ድለ

ምቅርራብ ንብዓለ ልደት. “እንታይ እሞ ንግበር” (ሉቃ 3፡10፥ ግ.ሓ. 2፡37)

ልደት ክርስቶስ ክነብዕል ንቀራረብ አሎና። ምቅርራብና ዓለማዊ ወይ ንግዙፋዊ ነገራትና ዝርኢ ዘይ ኮነ ንመንፈሳዊ ርክብና ምስ አምላኽ እዩ። አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንተ ረአና ሰብ ንብዙሕ ነገራት ይቀራረብ፥ ንውላድ፥ ንመርዓ፥ ንሞት፥ ንመርመራ፥ ንውግእ፥ ንሰላም፥ ንክፍአት፥ ንዕርቂ ብዓል ንምብዓል . . . እቲ ምቅርራብ ንብዙሕ ነገር ኽኸውን ይክአል እዩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ክትቅረብ እንከሎኻ አብ ሓሳብካ ክልተ ነገር እዩ ዝመጽአካ፡ 1. ክትዕወት፥ ነቲ እትቀራረበሉ ዘሎኻ ከምቲ እትደልዮ ክኾንልካ። 2. ክትዕወት ኩሉ ዝክአለካ ትገብር አብ ገለ እዋን ወላ ሕይወትካ እውን ትሸይጥ (ንአብነት አብ ፖሎቲካ)። ምቅርራብ እምብአር ሓደ ካብቲ ክንዕወት እንገብሮ ነገራት ሓደ እዩ፥

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ምቅርርባ ዘድለዮ ድሕነት ወዲ ሰብ እዩ። አምላኽ ባዕሉ ተስፋ ሂቡ ዝጀመሮ ንአዳምን ሔዋንን ስንቂ ንአኦምን ንደቆም ኮይኑ ክሳብ መዓልቱ ዝበጽሕ በቲ አምላኽ ዝመደቦ ክኸዱ ክቀራረቡ ተነጊርዎም። አበው ነብያት ነዚ ተስፋ አምላኽ ዝኾነ ክቕረቡ ንደቂ እስራኤል በብእዋን ምስ ግዚኡን ኩነታቱን አሰናድዮም። አብ ገለ እዋን ምቅርራብ ስለ ዘጉደሉ ይደናገሩ ነሮም አብ ገለ እዋን ከአ ብጽቡቅ ይቕረቡ ስለ ዝነበሩ ብሕይወት ዝህብ ተስፋ ይነብሩ ነሮም። ምቅርራብ ምስ ሓደጉ ብጸላእቶም ንስደትን ውርደትን ይቃልዑ ነሮም አብ አምላኽ ክምለሱ ከለዉ ከአ ተስፍኦም ይዓቢ ነሩ። ሎሚ እዚ ኩነት ዳርጋ አይተቐየረን ስለ ምቅርራብና ክነጽብቕ ኢላ ቤተ ክርስትያን ትነግረና አላ። ክትቅረብ ምስንዳውን ምብርባርን የድሊ።

ምቅርራብ ግላውን ሓበራውን ክኸውን ይክአል። ፩ያ ብግልና አብ ጽምዋ ልብና አቲና ሕይወትና ክነሰናዱ አሎና። ንአምላኽ ብግልና ክንረኽቦ ክንዛረቦ ክንሰምዖ የድሊ። ጎ. ኢ. ክ. ንበይኑ አብ እምባ ደይቡ ንሰማያዊ አብኡ ይራኽብ ነሩ፥ ሙሴ ከምኡ ኤልያስ ኤልሳዕ ካልኦት ነብያትን፥ ቅ. ዮሓንስ መጥመቕ ብግሎም አብ እምባን አብ ጸምጸም በረኻን ንበይኖም ንአምላኽ ይረኽብዎ ነሮም። ፪ይ ብሓባር ከም ስድራ፥ ቍምስና፥ ቤተ ክርስትያን ሃገር ብሓባር ክንረክብ ግቡእ እዩ። ያዕ 4፡8 ንአምላኽ ቅረብዎ ንሱ እውን ክቐርበኩም እዩ” ንዑ አብኡ ቅረቡ ንሱ ኸብርሃልኩም እዩ እናበለ ክንቀርቦ ይነግረና። አብ ነብይ ኢዩኤል 2፡11-18 አብ አምላኽ ክንቀርብ ንስሓ ከም ቀንዲ መጋበሪ ገሩ የቕርቦ። ኩሎም እቶም ምሕረት አምላኽ ዝደልዩ ቅድም ቀዳድም ክንስሑ ይግባእ። ምቅርራብና አብ ንስሓ ክንአቱ እዩ ዝዕድመና ዘሎ።    

