ድለ

፫ይ ሰንበት ዘጽጌ ጥቅምቲ 15 2013 ዓ.ም. (10/25/2020)

መዝሙር፡ ወመኑ መሓሪ ዘከማከ. . . . ከማኻ ዝበለ መሓሪ መንአሎ፥ ምስ ኖኅ ኪዳን ዘጽናዕካ፥ ንደቂ እስራኤል መና ዘውረድካሎም፥ ንምድሪ ብዕምባታት ዘገጽካ፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ፀሓይን ምድርን ዘሰናዶኻ፥ ኩሉ አባኻ ተስፋ ይገብር፥ ከማኻ መሓሪ መን አሎ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  1ተሰ 1፡5-10፥ ያዕ 1፡9-21፥ ግሓ 7፡23-29፥ ማቴ 22፡34-40   ምስባክ፡ “ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ፥ ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሎባኖስ፥ ትኩላን እምንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር” “ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ፥ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓብዩ፥ አብ ቤተ እግዚአብሔር ዝተተኽሉ እዮም” መዝ. 92፡12።

ምሕረት አምላኽ ርኢና ክንክእል እሞ አብቲ መሓሪ አምላኽ ክንምለስ ዝዕድመና ሰንበት። ንሰናይ አድኒቑ ዝክእል ሰብ አብ ዕሞቕ ምስጢር ነገራት ክአቱ አይከብዶን እዩ። ነቲ ኹሉ ዝገበረለይ አምላኽ እንታይ ሞሳ ክመልሰሉ እየ ኢልና ክንሓስብ ናይ ሎሚ ንባባትናን መዝሙርና የዘኻኽሩና። አምላኽ ፍቕሩ ገሊጹልና እዩ፥ ሎሚ ፍቕርና ክንገልጸሉ ንዕደም አሎና።

ዘሎናዮ እዋን ብማርያም አቢልና ናብ ኢየሱስ ወዳ ክንቀርብ፥ ፍቕሩ ክትገልጸልና ንሕና እውን ተአምኖናን ፍቕርናን ክንገልጽ ዝሕግዘና እዋን ኢና ዘሎና። ማርያም ምስ አምላኽ ዘወሃህደና ነገራት ክንገብር አብነትና እያ። ንሳ “እቲ ዅሉ ዝኽእል አምላኽ ዓበይቲ ነገራ ገሩለይ እዩ እሞ ስሙ ቅዱስ እዩ እናበለት ክተመስግን ንሰምዓ። ንሳ ንጉዕዞ ሰማይ ሓንሳብ ምስ ሓዘቶ አይዘንግዓትን፥ ንአምላኽ ሓንሳብ ሕራይ ድላይካ ክገብር ምስ በለቶ ንድሕሪት አይጠመተትን እኳ ድአ አብ ገለ እዋን ጽንኩር ክትርድኦ አብ ዝገጠማ ተመስገን ኢላ ተቐቢላቶ፥ አብ ቀራንዮ እቲ ሓደ ወዳ አብ መስቀል ክመውት ክትርኢ እንከላ ተመስገን እያ ኢላ፥ ማርያምከስ አብ ኩሉ አብነትና ገርና ክንጉዓዝ እንተ ኸአልና መገዲ ሰማይ ሒዝና አሎና ማለት እዩ።

ናይ ሎሚ አስተንትኖና አብ ማቴዎስ ዝጸሓፎ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝርኢ እዩ። ቅ. አጎስጢኖስ አፍቅር እሞ ድላይካ ግበር ይብል እዚ ሓሳብ ምስ እዚ ወንጌልና ይኸይድ እዩ። አብ ታሪኽ ሰብ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝርኢ ብዙሕ ተጻሒፉ ተደሪፉ፥ ተገጢሙ፥ አፍቀርቲ ብብዙሕ ክገልጽዎ ፈቲኖም ከምኡ ስነጥበባውያን ዕሞቕ ምስጢር ፍቕሪ ክገልጹ ፈቲኖም።

