ድለ

``ንመን ክንልእኽ ኢና፡ መን`ከ ኪኸደልና`ዩ? ሽዑ አነ እንሆኹ ልአኸኒ በልኩ`` (ኢሳ 6፡8)

ሚስዮናውያን ካህናትናን ደናግልናን ተሓጒሶም! ሚስዮናውያን ካህናትናን ደናግልናን ኣመስጊኖም! ምእመናን ካርቱም፡ ሎሚ ዓርቢ ዕለተ 30 ጥቅ. 2020፡ ብፍሉይ ንካህናትናን ደናግልናን፡ ዘኪርና ውዒልና።
ብድምጺ ንምክትታል!

ምእመናን ካርቱም፡ ሎሚ ዓርቢ ዕለተ 30 ጥቅ. 2020፡ ብፍሉይ ንካህናትናን ደናግልናን፡ ዘኪርና ውዒልና። ናብቲ መደብ፡ ተዓዲሞም ዝመጹ ጥቀ ክቡር አባ አንተ ቪዶቪክ (Rev. Father Ante Vidovic) ጸሓፊ እንደራሴ ሃገረ ቫቲካን፡ አባ ቦኒ፡ ኮምቦናዊ ሚስዮናዊ ወዲ ፍሊፒን፡ ሓያሎ ደናግል ኮምቦኒ፡ ደናግል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ፡ መማህራን ትምህርተ ክርስቶስ ተረኺቦም ነበሩ።

አብ መኽፈቲ መደብ፡ አባ ክፍለኢየሱስ ብጸሎትን ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩምን ንግግር ብዓረበኛን ትግርኛን አስምዑ። ጽማቕ ትሕዝቶ ዘረባኦም፡

-        እግዚአብሄር ንልኡካነ ወንጌል ዝኾኑ ካህናትናን ደናግልናን ዝሃበና ወትሩ ከነመስግኖ ይግብአና። ከመይ ንሶም እዮም ነቲ ዝዓበየ ህያብ፡ ንሱ ክርስቶስ ብርእሱ ዘውሃቡና።

-        ኩላትና ፍረ ስብከት ልኡካነ ወንጌል ኢና።

-        ዓለምና ብዘይ ካህናትናን ደናግልናን፡ እንታይ ምመሰለት?!

-        አቦና ር. ሊ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ``ንመን ክንልእኽ ኢና፡ መን`ከ ኪኸደልና`ዩ? ሽዑ አነ እንሆኹ ልአኸኒ በልኩ`` (ኢሳ 6፡8) ንዝበልዎ ደጊሞም፡ መንእሰያትና አብ ሕይወትኩም፡ ነዚ ዕድመዚ ጽን ትብልሉ ኩነታት ፍጠሩ

-        ሎሚ መንእሰያትና አሰናድዮምዎ ዘሎዉ መደብ ነዚ ዘዘኻኽር ኢዩ፡ ድሕሪ ኢሎም፡ መደብ ዕለቱ ዘርዚሮም ነገሩ።

ቀጺሉ ብመንእሰያት ቊምስና ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ንወርሒ ዝኸውን ዝተሰናደውሉ፡ ኩሉ ንስብከት ወንጌል ዝምልከት፡ ተዋስኦ፡ መዛሙርን ግጥም ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ካቶሊካውነት ብግብሪ (catholicism in Action) ዚብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ትሕዝቶ ነበሮ።

ድሕሪ መደብ መንእሰያት፡ ንኹለን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን አደታት ወኪለን፡ ወ/ሮ ሜለ ወልደስላሴ፡ ንርእሰን አብ ሆስፒታል መወልዳን ደናግል ኮምቦኒ (ሙስተሽፋ አ-ራሒባት) ተወልዲደን፡ አደ ምስኮና ከአ ክልተ ደቀን አብዚ ሆስፒታል`ዚ ተገላጊለን፡ ሕጂ ከአ ንሳልሳይ ውሉደን አብኡ ክገላገላ ብጽሕቲ ወርሒ ኮይነን ዘሎዋ፡ ነቲ ኩሉ በዘን ልኡካነ ወንጌል ዝኾና ደናግል ኮምቦኒ፡ ዝተገብረለን ዘኪረን፡ ምስጋንኤን ንአገልግሎተን ዘሎወን አድናቖት ገለጻ።

ካብዚ ቀጺሉ፡ ያሬዳውያን ጥዑም ዜማኦም እናገበሩ፡ ምእመናን ነቲ ከም ዓቕሞም፡ ንሚስዮናውያን ዝኸውን ሓገዝ አእትዮም ክመልስዎ ዝተዓደልዎ ሰታሪ ተአከበ። ጠቕላላ ዝተመጽወተ ገንዘብ 147, 000 ጂነ ኮነ።

