ድለ

2019.09.07 ብዓለ ልደታ ለማርያም ኣብ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ! 2019.09.07 ብዓለ ልደታ ለማርያም ኣብ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ! 

ብዓለ ልደታ ለማርያም ኣብ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ!

አንገርጋሪ፡ ዮም ፍሥሓ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም እምሃና ወእያቄም ከም ትቤዙ ነብያተ ወጻድቃነ አማን ተወልደት እመ ብርሃን።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ሮሜ 8፡28-30፥ 1ጴጥ 1፡8-13፥ ግ.ሕ. 7፡44-51፥ ሉቃ 1፡39-57።   ምስባክ፡ 1. ወለገጽኪ ይትመሓለሉ ኩሎም አሕዛብ ብኡላነ ምድር፥ ኵሉ ክብራ ለወለተ ንጉሥ ሓሴቦን፥ በዘአፋረ ወርቅ ዑጽብት ወኅብርት። መዝ. 44፡12-13። 2. መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳን፥ ያበድሮን እግዚአብሔር ለአናቅጸ ጽዮን እምልኩሉ ተዐይኒሁ ለያዕቆብ። መዝ. 86፡1-2።

ብዓለ ልደታ ለማርያም አብ ስርዓት ሃገርና አብ ባሕቲ ግንቦት እዩ ዝብዓል። አብ ናይ ጎርጎሮሳዊ ባሕረ ሓስብ ዝኽተሉ ግን አብ መስከረም 8 ይዝክርዎ እዚ ኸአ ጽንሰታ ታሕሣሥ 8 ስለ ዘብዕልዎ እዩ። አብ ታሪኽ እንተ ርአና አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ልደት ማርያም ዝነግር የብልናን። ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርያ ጽንሰታ ብዘይ ኃጢአት አዳም ተጸኒሳ ምሉእ ሕይወታ ኸአ ብዘይ ዝኾነ ኃጢአት ከም ዝነበረት ትአምን። ናይ እዚ እምነት መሰረት ከአ ኢየሱስ ወዲ አምላኽ ብኃጢአት ካብ ዝተበከለ ሰውነት ክውለድ ቅቡል አይ ኮነን ስለዚ ማርያም ካብ መጀመርያ ኃጢአት ዘይተንከፋ ክትከውን አለዋ። በዚ ኢና ልደታ እነብዕሎ። አብ ታሪኽ ክርስትና ናይ ሰለሰተ ጥራሕ ዕለተ ልደቶም ዘኪርና ነብዕል። ሰለስቲኦም ብዘይ ኃጢአት አዳም ተወሊዶም፥ ኢየሱስ፥ ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ፥ ድንግል ማርያም።

ኢየሱስ አምላኽ እዩ አብኡ ዝኾነ ኃጢአት አይርከብን እዩ። ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ ማርያም አብ እንዳ ዘካርያስ ክትበጽሕ ምስ ከደት አብ ከርሲ አዲኡ ኤልሳቤጥ እንከሎ ድምጺ ማርያም ምስ ሰምዐ ብሓጎስ ተሰራሲሩ፥ አብቲ እዋን ጎይታና ናይ አቦና አዳም ኃጢአት ካብኡ አልይሉ ብዘይ ኃጢአት ተወሊዱ። ድንግል ማርያም ከአ ብዘይ ኃጢአት ተጸኒሳ ብርግጽ ከአ ብዘይ ኃጢአት ተወሊዳ። አብ ምሉእ ሕይወታ ንሓንቲ ካልኢት እውን ትኹን አብ ዝኾነ ኃጢአት አይወደቐትን።

ቤተ ክርስትያን አብ ምስራቕ አብ ቍስጥንጥንያ አብ ምዕራብ አብ ሮማ ልደታ ለማርያም ካብ ፮ይን ፯ይን ክፍለ ዘመን ጀሚራ ብዕሊ ተብዕሎ ከም ዝነበረት ታሪኽ ይነግረና። ሉጥርግያዊ አሰር ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ቡራኬ አብ ኢየሩሳሌም ብቅ. ሓና አብ ፮ይ ክፍለ ዘመን ዝኾነ እዩ። ቅድሚኡ አብ 5ይ ክፍለ ዘመን ሓንቲ ቤት ክርስትያን ንክብሪ ማርያም  “Shepherd’s Field” “ግራት ጓሶት” ብዝብል ዝፍለጥ ከም ዝተሰርሐት ምናልባት ከአ ገዛ እያቄምን ሓናን ከም ዝነበረት ይግመት።

