ድለ

ሰንበት ዘመስቀል መስከረም መስከረም 17 2013 ዓ.ም. (09/27/2020)

መዝሙር፡ ዝንቱ ውእቱ መስቀል . . መስቀል ብሓቂ ድንቂ እዩ፥ አብ ብርቱዕ ነገር ሠናይ ንምግባር ብቐሊል መገዲ የጽንዓና፥ መስቀል ኃጢአት ይምሕር፥ ጻድቃን ካብ ደብረ ልዑል ኃጥአን ካብ ምድሪ ካብ ማእከል ኩነኔን ጸውዑ፡ ንኖና ጽዮን ብመዓልቲ ሰንበት ንባሕሪ ምስ ገሰጾ ማዕበል ሃድአላ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ንባሕሪ ምስ ገሰጻ ደቂ እስራኤል ብእግሪ ተሳገሩ ንሕና ብሓይሊ እዚ መስቀል ረድኤት ከም ዝውሃብ ንአምን፡ መስቀል አብ ማእከል ጸላእቲ ረዲኤትን ኃይልን ጽንዓትን ድኅነትን ምዃኑ ንአምን መስቀል ኃይልናን ጸግዕናን እዩ።
ሰንበት ዘመስቀልን ታሪኽ መስቀልን ብድምጺ!

ድሕሪ ብዓለ መስቀል ሲዒቡ ዝርከብ ሰንበት ሰንበት ዘመስቀል ይብሃል ንትርጉም መስቀል ክነስተንትን ዘዘኻኽር ሰንበት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፥ ንአና ነቶም እንአምን ግን ኃይሊ አምላኽ እዩ” (1ቆር 1፡18) እናበለ ርድኢት መስቀል አብ እምነትና ይሕብረና። ቀጺሉ አነ “ነቲ ስተሰቕለ ክርስቶስ እየ ዝሰብኽ” እናበለ ኸአ ማእከል ስብከቱን ተልእኮኡን መስቀል ከም ዝኾነ ይነግር። አብ ጸሎተ ማኅሌትና ነዚ ዝመሳሰል “ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል ወቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል” እናበልና አብ ጎቦ ቀራንዮ ምእንታና ዝተፈጸመ ናይ ኩሉ ምስጢር እምነትና መሰረት ከም ዝኾነ ንገልጽ።

መስቀል ፍሉይ ምልክት እዩ። ድሕነትና የዘኻክር፥ ፍቕሪ አምላኽ ንደቂ ሰብ ይነግር። አብ መስቀል ዝተገብረ ፍቕሪ አምላኽ ንአና ንደቂ ሰብ ልዕሊ ተፈጥሮና ዝኾነ ርክብ እዩ ፈጢሩልና በዚ ኸአ ሓደስቲ ፍጥረት ምስ አምላኽ ዕርቂ ተአዊጅልና።

ሓደ ካብቲ መለለዪ ዘመና ብዙሓት መስቀል ዘይብሉ ሕይወት ቀሊልን ምቾትን ዝመልኦ ሕይወት ብዘይ ዝኾነ ጸገምን፥ ተጋድሎ ክመርሑ ይደልዩ። ብዙሓት አብ ትሕቲ መስቀል ደው ክብሉ ይደልዩ “ካብ መስቀልካ ውረድ” ዝብሉ ይመስሉ። ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ዝኾነ ስቓይ ክዕገስ ይኸብዶ። ብርግጽ ስቓይ ቀሊል ወይ ጥዑም ማለት አይኮነን ኲኖ ስቓይ ዘሎ ግርማን ክብርን ክንርኢ ክንክእል አሎና። ብዙሓት ሰማዕታት ቅዱሳንን ነዚ ክርእዩ ስለ ዝኽአሉ በቲ ዝተጓነፎም ስቓይ ወይ ክበድ ፈተናን ስቓያትን ክሽነፉ አይከአሉን።