ቀጺሉ ብአባ ቦኒ፡ ክሳብ 2,007፡ አብ ሃገርና ሰበኻ ባረንቱ፡ ንሰለስተ ዓመት ዘገልገሉ ሚስዮናዊ፡ ዝተመርሔ መስዋዕቲ ቅዳሴ  ስዓበ። አባ ቦኒ ዘስምዕዎ ስብከት፡ አብቲ ዝተነበ ንባብ ወንጌል ዕለቱ፡ ማቴ. 22:15-21 ዝተተሓሓዘ ኮይኑ፡ ናይ ቄሳር ንቔሳር፡ ናይ እግዚአብሔር ከአ ንእግዚአብሔር ሃቡዎ`` ዝብል አርእስቲ ነበሮ። ሓደ ሓደ ካብቲ ንምእመናን ዝተንከፈ ሓሳቦም፡

ብ2004፡ ሓዲስ ካህን ኮይነ ናብ ኤርትራ ተመዲበ ከድኩ። ኤርትራ እምበአር እታ ቀዳመይቲ ፍቕረኛ ናተይ/my first love እያ። አብኡ ምኻደይ ነቲ ካብ አምላኽ ብጸጋ ጥምቀተይ ብነጻ ዝተዓደልክዎ ናብ እግዚአብሔር ንምምላስ ነበረ። ነፍስወከፍና ከአ፡ በብመንገድና፡ ናብ እግዚአብሔር ክንመልሶ ዘሎና ትዕድልቲ ዘሎና ኢና። ንዓ ካብ ኤርትራ ጠቕሊልካ ውጻእ ዝብል ውሳኔ ምስ መጻኒ ከኣ፡ ከምቲ ካብ ናይ ፈለማ ፍቐረኛኻ  ምፍላይ ብዙሕ ስቓይ ዘኸትለልካ፡ ንዓይ`ውን ከምኡ አኸቲሉለይ። መዓስ ኮን ምስዛ ቀዳመይቲ ፍቕረኛይ ዝኾነት ሃገርኩም፡ ንካልአይ ጊዜ ይምለሳ ይኸውን?! ሓደ መዓልቲ እምነ። ብዝኾነ አምላኽ ግን ቦታ አይስእነልናን`ዩ። ንዓይ ሃገር ሱዳን ረኺቡለይ። ንስኻትኩም ከአ፡ ዓድኹም፡ ባህልኹም፡ ቋንቋኹም እቲ ቀዳማይ ፍቕረኛኹም ኢዩ። ነዚ ኩሉ ክትገድፉ ምግዳድኩም ስቓይ ዘሎዎ እኳ እንተኾነ፡ እግዚአብሔር  ግን፡ ነቲ ንዓኡ ዝኸውን ብሉጽ ነገር ናብኡ ክትመልስሉ፡ ቦታ አይስእነልኩምን ኢዩ። ስለዚ አብ ምምላስ አይትሕመቑ። ብዕሽርኩም ንቤ/ያንኩምን ጽጉማት ወገናትኩምን ተስፋ ትህቡ ኲኑ። ጉልበትኩም ጊዜኹም ሓደ ሓደ ካብቲ ብሉጽ ናብ እግዚአብሔር ክንመልሶ ዘሎና፡ ናይ ቄሳር ንቔሳር፡ ናይ እግዚአብሔር ከአ ንእግዚአብሔር ዝብለና ኢዩ በሉ።(ንምሉእ ትሕዝቶ ስብከቶም አብ facebook ‘Catholic Khartoum Parish Activities) ተመልከቱ።

ድሕሪ ቅዳሴ፡ ዝተመጽወተ ገንዘብን፡ ተወሳኺ ህያባትን፡ ንካህናትናን ደናግልናን፡ መማህራን ትምህርተ ክርስቶስን ተዓደለ።

አብ መጨረሽታ፡ አባ ክፍለኢየሱስ፡ ብሓፈሻ ንኹሎም ነዚ ዕለት`ዚ ከምቲ ጸቢቑ ዝሓለፈ ኮይኑ ንኽሓልፍ አበርክቶ ዝገበሩ በብሓደ አመስገኑ። ብፍላይ ከአ፡ ንመንእሰያትን፡ ከምኡ`ውን ነዚ ዕለት`ዚ፡ ምሳሕ ዝኸውን ሓሓደ መአዲ አብ ገዝኤን ሰሪሔን ንዘምጽአ አደታት፡ ንሳተን ከአ፡

ማማ ታቦቱ፡ ማማ ኣባዲት፡ ማማ ንግሳ፡ ማማ ኤልሳን ማማ ሳባን፡ ካልኦት ብዙሓት፡ ሓደ ክልተ ሕምባሻ ንዘምጽሓ ሕያዎት አደታት ብልቢ አመስገኑ።

ድሕሪዚ መደብ`ዚ፡ ንዕድማት፡ አባላት ቤት ምኽሪ፡ ኩሎም መንእሰያት መደብ ምሳሕን ቡንን ቀጸለ። በዚ ከአ ፍጻሜ ዕለቱ ኮነ።

ኲሉ ንኽብሪ እግዚአብሔር ይኩን!

አባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴ

01 November 2020, 12:00