ድለ

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞሱል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞሱል 

ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ፥ ሰንበት ምእንቲ ምርግጋጽ ናይ ር.ሊ.ጳ. ድላይ ሓዋርያዊ መገሻ ይጽለይ

ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ይብሉ፥ ኣብ ፍርሕን ራዕድን እንነብር እውን እተኾነ፡ ኣብ ተስፋ ምንባር ኣይቋረጽናን ምንባርና ተስፈይና እዩ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ብኣኦም ኣቢሎም ንናይ ዒራቕ ዳግማይ ውልደት ሓድሽ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ” ሓደራ ከምዝበሉ

ኣብ መላእ ዒራቕ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 17 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ሰንበት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቕ ንኸካይድዎ ብመደብ ዝተተሓዘ ሓዋርያዊ መገሻ ንምእንጋድ ዝብገሱ ምድላዋት ብምህለላ ጸሎት ክጅመር ምዃኑ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ሓቢሮም፡ እቲ ኣብ መጋቢት 2021 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቕ ንኸካይድዎ ዝተወሰነ ሓዋርያዊ መገሻ ክፍጸም ምእመናን ብጸሎት ከሰንይዎም ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣብ ዒራቕ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ምሬት ክልተ ወሓይዝ ቅዱስነቶም ንኸተእንግድ ትጽበ! ምእንቲ እቲ ኣብ መደብ ዘሎ ምብጻሕ ትጽልይ፥ እትጽልዮ ኸኣ እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ክኡል ክኸውን ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ዘተን ሰላምን ጸጋ ዘጸግው መታን ክኸውን እዩ፡ እታ ኣካል ማእከላይ ምብራቕ ዝኾነት ሃገር ሎሚ እውን ኣብቲ ምስ ሶሪያ ኣብ ዘዳብው ዞባታታ ዘይምርጋእ ከምዘሎን ናሲርያ ካብ ኣብ 2014 ክሳብ 2017 ዓ.ም. ናይ እስላማዊ መግንስቲ ከተማ ኣብ ዝነበረት ከተማ ሞሱል ዘይምርግጋእን ናይ ጅምላ መቓብር ስፍራ ዝርከበሉን ክትገልጾ ናይ ዘይከኣል ዓመጽን ግጭትን በሰላም ዝሓደገሉ ከምዝኾነን ነዚ ኹሉ ብምስጋር ምርግጋን ሰላምን ዘተን ሕንጸት ዜጋታትን ሃገርን ውሑስ ክኸውን መታን እቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ነዚ ዘተባብዕን ዘጸግውን ክኸውን ኩሉ ኣብዚ መደብ’ዚ ብጽሎት ንኽሓብር ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ንምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይ ሃገሮምን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ይብሉ፥ ኣብ ፍርሕን ራዕድን እንነብር እውን እተኾነ፡ ኣብ ተስፋ ምንባር ኣይቋረጽናን ምንባርና ተስፈይና እዩ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ብኣኦም ኣቢሎም ንናይ ዒራቕ ዳግማይ ውልደት ሓድሽ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ” ሓደራ ከምዝበሉ ዘኪሮም ነዚ ሓሳብ እዚ መሰረት ገይሮም ኩሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ምእመናን እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ ዘቕነዔ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ክኡል ክኸውን ብጸሎት ናብ እግዚኣብሔር ክምህለሉ ዝድግፍን ናይ ልመና ጸሎት ከምዝደረሱን እቲ ጸሎት ኣብታ ኣብ ዒራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ይጽለይ ከምዘሎ እውን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

እግዚኣብሔር ጐይታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብዓወት መታን ከፍጸም ጥዕናን ጸጋን ጸግዎም፡ ዘተን ዕርቅን ሕውነትን ሕድ ሕዳዊ ምትእምማንን ናይ ሰላምን ሰብኣዊ ክብሪ ክቡራት ውጋታት ከጽንዑ መታን ንዘካይድዎ ህርኵት ጻዕርታቶም ኵሉ ባርኽ፥ ብፍላይ ንኢራቓውያን ናይቲ ብጥልቂ ዝተንከፈና ስቓይ ብምምስካር ነቶም ክቡራት ዋጋታት ንኽንነብሮ መታን!

እዘን ቃላት እዚኣተን ብጹዕነቶን ናይቲ ዝደረስዎ ጸሎት መበገሲ ገይሮም፥ እቲ ጸሎት ነቲ ናይ ቅዱስነቶም መደብ ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ቅድሚ ምውካፎም፥

            ዝፈጠርካና ጐይታ፥ ብልባትና ነቲ ሰናይን ሰላምን ብምምዕዳው ንኽንትግብሮ መታብ ብርሃንካ ጸግወና!

ዝብላ ቃላት ኣቕሪቦም፥ ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ መገሻ በማላድነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግልማርያም፥

            እግዚኣብሔር ንሃገርናን ሕዝብናን ዝበለጸ ኣብ ሕውነት ኣብ ዝተሓንጸ መጻኢ ናይ ምንባር ጸጋ ይዓድለና

እንክብሉ ዝደረስዎ ጸሎት ከምዝዛዝሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ብጹዕ ካርዲናል ሳኮ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ጀሚሮም ናብ ዒራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ብዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቢሎም እቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ዒራቕ ክፍጽምዎ ብመደብ ዝተተሓዘ ሓዋርያዊ መገሻ ናይ ምጽንናዕ መልእኽቲ ዝሓዘ መንፈሳዊ ንግደት እምበር ተራ መስህባዊ ምብጻሕ ከምዘይኮነ ኣተሓሳሲቦም፡ ሕዝቢ ነዚ ተረዲኡ እዚ ሓዋርያዊ መገሻ ክኡል ክኸው መታን ንቕዱስነቶም ብጸሎት ከሰንዮም ሕደራ ቢሎም እምነትን ተስፋን ፍቕርን ናይ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ዕለታዊ ተግባር ክኸውን ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

16 January 2021, 15:55