ድለ

፪ይ ሰንበት ዘጽጌ ጥቅምቲ 8 2013 ዓ.ም. (10/19/2020)

መዝሙር፡ ኪነ ጥበቡ መንክር ውዕጹብ. . .“ሥራሕ ጥበቡ ዘገርምን ዘደንቕን እዩ፥ እቲ አብ ሰማየ ሰማያት ዘሎ አባና ምሕረቱ ገለጸ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ አብሪሁ ዝኸለሎ፥ ንምድሪ ብጽሩይ ዕምባባ ዘገጻ፥ ሰንበት ከም ንቡር ከዕርፉ ምእንቲ ዝሰርዐ፥ መአዛ ቅዱሳን ከም ሽቱ ሊሊ አብ ቆላታት፥ቃርፋን ናርዶስን ዓምበቡ” ይብል።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሮሜ 10፡14-ፍ፥ ራእ 14፡1-6፥ ግ.ሓ. 17፡23-ፍ፥ ማቴ 7፡15-ፍ።    ምስባክ፡ ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ ወሰብእሰ ከመሳዕር መዋዕሊሁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ። “ኦ ጎይታ መረት ምዃና ዘክር፥ ሰብ ከም ሳዕሪ ምዃኑ መዋዕሉ ከም ዕምባባ በረኻ ከምኡ ከም ዝፈሪ ዘክር”

ካልአይ ሰንበት ዘጽጌ ካብ ማርያም እንምሃሮ ነገራት ክነስተንትን ይሕግዘና። ናይ ዕለቱ መዝሙር ከም ዝሕብሮ ሰማያዊ አቦና ምሕረቱ ብዝተፈላለየ መገዲ ገሊጹልና፥ አብዚ እዋን ምስ ማርያም ክንጉዓዝ እሞ ሰበኽቲ ወንጌል ክንከውን ንሕተት አሎና። ማርያም ቀዳመይቲ ሓዋርያ ዝብል አብቲ ማርያም አደ አምላኽ ዝብል ዝተመስረተ እዩ። ኩሉ አብአ ዘሎ ካብዚ አደ አምላኽ ብምዃና እዩ ዝምንጩ። አብ ምዕራባዊ ዓለም ዘሎ አተሓሳስባ ከአ ናይ ማርያም ሓዋርያነት አብቲ ንወዳ ዘርአየቶ ተአዝዞ ዝተተሓሓዘ እዩ ይብሉ። ንሳ ብምእዛዛ ነቲ ብቀዳመይቲ አደና ሔዋን ብዘይ ምእዛዛ ዘጥፋእናዮ እንደገና ከም እንረኽቦ ገራ። ቀዳሞት አበው ነዚ ብዝያዳ ይገልጽዎ፥ ቅ. ኢረነዩስ (120-202) አቢሉ ዝነበረ ሔዋን ምስ ሰይጣን ተሓባቢራ ሞት አምጺአትልና ማርያም ግን ምስ አምላኽ ተሓባቢራ ሕይወት አምጺአትልና ይብል። ናይ ማርያም ምትሕብባርን ተአዝዞን ሞራላዊ ስነ ምግባር አስዒቡ ማለት ገብርኤል መልአኽ ምስ አበሰራ ብነጻ ሓሳባ ሂባ። ተአዝዞአ ብድርኺት ወይ ብተጽዕኖ አይኮነን ንጹር ራእይን ዘይወላወል ድለት ገራ ንመደብ አምላኽ አብ ግብሪ ክተውዕል ምሉእ ድለት አርእያ።

ትልእኮ ማርያም ምስ ወዳ ካብ መጀመርያ ስብከቱ እዩ ነሩ። አብ ቃና ዘገሊላ ምስኡ ተጓዒዛ፥ አብ ኩሉ እዋን ምስኡ ትጉዓዝ ነራ። ቅ. አጎስጢኖስ ከም ዝብሎ ማርያም አደን ሓዋርያን እያ። እቲ ብወዳ ዝተባህለ “እቶም ንቃል ወዳ ሰሚዖም አብ ግብሪ ዘውዕልዎ ብጹአን እዮም” (ማር 3፡35፥ ሉቃ 11፡27) ብቀዳምነት ንማርያም እዩ ዘስምዕ።

ጎቦ ቀራንዮ ንመስዋዕቲ ክድይብ እንከሎ ማርያም አብ ጎኑ እያ ትጉዓዝ ነራ ብመንፈስ ምስ ወዳ ተሰዊአ። ስለዚ ማርያም ንወዳ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ብእምነት ስዒባቶ በዚ ቀዳመይቲ ሰባኺትን ረድእን ወዳ ንብላ። ድሕሪ ሞት ወዳ እውን ነታ ቀዳመይቲ ማሕበር ወዳ ብሓባር አኪባ ተጸልያ ተጸናንዓ ብዝያዳ መንፈስ ወዳ ክትቅበል እሞ ንስብከት ክትወፍር ትቕርባ ነራ። ስብከተ ወንጌል ብማርያም ክምእከል እንከሎ ፍረ አለዎ።