ንአምላኽ ክንቅበል እንጸርጎ ነገር አሎና፡

ናይ ሎሚ ምቅርራብና ነቲ መድሕና ዝኾነ ክርስቶስ ብዳግም አብ ልብና ክነሕድሮ፥ አብ መንጎና ክርከብ እሞ ብኹሉ ተሓዲስና እሙናት ደቂ አምላኽ ክንከውን እንገብሮ ምቅርራብ እዩ። ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ ንሰባት ንምጽአት መስሕ ዝቕርብ ዝነበረ መጨረሻ ነብይ እዩ ነሩ። አብ በረኻታት ይሁዳ ኮይኑ “ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ መገዱ እውን አቕንዑ” እናበለ ይሰብኽ ነበረ ህዝቢ ኸአ አብቲ ዝነበሮ ይመጽእዎ ነሮም ክንስሑ ብኃጢአቶም ክእመኑ ይነግር ነሩ። ንሱ አብ በረኻታት ይሁዳ እዩ ዝሰብኽ ዝነበረ። በረኻ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንአምላኽ እትረኽበሉ ንኹሉ ናይ ዓለም ነገር ሓዲግካ ንአምላኽ ጥራሕ እተድህበሉ ፍሉይ ቦታ እዩ፥ እስራኤላውያን አብ በረኻ ሲናይ ንአርብዓ ዓመት “ኮለል ኢሎም ክንስሑ ምእንቲ” ንሕጊ አምላኽን ንኪዳኑን ብምሉእ ብእምነት ክሳብ ዝሕልዉ ኮለል ኢሎም። ብኻልእ ክርአ እንከሎ በረኻ ቦታ ጽምዋ ቦታ ንስሓ ቦታ ተጋድሎ እዩ፥ በዚ ምኽንያት እዮም ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያን አብ በረኻታት ዝሰፍሩ ዝነበሩ ከምኡ ገዳማት አብ በረኻ ዝምስርቱ ዝነበሩ ንአብነት ገዳም ቅ. ካተሪን ብዓልቲ አለክሳንድርያ አብ በረኻ ሲናይ ከምኡ ካልኦት ገዳማት አብ በረኻታት ግብጽን ዓዲ ዓረብን ተደኲኖም ንርኢ።

ምቅርራብና አብ በረኻ ልብና ክንአቱ እሞ አብኡ ንአምላኽ ክንረኽቦ ኢና እንቀራረብ ዘሎና። አብ በረኻ ልብና አቲና ነቲ ኩሉ ካብ አምላኽ ዘርሕቐና ሓዲግና አብኡ ክንምለስ አብ ነነድሕድና ሰላም ፍቕሪ ክንገብር ንመገዲ አምላኽ ክንሕዝ ኢና ንቀራረብ ዘሎና።

ቅ. ዮሓንስ መስሕ ይመጽእ ስለ ዘሎ ንአኡ ዝግባእ ምስንዳው ገሮም ክጸንሑ ይነግር ነሩ። ቅድሚ ዮሓንስ እውን እግዚአብሔር ካብታ ቀዳሞት ወለድና ዝወደቑላ ዕለት ጀሚሩ በብእዋኑ ከድሕኖም ከምዝኾነ ብዝተፈላለየ መገዲ የሰናድዎም ነሩ። ነብያት ምጽአቱ ሰበኹ። ሎሚ እንሰናደዎ ምጽአት ነቲ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ምእንታና ሥጋና ባህርና ዝለበሰ አምላኽ ልደቱ ክንዝክር እንከሎና ንሕና አብ ሕወትና ክንገብሮ ዘድሊ ነገር ስለ ዘሎ እዩ።