አብ ቋንቋ ሃገርና ፍቕሪ ክንገልጽ ከሎና ዳርጋ ሓንቲ ቃል ኢና እንጥቀም, ፍቕሪ፥ እንከሊ፥ ሻማት፥ ኩማ ወዘተ ንብል። ቋንቋ ግሪኽ አብ ምትርጓም ሓዲስ ኪዳን ዓቢ ተራ አልኦ። ፍቕሪ ዝብል ቃል አብ ቋንቋ ግሪኽ ሓምሽተ ትርጉም አለዎ (1) eros ዝብል ፍቕሪ አብ ስምዒትን ሃረርታን ድለትን ዝምስረት። እዚ አብ ሓዲስ ኪዳን አይተጠቕሙሉን አይንረኽቦን እውን። (2) Philia አብ መንጎ አዝማድ ወይ አዕሩኽ ዝግበር ፍቕሪ፥ አብ ቅ. መጽሓፍ አብ ገለ እዋን ይጥቀሙሉ። (3) Agape እዚ አብ ሓዲስ ኪዳን ብምሉእ እንጥቀመሉ ቃል እዩ። ከም መበቆል አብ ጥንታዊ ግሪኽ ንሓፈሻዊ ፍቕሪ፥ በቲ ዝተገብረ ሕጉስ ምዃን፥ ወይ ንሓደ ነገር አኽቢርካ አብ ምሓዝ ይጥቀሙሉ ነሮም። አብ ሓዲስ ኪዳን ግን ንርእስኻ ከም መስዋዕቲ ክተቕርብ እንከሎኻ፥ ንኻልኦት ኩሉ ዘሎካ አብ እትህቦ ዝግለጽ ግብሪ እዩ። እቶም ካልኦት ክልተ ቃላት ዘይጥቆሙሎም እዮም (4) storge ሓፈሻዊ ፍቕሪ ንአብነት ወለዲ አብ ደቆም ዘርእይዎ ፍቕሪ፥ (5) thelema  ሃረርታ ሓደ ነገር ክትገብር ኢልካ እትፈጥሮ ወይ ክአ ብዓቢ ግምት ሂብካ አብ ምሓዝ እተርእዮ ተገዳስነት።

አብዚ ንአና ብዝያዳ ክነተኩሮ ዘሎና አብቲ አጋፔ ዝብል እዩ፥ ንርእስኻ ብምሉእ ምእንቲ ካልኦት ኢልካ እትገብሮ መስዋዕቲ ወይ ተወፋይነት ዝገልጽ እዩ። አይሁድ 613 ሕግታት ነርዎም ካብዚኦም 248 አውንታዊ አቀራርባ ዝግለጹ 365 ከአ ብአሉታዊ ዝግለጹ። ካብዚኦም አየናይ ዝለዓለ ቀዳምነት ከምዘለዎ ክገልጹ ብዙሓት መማህራን ሕጊ ኩሉ ጊዜ አብ ባይቶ ክትዕ ነርዎም። በዚ ምኽንያት እዩ ንኢየሱስ ዝሓተትዎ። ኢየሱስ ንሕቶ ክምልስ እንከሎ መጀመርያ አብ ዘዳ 6፡5 ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብዅሉ ኃይልኻን አፍቅሮ ዝብል እናጠቐሰ ይምልስ። እዚ እቲ ቀዳማይን ዝዓበየን ትእዛዝ እንክኸውን ካልእ ንእኡ ዝመስል ካብ ሌዋ 19፡18 ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ ዝብል ይጠቅስ። አብዚ ኢየሱስ ነዚ ክልተ ትእዛዛት አብ ሓደ ገሩ ማዕረ ገሩ የቕርቦ። አብቲ ቀዳማይ ትእዛዝ ሓደ ንአምላኽ ብኹሉ ልቡ፥ ነፍሱ፥ ኃይሉ ከፍቅሮ ከምዘለዎ እዚ ኸአ እቲ ምሉእ ፍቕሪ ከምዝኾነ ክንርዳእ አሎና። ካልእ ካብኡ ዘይፍለ ንዝኾነ ሰብ ከም ርእስኻ ምፍቃር። እዚ ሓቅን ጭቡጥ ተግባራዊ ትእዛዝ ካልእ መጽናዕቲ ወይ ምርምር ዘድልዮ አይኮነን።

