ድለ

ሰንበት ዘልደት ጥሪ 2 2013 ዓ.ም. (01/10/2021)

መዝሙር፡ ይሠርቅ ኮከብ. . . .“ካብ ያዕቆብ ኮኾብ ክወጽእ እዩ፥ ካብ እስራኤል ኃጢአት ከጥፍእ እዩ፥ አነ በዅረይ ኽገብሮ እየ ካብ ኩሎም ነገስታት ምድሪ ልዑል እዩ፥ ንኹላ ምድሪን አብ ልዕሊ ኹሉ አድባራት ምስክር ክኸውን እዩ። ሎሚ አብ ሰማያት ሰራዊት መላእኽቲ ይሕጎሱ፥ አነ ኽአ በዅረይ ክገብሮ እየ አነ ኸአ በዅረይ ክገብሮ እየ።’’
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሮሜ 11፡25-ፍ፥ 1ዮሕ. 4፡1-9፥ ግ.ሓ. 7፡17-23፥ ማቴ. 2፡1-13።    ስብከት፡ ወአነሂ በኲርየ እረስዮ። ወልዑል ውእቱ እም ነገስተ ምድር፥ ውለዓለም አዓቅብ ሣህልየ። “ አነ እውን በዅረይ ክገብሮ እየ፥ ንሱ ኻብ ነገሥታት ልዕል ዝበለ ኺኸውን እዩ፥ነቲ ዘተስፈኽዎ ምሕረት ንዘለዓለም ክሕልወሉ እየ፥ ኪዳነይ ከጽንዓሉ እየ” መዝ. 89፡፡27~28።

 ፫ይ ክፍሊ ዓመት ኢና ሒዝና ዘሎና ካብ 26 ታሕሣሥ -25 መጋቢት ሓጋይ። አብ ዘመነ ሓጋይ አዋርኅ ነቕጽን ደርቅን እዩ አብኡ ዘመነ አስተርእዮን ዘመን ጾምን ይርከብ።

ድሕሪ ብዓለ ልደት ዝመጽእ ሰንበት “ዘልደት” ይብሃል፥ ንባባቱን ትሕዝቶ ጸሎቱን ልክዕ ከም ናይ ልደት እዩ። አብ ናይ ዕለቱ ሰንበት መዝሙር ተመስሪትና ክንርእዮ ከሎና እቲ ካብ ያዕቆብ ዝውለድ ባሕርና ሥጋና ለቢሱ ንኹሉ ከም ዝቐየሮ ይነግረና። ናይ ኢየሱስ ልደት ንፍጥረት ተሓድሶ እዩ አምጺእሉ። ምስቲ ምንጪ ዝኾነ አምላኽ ዕርቂ ስለ ዝፈጠረሉ ተፈጥሮ ፍጡር ተሓዲሱ እዩ እሞ ንተሓጎስ ንዘምር።

ልደት ክርስቶስ አብ ዓለምና ምስተበሰረ ዝተፈላላአየ ምቅባል እዩ ተገርሉ። ጓሶት ነቲ ዝተነግሮም ሰናይ ዜና ውዓል ሕደር ከይበሉ ምስ ምሉእ ህያባቶም ክበጽሕዎ ከይዶም ነቲ ኹሉ ዝተነግሮም ብዓይኖም ርእዮም ንአምላኽ አመስጊኖም ነቲ ዝረአይዎ ኸአ ንብዙሓት ነጊሮም ብኻልእ አዘራርባ ንክርስቶስ ሰቢኾሞ። መድኃኒ ተወሊድልኩም አሎ ዝብላ ቃላት ንበይኖም ክሕዝወን አይደለዩን ምስ ካልኦት ሰባት ክካፈልወን ደልዮም ሰቢኾም ነጊሮም። ሰብአ ሰገል ካብ ርሑቕ ምስራቕ መጺኦም ሰገዱሉ አምኃ አቕረቡሉ “ወርቂ ከርበን ዕጣንን” እዚ ኸአ ንሕማማቱን ሞቱን አምላኽነቱን ዝገልጽ ህያባት እዩ። ንሶም ነቲ ዝረአይዎ ብእምነት ተቐቢሎም ንዓዶም ተመሊሶም። ንናይ ሰማይ ንጉሥ ተቐቢሎሞ ነቲ አምላኽ ዘርአዮም ጸጋ ተቐቢሎም መስኪሮሞ።

