ድለ

ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ናይ ሮበርቲኖ ስርዓተ ቀብሪ ፈጺሞም ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ናይ ሮበርቲኖ ስርዓተ ቀብሪ ፈጺሞም 

ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ናይ ሮበርቲኖ ስርዓተ ቀብሪ ፈጺሞም

ቅዱስ ጐርጐሪዮስ ዓቢይ “ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቅድሚ ብቑርን ኣስሓይታን ሕይወቱ ዝሓለፈት ግዳም ሓደር ድኻ ፊት ተረኺቦም፥ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ቅዳሴ ምስራዕ ኣይምትገበኤን ምኽንያቱ እታ ዕለት እቲኣ ዓርቢ ስቕለት እያ” ዝበልዎ

ናይ ጳጳሳዊ ቤተ መጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ፥ ኣብ ካብ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ከተማ ሊዮኒያና ዳርጋ ፍርቂ ሕይወቶም ዘሕለፉ እቲ ዝሕልፍዎ ዝነበረ ጸገም ዓቢይን ከቢድን እውን እንተነበረ ካብ ገጾም ፍሽኽታ ዘይፍለዮም ኣብ መበል 64 ዓመት ዝዓረፉ ግዳም ሓደር ሮበርቲኖ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ሰሪዖም ስነ ስርዓት ቀብሪ ከምዝፈጸሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ናይ ሮበርቲኖ ስርዓተ ቀብሪ ፈጺሞም
ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ናይ ሮበርቲኖ ስርዓተ ቀብሪ ፈጺሞም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአይ ዘሎ ብርቱዕ ቁርን ኣስሓይታን ምኽንያት ኣብ ከባቢ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 20 ጥሪ ሞይቶም ዝተረኽቡ 46 ዓመት ዝዕድመኦም ናይጀሪያዊ ስደተይና ግዳም ሓደር - ኣልቦ ቤት ብፍሉይ ዘኪሮም “ናይቲ ሓው ኵነት ኣብቲ ናይ ብዙሓት ጐደና ሓደር ኣብ ከተማ ሮማ ብቑሩን ኣስሓይታን ምኽንያት ኣብ ዝዓረፉ ዝሕዝን ታርኽ ዝጽምበር እዩ ቢሎም፡ ቅዱስ ጐርጐሪዮስ ዓቢይ “ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቅድሚ ብቑርን ኣስሓይታን ሕይወቱ ዝሓለፈት ግዳም ሓደር ድኻ ፊት ተረኺቦም፥ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ቅዳሴ ምስራዕ ኣይምትገበኤን ምኽንያቱ እታ ዕለት እቲኣ ዓርቢ ስቕለት እያ” ዝበልዎ ጠቒሶም ብኣና ዝተረሰዔን ዝተጠንጠንን እንክብሉ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ምእንታኡ ንጸልይ እንክብሉ ከምዝዓደሙ ይዝከር።

ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ናይ ሮበርቲኖ ስርዓተ ቀብሪ ፈጺሞም
ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ናይ ሮበርቲኖ ስርዓተ ቀብሪ ፈጺሞም

ሮበርቲኖ ዝስሞም ግዳም ሓደር ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘሎ ቁርን ኣስሓይታን ምኽንያት ብሕማም ሳምቡእ ይሳቐዩ ከምዝነበሩን ኣብ መወዳእታ ኣብ ሮማ ከተማ ኣብቲ ተርሚኒ እተሰምየ ናይ መጓዓዝያ ባቡር መዓርፎ ኣብ ዘሎ ስፍራ ወለንተይናታት ኣእሚኖሞምን ክእለዩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብቲ ተኣልዮምሉ ዝነበረ ቤት ከምዝዓረፉን፡ ዕለት 25 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ባልድዊና ክፍለ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ፒዮስ ዓስራይ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ዝሰርዕዎ ናይ ፍትሓት ጸሎት ስነ ስርዓት ቀብሪ ከምእተፈጸመ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ናይ ፍትሓት ጸሎት ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐልን ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር  ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ኣርቱር ሮቸን ካልኦት ዓሰርተ ካህናት ከምዝሓበሩ የመላኽት።

ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር ናይ ግዳም ሓደር ጉዳይ ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዕለት 24 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ዕለት 20 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ካብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ወጻኢ ብቑርን ኣስሓይታን ሰማዕን ዝርእይን ዘይብሉ ብዅልና ተጐስዩን ተጠንጢኑን ዝዓረፈ ግዳም ሓደር ናይጀሪያዊ ዜጋ ኤድዊን ብስሙ ጸዊዖም ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም ኩሉ ኣብቲ ጸሎት ክሓብር ከምእተላበዉ ዘኪሮም፡ እቲ ናይ ኤድዊንን ናይ ብዙሓት ድኻታትን ግዳም ሓደርን ኣሕዋት ህልው ኩነታትን ኣብዚ ብርቱዕ ቁሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞም ኵሎም ንኹላትና ዓቢይ ናይ ሕልና ሕቶ እያቶም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ኢጣሊያ ከተማ ብፍላይ ከም ሮም ኣብ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት ናይ ግዳም ሓደር ዜጋታት ብዝሒ ክብ ይብል ምህላዉን ክንሕግዞም ይግባእ፥ ምሕጋዞምን ምግልጋሎምን ናይ ኵላትና ሓላፍነት እዩ ኢሎም።

ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ብዝሒ ግዳም ሓደር ክብ ይብል ከምዘሎና ብዝሓት ስደተይናታት እውን ከምዝኾኑን ወለንተይናታት ነቶም ግዳም ሓደር ዜጋታት ኣሕዋትና ኣብ ዝድቅስሉ ዝተፈላለየ ናይ ሮማ ከተማ ከባቢ እናኸዱ ዘድሊ ሓገዝ ኣብ ብምቕራብ ከምዘገልግሉን፥ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ እውን ብዙሓት ወለንተይናታት ክርከቡን ክሓብሩን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ጻውዒት አቕርብ ኢሎም።

25 January 2021, 19:59