ንአምላኽ ምምሳል እዩ ተፈጥሮና፡

ዕለተ ልደት ክርስቶስ ዘተኵሮ አብቲ አምላኽ ባህርና ለቢሱ ንአና ዝመሰለሉ እዩ ዘተኵር። አምላኽ ንአይ ካብ መሰለ አነ ኸአ ሎሚ ንአኡ ክመስል ንማለት እዩ። ንአምላኽ ክመስል እንታይ የድልየኒ ዝብል ሕቶ ክንሓትት ግቡእ እዩ።

ሰብ ብአምሳልን አምላኽን እዩ ተፈጢሩ። ተፈጥሮናከስ ንአምላኽ ምምሳል እምበር ንኻልእ ምምሳል አይኮነን። ዝዓበየ ኃጢአት ቀዳሞት ወለድና ክመስልዎ ዘይግብኦም ንኻልእ ስለ ዝመሰሉ እዩ፥ ኃጢአት ምስ ገበሩ መልክዕ አምላኽ አጥፊኦም ካልእ መሲሎም። ሓደ ሰብ ብሕማም እንተ ማሰነ ሕብሩ መልክዑ ሰውነቱ ስለ ዝቕይር ንጋገዮ ካልእ ስለ ዝመሰለ። ዝወረስናዮ ኃጢአት ቀዳሞት ወለድና ዘይናትና ምምሳል እዩ። ድሕሪ ልደት መድኃኒና እውን እዚ ዝንባሌ ኃጢአት አይሓደገናን ኩሉ ጊዜ ካልእ ክንመስል ንደሊ። ዓመት ዓመት ንብዓለ ልደት ክንቅረብ እንከሎና ነቲ ካልእ መሲልናዮ ዘሎና ሓዲግና አብቲ ንአምላኽ ዘምስል መልክዕ ክንምለስ ንማለት እዩ።

እሞ ሎሚ አነ ንመን እመስል አሎኹ ክንብል ንሕልናና ንርእስና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ብርግጽ መልክዕና ናይ ገለና ብመጠኑ ዝቐየረ ክኸውን ይኽእል እዩ ናይ ገለና ኸአ ጨሪሹ ካልእ መልክዕ ለቢሱ ይህሉ እዩ እሞ እስከ አብ መስትያት ሕልናና አብ አምላኽን ምልስ ኢልና ገጽና ልብና መንፈስና ሕይወትና ንርአ እሞ ነቲ ካልእ አምሲሉና ዘሎ ንእለዮ። አንቲ ሓፍተይ አንታ ሓወይ ካልእ እምበር መሲልካ ዘይወገና ዘይናትና መሲልካ ተጋጊናኪ ተጋጊናካ እናበልና መልክዑ መልክዓ ቀይሩ ቀይራ ንዘላ/ሎ ንምከሮም።

ክርስቶስ መልክዖም ቀይሮም ካልእ መሲሎም ንዘለዉ አሕዋትና እንተ ኸኣልና ንበይንና ወሲድና ዓገብ ክንብሎም ምስማዕ እንተ አበየና ኸአ ክልተ ወይ ሰለስተ ወሲድና ክንመክር አብዚ እንተ ዘይተዓወትና እውን ንቤተ ክርስትያን ክነግር ይነግረና። እዚ ዝሕብሮ ንሓውናን ሓፍትና አብቲ መልክዕ አምላኽ ዝኾነ ተፈጥርኦም ክሳብ ዝምለሱ ከይንሕለል ከይንደክም ንማለት እዩ።