በዚ መዓልቲ ስብከተ ወንጌል አብ ምሉእ ዓለም ዘኪርና አሎና በዚ አጋጣሚ ብፁእ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ሓደ ሓቢርና ምእንቲ ስብከተ ወንጌል ክንጽሊ ይሓቱና አለዉ። ከምቲ ጳውሎስ ሓዋርያ ዝብሎ “ብዙሓት ወንጌል አይተቐበሉን አለዉ” ስለዚ አብ ኩሉ ክበጽሕ ተራ ናይ ኩሉ አማናይ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አቦና ፍራንቸስኮስ ነዚ ዕለት ክገልጹ እንከለዉ አብ 2014 ከምዚ ኢሎም፥ ሎሚ ብዙሓት አህዛብ ንኢየሱስ ዘይፈልጡ አለዉ። በዚ ምኽንያት ስብከት አብ አህዛብ ልዕሊ ኹሉ ህጹጽ ነገር እዩ፥ ኩሎም አባላት ቤተ ክርስትያን አብዚ ተልእኮ ክሳተፉ ጽዉዓት እዮም ምኽንያቱ ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርያ ሚስዮናዊት እያ። ንሳ ዝተወልደት ክትልአኽ እዩ። ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሓዋርያነት ፍሉይ ጸጋ ዘልኦ እዋን እዩ ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለም ብሓደ ሓቢሮም ዝጽልዩሉን ሓቀኛ ሕብረት ምስታ ሓዳስ ቤተ ክርስትያን እትጅምር ዘላ ዝገልጹሉን እዩ። እዚ ዕለት ብዓል ናይ ጸጋን ሓጎስን እዩ። ናይ ጸጋ ብዓል ንብሎ ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ በቦ ተላኢኹ ነቶም ዝተላእኩ ጥበብን ሓይልን አብ ሥርሖም ስለ ዝዕድሎም። ናይ ሓጎስ ብዓል ንብሎ ምኽንያቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ሰማያዊ አቦ ንዓለም ክሰብኽ ዝተላእከ ሎሚ እውን ምሳና ኮይኑ ንተልእኮና ስለ ዝሕግዝ ይብሉ (ቫቲካን 8 ሰነ 2014)።

አብ ስብከተ ወንጌል ቀንዲ ሓጋዚ ጸሎት ከምዝኾነ ጳውሎስ አብ 1ተሰሎ 1፡1-5 ዘሎ እንተ አንበብና ክንርድኦ ንኽእል። ጳውሎስ ምስ ስልዋኖስን ጢሜቴዎስን ኮይኖም ወንጌል ከም ዝሰበኹ ግን እዚ ኩሉ ብሳላ ጸሎት ሰብ ተሰሎንቄ ከምዝኾነ ይገልጽ። አብዚ ናይ ጸሎት ሓገዝ አብ ስብከተ ወንጌል ከም ዝተረድኡ ንርኢ ሎሚ እውን ብፍሉይ ምእንቲ ስፍሓተ ወንጌል ፍሉይ ጸሎት ክነዕርግ የድሊ። ንሕና ንዘርእ አምላኽ ግን የብቁል የፍሪ (1ቆሮ 3፡6)። ኵልና አብ ካልእ ሃገራት አብ ስብከተ ወንጌል ክንከይድ ግድነት አይኮነን አብ ዘለሎናዮ ኮና እውን ፍረ ክነፍሪ ንኽእል ኢና። ቅ. ተረዛ ብዓልቲ አቪላ አብ ምስዮን ከይዳ አይትፈልጥን እንተ ኾነ ጠበቓ ሰበኽቲ ወንጌል ትብሃል ምኽንያቱ ኸአ ቀጻሊ ጸሎታ ንዓወት ሚስዮናውያንን ስርሖም ዓቢ ውጽኢት ስለ ዝገበረ። ቅ. ጳውሎስ ንባዕሉ ጥቕሚ ጸሎት ስለ ዝተረድአ ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ፥ ስለዚ ኸአ ተስፋ ከይቆረጽኩም ስለ ዅሎም አመንቲ አብ ጸሎት ተጸመዱ፥ ምእንታይውን ክዛረብ ከሎኹ ነቲ ምሥጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ክውሃበኒ ጸልዩ (ኤፌ 6፡18-19)። እዚ ብሓቂ ጠቓሚ እዩ ምኽንያቱ ብዘይ ሓገዝ ጸሎት ሰባዂ ወንጌል አብ ስብከተ ወንጌል ከምቲ ዝድለ ከፊር ከቢድ እዩ።