ብዙሓት ካባና ፍሉይ መስቀል ምስ ወረደና ስለምንታይ ንአይ? ስለምንታይ ክሳቐ ይደልየኒ? እናበልና እናጉሄና ንሓትት። አብ ሓቂ መሰረት ገርና እንተ ርአና ግን ትርጉም ሕይወት ንጹር ዝኸውን ካብ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ናብ ንመን ዝብል ምስ አምራሕናዮ ብዝያዳ ክንርኢ ንኽእል። ስቓይ መከራ አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ክወርድ እንከሎ ፍሉይ ትርጉም አልኦ። አብ መስቀል ክርስቶስ ክንጥምት እንተ ኸኣልና አብኡ ትርጉም ሕይወትናን ንሕቶና መልሲ  ክንረክብ ንኽእል። ብርግጽ ክንሳቐን ጸገማት ክበዝሓና እንከሎ መልሲ ንደሊ። ጥዑም ዘረባ ወይ ምድንጋጽ “አጆኻ/አጆኺ ክሓልፍ እዩ፥ ምእንቲ አምላኽ ኢልካ ተቐበሎ ዝብል ንጸገማትና መልሲ አይኮነናን እዩ። ጸገማት ከም ሕዱር ሕማም፥ ሞት ናይ እንፈትዎ ሰብ፥ ከምኡ አብ ርክባትና ከቢድ ፈተና ክወርደና እንከሎ ፍሉይ ቃንዛ እዩ ዝፈጥረልና ሽዑ አብ ውሽጥና አቲና ክንሓትት ንግደድ። ስለምንታይ እዚ ወሪዱኒ ወይ ረኺቡኒ እናበልና አብ መሰረታዊ ትርጉም ተፈጥሮን ከምእንምለስ ይገብረና።

ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና አብ ጽንኩርን ከቢድን ጸገማት እንከሎና ወይ አብ አምላኽ ንቐርብ ወይ ከአ ጨሪሽና ካብ አምላኽ ንወጽእ። “ዝኾነ አሰርይ ክስዕብ ዝደሊ ርእሱ ይኽሓድ መስቀሉ ጸሩ ኸአ ይስዓበኒ” (ሉቃ 9፡23) እናበለ ትኽ ዝበለ መጸዋዕታ ክርስቶስ ነቶም ዝኣምንዎ ዝብሎ ንርኢ። ንመስቀል ተሓጒስካ ምቕባል፥ ንግላዊ መስቀል ወይ መሳቕል ክንቅበል ካብቲ ሓደ አድላዪ ነገራት ምስ ክርስቶስ ክንጉዓዝ ንደሊ እንተ ኾና ዝገልጽ እዩ። ንክርስቶስ ክንስዕብ እንተ ኾና ግድን መስቀል ክህልወና አለዎ፥ ብዘይ መስቀል ንክርስቶስ ክንስዕቦ አይንኽእልን ኢና። ክርስቶስ ንመስቀል ሓንሳብ ምስ ተሰከሞ ክሳብ ዝመውት ካብኡ አይተፈለን ንሕና እውን ዘሎና መስቀል ክበዱ ብዘየገድስ ክሳብ መወዳእታ ክንጾር እዩ ድላይ መድኃኒና።

ቀዳሞት ክርስትያን ነዚ ብምሉእ ተረዲኦሞ አብ ዓድና እውን እዚ ስለ ዝተረድኦም ምልክት መስቀል አብ ኩሉ ከርእይዎ ደልዮም፥ አብ ግንባሮም አብ ክዳውንቶም አብ ገዛውቶም አብ ኩሉ ምልክት መስቀል ከምዝርአ ገሮም። ሕይወትና መስቀል ዝመልኦ ክኸውን እንከሎ ሽዑ አብ ክርስቶስ አሎና ዝብል ርድኢት ፍሉይ ፈተና ከምዝሓልፉ ገርዎም። መስቀል ክወርዶም እንከሎ ከም ዓቢ ህያብ መጋበሪ ድሕነት ገሮም ይወስድዎ ስለ ዝነበሩ ኲኖ መስቀል ዘሎ ክብርን ግርማን ክርእዩ ክኢሎም።

እሞ ሎሚ መስቀልካ/ኪ አበሎ ተሰኪምካዮ/ክዮ ዘሎኻ? ሰባት ክበድ መስቀልካ ርእዮም እንታይ ይብሉኻ? ምስካም መስቀል ከቢዱካ የማን ጸጋምዶ ትብል አሎኻ ወይ ጸርካዮ ትጉዓዝ አሎኻ? እዝን ካልእን አብ ሕይወትና ክንጾሮ ዘሎና መስቀል የዘኻክር። ፍቕሪ መስቀልና መለልዪ ሕይወትና ገርና ብምጻር መስቀልና አብነታውያን ክንከውን እዩ ድላይ መድኃኒና።

