ድለ

መጽአ ቃል እምደመና ዘይብል ዝንቱ ውእቱ ወልደየ ዘአፈቅር ሎቱ ስምዕዎ መጽአ ቃል እምደመና ዘይብል ዝንቱ ውእቱ ወልደየ ዘአፈቅር ሎቱ ስምዕዎ 

ብዓለ ጥምቀት 11 ጥሪ 2013 ዓ.ም. (1/19/2021)

ንባባት፡ ቲቶ 2፡11-14፥ 3:4-7፥ 1ዮሓ 5፡1-9 ግ.ሓ. 10፡34-39፥ ማር 3፡15-22 ምስባክ፡ 1. ርእዩከ ማያት እግዚኦ፥ ርእዩከ ማያት ወፈርሁ፥ ደንገፁ ቀላያተ ማይት ወደምፀ ማያቲሆሙ። መዝ. 76፡16 2. ባሕርኒ ርእየት ወጎየት ወዮርዳኖስኒ ገብአ ድኅረሁ አድባር አንፈርዕፁ ከም ሓራጊት። መዝ.113፡34
ብድምጺ ንምክትታል!

ሎሚ ብዓለ ጥመቀት መድኃኒና ክርስቶስ ዘኪርና ነብዕል አሎና። ነዚ እዋን ፍሉይ ዝገብሮ ዘመነ ልደት ሓሊፉ ሓዲስ ምዕራፍ አብ ሕይወት ኢየሱስ ዝጅምረሉ ብምዃኑ እዩ። ናይ ክርስቶስ ጥምቀት እናዘከረና እንከሎና ከም ክርስትያን ጥቕሚ ምስጢረ ጥምቀት ፈሊጥና ነቲ አብ ጥምቀት ዝአቶናዮ መብጽዓን ዝተቐበልናዮ ጸጋን አስተንቲና ክንሕድሶን ክነብሮን ንማለት እዩ።

አብ ትንቢተ ኢሳያስ 40፡1-11 ዘሎ እንተ አንበብና ናይ ተስፋን ምጽንናዕን ንህዝበ አምላኽ ዝተዋህበ ንርኢ። ትንቢት ኢሳያስ ብምልኡ ንክርስቶስ እዩ ዘመልክት ንሱ እቲ ቅቡእ አምላኽ ክንሓዊ ኢሉ አብ መንጎና ዘሎ፥ ብዝያዳ ምስኡ ዘሎና ርክብ ከጽንዕን ሰላምና ክሐድስን ኢሉ ምሳና ዘሎ እዩ። ኢሳያስ ከምዚ እናበለ ይገልጾ ንሕዝበይ አጸናንዑ እወ ንሕዝበይ አጸናንዑ . . . ነቶም ዝተበጀዎም ሕዝቢ ኂዙ ብኃይሊ ኺገዝእ ይመጽእ አሎ፥ ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ ይከናኸነን ንዕያውቱ አኪቡ አብ ሕቕፉ ይስከመን ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድአት ይመርሐን ይብል። እዚ እዩ እቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐብአሉ፥ አብ ጊዜ ጥምቀቱ ብአምሳል ርግቢት አብ ልዕሊኡ ወሪዱ ንአገልግሎት ክወፍር ዝተዋህቦ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ቲቶ ዝጸሓፋ ዘዘኻኽረና ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ ብምሕረቱ ማለት በቲ ኻልአይ ልደት ዚህብ ምሕጻብን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን አድኃነና፥ ብጸጋኡ ጸዲቕና ብተስፋ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ አብ ልዕለና አብዚኁ አፍሰሶ (ቲቶ 2፡5-7)። ክርስቶስ ብጥምቀቱ ንአና መንጪ ጸጋ ጥምቀት ቀደሰልናን ከፈተልናን። ብጥምቀቱ ገሩ ኸአ ጉዕዞ ድሕነትና ጀመሮ። አብ ክርስቶስ ብምጥማቕና አብ ናይ ድሕነት መስርሕ ተቐባልነት ረኺብና።