ሰብ ሎሚ ሓላው ሓወይ አይኮንኩን ባዕሉ ይፈልጥ ግብ ይበል አብ ምባል ጥራሕ ይርከብ፥ ፍቕሪ ሕውነት ከምኡ ብሓደ ካብ ምዃን ክፈላለ ዝጽዕር ብዙሕ እዩ፥ ዓለም ዝህወኹ ዝጨኻኸኑ ዝፈላለዩ ዝጻልኡ በዚማ። እንተ ኾነ ድላይ አምላኽ ከምኡ አይኮነን ንዝጥፍአ ክንደሊ እንልአኽ ንሕና ኢና ብዓልና ምልአት ክረክብ ኩልና ደቂ ሓደ ቤት ዝኾና ብሓደ ክንውዕል ክነብዕል እዩ። ሓው ካብ ሓዉ ሸፊቱ እንተ ወዓለ ዝተዓወተ ዝመስሎ ብዙሕ እዩ ግን ዓወት አብ ሓደ ምዃንን ንአምላኽ ብሓደ አብ ምልማንን እዩ ዝርከብ።

ልደት አብ አምላኽ ክንምለስ የዘኻኽረና፡

አምላኽ አብኡ ክንምለስ ዕለት ዕለት ብዝተፈላለየ መገዲ ይቐርበና እዩ። አብዚ እዋን ወዲ አምላኽ ክርስቶስ ብርእሱ አብ መንጎና ምስ ሓደረ ዝቀረበና ምኽንያት ክንገብር እዩ ዝድለ ዘሎ። ቅ. ዮሓንስ “ቃል ሥጋ ኾነ አብ መንጎና ኸአ ኃደረ” ይብል ዕሞቕ ምስጢር ትስብእቲ ክርስቶስ ከረድኣና ኢሉ። አምላኽ ብዘይካ ኃጢአት ንነፍስወከፍና መሲሉ ምሳና አሎ። እዚ ንአና ክብሪ አብ ባህሪ አምላኽ ምስታፍ እዩ፥ ቅ. ጴጥሮስ “አማልኽቲ ኢኹም፥ ደቂ እቲ ልዑል ኢኹም” ይብለና። ቅ. ጳውሎስ ከአ መሳርሕቲ አምላኽ አምባሳደራት ክርስቶስ ኢኹም ይብለና። ስለዚ ክርስቶስ ዝሃበና ማንም አይሃበናን። ተዘክሮ ልደት ነቲ አምላኽ አባና ዝገበሮ ክንዝክር ንማለት እዩ።

እንታይ ንግበር፡

ጭቡጥ ምቅርራብ ልደት ከምዝገበርና ዝገልጽ ከምቲ ሰባት ንቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ዝሓተትዎ ክንሓትት እንተ ኸአልና ጥራሕ እዩ ንሱ ኽአ “እንታይ ክንገብር” አብ ዝብል ክንአቱ ከሎና እዩ። ነዚ ክንብል እንተ ኸአልና ኃጢአትና ክፍአትና ውድቀትና ክነለሊ ክኢልና አሎና ማለት እዩ። ሰብ ክቕየር እንተ ኾይኑ ጣዕሚ ልደት መድኃኒ ከስተማቕር እሞ አብ ሓጎስ ልደት ክሳተፍ እንተ ኾይኑ ርእሱ ርእዩ ክኽእል አለዎ። ርእስኻ ምርአይ ማለት አብ ሕልናኻ አቲኻ ነቲ ድኽመትካ ክፍአትካ ትዕቢትካ ኮታስ ኃጢአትካ ብምልኡ ርኢኻ ምኽአል እዩ። እንታይ እግበር ኢለ ምስ ርእሰይ ክዛረብ ክፍትሽ ዝዕድም እዋን። እዚ ብዓል ዝአትወና ዘሎ ብግልናን ብሓባርን ክንቅረበሉ ዝሓትት እዩ። ክሕደስ፥ ክቕየር፥ ክዕረቕ፥ ክነጽሕ፥ ክምሕር፥ ካብዚ ካብ አምላኽን ካብ ሰብን ዓጊቱኒ ዘሎ ክፍአተይ ክወጽእ እንታይ ክገብር ይግብአኒ ክንብል ጠቓሚ ሕቶ እዩ።

