ድለ

ሰብኣዊ ሰንሰለት ንሰላም፥ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ካብ ፐሩጃ ናብ ኣሲዚ ሰብኣዊ ሰንሰለት ንሰላም፥ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ካብ ፐሩጃ ናብ ኣሲዚ 

ሰብኣዊ ሰንሰለት ንሰላም፥ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ካብ ፐሩጃ ናብ ኣሲዚ

ፐሩጃን ኣሲዚን ናይ ሰላም ርእሰ ከተማታት፥ ዕለት 10 ጥቅምቲ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝድግፉ ተግባራትን ዓለም ናይ ሰላም ስፍራ መታን ክኸውን እቲ ኢጉነትን ድኽነትን ውግእን ዓመጽን ዘስዓቦ ኣቑሳል ንምፍዋስ ኣብ ዝብል ሓሳብ መደብ ኣስተንትኖን ዘተን

በቢ ዓመቱ ከምቲ ካብ ከተማ ፐሩጃ ክሳብ ኣሲዚ ዝካየድ ምእንቲ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ነቲ ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝተንደንገገ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ መምርሕታት ብምኽባር ብመደብ ሰብኣዊ ሰንሰለት ክፍጸም ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ቅድሚ እዚ ምእንቲ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ ኣስተንትኖን ዓውደ ርክብን ከምእተኻደ ናይቲ ናይዚ መደብ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣወሃሃዲ ፍላቪዮ ሎቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ እቲ መደብ “ናይ ተስፋ ምልክትን ዓለም ካብ ዝባኑ ውግእን ድኽነትን ኢጎነትን ክቕጥጥ” ዘነቓቕሕ መደብ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፐሩጃን ኣሲዚን ናይ ሰላም ርእሰ ከተማታት፥ ዕለት 10 ጥቅምቲ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝድግፉ ተግባራትን ዓለም ናይ ሰላም ስፍራ መታን ክኸውን እቲ ኢጉነትን ድኽነትን ውግእን ዓመጽን ዘስዓቦ ኣቑሳል ንምፍዋስ ኣብ ዝብል ሓሳብ መደብ ኣስተንትኖን ዘተን ከምእተኻየደን ውግእን ዓመጽን ድኽነትን ንኸይህሉ ኣብ ዝግበር ኪደት ብርቱዕ ጻዕሪ ከምዘድሊ ዝሕብርን እቲ ካልኣይ መደብ እውን ዕለት 11 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ሰብኣዊ ሰንሰለት ንሰላም ብዝብል መርሕ ቃል 25 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ነቲ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን ድንጋጌ ብምኽባር ሰብኣዊ ሰንሰለት ብዝብል መደብ እዚ ኸኣ ካብ ከተማ ፐሩጃ ክሳብ ኣሲዚ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ከተማ ዝበጽሕ ክቐውም ከምዝኾነን፡ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ነቲ በቢ ዓመቱ ካብ ፐሩጃ ክሳብ ኣሲዚ ዝካየድ ዝነበረ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝትክእ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፈድሪኮ ፒያና ኣፍሊጦም።

እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ፥ ምክንኻን

እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ ናይ ተስፋ ምልክታ ምዃኑ ሎቲ ሓቢሮም፥ ካብ ተስፋ ክንየው እውን ብርግጽ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ጥዕና ንምውጋድ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኣነባብራኡን ኣጠቓቕማ ጸጋታት ተፈጥሮን ዝስዕቦ መደብ ልምዓትን ከመሓይሽን ኣብ ምክንኻን ዝጸንዔ ንኽገብሮ ዘነቓቕሕን ምትሕልላይን ምክብባርን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ብምትሕልላይን ብምክብባርን ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘይተገዳስነት ንምውጋድ ዝከኣል ምዃኑ ዝምስክር እዩ ኢሎም።

ሰብኣዊ ሰንሰለት ንሰላም

እቲ 25 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ዝቐውም ሰብኣዊ ሰንሰለት ኣብ መንጐ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ናይ ክልተ ሜትር ምርሕሓቕ ክህሉ ነቲ ውሳኔ ምፍንታት ዘኽብር ኮይኑ፥ ኣብ መንጐ ሰብ ዘሎ ተደለያይነትን ተማራዃስነትን ዝምስክር እዩ፡ እዚ መደብ’ዚ ብናይ ኢጣሊያ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ራይ ትረ ብእተሰምየ ናይ ኡምብሪያ ዞባዊ መደብርን ከምኡ እውን ብናይ ኡምብሪያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መደብር ራዲዮ ምክትታል ከምዝክል ፒያና ሓቢሮም።

11 October 2020, 14:59