ድለ

ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ኣረመናዊ ተግባር’ዚ ናይ ክርስቶስ ይቕረ ብሃልነት ዝዕወት ይኹን ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ኣረመናዊ ተግባር’ዚ ናይ ክርስቶስ ይቕረ ብሃልነት ዝዕወት ይኹን 

ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ኣረመናዊ ተግባር’ዚ ናይ ክርስቶስ ይቕረ ብሃልነት ዝዕወት ይኹን

እዚ መጥቓዕቲ እዚ ንመላእ ሕዝቢ ፈረንሳ ዘቖጥዕን ኣብ ልዕሊ መላእ ሕዝቢ እውን እዩ፡ እዚ መንሽሮ እዚ ተኣልዩ ኵሉ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ስግኣት እዚ ጸኒዑ ደው ንኽብል ዘድልዮ መንፈስ ሕውነት ክረክብ

ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ራይምስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤሪክ ደ ሙሊንስ በኣውፎርት ኒስ ዳግም ንመጥቃዕቲ ግብረ ሸበራ ዒላማ ከምዝኾነት ገሊጾም፡ እዚ ግብረ ሸበራ’ዚ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ መምህር ሳሙኤል ፓትይ ዝተፈጸመመቕተልቲ ስዒቡ ዝተፈጸመ ምዃኑ ዘኪሮም፡ “ዝስምዓኒ ሓዘን ደረት ኣልቦ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ኢሰብኣዊ ተግባር’ዚ ብጀካ ጸሎት ካልእ ክትገብሮ እትኽል ሓደ’ኳ የልቦን፡ ኣብ ኵለን ኣብ ኒስ ኣብ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያን ሓለዋ ጸጥታን ደሕንነት ጽኑዕ ክኸውን ከምእተወሰነን፡ ጸሎተይ ምእንቲ እቶም ዝተሰየፉን ኣባይቲ ስድራኦምን ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ግብረ ሸበራ ብግንባር ንዝዋፈሩ ሓለዋ ጸጥታን በቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሸብራ ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ኩሎም ኣብ ዘለዎም እምነትን ተስፋን ንዝቖሰሉ ምእመናንን ካህናትን እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ኣረመናዊ ተግባር’ዚ ናይ ክርስቶስ ይቕረ ብሃልነት ዝዕወት ይኹን” ከምዝበሉ ስፐራንዛ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ዝተቐትሉ ኣብቲ ከይህሉን ክዓንውን ኣብ ዝድለይ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝነበሩ እዩ፡ ጸረ ቤተ ክርስቲያንን ክርስቲያንን ድላይ ዘስዓቦ ሞት፡ ናይቲ ነቲ ናይ ኣባ ዣክ ሃመል ሰማዕትነት ዘዘኻኽር እውን ምዃኑ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ድረ ገጽ ኣብ ዝውጸኦ መግለጺ የመላኽት፡ እዚ መጥቓዕቲ እዚ ንመላእ ሕዝቢ ፈረንሳ ዘቖጥዕን ኣብ ልዕሊ መላእ ሕዝቢ እውን እዩ፡ እዚ መንሽሮ እዚ ተኣልዩ ኵሉ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ስግኣት እዚ ጸኒዑ ደው ንኽብል ዘድልዮ መንፈስ ሕውነት ክረክብ ብጹዓን ጳጳሳት ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣብቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ድረ ገጽ ተመልኪቱ ኣሎ፥ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ዘደንዝዝ ስቓይ’ዚ ካቶሊካውያን ፍርሒ ነጺጎም ምስ መላእ ሃገርን ሕዝብን ብሓባር ነቲ ክትገልጾ ዘይከኣል ዕዉር ስግኣትን ፍርሒ ኢዶም ከይሃቡ ክብድህዎ ድላዮም እዩ፡ ናይቲ ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

30 October 2020, 16:47