አብ ወንጌል ሉቃስ እግዚአብሔር አብ ብአኻ ዝተሓጎስኩ ፍቁር ወደይ ንስኻ ኢኻ እናበለ ክዛረብ ተሰምዐ። አብዚ ጥምቀት አምላኽ ንክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ አጠሚቕዎ አብ ተልእክኡ ምሕረትን ሰላምን አብ ኵሎም ህዝቢ ከምጽእ ኸአ አበጊስዎ። ክርስቶስ ብግድን ክጥመቕ ነርዎ ምኽንይቱ ብጥምቀቱ ገሩ እዩ ናይ ምስጢረ ጥምቀት ጥቕምን መሰረትን ገሊጹልና። እንተ ኾነ ክርስቶስ ክጥመቕ ዘድልዮ ነገር አይነበሮን ምኽንያት አብኡ ዝኾነ ናይ አዳም ኃጢአት ሳዕበን አይርክበን ስለዚ ጥምቀት ዮሓንስ ይኹን ካልእ አየድልዮን እዩ ነሩ። ንአና ግን የድልየና ምኽንያቱ ብጸጋ ጥምቀት ኢና ካብቲ ካብ አቦና አዳም ዝወረስናዮ ኃጢአት እንነጽሕ። አብ መልእኽቲ ዕብራውያን ነዚ ክገልጽ እንከሎ፥ ክርስቶስ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ንአና መሰለ ይብል (ዕብ 4፡15)።

ክርስቶስ ብዝኾነ ምኽንያት ብሰንኪ ኃጢአት ቀዳሞት ወለድና አይተበከለን። ቅ. ማቴዎስ አብ ወንጌሉ ክርስቶስ ስለምንታይ ክጥመቕ ከም ዝደለ ክገልጽ እንከሎ፥ ዮሓንስ መጥምቕ አነ ድአ ብአኻ ኽጥመቕ የድልየኒ እምበር ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ ምስ በሎ ኢየሱስ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብአና እዩ እሞ ሕጅስ ይኹን ድአ ኅደግ (ማቴ 3፡15) ኢሉ ምስ መለሰሉ ተጠምቀ። ኢየሱስ ብዮሓንስ መጥምቕ ክጥመቕ ምስ አፈቀደ ምሉእ ትስብእቱ ገሊጹልና እዚ ዝኾነ አስተናእሶ አብ መለኮቱ ብዘይምግባር እዩ። ብኻልእ አዘራርባ አብ መለኮቱ ዝኾነ ለውጢ ከይ ገበረ ከማና ሓደ ኮይኑ፥ በዚ ኸአ ጥምቀቱ ምሳና ዘልኦ ሓድነትን ከድሕነና ከም ዝመጽአ ዝገልጽ እዩ። በዚ ምልክት እዚ ኸአ ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ ዝኾነ ዝኽፈል ዋጋ ከም ዝኸፍል አረጋጊጹልና። ልዕሊ ኹሉ ክርስቶስ ብጥምቀቱ ገሩ ንጉዳይ ድሕነትና ከምዝተለመ አብ መስቀል ክመውት እንከሎ ኸአ ብደሙ ከም ዝዓተቦ ገሊጹልና።

ጥምቀት ክርስቶስ ዘኪርና ክነብዕል እንከሎና ናይ ገዛእ ርእስና ጥምቀት ኢና ክንሓስብ ዘሎና። ብዝያዳ ነቲ አብ ጥምቀትና ዝአቶናዮ ማሕላ/መብጽዓ ወይ ኪዳን ክሳብ ክንደይ ሓሊናዮ ከምዘሎና ሕይወትና ክንርኢ ይግብአና። ክሳብ ክንደይ እሙናት ኮና ንመብጽዓና አተግቢርናዮ? ነቲ አብ መዓልቲ ጥምቀትና ንሰይጣንን ንኹሉ ግብሩን ዝኸሓድናዮ ንሕልዎ ዘሎና? ነቲ አብ እግዚአብሔር አብ ቅድሚ ኵሉ ህዝቢ አምላኽ ዝገለጽናዮ እምነት ንሕሉ ዘሎና? ነቲ ብቤተ ክርስትያኑ ዝውሃበና መምርሒ ንሰምዕ ዘሎና? ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓደ ወዲ አምላኽ ከምዝኾነ እአምንዶ? አምላኽ አብኡ ንዘሎኒ እምነት ክም ስክረለይ ይኽእልዶ? ቤተ ክርስትያን ሎሚ እውን አብ ክርስቶስ ዘሎና እምነትን አኽብሮት ብስሙ ዝተጠመቕናን ብዳግም ሓዲስ ዕድል ክንገልጽ ትኸፍተልና። አብ ጥምቀት ክርስቶስን ጥምቀትናን እናአስተንተና አምላኽ ምስ ክርስቶስ ጉዕዞ ሕይወትና እናቀጽልና ከሎና መንፈሱ ክሕድስለና ንለምኖ።