ኢየሱስ ነዚ ክልተ ትእዛዛት አብ ሓደ ክጥርንፎም እንከሎ ዓቢይን አገዳስ ነገርን ክብለና ስለ ዝደለ እዩ። ሓደ ሰብ ምስኡ ንዘሎ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ከየፍቀረ ንአምላኽ ከፍቅር አይክእልን እዩ። ከምኡ ሓደ ምእንቲ አምላኽ ኢሉ ወይ ንአምላኽ ከሓጉስ ኢሉ ትእዛዝ ክሕሉ አይክአልን እዩ። ከፍቅር ዝደሊ ልዕሊ እዚ ክሓልፍ አልኦ። ሓደ ናብ አምላኽ ክቐርብ ብሓደ ሰብ አቢሉ አይኮነን ዝቐርብ፥ ሓደ አብ አምላኽ ዝቐርብ አብ ሰባት ንአምላኽ ብምድላይ ብምርካብ ብምፍቃር እዩ። ኢየሱስ ንርእሱ ምስ ድኻታት ምስ ዕሩቓትን ጽሙአትን ምስ ሕሙማት ምስቶም አብ ማእሰርቲ ዘለዉ እዩ ዘወሃሃድ። ኢየሱስ ምስቶም ብዝያዳ ፍቕርን ሓልዮትን ዘድልዮም እዩ ብዝያዳ ዝርከብ። ኢየሱስ ምስቶም መጻጉዕ ዝሓመሙ፥ አብቶም ኤይድስ፥ ድራግ ዝጸገሞም፥ ምስቶም ግዳም ሓደር እዩ ዝርከብ። ወላ አብቶም ጸላእተይ ንሕይወተይ ዘፍርሑኒ አብኦም እዩ ዝርከብ።

እዞም ትእዛዛት ንአምላኽን ብጻይን ምፍቃር ዝብሉ አብ ትሕዝቶ እንተ ረአና ትእዛዛት ክንብሎም አይንኽእልን ኢና። ፍቕሪ ፍቕሪ ክንብሎ አይክአልን እዩ አብ ነጻነትን ካብ ልቢ ዝነቐለ እንተ ዘይኮነ። ኢየሱስ ዝብሎ ዘሎ ትእዛዝ ወይ መምርሒ ዘይኮነስ ሓባራዊ አቀራርባ ሕይወትን ምስ ካኦት ክህልወና ዘለዎ አቀራርባን እዩ። ሓደ ትእዛዝ ክልተ ዘይፈላለ ክፍሊ ዘልኦ እዩ። እቲ ቀንዲ ቃል ፍቕሪ እዩ ዝብል እንተ ኾነ ሰለስተ ፍቕሪ እዩ ዘሎ፥ ፍቕሪ አምላኽ፥ ፍቕሪ ብጻይን ፍቕሪ ርእስኻን። ብርግጽ ፍቕሪ አምላኽ ልዕሊ ኹሉን ምንጪ ናይ ኩሉ ነገርን ሕይወትን ብቀዳምነት ዝመጽእ እዩ። ድሕሪኡ ከም ባህርያዊ ውጽኢት ክንርእዮ እንኽእል አብቶም ኩሎም አምላኽ ዝነብርን እቶም ኩሎም አምላኽ ዝፈጠሮምን፥ እዚ ኽአ ንሳቶም ተኻፈልቲ አብ ባህርዩ ስለ ዝኾኑ አብ ናተይ እውን ይካፈሉ እዮም። አብ መጨራሽታ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍቕሪ። አነ እውን ክፍቀረ ዘሎኒ እየ።