ከም ሰብ እቲ ዝኸበደን ዘይንቕበሎን ንርእስና ክንከስስ ብበደልና ክንእመን ከይንስዓር ዝብል እዩ፥ ሎሚ ግን ክንስዕሮ ከም እንኽእል ሰማዕት ዮሓንስ ይነግሩና። ደፊሮም ልቦም ከፊቶም ንልኡኽ አምላኽ እንታይ እግበር እናበሉ ሓቲቶም ለባምን ፍርሃት አምላኽ ዝመለኾ ሰብ ዝብሎ። ዝተዋህቦም መልሲ “ተነስሑን ምሕረት ሕተቱን” ዝብል እዩ።

ሎሚ ክንስሓሉ ዝድለ ዘሎ እንታይ ዓይነት ኃጢአት እዩ? ናይ ዘመና ኃጢአት ብፍሉይ እንፍለጠሉ ክፍአት ኃጢአት እንታይ አሎ? ብርግጽ ሓደ ክንብሎ እንኽእል ሰይጣን ንልቢ ብዙኃት ማሪኹ አብ መገዲ ጥፍአት ክአትዉ የሸንፍ ከም ዘሎ ኩላትና እንዕዘቦ እዩ። ቅትለት፥ ውግእ፥ ሓሶት፥ ጥልመት፥ ዓመጽ፥ ስም ሰባት ምክፋእ፥ ምቕያም፥ ስርቂ ዝሙት፥ ወገንነት፥ ንአይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ዝብል. . . . እዝን ካልእን ልብሰብ መሊኹ ዓለምና ትሳቐ አላ። ነዝን ካልእ ግላዊ ኃጢአትናን ክነጥፍ ክንስሓሉ ዝዕድም ግዜ ኢና ዘሎና።

ቅ. ዮሓንስ ንፈሪሳውያን ንሰዱቓውያን ንወተሃደራት ነናቶም በደል እና ነገረ ክንስሑ ይነግሮም ነሩ፥ ሎሚ ንነፍስወከፍና ነናትና ክፍአትን ድኽመትን ክንእርም ሽዑ ከም ማሕበር ክርስቶስ አብ ሓደ መአዲ ክንጽመድ ኢና ንሕተት ዘሎና። ናይ ግልናን ናይ ሓባርን ኃጢአት አሎና፥ ብግልና ባዕልና እንፈልጦ ዝፈጸምናዮ እዩ፥ እቲ ናይ ሓባር እንብሎ ንዓመጽ ክፍጸም እንከሎ ሱቕ ምባል ፈሪሕካ እንታይ ገደሰኒ ባዕሉ ይፈልጥ ኢልና ክነብር እንከሎና ንምሉእ ማሕብር ንብድል። ሕብረተ ሰብ ከምኡ ቤተ ክርስትያን ብሰባት ዝቖመት እያ ሓደ ክሓምም እንከሎ ንብዙሓት ክልክም ይኽእል እዩ። ሎሚ ሓደ ካብቲ ከቢድ ኮይኑ ዘሎ ሓደ ንብዙሓት አብ ናይ ክፍአት መአዲ ከምዝወድቁ ይገብር ንሶም ክአ ፈሪሖሞ ድዮም ወገኖም ኮይንዎም ድዩ ወይስ ጥቕሚ አልይዎም ይሰምዕዎ ይስዕብዎ እንተ ኾነ አብ ቅድሚ አምላኽ ብግልና እምበር ናይ ሓባር ሕቶ አይቀርበናን እዩ። ምስ ብዓልም መን ነርካ ብዛዕባ ካልኦት አይ ኮነን እንሕተት ገግብርና ኢና እንሕተት ስለዚ ንግላዊ ግብርና ሓላፍነት ለቢስና አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪብና መልሲ ክንህብ ንቀራረብ። መንግስተ ሰመይ ብወፈራ አይ ኮነትን እትእቶ ብፍቕርን ብምምሓሓርን እያ እትእቶ።