ወንጌላውያን ብሓባር ብዛዕባ ጥምቀት ኢየሱስ ክነግሩ እንከለዉ አብ ሰለስተ ነገራት የተኩር፡

ሀ. ኢየሱስ ድሕሪ ጥምቀቱ ይጽሊ ነሩ።

ጸሎት ሓድነት ምስ አምላኽ እዩ። ብምልክት ጥምቀት ኢየሱስ ርክብ ሰብ ምስ አምላኽ ብዳግም ሓዲስዎ። አብ ገነት አብ ሕይወት ወዲ ሰብ ኃጢአት ምስ አተወ ካብ አምላኽ ጓና ኮይኑ። ሰብ አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ክብል ፈሪሑ። አብ (ዘፍ 3፡8-10) ከምዚ ዝብል ነንብብ፥ ምድሪ ምስ ወልወለ አምላኽ አብ ገነት ክመላለስ ሰምዑ። አዳምን ሰበይቱን ከአ ካብ ገጽ እግዚአብሔር አምላኽ አብ ማእከል አእዋም ገነት ተኃብኡ፥ እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ንአዳም አበይ አሎኻ በሎ ንሱ ኸአ ድምጽኻ አብ ገነት ሰማዕኩ ጥራየይ ስለ ዝኾንኩ ድማ ፈሪሀ ተኃባእኩ” እናበለ መለሰ። እንደገና አብ ዘፅ 20፡18-20 ሰባት አብ ቅድሚ አምላኽ ፈሪሆም ከንቀጥቅቱ ይርአዩ። እቶም ህዝቢ ነጒድን መብረቕን ምስ ረአዩ ድሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ እቲ እምባ ድማ ኺተክኽ ምስ ረአዩ ፈሪሆም አንቀጥቀጡ ርሕቕ ኢሎም ድማ ደው በሉ።

ሰብ አብ ኃጢአት እንተሎ አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ክብል ይፈርሕ። አብ ጥምቀት ሰብ ምስ አምላኽ ዘለዎ ርክብ ብዳግም ይሕድሶ።

ለ. ብአምሳል ርግቢት አብ ልዕሊኡ መንፈስ ቅዱስ ወረደ።

አብ ጥንታውያን እምነታት ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ርግቢት ንአማልኽቲ እተሰኒ እያ ተባሂላ የኽብርዋ ነሮም። መጀመርያ አርከሎጂካዊ መረጋገጺ ርግቢት ከም መንፈሳዊት እንስሳ ዝገልጽ ካብ 5000 ዓ.ዓ. አቢሉ አብ ናይ ሱመራውያን ቅርስታት ንረኽቦ። አብ አሲርያ ርግቢት ንጉሣዊት ዑፍ ተባሂላ ትፍለጥ። ቀዳሞት ንርግቢት ከም ዖፍ ናይ አማልኽቲ ይርእይዋ በዚ ኸአ ብዙሕ ጊዜ አብ ልዕሊ አማልኽቲ ትርአ። ብዙሓት ቀዳሞት እምነታት ነፍሲ ናይ ሰብ መልክዕ ርግቢት እያ ትመስል ይብሉ። አብ ብዙሕ መቃብራት ከም አብ ሃገረ ግሪኽ አብ ልዕሊኦም ርግቢት ከምእትዓልብ ገሮም ይስእልዋ። ጻዕዳ ርግቢት ብሓፈሻ አብ አይሁድ ናይ ሰላም ምልክት እያ። አብ ዘፍ (1፡2) እቲ ሕይወት ዝህብ መንፈስ ብአብ ልዕሊ ማያት እትዝምቢ ዖፍ ይምሰል። ንኖኅ ድሕሪ ማይ አይኂ ናይ ሰላም መልእኽቲ ዘምጽአትሉ ርግቢት እያ (ዘፍ፡ 8፡8)። ዘዳግም (32፡11) ንአምላኽ ከምቲ ንስሪ ንጨቐዊቱ ምንፋር ዘምህሮም አምላኽ ከአ ንህዝቡ ሓፍ ከም ዘብሎም ብአምሳል ይዛረብ። ርግቢት ብዙሕ ጊዜ አብ መዝሙራት ዳዊት አብ መሃልየ መሃልይ ከም እተመስግን ንጽሕትን ተፈታዊትን ትጥቀስ። አብ መልእኽትታት ጳውሎስ ከም ምልክት ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ትጥቀስ (ገላ 5፡22-23)። ጸጋታት መንፈስ ቅዱስ ከም ገርህነት፥ ፍቕሪ፥ ሕያውነት፥ ሰላም፥ ንጽሕና፥ ትሕትና ብአምሳል ርግቢት ይግለጹ። እዞም ጸጋታት ወይ ውህበታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ጥምቀት ዝተቐበለ ጸጋትት እዮም። ብጸጋ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ቀዋሚ ማሕተም አብ ልዕለና ከም ዝውሃብ ይገብር (ኤፈ 1፡13፥ 4፡30፥ 2ቆሮ 1፡22)። ናይ ማይ ጥምቀት ብመንፈስ ከም ንውለድ የመልክት (ዮሓ 3፡5)።

