ድለ

መዝገበ ቃላት በርጎሊዮ፥ ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ቀንዲ ቃላት መዝገበ ቃላት በርጎሊዮ፥ ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ቀንዲ ቃላት 

መዝገበ ቃላት በርጎሊዮ፥ ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ቀንዲ ቃላት

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦምን ስልጣናዊ ትምህርቶም ብጥልቂ ዘመላኽቱን ዘብርሁን ብኣኦም ዝተማህዙ ሓደስቲ ቃላትን ሓረጋትን ዝትንትን መጽሓፍ

ናይ ስነ እዋናዊ ፍልስፍና መምህር ናይ ፍልስፍና ሊቅ ፕሮፈሰር ፍራንቸስክ ቶራልባ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምህዞ ሓደስቲ ቃላትን ማለት ብፍራንቸስኮ ዘማዝሁ ሓደስቲ ቃላትን ሓረጋትን ትርጉምን ትንታነን ብፍልዩ ዘቕርብሉ ሓድሽ መጽሓፍ ከምዝደረሱን ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃል መሕትት እውን እቶም ብ.ሊ.ጳ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተማህዙ ቃላትን ሓረጋትን ንእዋናዊ ዓለምን ሰብን ተስፋ ዘቕርቡ እያቶም ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብቤት ማሕተም ቅድስቲ መሬት ዝተሓትመ፥ መዝገበ ቃላት በርጐሊዮ፡ ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦ ቀንዲ ቃላት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና ራሞን ዩል ናይ ስነ እዋናዊ ፍልስፍናን ስነ ሰብእን መምህርን ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣማኻርን ፍራንቸስክ ቶራልባ ዝተደረስዎ መጽሓፍ ብመረባዊ ውሕዘትን ብዮቱይብን ፋይስቡክ ማሕበራዊ መረብትን ዕለት 18 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ካፐሊ ኣስዒበን፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦምን ስልጣናዊ ትምህርቶም ብጥልቂ ዘመላኽቱን ዘብርሁን ብኣኦም ዝተማህዙ ሓደስቲ ቃላትን ሓረጋትን ዝትንትን መጽሓፍ ምዃኑን ብሓፈሻኡ ስልጣናዊ ትምህርቶምን ወግዓዊ መደረታቶምን ሓዋርያውያን ምዕዳኖምን ስብከታቶምን ወግዓዊ ሰነዳቶምን ዘቕርብዎ ኣምራትን ኵሉ ክትርድኦ ዘኽእል መዝገበ ቃላት እውን ምዃኑ የመላኽታ።

ናይ ተስፋ ቃላት ንዓለም

“መብዛሕቲኦም እቶም ኣብቲ መዝገበ ቃላት በርጐልዮ ዝተዘርዘሩ ቃላት ናይ ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ቅኒተ - ልባዌ  ወይ ቅኒተ ህልዩ እያቶም ዘመላኽቱ፥ ናይ ቅዱስነቶም ቅኒተ ኣተሓሳስባን ኣርኣእያን እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ቅድሚ ምሕራዮም እውም ከም ካህንን ጳጳሳን ሊቀ ጳጳስን ብቓል ድዩ ብጽሑፍ ዝጥቀምሎም ዝነበሩ ቃላት እውን ምዃኖም ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ፍራንቸስክ ቶራልባ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የብርሁ።