ፈለስቲ ነዚ ብዓል ብ፯ይ ዘመን ንሮም አምጺኦሞ፥ ካብኡ ንድሓር አብ ምሉእ ምዕራብ ተዘርጊሑ። ካብ 13 ክፍለ ዘመን ንድሓር አብ ኩሉ ከም ብዓል ኮይኑ ከም ዝብዓል ተወሲኑ። ር.ሊ.ኣ. ሰርግዩስ (687-701) ኡደት ካብ ቤተ ክርስትያን ቅ. ጴጥሮስ ናብ ቅ. ማርያም ዓባይ ከም ዝግበር ገሮም።

አብ ምስራቕ እዚ ብዓል አብ ዝተፈላለየ ዕለታት ይብዓል ነሩ አብ መጨረሻ ግን እቲ ብዝያዳ አብ ቍስጥንጥንያ መስከረም 8 ዓመታዊ ብዓል ልደታ ይዝከር። አብ ሃገርና መከረም 7 ልደት ሓና አደ ማርያም 10 መስከረም ከአ ልደት ማርያም ይዝከር። አብ 1 ግንቦት እውን ልደት ማርያም ይብዓል። አብ ላቲናዊ ስርዓት ታሕሣሥ 8 ፅንሰታ ለማርያም ዝብዓል አብ 8 ግንቦት ልደታ ድሕሪ 9ተ ወርኂ ስለ ዝብዕል እዩ።

ብዛዕባ ልደታን ንኡስ ዕድሚአን ዝሕብር ዝኾነ ጽሑፍ አብ ቅዱስ መጽሓፍ የብልናን ግን አብ ትውፊትን አብ ካልእ ጽሑፋትን ኵነታት ልደታን ብብዙሓት አብው ቤተ ክርስትያን ተጠቒስ እንርኽቦ ካብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝጥቀስ አሎና።

እዞም ጽሑፋት ወላ እኳ ከም ቅዱስ መጽሓፍ አይረአዩ እምበር ገለ ብዛዕባ ልደት ማርያም ዝሕብር አብ ባህሊ ክርስትና ዝሕግዙ አብኦም ይርከብ እዩ። አብ “ትውፊተ ያዕቆብ” “Protoevangelium of James” አብ ካልአይ ክፍለ ዘመን ዝተጻሕፈ አቦ ማርያም ኢያቄም ከም ዝብሃል ሃብታምን ካብ ነገደ እስራኤል ከም ዝኾነን ይነግር። ኢያቄም ምስ ብዓልቲ ቤቱ ሃና ውሉድ ስለ ዘይነብሮም ብዙሕ ይጉህዩ ከም ዝነበሩ “ገሊኦም ጸሓፍቲ ቀዳሞት ክርስትያን ከም ዝብልዎ ንአብርሃም ከምቲ አብ ምወዳእታ ይስሓቕ ዝተዋቦ ከምኡ ክልምነሉ ይጽሊ ከም ዝነበረ” ይነግሩ። ኢያቄምን ሓናን አምላኽ ቍልሕ ክብሎም ይጽልዩን ይጾምን ነሮም ምናልባት ውሉድ ዘይ ምርካቦም ገለዶ ንአምላኽ ዘየሓጉስ ነገር ዝገበርናዮ አልዩ ኢሎም ይሓስቡ ነሮም።

አብ መወዳእት ግን እዞም ክልተ ብፍሉይ ጸጋ ካብ አብርሃምን ሳርን ብዝበለጸ ተመጒሶም። ንሃና መልአኽ ተገሊጽዋ ነታ ካብኦም እትውለድ ወለዶታት ከምዘኽብርዋ ገሊጽላ። “አምላኽ ጸሎትኩም ሰሚዕዎ እዩ፥ ክትጸንሲ ኢኺ ክትወልዲ እውን ኢኺ እታ ካባኺ እትውለድ ከአ አብ ምሉእ ዓለም ብዛዕብአ ክዝረብ እዩ” ኢልዋ።

ማርያም ምስ ተወልደት እዚ “ትውፊተ ይዕቆብ” ከም ዝሕብሮ ሃና ንእሽቶይ መጸልዪ ቦታ አብውሽጢ ናይ እታ ሕፃን ክፍሊ ሰሪሓ። አብኡ ዝኾነ ርስሓት አይነበሮን እዚ ኸአ ፍሉይ ቅድስና እታ ሕጻን ዝገልጽ እዩ። ብምቕጻል ዓመት ምስ ገበረት እታ ሕፃን ኢያቄም ዓቢ ብዓል ገሩላ ካህናትን ጸሓፍትን ዓበይት ዓድን ብዙሓት ካህናትን ህዝበ እስራኤል ጸዊዑ ከምዝገበረላ ይነገር። እቶም ካህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ዓድን ነታ ሕጻን ኩሎም መሪቖማ። አብ መወዳእታ ወለዳ አብ ቤተ መቕደስ ከም ዘአወፈይዋ እሞ ምሉእ ሕይወታ ብድንግልና ክትነብር ከም ዝአተወት ከምኡ ብንጽሕና እናነበረት ምስ ዮሴፍ ጽራቢ ከምዝተመርዓወት ትውፊተ ያዕቆብ ይነግረና።