ቅ. ጳውሎስ ስብከተ ወንጌል ከመይ ገሮም የሳልጥዎ ከምዝነበሩ ክሕብር እንከሎ ትልእክኦም ዝገብርዎ ዝነበሩ ብቃል፥ ብጻዕርን እምነትን አብ መንፈስ ቅዱስ ብምግባር እዩ። ብቃል ይገብርዎ ነሮም ምኽንያቱ ብዛዕብኡ ከይሰምዑኸ ከመይ ገሮም ብአኡ ኺአምኑ እዮም፥ ብዘይ ሰባኺ ኸ ከመይ ገሮም ኪሰምዑ እዮም (ሮሜ 10፡14)። ስለዚ ነቲ ሰናይ ዜና አብ ዝጥዕምን አብዘይ ጥዕም ጊዜ ክንሰብኽ አሎና ምኽንያቱ “ቃል አምላኽ ሕያውን ግብራውን እዩ፥ ካብ ዝኾነ ክልተ ዝአፉ ሴፍ ይበልሕ፥አብ መንጎ ነፍስን መንፈስን አብ መንጎ ፈላላይቶን አንጉዕን ይተርፍ” (ዕብ 12፡4)። ቃል አምላኽ ካብ ዝኾነ ባህርያዊ ነገር ብሓደ አኪብና እንርእዮ ይሕይል እዚ ኸአ ናይ ተልእኮ ምንጪ ብዝኾነ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝምራሕ እዩ። አብ ኩሉ እንኸዶ ዝመርሓናን ዘሰንየና መንፈስ ቅዱስ እዩ። ሰባኺ ወንጌል እምብአር ምስ መንፈስ ቅዱስ ሓቢሩ ክዓዪ ይግብኦ። ሰባኺ ወንጌል ድልዱል እምነት አብቲ ዝሰብኮ ክህልዎ ይግባእ። እቲ እንሰብኮ አብቲ ዘሎና እምነትን እንነብሮ ሕይወትን ዝተመስረተ ኽኸውን እንከሎ ስብከትና ፍረ ይበዝ።

አብ ስብከተ ወንጌል እንከሎና ከምዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘስተምህሮ አምላኽ ካብ ዘጋግዩና ካብቲ ሓቀኛ ጉዕዞ አብ ጓል መገዲ ከይወስዱና ክንጥንቀቅ ይነግረና፥ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ እዮም እሞ አባግዕ ተመሲሎም ካብ ዚመጹኹም ሓሰውቲ ነብያት ተጠንቀቝ ይብለና። ሕይወትና ግብርና ኩሉ ጽቡቕ ፍረ ክፈሪ እዩ ድላይ አምላኽ። እሞ አነ እንታይ እዩ ዝሓፍሶ ዘሎኹ ፍረ ክንብል አሎና፥ ግብርና ቃልና ሰናይ ክኸውን እንከሎ ንሓውና ንሓፍትና ካብ ጸጋም ንየማን ይመልሶ ስለዚ ሕይወትና ብምልኡ ሰባኺ ክከውን ይግባእ።    

ጽቡቅ ፍረ ዘይፈሪ ኩሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ ቅዱስ መጽሓፍ ብአምሳል አምላኽ ከም ዝተፈጠርና ይዛረብ ስለዚ ግብርና ኩሉ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ እዩ ክኸውን ዝግባእ እንተ ኾነ ዝርአ ንአምላኽ ዘየሓጉስ እዩ ዘሎ፥ አብቲ መልክዕ ተፈጥሮና ክንምለስ አሎና ሽዑ ጽቡቅ ፍረ ክነፍሪ ንኽእል።

አብዚ ሰንበት ስብከተ ወንጌል ተባሂሉ ዝጽዋዕ እምብአር አብ ጥምቀትና ዝተቐበልናዮ ጸጋ ክንሕድሶ ይግባእ። አብ ስብከት ክትወፍር እንታይ ምግባር የድሊ፡

1.      ንርእስኻ ሰቢኽካ ምኽአል፡ አብ ልበይ አትየ ምስ አምላኽ ዘሎኒ ርክብ ክርኢ አሎኒ። ንርእሰይ ከይፈልጥክዎ ንኻልኦት ከፍልጦ አይክእልን እየ፥ ስለዚ ቅድሚ ምስባኸይ ነቲ ዝሰብኮ አብ ሕይወተይ ናተይ ክገብሮ አሎኒ ሽዑ ከካፍሎ ቀሊል እዩ።

2.      ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ስብከት እዩ። ክርስትያን ማለት ሰባኺ ማለት እዩ። እዚ አብቲ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ኪዱ ንኹሎም አርድእተይ ግበርዎም አብ ዝብል ዝተመርኮሰ እዩ። አባላት ቤተ ክርስትያን ንሕና ኢና ስለዚ ክንሰብኽ አብ እምነትና ዘሎ ሓላፍነት እዩ።