አብ ግዝአት ሮማውያን ነቶም ሮማዊ ዜግነት ዘይብሎም ብስቕለት ይቐጽዕዎም ነሮም ሮማዊ ዘግነት ዘልኦ ግን ብሴፍ ክሳዱ ይመትርዎ በዚ ምኽንያት እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ብሴፍ ክሳዱ ዝመተርዎ ጴጥሮስ ግን ብስቕለት ዝሞተ። ሮማውያን ብስቕለት ክቐትሉ እንከለዉ ዝለዓለ ጭካኔ ዝመልኦ መቕጻዕቲ ክፍጽሙ እንከለዉ እዮም ዝገብርዎ ዝነበሩ። አይሁድ ነዚ ጨካን ሞት አብ መስቀል ስቕለት ይፈልጥዎ ነሮም እዮም። ብዙሓት ናይ ፖሎቲካ እሱራት ብብዝሒ ብናይ መስቀል ሞት ይቕጽዑ ነሮም እዮም። ስለዚ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ “ክስዕበኒ ዝደሊ ርእሱ ይኽሓድ ዕለት ዕለት መስቀሉ ጸሩ ይስዓበኒ” ኢሉ ክዛረቦም እንከሎ ጽቡቕ ገሮም ይርድእዎ ነሮም እዮም። አብ መስቀል ምማት ጽቡቕ ገሩ ይርድኦም ነሩ እዩ።

ሉቃስ ወንጌላዊ አብ 9፡24 ከምዚ ይብለና “እቲ ንነፍሱ ኼድኅና ዚደሊ ኼጥፍአ እዩ፥ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍአ ግና ኼድኅና እዩ”። አብ ታሪኽ ሓደ ኢየሱስ ጥራሕ ከምዘሎ ክንአምን አሎና፥ ንሱ ጥራሕ ኸአ እዩ እቲ ዝተሰቕለ ዝሞት ዝተንሥአ። ክርስትና ብዘይ መስቀል ክርስትና አይኮነን፥ ብመስቀል ክርስቶስ ጥራሕ ኢና ድሕነት ረኺብና። መስቀልን ሞትን ክርስቶስ እምብአር ሕመረት እምነትና እዮም፥ ካብ መስቀል ርሒቕና ወይ ሃዲምና ክንርከብ አይግባእን።

ጸገም ክወርደና እንከሎ ወይ ከቢድ ፈተና አብ ሕይወትና አብ ጸዋዕታና ክወርደና እንከሎ ከም መርገም ወይ እውን ከም ሓደ ከቢድ ተጽዕኖ ወይ እውን ዕድልና ሕማቕ ኮይኑ ዝወረደና ገርና ክንርእዮ የብልናን። ብጽእቲ አደ ተረዛ (Mother Teresa) ሓደ ጊዜ ከምዚ ኢላ “ስቓይ ሓደ ካብ ምልክታት አብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከምዘሎና ዝሕብር፥ ከም ዝስዕመና ዝገብርን ከም ዘፍቅረና ዝገልጽ አብ ስቓያቱ ክንሳተፍ ዕድል ዝህበና እዩ” እናበለት ምስጢር ስቓይ ወይ መስቀል ትገልጽ። ብዘይ ጥርጥር ብዙሓት ዓይነት ስቓያት አለዉ ክንፈልጦምን ክንገልጾምን ዘይንኽእል፥ ስለዚ ትርጉም ስቓይ እንርድኦ አብ መስቀል ክርስቶስ ክንጥምት እንተ ኸአልና ጥራሕ እዩ።

አብ መጽሓፍ Thomas a’ Kempis “ንክርስቶስ ምምሳል” ወይ “ኢሚታስዮ” (፪ይ መጽሓፍ ምዕ. 12፡20-25) ብዛዕባ መስቀል ክገልጽ እንከሎ “መስቀል ወትሩ ተቐሪባትልካ አላ፥ አብ ኵሉ ቦታ ትጽበየካ አላ። ናብ ዝኸድካ እንተ ኸድካ ባዕልኻ አብ ርእስኻ ተሸኪምካያ ኢኻ እትኸይድ ወትሩ ንርእስኻ ኢኻ እውን እትረክብ ናብ ዝኾነ ቦታ ሃዲምካ ከተምልጥ አይትኽእልን ኢኻ። ናብ ላዕሊ እንተ ደየብካ ናብ ታሕቲ እንተ ወረድካ ወይ ናብ ውሽጢ እንተአቶኻ አብዚታት ኵሉ መስቀል አሎ። ውሽጣዊ ናይ ልቢ ሰላምን ናይ ዓወት ዘለዓለማዊ አኽሊልን ክትረክብ እንተ ደሊኻ አብ ኵሉ ናይ ግዲ ትዕግሥቲ የድልየካ። ንመስቀል ተሓጒስካ እንተ ትሽከማ ንሳውን ተሸኪማትካ ናብቲ ንስኻ እትደልዮ መጨረሻ ዕላማኻ መብጽሓትካ። እዚ ከአ አብቲ ሓሳረ መከራ ዝጭረሸሉ እምበር አብዚ ምድሪዚ አይኮነን። ሓንቲ መስቀል እንተ አሕለፍካ ምናልባት ካብአ እትኸብድ ካልእ ብዘይጥርጥር ክትመጽአካ እያ” ዝብል ነንብብ።