እዚ ዝተፈላለየ ጽሑፋት አብ ቀዳሞት ዘመናት እንረኽቦም ወላ እኳ ገሊኡ ዝጋነን ገሊኡ ልዕሊ ርድኢት ሰብ ዝኸይድ አገላልጻ ይሃልዎም እምበር ሓደ ሓቂ ማርያም ፍልይቲ ፍጥረት ከም ዝነበረት ይሕብሩ። እዚ ርድኢት አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ብትውፊት ቀጺሉ።

ቅ. አጎስጢኖስ ንልደት ማርያም ክገልጽ እንከሎ፥ ልደታ ንምሉእ ዓለም ዝርኢ ታሪኻዊ ትርጉም ዘለዎ ንልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ምስኡ ዝበቕዕ መቕድም ዘልኦ እዩ። “ንሳ ዕምባባ ግራት እያ ካብአ እቲ ዝበለጸ ጽገረዳ ዝወጻ እያ” ይብል። “ብልደታ ባህሪ ናይ እቲ ካብ ቀዳሞት ወለድና እንወርሶ ተቐይሩ” እናበለ ብዘይ ኃጢአት ምጽናሳ ይገልጽ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ሮሜ 8፡30 “ነቶም ቀደም ዝመደቦም ንአአቶም ከአ ጸውዖም፥ ነቶም ዝጸውዖም ንአአቶም ድማ አጽደቖም፥ንአአቶምውን አኽበሮም” ይብል። እዚ አጽደቖም ዝብል ቃል ትርጉሙ አብ ቅድስና ምስ ጸጋ አምላኽ ምህላው እዩ ዘስምዕ። እዚ እዩ አብ ማርያም ዝተፈጸመ። ንሳ ብጸጋ አምልኽ ስለ ዝመልአት አብአ ዝኾነ ኃጢአት አይርከብን እዩ። ማርያም ንዕድመ መልአኽ ምስ ሰምዐት ወላ እካ ኩሉ አይረደአያ ተቐቢላቶ።

አብ ልደት ማርያም መላእኽቲ ናይ ሓጎስ መዝሙር ዘሚሮም ምኽንያቱ ንሳ ልዕሊ መላእኽቲ አደ ወዲ አምላኽ ክትከውን ካብ ንእስነታ ስለ ዝተሓርየት። ንሳ ጓል ጽዮን “ድሮ ብዛዕብአ ዝተነበየላ አብ ልዕሊ እቲ ተመን መስሓት እትዕወት እያ፥ (፪ይ ጉባኤ ቫቲካን ብርሃን አህዛብ 55)። ንሳ ጓል ጽዮን ጥራሕ አይኮነትን ተስፋ ናይ ሓዲስ ኪዳን እቲ አምላኽ ምስ ህዝቡ ዝአትዎ እያ። ብምቕጻል አበው ፪ይ ጉባኤ ቫቲካን ከስተምህሩ እንከለዉ “ድሕሪ ነዊሕ ዘመነ ተስፋ እቲ ግዝያት አብአ አብታ ልዕልቲ ጓል ጽዮን ተፈጸመ። እቲ ሓዲስ መደብ ድኅነት ድማ ብምሥጢረ ሥጋኡ ንወድ ሰብ ካብ ኃጢአት መታን ከንጽሖ ወልደ እግዚአብሔር ካብአ ሰብአዊ ባህሪ ምስ ወሰደ ተጀመረ” (ብርሃን አሕዛብ 55) ይብሉ።

ማርያም እምብአር ካብ መጀመርያ ጽንሰታ ብፍሉይ መገዲ ነቲ ዝመጽእ ተርአ ከም አደ መድኃኔ ዓለም እትጻወቶ እያ እትሰናዶ ነራ። ናይ ወለድና ናይ እንፈትዎም ልደት ብፍላይ አብዚ ዘሎናዮ ዓዲ ብዓቢ ክብሪ ዝዝከር እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ናይ አደ ኩልና ዝኾነት ማርያም ልደት ነብዕል ንሳ ኸአ ብማዕሪኡ ንደቃ ዝኾና ተፍቅረና ንእንደልዮ ክትገብረልና ፍቓዳ እዩ ