ድለ

ሞዛምቢክ፥ ጅሃዳውያን ኣሸበርቲ ኣብ ዞባ ሰሜን ዝፍጽምዎ ግብረ ሽበራ ይቕጽል ሞዛምቢክ፥ ጅሃዳውያን ኣሸበርቲ ኣብ ዞባ ሰሜን ዝፍጽምዎ ግብረ ሽበራ ይቕጽል 

ሞዛምቢክ፥ ጅሃዳውያን ኣሸበርቲ ኣብ ዞባ ሰሜን ዝፍጽምዎ ግብረ ሽበራ ይቕጽል

ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ሓይሊ ኣሸበርቲ ኣብ ቁሸት ሙኣቲደ ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ሓምሳ ሰባት ከምእተቐትሉን

ናይ ዳዒሽ ኣሸባሪ ሓይሊ ስርዓት ኣስተፍሶኡ ዝገበረ ኣብ ሞዛምቢክ ኣብቲ ኣዚዩ ድኻ ከባቢ ተባሂሉ ኣብ ዝንገረሉ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ዝንቀሳቐሽ ጅሃዳዊ ሓይሊ ኣብታ ሃገር ዘሎ መንግስቲ ህልው ኵነታት ንምምሕዳር ኣብ ጸገም ኣብ ዘለሉ እዋን ብተደጋጋሚ ግብረ ሽበራ ከምዝፍጽምን፥ ካብ 2017 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዝርከብዎም ብጠቕላላ ክልተ ሺሕ ዜጋታት ንሞት ኣርባዕተ ሚእቲ ሺሕ ንምዝብል ሓደጋ ከምዘቃልዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ኣፍሊጦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሞዛምቢክ ኣመልኪቶም ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር ኣባል ልኡካነ ወንጌል ኣባ ኣንጀሎ ሮማኖ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ሞዛምቢክ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልያ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ዝተፈላለያ ናይ ዜና ማዕከናት ዝሓበረኦ ክኸውን እንከሎ ናይታ ሃገር መንግስትን ናይቲ ግብረ ሽበራ ዝተፈጸመሉ ዞባ ቤት ምኽሪ ምሕደራን ኣሉ ከምዝበልዎን፡ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ሓይሊ ኣሸበርቲ ኣብ ቁሸት ሙኣቲደ ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ሓምሳ ሰባት ከምእተቐትሉን እቲ ሓይሊ ኣሸበርቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ግብረ ሽበራ ዝፍጽም ኮይኑ፡ ናይቲ ኣብ ሶማሊያ ናይ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ኣሸበርቲ ኣል-ሻባብ ዝብል መጸውዕ ዝጥቀምን ኣስተንፍሶኦ ኣብ ዳዒሽ ዝገበረ ከምዝኾነን፡ ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ግብረ ሽበራ ንሓድ ሕዱ ዝገራጭዉ ሓበሬታ ይፍነዉ ከምዘሎን፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣመልኪቶም ኣባል ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባ ኣንጀሎ ሮማኖ፥ ካብ 1992 ዓ.ም. ሕድ ሕዳዊ ውግእ ክዕገትን ሰላም ክወርድ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሰላም መስርሕ ኣዛታዪ ኮይኖም ከምዘገልግሉ ክፍለጥ እንከሎ` ኣሸበርቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ግብረ ሽበራ ብተደጋጋሚ ክፍጽሙ ይረአይ ከምዘሎን እቲ ዘሰክፍ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ግብረ ሽበራ ተፈጺሙሉ ኣብ ዘይፈልጥ ክፍሊ ከተማታት እውን ከይተረፈ ይሰፍሕ ምህላዉ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሕዝቢ ዓቢይ ስግኣትን ፍርሕን ይፈጥር ኣሎ ኢሎም።

ድኽነትን ኢማዕርነትን ኣብ ካቦ ደልጋዶ

እቶም ኣሸበርቲ ነቲ ናይ ሞዛምቢክ ኣዚዩ ድኻን መሃይምነት ኣዚዩ ዝሰፈሓሉን ኢማዕርነትን ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ኣዚዩ ዝሳቐይ ሰሜናዊ ክፍሊ ክቆጻጸሩ ብተደጋጋሚ ግብረ ሽበራ ዝፍንዉን፡ እቲ ከባቢ ብሃብቲ ማዕድን ሃብታም ተባሂሉ ዝንገረሉን መብዛሕቲኡ ተቐማጢ ናይቲ ከባቢ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሱፊ ባህሊ መሰረት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣናስሩ ናይ ሱፊ ባህሊ ክኸውን ዘይክልእ ከምዝኾነ ብዙሓት ተንተንቲ ከምዝሕብሩን ካብ ካልኦት ሃገራት - ካብ ከንያን ታንዛንያን ዝመጹ ኣኽረርቲ ሰባኪያን ሃይማኖት ምስልምና ዘስረጽዎ ከምዝኾነ የረጋግጹ ዝበሉ ኣባ ሮማኖ፥ መብዛሕቲኦም መንእሰያት ዞባና ብመንግስቲ ዝተረስዔ እዩ ዝብሉ ኣብ መንግስቲ ተስፋ ዝቖረጹን ዝተቖጥዑን ብቐሊሉ ዝማርኽ ጉጅለ ኣሸበርቲ እውን ይኽወን ከምዘሎ ይገልጹ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም

ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ተቐማጦ ጸጥታን ደሕንነትን ውሑስ ምግባር ህጹጽን ኣገዳሲ ምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውድብ ላዕለዋይ ድርገት ሓላፊት ሚከለ ባከለት ገሊጸን፥ ኣብቲ ዞባ ዝቕመጡ ኣደዳ ሽበራዊ መጥቓዕትን ዓመጽን ከምዝኾኑን፡ ደቀንስትዮ ይዕመጻን ሕጻናት እናተገፉ ናይቲ ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣባላት መጋበርያ ክዀኑ ይግደዱ ከምዝበላ ራቪያርት ይሕብሩ።

መንግስቲ ነቲ ህልው ኩታት ኣብ ምቁጽጻር ዓቕሚ ዘይብሉ ይመስል ዝበሉ ኣባ ሮማኖ ኣስዒቦም፥ ኣብ ማእከላዊ ዞባ ሞዛምቢክ ኣብታ ሃገር ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ዘይተቐበለ ካብ ጉጅለ ረናሞ ዝተፈንጨለ ዕጡቓት ሓይሊ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን መጥቓዕቲ ከምዝፍጽምን ኣብ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቁርብ መዓልታት ምርግጋጽ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ ሞዛብሚክ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካይዱ እውን ዘኪሮም፡ ኣብ ሞዛምቢክ ሰላም ክረጋገጽ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሐረሰብ ምንቅስቓስ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

17 November 2020, 20:48