን ሰለስተ ነገራት ነበረ። 10ተ ትእዛዛት እግዚአብሔር፥ በትረ አሮን፥ ከምኡ ካብ ህብስተ መና፥ በዚ እስራኤላውያን አምላኽ አብ መንግኦም ከምዘሎ ይአምኑ ነሮም። እስራኤላውያን ታቦተ ኪዳን ኩሉ እዩ ንአኦም እምነቶም ታሪኾም ህላዌኦም መንነቶም ስለዚ ኩሉ ሕይወቶም ምስኡ ክተሓሓዝ አለዎ።

ነዚ ምስቲ አብ ማርያም ዘሎና እምነትን ርድኢትን ክንርእዮ ከሎና አቐዲሙ ነቲ ንሳ ክትጾሮ ክትወልዶ ዘለዋ መስሕ ከምዘመልክት ንርኢ። ታቦተ ኪዳን እምብአር ናይ ማርያም እንታይነት ዝገልጽ እዩ። ንሳ ቃል አምላኽ አብ እምኒ ዝተጻሕፈ ዘይኮነ ብርእሱ አብ ከርሳ ስለ ዝሓደረ ካብአ ሥጋና ለቢሱ ባህርናን ከማናን ብዘይካ ኃጢአት ስለ ዝወሰደ አደ አምላኽ ትብሃል። እዚ ነቲ ዝለዓለ ርክብ ምስ አምላኽ ከም እትረክብ ገርዋ።

እስራኤላውያን ንታቦተ ኪዳን አብ ዝሰፈርዎ አብ ክብ ዝበለን ፍልይ ዝበለ ቦታ ይገብርዋ እሞ ክጽሊ ዝደለ ምስ አምላኽ ክራኸብ ዝደለ አብኡ ከይዱ ይጽሊ ነበረ፥ ሙሴ አብኡ ምስ አምላኽ ገጽ ንገጽ ይራኸብ ነበረ። ታቦተ ኪዳን ከንቀሳቕሳዋ ከለዉ ብዓቢ አኽብሮትን ዓጀባን እዮም ዘንቀሳቕሳዋ ነሮም ስለዚ ኩሉ ድሕሪ ታቦተ ኪዳን እዩ ነሩ። አብ ሓደ እዋን ጸላእቶም ንታቦተ ኪዳን ምስ ማረኽዋ መቕጻዕትን ሕማምን ሞትን አምጽአትሎም ስለዚ አብ እስራኤላውያን መሊሶማ። ታቦተ ክዳን ንእስራኤላውያን ምልክት ህላው አምላኽ አብ መንግኦም ስለ ዝኾነት ዝለዓለ አኽብሮት ይህብዋ ነሮም።

እዚ ነቲ ንማርያም ዝውሃብ አኽብሮት እዩ ዝገልጸልና። ንሳ አደ አምላኽ ምስ ኮነት እቲ ዝለዓለ ክብሪ ተዓዲላ። ካብ ሕጂ ንድሓር ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም ዝበለቶ መዝሙር ምስጋና ነቲ ካብ አምላኽ ዝረኸበቶ ጸጋን ክብርን እያ ገሊጻ። ክብሪ ማርያም መጀመርያ ካብ አምላኽ እዩ ተዋሂብዋ ካልአይ ነቲ አምላኽ ዝሃባ ንሳ ኸአ ሕራይ ኢላ መልሲ ሂባትሉ። እዚ አብ ስራሕ አምላኽ ከምእትሓብር ገርዋ። አምላኽ ኩሉ ዝኽአል እንከሎ ናታ ምትሕብባር ሓቲቱ በዚ ኢና አምላኽ ካብ አኽበራ ንሕና እውን ክነኽብራ ግቡእ እዩ እንብል።

ማርያም ተስፋና እያ፡

አዳምን ሔዋንን ባዕሎም ብዘምጽእዎ ጸልማት ተጎልቢቦም አብ ፍርሕን ራዕድን ተስፋ ቁርጸትን እንከለዉ ናይ ማርያም ተራ ምስ ሰምዑ እዮም ንጉዕዞ ተሓድሶን ዕርቂ አምላኽ ብተስፋ ተጸብዮም። አምላኽ ነቦና አዳም ዳግማይ ርክቡ ካብ ጓሉ ተወሊዱ ከም ዝዕረቖ ነጊርዎ። ቀዳሞት አበው በዚ ተስፋ ኵሎም ሓሊፎም ንምጽአት ወዲ ማርያም ክርእዩ ሃረር ኢሎም። ስምዖን ነብዪ ንኢየሱስ ሕጻን አብ ሕቕፉ ምስ ተቐበሎ አዒንተይ ነቲ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን (ሉቃ 2፡28-35) እናበለ ነቲ ዝነበረ ጽቢት ገሊጹን አመስጊኑን። ሰብ ብተስፋ ክነብር እንከሎ ሕይወት አለዎ ንዘይ ስገር ዝመስል ነገራት ክሰግር አይጽግሞን፥ ተስፋ ክቖርጽ እንከሎ ሞት እዩ ዝመጽኦ። ማርያም ነቲ አብኡ ኩሉ ተስፋ ዝተገብረሉ ስለ ዝወለደት አደ ተስፋ ንብላ። ንአና ተስፋና እያ። ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል እናበልና ንጽልን ነመግንን።

መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ካብአ ምስ ተወልደ ኩሉ ረኺብና እዚ ግን አብኡ ሱታፌ ክህልወና እንከሎ እዩ፥ ነቲ ተስፋና ምልአት ዝህቦ። ድሕሪ ዕርገት ኢየሱስ ሓዋርያት አብ ጽርሓ ጽዮን ብፍርሒ ተዋሒቶም እንከለዉ ብተስፋ ክጸንዑ አብ መንግኦም ዝነበረት ማርያም እያ። ነቲ ዘጸናንዕ መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ ተሰናድዎም ነራ ጸሎት ትመርሖም ነራ፥ ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ አብ ዝረስሐ ልቢ አብ ዘይተቐረበ ልቢ ክወርድ አይክእልን እዩ፥ በዚ እያ ነቲ ዝነበሮም ፍርሒ አልዮም ነቲ ዝተዋህቦም ተስፋ ወዳ ክጽበዩ ትመርሖም ዝነበረት።

ሎሚ አብ ሕይወት ነፍስወከፍና ብተስፋ ክነብር ትደልየና። ኪዳኑ ዘይጠልም ወዳ ምሳና ክሓድር ክትልምነልና ትኽእል እያ። አብ ቃና ዘገሊላ ንጭኑቓት ሰብ መርዓ ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እናበለት አርህያትሎም። ነቲ ጸልማት አንጸላልይዎ ዝነበረ ዳስ አብ ዝለዓለ ሓጎስ ቀይራቶ፥ ብዘይ ተስፋ ቁርጸት አብ ማርያም ዝቐረበ ንኢየሱስ ወዳ ተስምዓልና እያ። ሓንቲ ውዕሊ አላ እትሓተና ወደይ ዝበለኩም ግበሩ።

ሎሚ ኢየሱስ ካብ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ክንገብር ይደሊ፡

  • ብግልና ቅዱሳን ክንከውን ይደሊ። ነፍስወከፍና መንፈስ አምላኽ መሊኹና ቅድስና ዝለበስና ክንከውን እዩ ድላዩ። አምላኽን ኃጢአትን ብሓንሳብ ክነብሩ አይክአልን እዩ። ሕይወትና ወይ ንአምላኽ ወይ ከአ ንሰይጣን እዩ ዝሕዝ ስለዚ ሎሚ ክንመርጽ አብ ኢድና እዩ። አነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ ዝብል አብ ልብና አሕዲርና ከመይ እነብር አሎኹ ምስ አምላኽ ርክብ አሎኒዶ ኢልና ምስ ሕልናና ክንዛረብ ሎሚ ዕለቱ እዩ። ብግልና ምስ አምላኽ ርክብ ክህልወና ግድን እዩ ምኽንያቱ ምስ አምላኽ ክራኸብ ዘይክእል ሕይወት ጸልማት ለቢሱ ንርእሱ ተጸጊሙ ንሰብ እዩ ዘጸግም።
  • ብሓባር ደቂ አምላኽ ኮና ክንርከብ ድላይ አምላኽ እዩ። አምላኽ ንኹነኔ ዝፈጠሮ ወላ ሓደ ሰብ የለን። ኩልና ደቂ ሰማይ ክንከውን ዕዱማት ኢና። አብ ድሕነት ሓውናን ሓፍትናን ሱታፌ ክህልወና ድላይ አምላኽ እዩ። ጉዕዞ ሰማይ ብሓባር ክንጉዓዞ እንከሎና ከቢድ አይኮነን ከመይ ክንተሓጋገዝ ንኽእል ሓደ ሓውና ወይ ሓፍትና እንተ ደኸመ ስንቂ ሂብና ከም ዝብርትዕ እንገብሮ ንሕና ኢና ስለዚ ንጉዕዞ ሰማይ ብሓባር ክንጉዓዝ ጽዉዓት ኢና።
  • ደቂ ማርያም ዘብል ሕይወት ክንሕዝ የደልየና። ንሱ ብማርያም አቢሉ ሓውና ካብ ኮነ እተራኽበና እተዛምደና ማርያም ካብ ኮነት ሎሚ እውን ርክብና ብማርያም ኽኸውን እንከሎ ዝያዳ ፍረ አለዎ። ሕብርና ግብርና ዘረባና አካይዳና ርክባትና ነቲ ምስ ማርያም ዘሎና ክርክባት ዘንጸባርቕ ክኸውን ይግብኦ። ብግብርና ሰባት ክፈልጡና ይኽእሉ እዮም ደቂ ማርያም ዘብለና ከአ ምስ ኩሉ ሰላም ክህልወና፥ ንጽጉም ሓውናን ሓፍትናን ክንረድእ፥ ንዝተባእሰ ክንዓርቕ ልዕሊ ኹሉ ኸአ ጸሎት ክንፈቱ እነከሎና ደቂ ማርያም ኢና። አደታትና አብዚአ አሎና አብዚ አሎና ደቂ ማርያም ኢና እናበላ ክጽልያ እንከለዋ ምስ ማርያም ዘለወን ርክብ ንሰን ዝስዕብአ ማርያም ከም ዝኾነት እየን ዝገልጻ እዚ ኸአ ናይ ኩልና ጸሎት ክኸውን ይግባእ።

