ድለ

ኣባ ሶርጀ፥ ኢየሱሳዊ ካህን ንሰብ በዕይንቲ እግዚኣብሔር ዘንብቡ ዝነበሩ ኣባ ሶርጀ፥ ኢየሱሳዊ ካህን ንሰብ በዕይንቲ እግዚኣብሔር ዘንብቡ ዝነበሩ 

ኣባ ሶርጀ፥ ኢየሱሳዊ ካህን ንሰብ በዕይንቲ እግዚኣብሔር ዘንብቡ ዝነበሩ

ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዝትንትን ናይ ስነ ፖለቲካ ጉዳይ ዝድህሱስ መጻሕፈት ዝደረሱን ምስግጋር፥ ቤተ ክርስቲያን ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክሳብ ሎሚ ዘርእስታ መጽሓፎም

ጥበብ ጻዕራምን መሃዛይን፥ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትን ኣብ ማሕበራውን ፖለትካን መዳይ ትፈላጥነት ዝነበሮም ንሰብ በዕይንቲ እግዚኣብሔር ዘንቡ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ባርተለመዎ ሶርገ ኣብ መበል 91 ዓመት ዕድመኦም ዕለት 2 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ከምዝዓረፉን ናይ ኢየሱሳውያን ክልተ ሰሙናዊት መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ጃኮሞ ኮስታ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ነፍሰ ሄር ኣባ ሶርገ ናይታ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኰይኖም ንብዙሕ ዓመት ከምዘገልገሉ ይዝክርዎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ባርተለመዎ ሶርጀ፥ ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ፖለቲካን ሊቅ ዕለት 2 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣ መበል 91 ዓመት ዕድመኦም ከምዝዓረፉን፥ ኣባ ሶርጀ ዕለት 25 ጥቅምቲ 1929 ዓ.ም. ኣብ ኤልባ ዴስት ሪይ ማሪና ተወሊዶምን ኣብ 1946 ዓ.ም. ኣብ ዘርኣ ክህነት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣትዮምን ኣብ 1958 ዓ.ም. ኣብ ሚላኖን ስፐይንን ሮማን ትምህርቶም ዛዚሞም ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ካብ 1973 ክሳብ 1985 ዓ.ም. ናይታ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየት ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ክልተ ሰሙናዊት መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ቀጺሎም እውን ኣብ ፓለርሞ ተመዲቦም ናይ ኣባ ኣሩፐ ናይ ፖለቲካ ስነ ሕንጸት ተቕዋም ኣመሓዳሪ ኮይኖም ዘገልገሉን ብሓባር ምስ ወዲ ማሕበሮም ኤኒዮ ፒንታኵዳ ክርስቲያናዊ ኣስተንፍሶ ዘለዎ “ሰብኣዊ ከተማ” ብዝብል መጸውዕ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝመሰረቱን ኣብ ጽድያ ፓለርሞ ዓቢይ ኣበርክቶ ከምዝነበሮም ዝንገረሎም እውን ኮዮም እዚ ጽድያ እዚ ኣብ ናይ ፓለርሞ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ተመግሶታት ዓቢይ ግደ ዘለዎን ሕጋውነትን ጸረ ማፍያነትን ባህሊ ዘበራበሩን ብፍላይ እታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 14 ግንቦት 1971 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት ኣብቲ  እዋን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 Rerum novarum - ሓደስቲ ነገራት ብዝብል ኣርእስቲ (ዕለት 15 ግንቦት 1891 ንንባብ ዝበቕዔት) ዝደረስዋ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ማሕበራዊ ሕቶ ዝምልከት መርገጺያ ዝሓበረትሉን ናይ እዋናዊ  ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ተባሂላ ዝንገረላ ምኽንያት Octogesima adveiens - ዝክሪ መበል 80 ዓመት ብዝብል ኣርእስቲ ብይብጻሕ ኣብቲ እዋን ናይ ዓለማውያን ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ምኽርን ናይ ጳጳሳዊ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ንዝነበሩ ካርዲናል ማኡሪቸ ሮይ ዘመሓላለፍዋ ናይ ክርስቲያን ምእመናንን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ግደ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ኣብ ዓንዲ ደሞክራሲ ናይ ሕብረተሰብን ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዓቢይ ዓቢይ ኣበርክቶ ምቕራብ ዘኽእል ሓድሽ ባህላዊ መንነትን እተመላኽት ሓዋርያዊት መልእኽቲ ኣብ ምስንዳው ዓቢይ ግደ ከምዝነበሮም እውን ይንገረሎም።

ኣብ 1997 ዓ.ም. ናብ ሚላኖ ተቐይሮምን መጽሓፋትን ሓጸርቲ ጽሑፋትን ናይ ስነ ባህሊ ዓውደ መጽናዕትታትን ርክባትን ዘሰናድዎን ናይታ ሕዝቢ ዘርእስታ ንምእዋን ማሕበረሰብ ናይ ዘርእስታን መጽሔት ዋና ኣሰናዳእን ኣብዘን ክልተ መጽሔታት ኣዚኣተን ክሳብ 162 ሰፊሕ ጽሑፋት ዝቕረቡን ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዝትንትን ናይ ስነ ፖለቲካ ጉዳይ ዝድህሱስ መጻሕፈት ዝደረሱን  ምስግጋር፥ ቤተ ክርስቲያን ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክሳብ ሎሚ ዘርእስታ መጽሓፎም ናይ በነዲክቶስ መበል 16 “ጠመተኦም ናብ እግዚኣብሔር ትኽ ዘበሉ ካብኡ እውነተይና ሰብኣውነት ዝተማህሩን ሰባት የድልዩና፡ ቀልቦም ንቀልቢ ካልኦት ክዛረብ መታን ልቦም ንናይ ካልኦት ልቢ ርህው ክኸውን መታን ቀልቦም ብናይ እግዚብሔር ብርሃን ዝበረሄን እግዚኣብሔር ልቦም ዘርህወሎም ሰባት የድልዩና” ዝበለዎ ሓሳብ ብዘፊሕ ዝጠቐሱላ መጽሕፎ ናይ “ማሕበራዊ እዋነ” ወግዓዊ መርበብ ሓበሬት የዘኻኽር።

04 November 2020, 15:03