3.      ብጸጋ ጥምቀት ሰበኽቲ ኢና። አብ ጥምቀት ካህን ንተጠማቂ ዝበርሀ ሽምዓ የቐብሎ እዚ ኸአ ነቲ ዝተቐበሎ ብርሃን ክርስቶስ አብ ኻልኦት ከብርሆ ዝሕብር እዩ። “ንስኹም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ዝበሎ ንኹልና እዩ ዘስምዕ። ብርሃን ክርእቶስ አብ ጸልማት ንዘሎ ሰብ ክነካፍሎ ናታትና ሓላፍነት እዩ።

4.      ስብከት ግላዊ ስራሕ አይኮነን። ልአኺ ክርስቶስ ተለአኽቲ ንሕና ኢና። ሓደ መልክዕ ዝሓዘ መልእኽቲ ኢና ክነብጽሕ ዘሎና ንሱ ኸአ መልእኽቲ ክርስቶስ “ንሰባት ብርሃን አምላኽ ክርእዩ ምሕጋዝ” እዩ።

5.      ስብከትና ብክልተ አገባብ ክግበር ይክአል፡ (1) ነፍሲ ወከፍና አብ ዕለታዊ ሕይወትና ሰበኽቲ ኢና። አብ ስራሕና አብ ሓዳርና አብ ኩሉ ዕለታዊ ሕይወትና ክንሰብኽ አሎና። (2) ሕይወቶም ንስብከት ዘወፈዩ ልኡካን አለዉ። ካብ ዓዶም ወገኖም ርሒቆም አብ ስብክት ጥራሕ ዝተዋፈሩ ነዚኦም ብጸሎት ብገንዘብ ብኹሉ ክንሕግዞም ትሑዛት ኢና።

አብዚ ሰንበት እምብአር አብቲ አምላኽ ብጸግኡ ክንዓየሉ ዝሓረየና ሕይወት አቲና ንአምላኽ ክንልአኾ መልእኽቱ ክነብጽሕ ተአምኖና እንገልጸሉ ሰንበት ኢና ዘሎና። አምላኽ ሎሚ ዝልአኽዎ ይደሊ አሎ። አብዚ ወለዲ ዓቢ ተራ አሎኩም ንደቅኹም ክተዕብዩ እንከሎኹም ነዚ ክተሰንድውዎም። እዚ ሎሚ አብ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ እምነትና ሳላ እቶም ውፉያት ልኡካን ወንጌል እዩ ኮይኑ፥ ናይ ሎሚ ልኡካን ግን ንሕና ኢና። አብ ጉዕዞ ስንቂ ጽንዓት ጸሎት የድልየና እዩ መልእኽትና ብጽቡቅ ክነብጽሕ። እሞ ንለአኺ አምላኽ ወንጌልካ አብ ኩሉ ከብጽሕ ሓግዘኒ ንበሎ።

መልእኽቲ ወንጌል ምስ ማርያም ኮና ክነብጽሖ ከሎና ዓወት አልኦ። ንሳ ኩሉ ጊዜ እትብለና ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እዩ ንድላይ አምላኽ ጽን ክንብል እንከሎና ሽዑ ተሓድሶ ቅድስና አባና ክርአ እዩ። ንድላይ አምላኽ ክንሰምዕ ከሎና ካልእ ድምጺ ከይንሰምዕ ካልእ መልእኽቲ ከይነብጽሕ ዓቢ ምስትውዓልን ጸሎትን የድልየና።

ዓለምና ሎሚ ዘይድምጺ አምላኽ እትሰምዓሉ በዚሑ ደቂ ሰብ ከም ጓሳ ዝሰአና ጥሪት ኮይና ዘሎናዮ ንርእዮን ንሰምዖን አሎና ብሓቂ አብ ልብና አቲና ንቃል አምላኽ እንሰምዓሉ ኩነታት ክንፈጥር አሎና። ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ብሓቂ ዘራጊቶ እዩ ውግእ ሞት ጥፍአት ምጭኽኻን ጥራሕ ኢና እንሰምዕ ዘሎና እዚ ኸአ ቦታ አምላኽ ንስምዒትና ንድለትና ስለ ዝሃብናዮ ዝዘራእናዮ ኢና እንሓፍስ ዘሎና እሞ አብ ልብና ንመለስ። ብኽፍአተይ ብዓቢ ክፍአተይ ኢልና ካባ ንስሓ ለቢስና አብ ቤትና አብ አምላኽና ንመለስ ሽዑ ክንሰብኽ ክንጅምር ኢና።

ጸሎትን አማልድነትን ወላዲተ አምላኽ ማርያም አደና አይፈለየና። ንስከተ ወንጌል እንወፍረሉ ሓይልን ጸጋን ይዓድለና። 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

16 October 2020, 13:32