ነዞም ዝጠቐስናዮም ነገራት አብ ግብሪ ክነውዕሎም እንተ ኾና መስርዖም ክንቅይሮ አሎና። ናይ ገዛእ ፍቕሪ አብ ፍቕሪ ካልኦት ከማና ዝበሉ የብጽሓና፥ ፍቕሪ ካልኦት ከአ አብ አምላኽ የብጽሓና። ዝኾነ ኾይኑ ፍቕሪ ርእስኻ መሰረታዊ ፍቕሪ እዩ። ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ብዙሓት ንርእሶም አይፈትዉን። ስለምንታይ ኢና ካልኦት ብዛዕባና ክፈልጡ ዘፍርሓና? ስለምንታይ እየ አነ መን ምዃነይ ክነግር ዝፈርሕ? ብርግጽ እቲ ሓቂ ብዙሓት ሰባት አብ ውሽጦም ንገዛእ ርእሶም ብዙሕ አይፈትዉን እዮም ካብዚ ዝተላዕለ ኸአ ሓደ ዝፈትዎም ዘሎ ወይ ክፈትዎም ዝኽእል ዘሎ ኮይኑ አይርአዮምን።

ንገዛእ ርእስና አብ ምፍታው ጸገም እንተ አሎና ንኻልኦት ክንፈቱ ኸአ ጸገም ክህልወና እዩ። ንርእሰይ ከፍቅር ከሎኹ ከምዘለኽዎ እየ ንርእሰይ ዝቐበል፥ ነቲ ጽቡቕን ሕማቕን አባይ ዘሎ ካብ ካልኦት ከይሓባእኩ እየ ዝቕበል። ካልኦት ብዛዕባይ ዝብልዎ አይግድሰንን እዩ። ሰባት ብዛዕባይ ገለ ዝብሉ እንተ ኾይኖም እዚ ጸገሞም እምበር ጸገመይ አይኮነን። ከምዚ ክኸውን እንከሎ ብዛዕብኦምን ብዛዕባ ዘድልዮም ነገራት ክሓስብ ብዙሕ ጊዜ አሎኒ። ድሕርዚ ብነጻነት ክረኽቦምን ብዛዕብኦም ክግደስን ነጻነት አሎኒ። ብሓጺሩ ከምቲ አነ ዝነብሮ ንብጻየይ ከፍቅሮ ክጅምር እኽእል ምኽንያቱ ንርእሰይ ስለ ዘፍቅር። 

ድሕሪዚ ንአምላኽ ምፍቃር ዝብል ሕቶ አሎ። አምላኽ አፍቅረካ እየ ምባል ዝቐለለ ነገር እዩ። እንተ ኾነ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ብዛዕባ ንአምላኽ ምፍቃር ዝብል አብ ሕይወተይ ፍቕሪ እንታይ ከምዝኾነ ተመክሮ ዘይብለይ እንተ ኾይነ ንሰባት ምፍቃርን ብሰባት ምፍቃርን ከቢድ እዩ። አነ ንአምላኽ ከፍቅር ዝኽእል ተመክሮ ፍቕሪ ክህልወኒ እንከሎ ጥራሕ እዩ፥ ማለት አብ ዕለታዊ ሕይወተይ ዘሎኒ ርክብ ምስ ርእሰይን ምስ ሰባትን እዩ አብ ፍቕሪ አምላኽ ዘሳግረኒ። ፍቅሪ አብ ዘለዎ አምላኽ አሎ። ምሉእ ሕይወተይ አብ ባሕሪ ፍቕሪ ክፍቀር ይክአል እዩ ከምኡ ክውሃብን ተቐባልነት ክረክብ ይኽእል እዩ።