ሄሮዱስ ንጉሥ ግን ነቲ ዝተነግሮ ልደት መድኃኒ ክቕበሎ ክአምኖ አይደለየን እኳ ድአ ክቐትሎ ዝክአሎ ገሩ፥ አብ ከባቢ ዝነበሩ ሕፃናት ካብ ክልተ ዓመት ንታሕቲ ንዝነበሩ ንኹሎም ክቕተሉ አዚዙ አቕቲልዎም። እዞም ሕፃናት አብ ክንዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝሞቱ ቀዳሞት ሰማዕታት ንብሎም። ቅድስንኦም ብኽልተ መገዲ እዩ ዝግለጽ መጀመርያ ንጹሓት ሕፃናት ምዃኖም ካልአይ ከአ አብ ቦታ ክርስቶስ አብ ክንዲ ክርስቶስ ስለ ዝሞቱ ሰማዕታት ብሞቶም ስለ ዝመስከሮ ቅዱሳን ንብሎም።

ማቴዎስ ወንጌላዊ ንብስራት ልደት ክርስቶስ መላእኽቲ ከም ዘበሠርዎ እሞ ነቶም አሚኖም ዝተቐበልዎ ኸአ አምላኽ ከምዝነገሮም ይነግረና። ሰብ አብ ሕይወቱ አምላኽ ዝተፈላለየ ነገራት ክነግሮ ወይ ክልእኮ ምስደለ ልኡኹ ከምዝሰድድ ንርኢ። ነብያት አብ ብሉይ ኪዳን ልኡኻት አምላኽ ኮይኖም ንደቂ እስራኤል ድላይ አምላኽ ይነግሩ ነሮም። ህዝቢ ኸአ አምላኽ ነቢይ ሰዲዱልና ኢሎም ንመልእኽቲ አምላኽ ይሰምዑ ነሮም። ክርስቶስ ብርእሱ ልኡኽ አምላኽ ኮይኑ ንአና መሲሉ መጺኡና፥ ካብዚ ዓለም ቅድሚ ምፍላዩ ንሓዋርያቱ አብ ኩሉ ከይዶም ትምህርቱ ከምህሩ ልኢኽዎም። ቅዱስ ጳውሎስ ንጢመቴዎስ ረድኡ ገስጽ ምሃር ንቃል አምላኽ ብዘይ ስግአት ንገር እናበለ ክምስክር ክምህር ክልአኽ ነጊርዎ። ሎሚ እውን ክርስቶስ ዝልአኽዎ ድላዩ ዝነግሩ ይደሊ አሎ፥ ነፍሲወከፍና ብጸጋ ጥምቀት አብ እምነት ዝሓበርና እዚ እዩ መልእኽቲ ፈጣሪና። አብዛ ብስራት ልደት ዘንጊዓ እትሕመስ ዘላ ዓለምና ብስራት ሰላም ክነብጽሓላ ነቲ ፍቕሪ ጎዲልዎ ዘሎ ፍቕሪ ክርስቶስ ክነግሮ ክንልአኾ ይሓተና አሎ።

መልአኽ ዘውጽአሉ ስም አማኑኤል እዩ፥ እግዚአብሔር ምሳና ማለት እዩ። ልደት ክርስቶስ ነዚ እዩ ዘዘክረና፥ “አምላኽ ምሳና ከምዘሎ”። አብ ትምህርቲ እምነትና ክርስቶስ ብብዙሕ መገዲ አብ ማእከልና ይርከብ እዩ፥ አብ ቅዱስ ቍርባን አብ ምስጢራቱ፥ ብቃሉ፥ ከምኡ አብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝህበና ምልክታቱ ምሳና አሎ።

ሓደ እዋን ሓደ ንፉዕ ካቲሊካዊ ንሓደ ጥዑይ ዓርኩ አስላማይ አብ ሓደ ናይ ቍምስናኡ ብዓል ክሳተፍ ዓዲምዎ። እቲ ዕዱም አስላማይ ዕድሚኡ አኽቢሩ ምስ መጸ ብጽቡቕ ተቐቢሉ አብ ቤተ ጸሎት ወሲድዎ እናአርአዮ እንከሎ አብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ምስ በጽሑ እቲ ካቶሊካዊ ሰጊዱ፥ እቲ አስላማይ ነዚ ዝገበሮ አስተውዒልሉ እንታይ እዩ ድአ ዝገበረ ኢሉ ብልቡ ሓሲቡ፥ ደገ ምስ ወጹ እንታይ ድአ ኢኻ ዝገበርካ ኢሉ ሓቲትዎ፥ እቲ ካቶሊካዊ አብ ቅዱስ ቍርባን አብ አምላኸይ እየ ሰጊደ ኢልዎ፥ አብዚ መንበረ ታቦት ኢየሱስ አምላኽ አብኡ አሎ ኢልዎ። እቲ አስላማይ ኢየሱስ ክርስቶስ አምላኽኩምን ጎይታኹምን አብኡ አሎ ማለትካድዩ ኢልዎ። እወ እናበለ እቲ ካቶሊካዊ መሊሱ፥ እቲ አስላማይ ከምዚ ኢልዎ እዚ ኢየሱስ ክርስቶስ አምላኽካን ጎይታኻን አብ መስግድና እንተ ዝመጽእ ብቅድሚኡ ክሓልፍ እንከሎኹ ምስጋድ ጥራሕ ዘይኮነ በጥ ኢለ ምሰገድኩሉ ኢልዎ ይብሃል። እዚ ኸአ አብ ገለ እዋን ነቲ አብ መንጎና ዘሎ አምላኽ ዝግብኦ ክብርን አምልኾን አይንህቦን፥ ወይ እውን ብርእሱ አብ መንጎና ከምዘሎ አይንሓስቦን ልደት እምብአር ነዚ አብ መንጎና ዘሎ አምላኽ ክነለሊ ዝሕግዘና እዩ።

