ድለ

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር፥ ስግኣት ግብረ ሽበራ ኣብ ኣፍሪቃ የዘንብይ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር፥ ስግኣት ግብረ ሽበራ ኣብ ኣፍሪቃ የዘንብይ 

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር፥ ስግኣት ግብረ ሽበራ ኣብ ኣፍሪቃ የዘንብይ

ካብ 2017 ዓ.ም. ንነጀው ኣብቲ ከባቢ ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ግብረ ሽበራ ንልዕሊ ክልተ ሺሕ ዝግመቱ ንሞት ካልኦት 600 ሺሕ እውን ንምዝብልና ከምዝዳረገን፡

ጳጳሳዊ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣብ ኣፍሪቃ ስግኣት ግብረ ሽበራ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ እቲ ብተደጋጋሚ ዝርአይ ግብረ ጨወያን ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናንን ዝፍጸም መጥቓዕቲ ዘረጋግጾ ከምዝኾነ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ናይቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ትካል ዋና ጸሓፊ ኣብ ኣፍሪቃ ዞባ ሳሀልን ሰሜን ሞዛምቢክ ብፍላይ ኣብ ካቦ ደልጋዶ ከባብን እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ግዝኣት ቢሉ ዝሰመየ ሰዓቢ ቢሉ ዝገለጽ ሓይሊ ኣሸበርቲ መጥቓዕትን ዓመጽን መሃድዳትን ይፍነው ከምዘሎ ሓቢሮም፡ ነዚ ከም ኣብነት ጠቒሶም እውን ኣብ ኣፍሪቃ ስግኣት ግብረ ሽበራ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ይብሉ።

እቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ይብል፥ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ካቦ ደልጋዶ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣዚዩ እናሰፈሔ ይኸይድ ከምዘሎን ብዙሓት  ይቕተሉን ይስየፉን ቑሸታት ብባርዕ ሓዊ ይነዱን ነኣሽቱ ከተማታት ኣብ ኢድ ጅሃዳውያ ይወድቃን ብዙሓት ይጭወዩን እዚ ኸኣ ካብ 2017 ዓ.ም. ንነጀው ኣብቲ ከባቢ ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ግብረ ሽበራ ንልዕሊ ክልተ ሺሕ ዝግመቱ ንሞት ካልኦት 600 ሺሕ እውን ንምዝብልና ከምዝዳረገን፡ ኣብ ሞዛምቢክ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰበኻታት ነቶም ተመዛበልቲ ኣብ ምእንገድ ከምዝርከባን ነዚኣቶም ረድኤት ኣብ ምቕራብ ናይ ዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ናይ ወጻኢ መደብ ሓገዝ ጉዳይ ዝከታትል ቤት ጽሕፈት ሓላፊት ረጂና ልይንኽ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ረድኤት ይቐርብ ከምዘሎ ሓቢረን፡ እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ስግኣት ዝፈጥር ዘሎ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ራዕዲ ዝዘርእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ቆላሕታ ክግበረሉ ይግባእ ከምዝበላ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ነቶም ብኣሸበርቲ ምኽንያት ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝቓልዑ ሓገዝ ምቕራብ ኣገዳሲ ከምዝኾነን ብፍላይ ናይ ሕዝቢ ጸጥታን ድሕንነትን ውሕስ ክኸውን መንግስታትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝከኣሎ ኵሉ ክገብር ሓደራ ከምዝበላ ኣፍሊጡ።

12 January 2021, 16:40