ልብሲ መርዓ ምልባስ የድሊ፡

ብዓለ ልደት ናይ ሰላም ናይ ሓጎስ ናይ ዕርቂ ብዓል እዩ። ንአኡ ዝበቅዕ ኩነት ክንፈጥር አሎና። ምሉእ ሓድነት መንፈስን ግብርን ለቢስና ብሓደ ክንርከብ እዩ ድላይ አምላኽ። አብ ዝተፈላለየ ልቢ አምላኽ ክአቱ አይክእልን እዩ።

ልብሲ መርዓ ክንለብስ ንቀራረብ። አብ መርዓ ዝዕደም ሰብ ዝበለጸ ዝበሎ ልብሲ እዩ ዝለብስ ብፍላይ አብ ባህልና እንተ ረአና ደቂ ተባዕትዮ እጀጠባብ ከምኡ ተቐምቂሞም ኩሉ ዝግባእ ግሩም ባህላዊ ልብሲ ለቢሶም አብ መርዓ ይሕወሱ፥ ደቂንስትዮ እውን ተሓኒነን ዙርያ/ጥልፊ፥ ከምኡ ኩሉ ዘማዕርገን ለቢሰን ይቐርባ፥ ነዚ ዘየማልአ ሰብ ድሓንድዩ/ድያ እናተባህለ ይዝረበሉ። ኩሉ አብ ሓጎስ አብ አኽብሮት ሓደ ልቢ ኮይኑ ይውዕል። አብ ወንጌል ልብሲ መርዓ ዘይተኸድነ አብ ግዳም አብ ስቓይ ቦታ እዩ ዝድርበ ምኽንያቱ እቲ ዝግባእ ልብስን ክብርን ገሩ ስለ ዘይቀረበ።

ንልደት ጎይታ ከምኡ ንመዓልቲ ምስ አምላኽ ሓደ ዝኾናላ ዘበሰረት ዕለት ንምብዓል እንታይ ክንገብር ይግብአና። አብ ሓደ ልብን መንፈስ ክንአቱ እዩ እቲ መሰረታዊ መጸዋዕታ። ብግዙፋዊ ልብስና አጻዕዲና ኩሉ አማሊእና እንተ ቐረብና ግን ልብና እንተ ዘይነጽሐ ብዓልና ጎደሎ እዩ። ልብሲ መርዓና ሎሚ ትሕትና ፍቕሪ ዕርቂ ሰላም ምግባር እዩ። ነዚ ዝለበሰ ሰብ ናይ ብሓቂ ልብሲ መርዓ አብ ልቡን ሕይወቱን ለቢሱ “አቱም ናይ አቦይ ብሩኻት ካብ ዘለዓለም ንዝተሰናደወልኩም ክብሪ ክትቅበሉ እተዉ” ዝብል ይሰምዕ።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠቓሚ ሓሳብ “ስለምንታይ እዩ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ” ኢልና ክንሓትት መሰረታዊ ሕቶ እዩ። ስለምንታይ ኢልና ክንሓትት እንተ ኸአልና መልሲ ክንህብ አሎና መልስና ኸአ “አምላኽ ኩልና ደቂ ሰብ ክንድሕን ደቂ ሰማይ ኮና ንዘለዓለም ምስኡ ክነብር ስለ ዝደለ እዩ”። ድላይ አምላኽ ክነለል ይግባእ። ድላይ አምላኽ ክትሰምዕ ክተተግብር ጽን ኢልካ ምስማዕ የድሊ። አምላኽ አብ መንጎና አሎ ይዛረብ አሎ ጸጊሙ ዘሎ ዝሰምዕ ውሒዱ፥ ዘተግብር ውሒዱ ኩሉ ዳርጋ ጸማም እዝኒ ሒዙ ይጉዓዝ አሎ። እስከ ሎሚ ህድእ ንበል እሞ ነቲ ዝመጸና ዘሎ ክርስቶስ ንቀበሎ ንስምዓዮ አብ አፍደገ ገዛና ኮይኑ ይኵሕኵሕ አሎ ንኽፈተሉ።

ልብና ከፊቱ ካብ ኃጢአትና አንጺሑ ብርሃን ልደቱ የካፍለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

04 January 2021, 13:11