ልደትና ትርጉምን ብሓቂ ፍረ ክህልዎ ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ፡

  • አምላኽ ሰብ ኮይኑ ንሕና ምእንቲ አማልኽቲ ክንከውን። ምስጢረ ስጋዌ ዝሕብሮ አምላኽ ባህሪ ሰብ ለቢሱ ሰብ ምእንቲ ባህሪ አምላኽ ክለብስ። እዚ ዓቢ ምስጢር አብ እምነት ክርስትናና ንፍሉይ ነገር ዝዕድመና እዩ። አብ ባህሪ አምላኽ ምስታፍ ማለት ሕይወትና ብዘይ ኃጢአት ዓቂብና አብ ቅድስና ምንባር ማለት እዩ። ነዚ ንኡ ክንመስል ንአና ዝመሰለ ክርስቶስ ብኹሉ ንምሰሎ።
  • ብልደት ወዱ ፍቕሩ ገሊጹልና። ዝዓበየ ፍቕሪ ነቲ እተፍቅሮ ምምሳል እዩ፥አምላኽ ንአና መሲሉ ብኹሉ ብዘይ ኃጢአት። አብዚ እዋን ልደት እምብአር ምስ አምላኽን ምስ ሰብን ዘሎና ፍቕሪ ገምጊምና ክንክእል አሎና። ሎሚ ክርስቶስ አፍቂረኩም እየ እሞ ፍቕርኹም አብ መንጎኹም አርእዩኒ ይብለና አሎ። ክንፋቐር ትእዛዝ አምላኽ እዩ።
  • ንኢየሱስ ክንቅበሎ አሎና። ህያብ ሰማያዊ አቦና ኾይኑ አብ ማእከልና ንዝሓደረ ክርስቶስ ክንቅበሎ አሎና። አብ ዕለታዊ ሕይወትና ህላዌ አምላኽ አሚና ብቕድስና ክንጉዓዝ እንከሎና ንቕበሎ አሎና። ሎሚ ክርስቶስ ዝቕበሎ ደልዩ ብአፍደገ ገዛና አብ ዓድና ብቍምስናና ይሓልፍ አሎ። ከምቶም መላእኽቲ ንኢየሱስ ክቕበሉ አብ በዓቲ ዝኸዱ ዘይኮነ ሎሚ አብ ቅዱስ ቍርባን ኮይኑ አብ ቤተ ክርስትያኑ፥ አብ አሕዋትና ብዝተፈላለየ ጸገም ዝርከብ ከምኡ አብ ሕሙማት አብ እሱራት አብ ኩሉ ኮይኑ ክንቅበሎ ይደሊ አሎ።
  • ኢየሱስ ህያብ ይፈቱ እዩ። ቀዳማይ ምልክት ልደት ህያብ ምሃብ እዩ ምኽንያቱ አምላኽ ንሓደ ወዱ ህያብ ገሩ ሂቡና። ሎሚ ንሕና እውን ወሃብቲ ክንከውን ፍቕሪ ሰላም ምሕረት ንርእስና ክንህብ ከምኡ ንኸማና ዝበሉ ሰባት ክንህብ። መንፈሳዊ ህያባት ክንቀባበል ድላይ አምላኽ እዩ። ዘይህብ አይውሃብን እዩ። እሞ ሎሚ እንታይ ክህቦ ንክርስቶስ አምላኸይ ኢልና ህያባት ንመርጸሉ።
  • መለልዪ ልደት ሰላም እዩ። መላእኽቲ ቀዳማይ ነገር ምኽንያት ልደት መድኃኒ ገሮም ዝአወጅዋ ሰላም ንአምላኽ አብ ሰማያት ሰላም አብ ምድሪ ንደቂ ሰብ ንሰብ ጽቡቕ ድላይ ኢናበሉ እዮም አበሲሮም። ሎሚ ሰላም አበላ ኢልና እንሓተሉ እዋን እዩ። ሰባት ሰላም ጠፊኡና አብ ኲናት አድሕድ ኢና እንርከብ ዘሎና። እሞ ሎሚ ንሰላም ክንለብሳ የድሊ። አብ መንጎና ንሰላም ክንረኽባ የድሊ። ሰላም ጠፊአትና እንተላ ሎሚ አብ ክርስቶስ ዋንኣ ንርከባ። ንዝበደለ ሓውና ምእንቲ ሰላም ንምሓሮ አምላኽ ነዚ እዩ ብልደት ወዱ አርእዩና።
  • ልደት ናይ ሓጎስ እዋን እዩ። ብልደት መድኃኒና መላእኽቲ ናይ ሓጎስ መዝሙር ዘሚሮም። ጓሶት ንሓጎሶም ነጊሮም ከምኡ ሰብአ ሰገል እናተሓጎሱ ንዓዶም ተመሊሶም ኩልና ሎሚ ሓጎስ ክርስቶስ አብ ቤትና ክአቱ ክንከፍተሉ ይግባእ። ተኻፈልቲ ሓጎስ ክንከውን ምስጢር ልደት ክንርዳእ የድሊ። ጋሻና ክርስቶስ ተቐበሉኒ ይብለና አሎ ንቀበሎ ሽዑ ሓጎስ ክዓስለና እዩ።