“እታ መጽሓፈይ - ይብሉ - ናይዞም ር.ሊ.ጳ. መሰረታዊ እማረ ሓሳባትን ምድባቱን ንምርዳእ ካብ ዝብል ብርቱዕ ድላይ ዝተወልደት እያ”፡ ዓቢይ ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘንጸባርቕ ፍልዩን ዓቢይን ሓድሽ መበቆላዊ ዘለዎን ናይ ሰብኣዊ ኵነት ዝውክልን ንኽትርዳእ ዝድግፉ እያቶም፡ እዚ እዩ እቲ መሰረታውን ቀንዲ መፍትሕን ናይቲ መጽሓፍ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንቑሕ ተሳታፍነት ብዘይብሎም ርዱኣት ክኾኑ ዝኽእሉ ቃላት እያቶም፡ ምኽንያቱ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እወታዊ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ስለ ዝርእዩ፡ ናይ ተስፋ ቃላት እያቶም። ንእዋናዊ ሰብን ዓለምን ናይ ተስፋ ቃላት ምዃኖም የብርሁ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ውስጠ-ኤቀለሲያዊ ዘይኮነ ክንየው ኤቅለሲያዊ እውን ብምዃኑ ኵሉ ዝርድኦን ናብ ኩሉን ናብቲ ርሑቕ እትብሎ ቦታ ኵሉ ዝበጽሕ እዩ፡ ንኣብነት ቅዱስነቶም ዓውሎማዊ ሸለልትነት ዝብል ቃል ኣብ ህልው ቋንቋ ክኣትው ገይሮም እዮም፡ እዚ ቃል’ዚ እቲ ዝገልጾ ሓሳብ ከኣ ንመሬትን ነቲ ካባኻ ዝተፈልየን ወጻእተይናን ንገዛእ ርእሱ ንእግዚኣብሔር እውን ዝምልከት እዩ፡ ሸለልትነት ኣብ ቅድሚ መሬትን ብጻይን ንእግዚኣብሔርን ሸልል ምባል የስምዕ፡ ደጋዊ ህልወና ዝብል ቃሎም እውን እንተርኢኻ ቲዮሎጊያዊ ትርጉም ጥራሕ ወይ ቲዮሎጊያዊ ተነቦ ጥራሕ ዘይኮነ ብዓለማዊ ዓይኒ ክትርእዮ እንከለኻ ናብ ርሑቕ ዘበጽሕ እዩ፡ ስለዚህ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእን ናብ ምባልን ወንጌል ናብ ኩሉ ምብጻሕን ዘስምዕ ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣብ ናይ በርጐሊዮ ታሪኽ ዝምባለ ሕዳሰ ቃላት ሓድሽ ኣይኮነን? ሓቂ እዩ፡ ኣብቲ መዝገበ ቃላት በርጎሊዮ ዘርእስቱ መጽሓፍ ተመልኪቱ ከምዘሎ፡ ንኣብነት ኣብ መስኮት ኲይንካ ርሑቕ ኲይንካ ክትገብሮ ዝግብኣካን እትኽእልን ከይገበርካ ናይ ምትራፍ ዝንባለ ዘስምዕ እዩ፡ ባዕሎም ዘተኣታተውዎ ቃል ኣሎ ንሱ ኸኣ መስኳቲ ዝብል እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ናይ ብዙሓት መዓትን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸገም ብርሑቕ እናረኣኻ ረጊእኻ ከምዘይረኣኻ ኲይንካ ምትራፍ የስምዕ፡ ካልእ ንኣብነት ብቐዳምነት እውን ልሙስ ዘይሙኻን ዝብል ሓሳብ እዩ ዘስምዕ፡ ዝጽበይ ዘይኮነ ኣነ እንታይ ክገብር እኽእል ምባል የስምዕ፡ እዞም ሕዳሰ ቃላት እዚኣቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዕለታዊ ሕይወት እናሰረጹ ይኸዱ ኣለዉ፥ ይሰርጹን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እውን ይትርጐሙ።

ናይ ምርሳዕ - ሕማም (ዘይምዝካር) ኣእምሮ ናይ ምዝካር ዓቕሙ ዘልምስ ሕማም ኣሎ፡ ብዙሕ እዋን ብዕድመ ኣብ ምድፋእ ዘጋጥም እዩ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ቃል ምስ መንፈሳውነት ዝብል ቃል ኣጣሚሮም መንፈሳዊ ልምሰተ ኣእምሮ  ዝብል ሓድሽ ቃል የተኣታትዉ፡ እዚ ቃል እዚ ግድን ኣብ ብዕድመ ምድፋእ ጥራሕ ዘጋጥም እይኮነን፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርእስት ጳጳሳት ዘይተመሃዘ ቃል እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ር.ሊ.ጳጳስ ዝፈጥሮን ዝጥቀመሉን ሓድሽ ምስቲ ዝተሓረየሉ እዋንንን ምስታ ናይቲ ዝተሓረይሉ እዋን ቤተ ክርስቲያንን ዝኸይድ ቃል ክጥቀሙን ክምህዙን እዩ ዝረአይ፡ ነቲ ዝሕረይሉ እዋን እግዚኣብሔር ዝህቦ መልሲ ስለ ዝኾኑ።