ብዓልና በረኸት ማርያም ዝለበሰ ክኸውን እምብአር ብሓባር ክንጽሊ ብሓባር ናይ ፍቕሪ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ። ከም ሓንቲ ስድራ ኮና ፍቕሪ ክነደልድል ሰብ ሎሚ ሓደ ካብቲ ከቢድዎ ዘሎ ፍቕሪ ምግባር እዩ። ንፍቕሪ ሰጒግናያ አነ ጥራሕ ንብል ንጉድለትና ንድኻማትና ከይንርኢ ትዕቢት ክፍአት ንልብና ደፊንዎ አብ ባእሲ አብ ምፍልላይ አብ ጽልኢ ክነብር ንርኢ አሎና፥ ካብዚ ጸልማት ዝጎልበቦ ሕይወት ክንወጽእ ንማርያም ሓግዝና ንወድኺ ለምንልና ንበላ።

በዚ አጋጣሚ ንኹልኽን አደታት ደቂ ኪዳነ ምሕረት ብፍሉይ ብዓልክን እተኽብራ ዘሎኽን ብሓቂ ደቂ ማርያም ኴንክን መንፈስ ማርያም አብ ኵሉ ልበሳ። ንቤተ ክርስትያንክን ብኹሉ አብነት ኩና። አደ ክጥዒ እንከላ ምሉእ ዓዲ ምሉእ ፈራዕ እዩ ዝጥዒ ስለዚ ናታትክን ቅድስናን መንፈስን አብ ሕይወትና ዓቢ ጽልዋ አልኦ ምእንታና መስዋዕቲ ክተሕልፋ ምእንቲ ቤተ ክርስትያንክን ነቲ እትገብርኦ መንፈሳዊ ፍቕርን ሓልዮትን ብዝያዳ ክተበርክታ ሓደራ እብል።

ወንጌል ማርያም ንኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ነበረት ይብለና፥ ነቲ ኹሉ ጽቡቕን ሕማቕን ዝጓነፋ ዝነበረ ከየንጸርጸረት ከይኮርዐት ብዓይኒ አምላኽ ትርእዮ ነራ ሎሚ ካባኽን ዝድለ እዚ እዩ። ንኹሉ ጸርክን ምኽአል ፍቕሪ ልዕሊ ኩሉ ሰሪዕክን ፈተውቲ ጽሎት ክትኮና ቤትክን ቤት አምላኽ ቤት ፍቕሪ ክትገብራ ሓደራ።

ማርያም ብዝያዳ ትቐርበክን ባህርኽን ተፈጥሮኽን አሓታ ስለ ዝኾንክን አብ ሕይወትክን ሕይወት ማርያም ክትስዕባ ጽዓራ። እኖና ኪዳነ ምሕረት ብጸግአን ጸሎታን ተሰንየክን፥ ብሩኽ ዓውደ ዓመት ንኹልና።

ኪዳን ምህረት አደና አማልድነታን ጸሎታን አይፈለየን አብ ዓድናን ዓለምናን ሰላምን ምሕረትን ወዳ ተውርደልና ነዚ ንዓለምና አጨኒቑ ዘሎ ሕማም ብአምልድነታ ትቐጥጠልና፥

ብሩክ ብዓል።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

24 February 2021, 13:09