ድለ

ታሪኽ

ይሴባሕ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ናይ ምልዋጥ ታሪኽ

ፕሮፈሰር ፐደን ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ናይ ፕረስቢተሪያን ቤተ ክርስቲያን ኣባል ዝነበሩን ንነዊሕ ዓመታት ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝነበሮም ንቑሕ ተሳትፎ ርሒቖም ከምዝጸንሑን ኣብ 2019 ዓ.ም. ናይ ካቶሊክ እምነት ተቐቢሎም ድሕሪ ምጽናሕ ከም ካቶሊክ ምእመን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብምክትታል

ተወላድን ዜጋን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቕን ፈላስፋን ናይ ፕረስቢተርያን ቤተ ክርስቲያን ምእመን ዝነበሩ ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝቕየር 10 ዓመቶም ዘቝጽሩ ዘለዉ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ዓ.ም. ካቶሊካዊ እምነት ዝተቐበሉን ናይታ ብቕዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ዝተደርሰት ዛዕባ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤተ እትዛረብን ማሓድሮኣዊ ምልዋጥ እተነቓቕሕን ኣገዳስነቱ እተመላኽትን ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ትግባሬ ዘነቓቕሕ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓልዮ ክንክን ናይ ተፈጥሮ ኣየር ኣባል  ክኖክስ ፐደን፥

ይሴባሕ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ናይ ምልዋጥ ታሪኽ
ይሴባሕ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ናይ ምልዋጥ ታሪኽ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣውስትራሊያ ካምበራ ምስ ዝርከብ ቁምስናታት ብምትሕብባር ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእከለ ምልዋጥ ኣገዳስነቱ የተሓሳስቡን ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ባህላዊ መደባትን ከምዘነቓቕሑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን ኣተሓሒዘን እውን፥ ፐደን ተወላዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተቐማጢ ዳላስ ኣብ 2011 ዓ.ም. ናብ ኣውስትራሊያ ተዛዊሮም ነታ ይሴባሕ ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲት መልእኽቲ መሰረት ገይሮምን ምስ ዘለዎም ሙያዊ ብቕዓት ኣዋዲዶም ብፍላይ “መሓድሮኣዊ ምልዋጥ” ዝብል ናይ ቅዱስነቶም ጻውዒትን ኵለንተናዊ ማሓድሮ ዝብል መሰረታዊ ትምህርቲ ቅዱስነቶም ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ንምንባር ዝተፈላለዩ ተበግስቶታት ብምንቕቓሕ ሰብኣዊ ፍጥረት ተራኻብን ኣብ መንጐ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘሎ ተማራዃስነት ዘዘኻኽር ትምህርቶም ምስ ናይ ሓባር ቤትና ዘሎና ርክብ ጥዑይን ፍትሓውን ክኸውን ዝብል ኣምር ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምስ ዝተፈላለያ ቁምስናታት ብምትሕብባር ይዓዩ ከምዘለዉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።

ይሴባሕ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ናይ ምልዋጥ ታሪኽ
ይሴባሕ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ናይ ምልዋጥ ታሪኽ

ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ጭቡጥ ዕለታዊ ሕይወት

ኣብ ኵዊንላንድ መንበረ ጥበብ ናይ ኤውሮጳ ዘመነ ምንቕቓሕ መምህር ናይ ታሪኽን ፍልስፍናን ሊቕ ፐደን ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእከለ ምንቕቓሕ ካብ ዘካይዱ ዓሰርተ ሺሕ ዜጋታት ዝሓቁፍ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ሓልዮ ናይ ከባቢ ኣየር ማሕበር ሓደ ከምዝኾኑን እቶም ኣባላት ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር፡ ኣብቲ ኣባል ዝኾኑሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ክውንነት - ቍምስናታትን ዝተፈላለያ ማሕበራትን መንፈሳዊ ማሕበራትን - ዝዋስኡ ከምዝኾኑን ፕሮፈሰር ፐደን ኣብ ኦኮኖር ቅዱስ ዮሴፍ ቁምስና ኣባል ኣብ ዝኾኑሉ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣስተምህሮ የቕርቡን ይዝትዩን መሰረታዊ መልእኽታ ኣብ ካቶሊካውያንን ዘይካቶሊክውያንን ቅቡል ክኸውን ስነ መጎታዊ ጭብታት ከምዘቕርቡ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ይሴባሕ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ናይ ምልዋጥ ታሪኽ
ይሴባሕ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ናይ ምልዋጥ ታሪኽ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ

ፕሮፈሰር ፐደን ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ናይ ፕረስቢተሪያን ቤተ ክርስቲያን ኣባል ዝነበሩን ንነዊሕ ዓመታት ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝነበሮም ንቑሕ ተሳትፎ ርሒቖም ከምዝጸንሑን ኣብ 2019 ዓ.ም. ናይ ካቶሊክ እምነት ተቐቢሎም ድሕሪ ምጽናሕ ከም ካቶሊክ ምእመን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብምክትታል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል መገዲ ኣብ ምልላይ ተጊሆም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጭብጥታት ምንቅስቓስ ከምዝጀመሩን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ከዕሙቑን ከንብቡን በቲ ኵለንተናዊ መልእኽቲ እናተማረኹ ከምዝኸዱ እውን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ናይ ካቶሊክ እምነትን ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምቕባሎም “ጸጋ እግዚኣብሔር” እዩ እንክብሉ ብዓይኒ እምነት ይገልጽዎ።

26 November 2020, 22:02