ነቶም ናይ ቅዱስነቶም ሓደስቲ ቃላት ሕዝቢ ወይ ሰማዒ ንበል ብትኽክል ዘይምርዳእ ከጋጥም ይኽእል? ንሓደ ሓድሽ ቃልን ዘመሓላልፎ ኣምርን ንኽትርድኦ ግዜ የድልየካ፡ ንኣብነት ዘይምግዳስን ሸለልትነትን ዕውሉም መንፈሳውነትን ክሳብ ክንደይ ነቲ ዘመላኽቶ ዓውሎማዊ ምዃኑ ዝብል ሓሳብ ክንርዳእ ንኽእል፡ እዘን ቃላት እዚኣተን ንምርዳእ ቃሊል ዝመስል እኳ እንተኾነ፡ ደው ቢልካ ምስትውዓል ይሓትት ምኽንያቱ ኣብ ውሽጡ ዝሓዞ ውስጠ ኣምር ንኽትርድእ መታን፡ ብጉያ ጉያ እቲ ጥልቂ መልእኽቲ ከተስተውዕሎ ማለት ጌጋ እዩ፡ ነቲ ቃል ኢኻ እተንብቦ እምበር ነቲ ናይቲ ቃል ማዕቅፍ ኣይኮንካን እተቓልበሉ፥ እዚ ኸኣ ኣብ ጉጉይ መደምደምታ የብጽሓካ።

ካብተን ዝፈለኹመን ሕዳሰ ቃላት ር.ሊ.ጳ. ብፍሉይ ዘድነቕክምዋ ጦብላሕታ ዘሕደረትልኩም ቃል? ንኣይ ይብሉ ደራሲ ናይታ መዝገበ ቃላት በርጐልዮ ዘርእስታ መጽሓፍ ቶራልባ፥ እታ ኣዚያ እትምስጠኒ ቃል ካብ ገዛእ ርእስኽ ምውጻእ እትብል ቃል እያ፥ ብናይ ቅዱስነቶም ቋንቋ ኣደ salir de uno mismo ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ምስ ካልእ ንኽትራኸብ ነቲ ካባኻ ዝተፈልዩ ክትሓልየሉን ክትከናኸኖን ምኻድን ቀረባኡ ምዃንን እዩ ዘስምዕ ኣንጻር ደውታ ኣብ ምቾትካ ኩድጭ ቢልካ ዘይምትራፍ ዝጠልብ ቃል እዩ።

ቃላት መስትያት ናይ ሓደ ለውጢ ዝገብር ሕብረተሰብ እዩ፡ ብናይ በርጐሊዮ ቃላት ኣቢልካ ሎሚ ንክውንነት ብሓድሽ መንጽር ንምምልካት ዝድርኽ ድዩ?  ነቲ ዘሎናሉ ሓድሽ ዓለም ንኽንርዳእ ዝገብር ሕዳሰ ቃል እዩ፡ ስለዚህ ከምዝርድኣኒ ተልእኾ ናይዞም ር.ሊ.ጳ. ነዛ ዓለም እዚኣ ንምርዳእ ዝድርኽን መልእኽቲ ተስፋን ምብጻሕ ዝብል እዩ። ምኽንያቱ ኵሉ ነገር ኣብ ቅልውላው እዩ ዘሎ፥ ጥዕናን ማሕበራውን ባህላውን ስነ ሂወታውን ማሓድሮኣውን ቅልውላው ብሰፊሕ ዝረአይሉ እዋን እዩ፡  እዚ ዅሉ ቅልውላው’ዚ ብቐሊሊ ተስፋ ምቑራጽ ከስዕብ ይኽእል፡ ንኣብነት እታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ንመልከት፡ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ሕመረት ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ማሓድርኣዊ ለውጢ ለቡ ዝብል እዩ፡ ዝርአይ ዘሎ ምቅይያራትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን፥ ርኢኻ ንድሕሪት ንኽንምልስ ዝከኣል ኣይኮነን ዝኾነ ኮይኑ እዩ ቢልካ ድምዳሜ ክትገብር ዘይኮነ፡ ኣነባብራናን ተፈጥሮ ብኸመይን ንምንታይን ንጥቀመሉ ከምዘሎና ንኽንምርምርን ከነስተንትንን ኤኮኖሚያዊ ለውጢ ብምግባር ማሓድሮኣዊ ለውጢ ንግበር እትብል እያ፡ ሕዳሰ ቃላት በርጐሊዮ ተስፋ ዘራኽብ እዩ፡ ንዓለምን ሰብእዊ ፍጥረትን ተስፋ ዝህብ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

19 February 2021, 22:27