አብ ዕለታዊ ሕይወትና መስቀል ከም ዝጓነፈና ተረዲእና መስቀልና ክንቅይር ዘይኮነ ነቲ ወሪዱ ዘሎ መስቀል ካብ ድላይ አምላኽ ከይወጻእና መጋበሪ ሰላምን ፍቕርን ሕድገትን ክንገብሮ በቲ ወሪዱና ዘሎ ብዝያዳ አብ አምላኽ ክንቀርብ እሞ ሓግዘኒ እደክም አሎኹ አሰንየኒ ኢልና ክንልምን ከም ዝግብአና መጽሓፍ ኢኒታስዮ ይነግር።

ንመስቀል ብግቡእ እንተ ተረዳእናዮ እሞ እንተ ጾርና ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት አብ ግብሪ ንርኢ።

  • ኃጢአት ይመውት፡ ሓደ/ሓንቲ ሰብ እምነቱ/ታ አብ ትሕቲ ጽላል ደም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክገብር እንከሎ እቲ ሰብ እቲ ንዘለዓለም ይቕየር። ናይ ኃጢአት ሰንሰለት ይብጠስ (ሮሜ 6፡14)፥ ሓደስቲ ፍጥረት ይኾኑ (2ቆሮ 5፡17)። እዚ ከምብሓደስ ዝተወልደ አማናይ ሕይወቱ አብ ትሕቲ አርዑት ኃጢአት አይነብርን እዩ (ሮሜ 6፡6)። ንመስቀሉ ዝጸውር መወዳእታኡ ክብርን ዓወትን እዩ። አብኡ ፍቕሪ ሰላም ትዕግስቲ ስለ ዝርከባ ኃጢአት ቦታ የብሉን።  
  • ገሃነም እሳት ተሳዒራ፡ ዝኾነ አብ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ዝአመነ እሞ ቅዱስ ሕይወት ዝመርሕ አብኡ ሓዊ እሳት ዘለዓለም አይርከብን እዩ። “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ በቲ ዝልአኸኒውን ዝአምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት አላቶ ንሱ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ይሳገር እምበር ናብ ፍርዲ አይክበጽሕን እዩ” (ዮሓ 5፡24)። ሮሜ 8፡1 “ነቶም አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ኵነኔ የብሎምን” ይብለና።
  • መንግስተ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ደም ክርስቶስ አፍደገ መንግስተ ሰማይን ናይ ክብሪ ቦታን ይኸፍተልና። ንሓዋርያቱ አብ ቤት አብኡ ብዙኅ ማሕደር ከምዘሎ እሞ ከሰናድወሎም ከም ዝኸይድ ነጊርዎም። (ዮሓ 14፡13። አብ ክብሪ አምላኽ ክንሳተፍ ሓንቲ መገዲ እያ ዘላ “ሰብ ካልአይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ ንመንግስቲ አምላኽ ኪርእያ ከቶ ከም ዘይክእል ብሓቂ ብሓቂ እብለካ አሎኹ” (ዮሓ 3፡3)። ሰማይ ዓድና ክንገብር አብዚ ምድሪ መስቀልና ክንጸውር ይግብአና።

መስቀል አብ እምነትና ፍሉይ ትርጉም ከምዘለዎ ተረዲእና ዕለት ዕለት ብሓዲስ መንፈስን ተስፋን ጉዕዞና ክንቅጽል ንዝኾነ ዝጓነፈና መስቀል ብፍቕሪ ተቐቢልና ክሳብ መወዳእታ ክንጸውር ሓግዘኒ ንበሎ።

ሕይወት ማርያም ሕይወት መስቀል እዩ ንዅሉ ፍቓድካ ይኹን እናበለት ሓሊፋቶ ሎሚ እውን ፍኖተ መስቀል ዘስተምሃርኪ ማርያም ንኹሉ ዝጓነፈና መስቀል ክንጸውር ንወድኺ ጸዋር መስቀል ለምንልና ንበላ።

ብሩኽ መስቀል ይግበረልና

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

26 September 2020, 17:26