ድለ

ስርዓተ ቀብሪ ልኡከ መንግስቲ ሉካ ኣታናሲዮን ኣባል ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ ቪቶሪዮ ያኮቫቺን ስርዓተ ቀብሪ ልኡከ መንግስቲ ሉካ ኣታናሲዮን ኣባል ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ ቪቶሪዮ ያኮቫቺን  

ኮንጐ፥ ብዓመጽን ጭካኔን ዝተቐትሉ ናይ ሰላም መሰኻኽር

ናይ ገዛእ ርእሶም ሕይወት ምእንቲ ናይ ካልኦት ህልውና ዘዋገዩ፡ ክልተ ሃገር ኣብ ሓዘን ኢጣሊያን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን - ሞት ሉካን ቪቶሪዮን ሙስታፋን - ሎሚ እውን ብዙሓት ምእንቲ ገንዘብን ስልጣንን ኣሕዋቶም ክሳብ ንሞት ኣሕሊፎም ዝህቡ ኣብ ዝረአይሉ ዓለም ዝተሰውኡ

ዕለት 22 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ልዕሊ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕጁባት መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብታ ሃገር ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ 43 ዓመት ዝዕድመኦም በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ሉካ ኣታናሲዮን ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ ኣባል 30 ዓመት ዝዕድመኦም ቪቶሪዮ ያኮቫቺን ናይታ መጓዓዚያ ማኪና መራሒ ተወላዲ ኮንጐ ሙስታፋ ሚላምቦን ከምእተቐትሉን ዕለት 25 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያን ዘመላእክት ወሰማዓታት ንር.ሊ.ጳ. ህየንተ ንሰበኻ ሮማ ብጹዕ ካርዲናል ደ ዶናቲስ ብዝርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎተ ፍትሓትን ስነ ስርዓት ቀብሪ ከምእተፈጸመ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ስርዓተ ቀብሪ ነፈሰ ሄር ልኡከ መንግስቲ ሉካ ኣታናሲዮን ኣባል ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ ቪቶሪዮ ያኮቫቺን ናይ ኢጣሊያ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ኢጣሊያ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ዝውክሉን ተራ ምእመናንን ከምእተሳተፉን ነቶም ምስኦም ዝተቐትሉ መራሒ ማኪና ተወላዲ ኮንጐ ሙስታፋ ሚላምቦ እውን ከምእተዘከሩን ሕዝቢ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ንስድራ ቤት ምዉታት ቅርበቱ እውን ብዝተፈላለየ መገዲ ይገልጽ ከምዘሎ ዝሓበሩ ላ ቨላ ኣስዒቦም፥

መስዋዕትነት ምእንቲ ሰላም

ናይ ሰላምን ፍቕርን መሰኻኽር፡ እንክብሉ ነቶም ዝተቐትሉ ኣታናሲዮን ያኮቫቺን ሚላምቦን ዝዘከሩ ነቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን ናይ ፍትሓት ጸሎትን ዝሰርዑ ንር.ሊ.ጳ. ንናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጐም ክኸውን እንከሎ፥ ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ነቶም ሰለስተ ዝተቐትሉ ብብርቱዕን ብስምዒታውን ቃል ዘኪሮም፥ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕይወት ምእንቲ ናይ ካልኦት ህልውና ዘዋገዩ፡ ክልተ ሃገር ኣብ ሓዘን ኢጣሊያን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን - ሞት ሉካን ቪቶሪዮን ሙስታፋን - ሎሚ እውን ብዙሓት ምእንቲ ገንዘብን ስልጣንን ኣሕዋቶም ክሳብ ንሞት ኣሕሊፎም ዝህቡ ኣብ ዝረአይሉ ዓለም ዝተሰውኡ፡ ብዓመጽን ጭካኔን ብዝተመልኦ መቕተልቲ ኣብዚ ዓለም ናይ ምንባር ሕይወቶም ዝተመንዝዑ፡ ናይ ሰላም ልኡኻን ፍጻሜኦም እዚ እንተድኣ ኮይኑ እንታይ ኮን እዩ ዝወርደናን ዝጽበየናን፡ እዚ ሕቶ እዚ ንዅላትናን ዝምልከት እዩ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ ሰላም እዩ ከምዝበሉ ሓቢሮም።

ጸሎት መእንቲ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ

ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ምእንቲ እተን ኩሉ ብውግእን ዓመጽን ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራትን - ጸሎትና ምእንቲ ሰላም እዘን ሃገራት ናብ ሰማየ ሰማያት ነዕርግ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብዙሓት ናይ ሰላም ሓነጽቲ ንኽኾኑ ዝጽውዑላን ነዚ ጸዋዕታ’ዚ ጽን እንብለላ ዕለት ክትከውን ንጽልይ፡ ብጹዕነቶም ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉ ኵሎም ኣብ መላእ ኵርናዕ ዓለም ኣብ ፍትሕን ፍቕርን ዝቖመ ሰብኣውነት ክረጋገጽ መታን ካብ ዝተቐመጥሉ ሓፍ ቢሉ ምእንቲ ሰላም ክጽልይ ከምዝዓደሙ ላ ቨላ ኣፍሊጦም።

“ብናጻ ምፍቃር፡ መልሲ ብዘይ ምጽባይን ብንብዓትን ስቓይን ዝዘራእካዮ ወትሩ ናይ ሓሴት ፍሬ ከምዘጸግው ዝተረጋገጸ እዩ፡ እዚ እውን ብትዕግስቲ ክንጽበ ከምዘሎና እዩ ዘመላኽት፡ ብምትእምማን ካልኦት ቅድም ይበገሱ ከይበልና እቲ ዕዮ ካባና ይጀምር፡ ኣብ ኩሉን ኣበይን ምፍቓር፡ ዘጋጥም የጋጥም ፍቕሪ ከሓሲ እዩ፡  ምእንቲ ንምፍቃር እንፍጽሞ ዘበለ ኩሉ ንእሽተይ ስጉምቲ እውን ይኹን ኣብ ባዶ ኣይወድቕን፡ ኣግዚኣብሔር ዝፈቕዶ እውን ኣይኮነን፡ እዞም ኣሕዋትና እዚኣቶም እቲ ኵሉ ዝዘርእዎ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ህልው እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዝዛዘሙ ላ ቨላ ሓቢሮም።

27 February 2021, 19:59