ድሕርዚ ትእዛዛት ኢየሱስ ክነለልዮም ንኽእል። አብ ሕይወተይ ብኻልእ ሰብ ከምዝፍቀር ብዕምቆት ክርእዮን ክፈልጦን እኽእል ከምኡ ፍቕሪ አምላኽ በዚ ሰብ ገሩ ይመጸኒ ከምዘሎ ከስተውዕል እኽእል። ኩሉ ሓቀኛ ፍቕሪ መግለጺ ህላዌ አምላኽ አብ መንጎና እዩ። ፍቕሪ አብ ዘለዎ አምላኽ አሎ። ብዙሕ ጊዜ አምላኽ አባይ ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልጸለይ በቶም አብ ሕይወተይ ተራ ዘለዎም ሰባት ገሩ እዩ ዝገልጾ። ንሶም ከፍቅሩኒ እንከለዉ የፍቅረኒ፥ ንአምላኽ ዘፍቅሮ ንአኣቶም ከፍቅር እንከሎኹ እዩ። ከምዚ ክኸውን እንከሎ አብ መጨረሽታ ሰለስተ ፍቕሪ ዘይኮነ ሓደ ፍቕሪ እዩ ዘሎ።

አብ መወዳእታ ክንፈልጦ ዘሎና እዚ ፍቕሪ እዚ ዓለማዊ ወይ ሥጋዊ ፍቕሪ አይኮነን። እዚ ፍቕሪ እዚ ከምቲ አብ ዘፀአት 22፡20-26 እነንብቦ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ማዕረ ገርና ብሓቅን ፍቕርን ክንርእን ክነኽብርን እንከሎና እዩ። እዚ ክሳብ እቶም ሕማቕ ዝገብሩን ወላ ክሳብ እቶም ክጎድኡና ዝሓስቡ የጠቓልል። አብ ውሽጢ ልቢ ነፍስወከፍ ሰብ አትዩ ነቲ ዝጸበቐ ንካልኦት ክትሓስብ። ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ዝብሎ አብ ማእከልኩም እንከሎና እንታይ ዓይነት ሕይወት ንነብር ከምዝነበርና ትዕዘቡ ነርኩም ኢኹም፥ ነቲ ቃል ብምቕባልኩም ሰዓብትናን ስዓብቲ ጎይታናን ኮንኩም። እዚ መሰረት ወይ ሕመረት ስብከተ ወንጌል እዩ። እዚ ንሰባት ክርስትያን ምግባር ምጥማቖም ጥራሕ አይኮነን፥ ብህድአት ቀስ ኢላክ ንሰባት ምምርሖም ንአምላኽ ዝረኽቡሉ መገዲ ከምዝሕዙ ምግባር፥ አምላኽ ክሳብ ክንደይ ከምዘፍቅሮም ምግባር ከምኡ አብቶም ዘፍቅርዎም ንአምላኽ ከምዝረኽቡ ምግባር።

አነ ንርእሰይ መን ምዃነይ ዝብል አነ ንኻልኦት መን ምዃነይ ከምኡ ካልኦት ንአይ መን ምዃኖም እሞ ሽዑ ኩልና ብሓባር ከምቲ ንሱ አባና ዝመጽእ ንሕና አብ አምላኽ ክንከይድ።

ፍቕሪ እምብአር መሰረት ሕይወት እያ፥ ፍቕሪ እንተ ዘየለ ብዓቢኡ አምላኽ የለን ድሕሪኡ ኩሉ አባና የለን፥ አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ሰላም ቅሳነት ዕብየት ሓልዮት ምክብባር መሰል ኮታስ ኩሉ ይጎድሎ። መለልዪ ክርስትያን ፍቕሪ እዩ፥ ንኻልእ ክነፍቅር ትእዛዝ እዩ ምኽሪ አይኮነን። እምብአር ንአምላኽን ንሓውናን ንሓፍትናን ክነፍቅር ትእዛዝ አምላኽ እዩ።

ማርያም አደና ወደይ ዝበለኹም ግበሩ ክትብለና ከላ ተፋቐሩ ተምሓሓሩ ሰላም ግበሩ ልዕሊ ኹሉ ንአምላኽ አፍቅሩ እያ እትብለና እሞ ኦ ማርያም አደና አብ ፍቕሪ ወድኽን አብ ፍቕርኽን ከም እንአቱ ግበርና እናበልና ንለምና። ጸሎታን ልመንአና አብ ኩሉ ፍቕርን ሰላምን ወዳ የውርደልና። 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

23 October 2020, 13:27