ድለ

ስለ ሰላም ንማህለል! ስለ ሰላም ንማህለል! 

ይእዜኒ ለሰላም ንትልዋ፡ ሕጂ’ውን ንሰላም ንስዓባ! መልእኽቲ ሰላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

ኣብ ጎረቤት ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ዘሻቀሎም ካቶሊካውያን ጳጳጳሳት ኤርትራ ይእዜኒ ለሰላም ንትልዋ፡ ሕጂ’ውን ንሰላም ንስዓባ! ብዝብል ኣርእሽቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላም እዚ ዚስዕብ እዩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ክቡራትን ክቡራንን ሕዝበ እግኣብሔር

ከም መንፈሳውያን መራሕትን፣ ጓሶት ሕዝበ እግዚኣብሔርን፣ ዜጋታት ሃገርን፣ እዚ ኣብ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ሓድሓድ ኣዝዩ ከምዘሻቕለና ብዓብይ ኃዘን ክንገልጽ ንደሊ። ውግእ፣ ቀታልን፣ ኣሰንካልን፣ ኣዕናውን፣ ኣዘናባልን፣ ነባሪ ቂምን በቐልን ዝዘርእ ጸረ ሕይወትን ምዕባለን ኅብረትን ዝኾነ ተግባር ምዃኑ ኣብ መላእ ዓለምን ብፍላይ ከኣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሕዝብታት ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር ብዘይ ምቁራጽ ይቕጽል ከምዘሎ እውን ዝከሓድ ኣይኮነን።

ውግእ ክትጅምሮ እምበር መኣስ ዝውዳእ፡ ኣበይ ዝውዳእ ክትፈልጦ ስለዘይከኣል ኩሉ ኣብ ውግእ ዝሳተፍ ተሸናፊ እምበር ኣሸናፊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዮሓንስ ጳውሎስ ዝበልዎ፣ ዝኾነ ዓይነት “ውግእ ትርጉም ዘይብሉ ተርእዮን፡ ወትሩ ዘይፍትሓውን እዩ” (ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ)ኢዩ።

ውግእ ነተን ኣርባዕተ ዓንድታት ሰላም፡ ሓቂ፡ ርትዒ፡ ፍቅሪ፡ ናጽነት ኢዩ ዘብርስ፡

  •  ሓቂ፡ ሰባት ንናይ ባዕሎም መሰላት ምርግጋጽ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንናይ ካልኦት መሰላት እውን ምስ ዘረጋግጹ፡ ሓቅ ንሰላም ትሓንጻ፡ 
  •  ርትዒ/ፍትሒ፡ ሰባት ንናይ ካልኦት መሰላት ብምኽባር ንተፍጻምነቶም እንክጽዕሩ፡ ርትዒ/ፍትሒ ንሰላም ተሓንጻ።
  •  ፍቅሪ፡ ሰባት ከምቲ ናቶም፡ ናይ ካልኦት ሓገዝ ከምዘድልዮምን፡ ምስ ካልኦት ብፍላይ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ክብርታት እንኪሳተፉ፡ ፍቅሪ ንሰላም ትሓንጻ፡
  •  ናጽነት፡ ሰባት ብኣእምሮ ተመሪሖም ናይ ተግባራቶም ሓላፍነት ምስ ዝስከሙ፡ ናጽነት ንሰላም ተሓንጻ፡

ንሎምን ጽባሕን ብዓይኒ እምነትን ልቦናን ጠሚትካ ነገራት ወይ ኩነታት ወትሩ ከምቲ ኣብ ባይታ ዝመስልዎ ኣይኮኑን ስለዚ ሕቶ ሰላም ካብ ሰብኣዊ ክብርን፡ ሰብኣዊ መሰልን ፈሊኻ ክርኤ ኣይክእል።

ኣብ መንጎ ሰላምን ሓቅን ዘይበታተኽ ማእሰር ኣሎ፡ እዚ ከኣ፡

  • ኣብ ምትሕልላፍ ሓበረታ፡ ቅንዕና 
  •  ኣብ ሥርዐተ ሕጊ፡ ማዕርነት
  •  ኣብ ደሞክራስያዊ መስርሕ፡ ንዜጋታት ውሕስነት ዝህብ ክፉትነት፡
  •  ንግርጭታት ብሰላማውን ብሓቀኛን ሓናጽን መንገንዲ ክትፈትሕ ድልው ምዃን፡ እዚኣቶም ኵሎም ናይ ነባሪ ሰላም ሓነጽቲ ኢያቶም፡ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23።

ስለዚ እዚ ኣዕናዊ ውግእን ንኣኡ ዘጐሃህር ዘረባን ቃላትን ምእንቲ እግዚኣብሔርን፣ ምእንቲ ሕዝብታትን ብዝቀልጠፈ ከቋርጽ፣ ነቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያት ከኣ ኮፍ ኢልካ ተላዚብካ ክፍታሕ ደጋጊምና ንጽውዕ።

ንኩልኻትኩም ካህናት፣ ውፉያት ምእመናንን ድማ ኣብ ጸሎትን ምህልላን ክትጽመዱ ነተባብዕ።

እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ንጉሠ ሰላም መድኃኔ ዓለም ይተዓረቐና፣

ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ምሕረትን ዕርቅን ኣውሪዱ ሰላምን ቅሳነትን ይፍጠረልና።

ቃል ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

መልእኽቲ ሰላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ
መልእኽቲ ሰላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ
19 November 2020, 10:18