ሐ. ድምፂ አምላኽ ተሰምዐ፡ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ፍትዊ ወደይ ዝብል።  

አብ ርድኢት አይሁድ ንሶም ሕሩይ ህዝቢ አምላኽ ከምዝኾኑ፥ ወዲ አብርሃም ካብ ኩሉ ሓለፋ ከምዘለዎ ይአምኑ ነሮም። ዮሓንስ መጥምቕ ክቕበልዎ ዘይክእሉ ነጊርዎም ዓለታዊ ሓለፋታት ዋጋ ከም ዘይብሉ ሰብ አብ ቅድሚ አምላኽ ብዝገብሮ ከም ዝፍረድ እምበር ወዲ አብርሃም እየ ዝብል ከም ዘየድሕን ነጊርዎም። ቅ. ጴጥሮስ ካብ ግ.ሓ.10፡34-38 አብ ዘንበብናዮ አብ ቅድሚ አምላኽ ሰብ ብግብሩ እምበር ዝኾነ ሓለፋታት ከምዘየሎ ይገልጽ። አብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ንአምላኽ ዚፈርህን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ አብ አምላኽ ቅቡል እዩ እምበር አብኡ አድልዎ ከም ዘየልቦ ይብል።

ብጸጋ ጥምቀት ሕሩያቱ ኮና። ከምቲ አምላኽ አብ ጥምቀት ኢየሱስ ዝበሎ አብ ጥምቀትና እውን ብአኻ/ኺ ዝተሓጎስኩ ፍቑር/ቲ ወደይ/ጓለይ ኢኻ/ኺ እናበለ ይዛረብ። ነዘን ቃላት አብ ኩሎም ጸጋ ጥምቀት ዝቕበሉ ንደግመን። ንሕና እውን አብ ጥምቀት ዝአቶናዮ ማሕላ ክንሕድሶ ከሎና አምላኽ ብዳግም ንስኻ/ኺ ዘፍቅርካ/ኪ ወደይ/ጓለይ ኢኺ/ኻ ይብለና።

ቅ. ጴጥሮስ ከም ዘረጋግጸልና ከም ምሩጽ አምላኽ መጠን ኢየሱስ “አብ ኵሉ ጽቡቕ ከም ዝገበረን ንዅሎም ነቶም ሰይጣን ዝአሰሮም ከም ዘሕወየን” (ግ.ሓ. 10፡38) እዚ ኸአ አምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ከም ዝገበሮ ይነግረና። ሕጂ ንሰባት ጽቡቕ ክንገብር ናትና ግደ እዩ። አብ ሕይወትና ነገራት ብዘይ ናትና ተሳትፎ ጽቡቕ ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ክንፈልጥ አሎና ስለዚ አነ ገለ ዘይገበርኩ ኢልና ክንጭነቕ የብልናን። ክንገብሮ ዘሎና ጽብቕ ነገር እዩ፥ ጽቡቕ ነገር ክንገብር ምድላይና ዝለዓለ መበገሲ ኩሉ ነገራት እዩ፥ ንሰባት ሠናይ ምግባር በረኸት ጸጋ ምዃኑ ንፈልጥ እንተ ኾና ክንገብሮ ድሕር ክንብል የብልናን። አብ ሓደ ዝንገር ታሪኽ ሓደ ወተሃደር ብርቱዕ ተውጊኡ ደም ወዲኡ ብርቱዕ ጽምኢ ይስምዖ ነሩ፥ አብ ጎኑ ግልጽ እንተ በለ ካልእ ወተሃደር ዝያዳ ዝተወግአ ማይ ደልዩ ዝግዕር ምስ ረአየ ንርእሱ ገዲፉ ነቲ ብጻዩ “ናትካ ጽምኢ ካብ ናተይ ዝዓበየ እዩ” እናበለ ሂብዎ ይብሃል።

አሕዋት አብ ሕይወትና ንኻልኦት ጽቡቕ ክንገብር አብ ዕለታዊ ሕይወትና ብዙሕ ጊዜ ይጓነፈና እዩ። ንድለት አሕዋት ክንገብር ንድለታትና ክነሕልፎ፥ ክንጽመም ካብ ንአይ ክጥዕመኒ እስከ ንሓወይ ክንብል፥ ንሓደ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝሳቐ ዝዋረድ ዘሎ ምስ ረአና ንድለትና ዓጊትና እስከ ሎምስ ክዕወት ሰናይ ክገብር ክንብል እዋኑ እዩ። ከምዚ ምስ እንገብር ካብቶም ሕሩያት አምላኽ ክንቑጸር ኢና።

ብሩኽ ብዓለ ጥምቀት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

    

18 January 2021, 23:44