ብዙሕ ጊዜ ወሲድና ንአምላኽ ክንረኽቦ ክንሰምዖ ዕብየት ትስብእቱ ክስቆረና ሎሚ እዋኑ እዩ። ጸልማት ብብርሃን እንተ ዘይተሳዕረ ኩሉ ጊዜ ጸልማት እዩ ዝኸውን ልደትና ብርሃን ክርስቶስ ክበርሆ ነፍስወከፍና ጥዋፍ ልብና አብሪህና ክንቀርቦ እሞ ንሱ ዝብለና ክንሰምዕ።

ቅዱስ ሉቃስ ነቲ ኩሉ አብ ልደት ክርስቶስ ዝኾነ ነገራት ማርያም ከመይ ገራ ትርድኦ ከምዝነበረት ክሕብረና ኢሉ ንኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ነበረት ይብለና። ምስጢር አምላኽ አብ ልብና ክሓድር እንከሎ ጥራሕ ኢና ክንርድኦን ክንቅበሎን እንኽእል። ነቲ ብቃሉ ብቤተ ክርስትያኑ አብ መንጎና ዝርከብ ዘሎ ክርስቶስ ክንቅበሎ ይግብአና። አብ ልብና ቦታ ንሃቦ።

አብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ልደት ከመይ ክገብር ይግብአኒ እንታይ አሎ ብወገነይ ክዕርዮ ዝግብአኒ ኢልና አብ ውሽጥና ክንአቱ የድልየና። ሕይወትና ከም መንደቕ ብኃጢአት ብኽፍአት ተሪሩ እንተሎ ሎሚ መዓልቲ ምፍራሱ እዩ ንሰይጣን ስዒርና ንጽድቂ ክንአትዋ የድሊ።

ልደት ናይ በይንና ብዓል ጥራሕ አይኮነን ናይ ኩልና ደቂ ሰብ ብዓል እዩ፥ እንተ ኾነ እዚ አብ ገለና ጥራሕ ክተርፍ ስለ ዘይግባእ ክንሰብኮ ክነግሮ ትሑዛት ኢና ልዕሊ ኹሉ አብ ጽጉማት አብ ብኡሳት አብ ብርሃን ክርስቶስ ዝርሓቖም ክንቀርብ ክንሕግዞም ሓላፍነት አሎና። ሎሚ ሰብ ንአይ ጥራሕ ዝብል መንፈስ መሊኽዎ ንሓዉ ንሓፍቱ ክርኢ ዓይኑ ዓዊሩ ዘሎ ልደት ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ኩሉ ዝመጸ አብ ኩሉ ልብን ናብራን ሕይወተን ነእትዎ።

ጣዕምን ምስጢርን ልደት ብዝያዳ ዝተረድአት ማርያም እያ። ንሳ መለኮት አብ ከርሳ ምስ ሓደረ ፍሉይ ጸጋ ተዓዲላ ንድላይ አምላኽ ብዝያዳ ክትፈልጥ ጸጋ ተዓዲላ ስለዚ አምላኽ ዘይደልዮ ሕይወት ክትመርሕ አይናታና እዩ ነሩ። ንሳ ወዳ መን ምዃኑ ዝያዳ ኩሉ ትፍልጥ እያ ሎሚ እምብአር ምስጢር ፍቕሪ ወድኺ ርኢና ክንክእል ሓግዝና ነብላ። አብ ኩሉ እንጽልዮ ምእንቲ ሰላምን ሕደገትን ንጸሊ አምላኽ ከአ ነዚ የኽእለና።

ብሩኽ ዘመነ ልደት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

09 January 2021, 11:16