ድለ

ካርዲናል ሾንቦርን፥ ንዕዉር ጽልኢ ግብረ መልሲ ካልእ ጽልኢ ኣይኮነን ካርዲናል ሾንቦርን፥ ንዕዉር ጽልኢ ግብረ መልሲ ካልእ ጽልኢ ኣይኮነን 

ካርዲናል ሾንቦርን፥ ንዕዉር ጽልኢ ግብረ መልሲ ካልእ ጽልኢ ኣይኮነን

እቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ዘጋጥም ዘሎ እዩ፡ እቲ ኣብ ኦስትሪያ ዝተፈጸመ ናይ መወዳእታ ግብረ ሽበራ ኣብ 1981 ዓ.ም. ኣብ ሳይተንስተንጋሰ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ (ቤተ ኣይሁድ) ዝተፈጸመ እዩ

ናይ ኦስትሪያ ርእሰ ከተማ ቪየና ሊቀ ጳጳሳት Orf - ኦኤርኤፍ ንእተሰምየ ንናይ ተለቪዥን ጣቢያ ብዛዕባ እቲ  ኣብ ቪየና ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ክትገልጾን ክትግምቶን ዘይከኣል ጽልእ ኣብ ሓደ ሰብን ብሓደ ሰብን ክግለጽን ኣብ ብዙሓት ሰባት እውን ቃል ቃል ዝብልን ብዙሓት ንጹሓን ዜጋታት ንሞትን ፎኪስን ከቢድን ማህሰይት ዝዳረገ እውን ኣንተኾነ ነዚ ዕውር ጽልኢ መልሱ ካልእ ጽልኢ ክኸውን ኣይግብኦን ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጽልእ መልሲ ክኸውን ኣይኽእልን! ነዚ ሓሳብ እዚ ዘስመርሉ ናይ ቪየና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንቦርን ብዛዕና እቲ ኣብ ቪየና ዕለት 2 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ምስ ኦኤርኤፍ እተሰምየ ናይ ኦስትሪያ ናይ ተለቪዥን መደብር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ በቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ሓሙሽተ ንጹሓን ዜጋታት ግዳይ ከምዝኾኑን እቲ ነቲ ግብረ ሽበራ ዝፈጸመ እውን ከምእተቐትለ ክሕበር እንከሎ፡ ብጹዕነቶም ነቲ ህልው ኩነታት ለብዒ ኣብ ግምት ብምእታው ምፍንታት እውን ይሃሉ ብዕምቆት ናብ እተስተንፍሰሉን ብጽሞና ጸሎት ናብ እተዕርገሉ ስፍራ ብምኻድ እውነተይና ምጽንንዕ ምንዳይ የድሊ ኢሎም።

ኣሸበርቲ ብዙሕ እዋን ኣብ ሕብረተሰብ ፍርሒ ንምዝራእን ምግምማዕ ንምስራጽ እያቶም ዝደልዩ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ብኸመይ እዩ ክብዳህ ዘለዎ?

እቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ዘጋጥም ዘሎ እዩ፡ እቲ ኣብ ኦስትሪያ ዝተፈጸመ ናይ መወዳእታ ግብረ ሽበራ ኣብ 1981 ዓ.ም. ኣብ ሳይተንስተንጋሰ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ (ቤተ ኣይሁድ) ዝተፈጸመ እዩ፡ ኣብ ኣውስትሪያ ኩነታት ዝተረጋገኤን ምዕሩይን ሕዝቢ ጽቡቕ ናብራ ዝነብረላን ሃገር እያ፥ እግዚኣብሔር ይመስገን ኩሉ ብጽቡቕ ዝነብረላ ሃገር እያ፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ዝተረጋገአትን ውሕስነት ኣብ ዝረኣየላ ሃገር ኢና እንነብር፡ ጽልኢ ፈጺሙ መልሲ ክኸውን ኣይኽእልን፡ ምኽንያት ጽልእ ጽልእ እዩ ዝወልድ፡ እዚ እዩ እት ግብረ ሽብራ ኣብ ዝተፈጸመላ ለይቲ ተመክሮ ዝገበርናዮ፡ ክትገልጾን ክትግምቶምን ዘይከኣል ኣብ ሓደ ሰብን ብሓደ ሰብን ዝስትርእይ ክትገልጾን ዘጸግም ጽልእ ኣብ ሓደ ሰብን ኣብ ብዙሓት ሰባት እውን ቃል ቃል ዝብልን ብዙሓት ንጹሓን ዜጋታት ንሞትን ፎኪስን ከቢድን ማህሰይት ዝዳረገ እውን ኣንተኾነ ነዚ ዕውር ጽልኢ መልሱ ካልእ ጽልኢ ክኸውን ኣይግብኦን፡ እዚ እዩ እቲ መልእኽቲ ንዓይ እንክብሉ ይምልሱ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ ዓመጽን ጽልእን ደው ይበል ዝብል ለበዋኦምን እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ንብዙሓት ሰባት ፍርሕን ዘይምርግጋእን ክስምዖም ይገብር ኣሎ፡ ኣብዚ ጽንኵር እዋን ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ መስፈርቲ እያ እተጸናንዕን እተበራትዕን?

ዋላ’ኳ ምፍንታት ይሃሉ ኣብዚ እዋን እዚ ንዓና ቃል ር.ሊ.ጳ. ኣገዳሲ እዩ፡ ኣቢያተ ክርስቲያ ርህዋት ክኾና እዩ ድላይና፡ እተኸዶን ብጥልቂ እተስተንፍሰሉን ብጽሞና ጸሎት እተዕርገሉን ምጽንናዕ እተረኽበሉን፡ በታ ለይቲ  እቲኣ ንዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ኣባይቲ ስድራ ንዅላትናን ጸሎትን ሰናይን ተመንየን ምእንቲ እዚ ውን ጸልየ፡ ንሓድ ሕድና ጽቡቕና እንደላለይ እንተድኣ ኴይንና ስምባደን ፍርሕን ካልእ ኣይክህልወናን እዩ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዛይዱ ዝተራእየ ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጽው ብምዃን ከይጠፍእ ምጥንቃቅ የድሊ፡ ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ ምፍንታት ይሃልው፡ እቲ ንኻልእ ቀረባ ምዃን ብልብና እውን ክነብሮ ዝከኣል እዩ፡ እዚ ሰብኣዊ ሙቐት ካብቲ ናይቲ ጽልእ ቀዝሒ ዝበርትዔ እዩ፡ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን ኢሎም።

ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ስቲፋኖስ ምእንቲ እቶም ግዳይ ዝዀኑ ናይ ፍትሓት ጸሎትን መስዋዕተ ቅዳሴን ክህሉ ድዩ?

ናይ ፍትሓት ጸሎትን መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸነዕርግ ድላይ ኣሎና ምቅርራባት እውን ይካየድ ኣሎ፡ መዓዝ ከምዝኸውን ክግለጽ እዩ፡ ኣብታ ካቴድራል ብዙሓት ክሳተፉ ንኽንዕድም ዝከኣል ኣይኮነን እዚ ኸኣ ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ፡ ስለዚህ ኩሉ መታን ክሳተፍ ብመራኸቢ ብዙሓን ክመሓላለፍ እዩ፡ ቅድም ክብል ኣብ ቤተ ጸሎት ኣትየ ነቲ ዝኾነ ኵሉ እሓስብ ነይረ፡ ምእንቲ ኵሎም ጸልየን፡ እቲ ሰላም ኣብኡ እዩ፡ ነቶም ምእንቲ ጸጥታን ደሕንነት ህዝብን ሃገር ሕይወቶም ንሓደጋ ዘቃልዑን ጸልየን፡ ሕይወትና ብሕይወቶም ንኽውሕሱ ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ንጸልይ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

04 November 2020, 15:21