ድለ

2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጃፓን - ናጋሳኪ መስዋዕተ ቅዳሴ እንከዕርጉ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጃፓን - ናጋሳኪ መስዋዕተ ቅዳሴ እንከዕርጉ 

ብጹዓን ጳጳሳት መላእ ዓለም ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኑክለሳዊ እጽዋር ምርጋፍ ጻዋዒት ይሓብሩ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኑክለሳዊ ውግእ ብቐጻልነት ከም መፈራርሒ ምጥቃምን ንዝተፈላለዩ ውግኣት ከም ቅኑዕ መፍትሒ ምጥቃም ዝብል ሓሳብ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን ብዛዕባ ሰላም ከመይ ገርና ክንዛረብ ንኽእል? …. እውነተይና ሰላም ኣብ ምርጋፍ ኣጽዋር ጥራሕ እዩ

ኣብ መላእ ሃገራታ ዝርከቡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝኾነ ዓለም ናብ ሰላም ዝምርሽ እዩ! እንክብሉ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ሓይለ ምዕዳን እቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝጸደቐን ምጥቃም ኣቶማዊ ኣጽዋርን ኣቶማዊ ምፍርራሕን ምውናንን ንኣቶማዊ ኣጽዋር መዓላ ምፍሳስን ዝኣመሰሉ ተግባራት ዘይሕጋዊ ዝገብር ሕጊ ዕለት 22 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝጀመረን  ነዚ ኵነት ዓቢይ ግምት ብምሃብ ደጊሞም ዓለም ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክኸውን ምግባር ኣብ ጐዳና ሰላም ምጉዓዝ ማለት ምዃኑ ዘቕርብዎ ለበዋን ዘቃልሕ ሰነድ ወግዓዊ ከምዝገበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተስፋን ፍርሕን

ብጹዓን ጳጳሳት ዓለም እቲ ካብ ዕለት 22 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ጀሚሩ ምጥቃም ኣቶማዊ ኣጽዋርን ኣቶማዊ ምፍርራሕን ምውናንን ንኣቶማዊ ኣጽዋር መዓላ ምፍሳስን ዝኣመሰሉ ተግባራት ዘይሕጋዊ ዝገብር፥ ኣቶማዊ ኣጽዋር እጉድ ዝብል ናይ ውሳኔ ሰነድ፥ ብብዙሓት ሕዝቢ ዓለም ዝድገፍ ከምዝኾነ እውን ገሊጾም፡ ዝሓለፈ ዕለት 20 ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ “እቲ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብዕሊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝጅምር ኣቶማዊ ኣጽዋር ክልኵል ዝብል ውሳኔ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ምውናን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብዘይ ኣድልዎ ብሕጊ ዘቕጽዕ ክኸውን ንመጀመሪያ ግዜ ዝተበጽሔ ስምምዕ እዩ፡ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ሓጺር ግዜ ውሽጢ ኣዚዩ ብዙሕ ዝኾነ ሕዝቢ ዘጽንትን ነባሪ ዳርጋ ክትብሎ ዝከኣል ማህሰይቲ ኣብ ልዕሊ ማሓድሮን ሰብኣዊ ፍጥረትን ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብቲ ዘውጽእዎ ሰነድ የዘኻኽሩ።

ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ምኹናን ኑክለሳዊ ኣጽዋር

ብጹዓን ጳጳሳት ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ዓለም ኑክለሳዊ ኣጽዋር እጉድ ክኸውን ዘካይድዎ ጻዕሪ ሓቢሮምን ኣተሓሒዞም እውን እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብተን ብኣቶሚክ ቦምቢ ዝተደብደባ ከተማታት ሂሮሺማንናጋሳኪን ተረኺቦም ኑክለሳዊ ውግእ ብቐጻልነት ከም መፈራርሒ ምጥቃምን ንዝተፈላለዩ ውግኣት ከም ቅኑዕ መፍትሒ ምጥቃም ዝብል ሓሳብ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን ብዛዕባ ሰላም ከመይ ገርና ክንዛረብ ንኽእል? …. እውነተይና ሰላም ኣብ ምርጋፍ ኣጽዋር ጥራሕ እዩ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ የቃልሑ።

ካልኦት ሰብኣዊ ፍጥረትን ማሓድሮን ንሓደጋ ዘቃልዑን ከምኡ እውን ንመላእ ሕዝቢ ዓቢይ ስግኣት ዝኾኑ ድኽነትን ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕን ግምት ብምሃብ መላእ ዓለምን መንግስታትን ነዞም ዓበይቲ ስግኣት እዚኣቶም ኣብ ምብዳህ ክተግሁ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ረብሓ ክውዕል

ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳትን ተቕዋማት ኣቢያተ ክርስያንን ኵለን እቲ ነጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ንናይ ሕብረተሰብ ጥቕሚ ኣብ ዘማእክል ጉዳይ ክውዕል ዝብል ሓሳብ ብምቅላሕ፡ ብሓባር ናይ ሰላም ጸጋ ክንበርን ውግእን ዓመጽን ዘጓሃህር ክውገድን ብሓባር ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያንን ምስ ዝተፈላለያ ኣብ ጸረ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ጐስጓስ ምስ ዘካይዳ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ማሕበርን ንእገዳ ኑከልሳዊ ኣጽዋርን ብምትሕብባር ክዓያ ጻውዒት ነቕርብ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 January 2021, 22:16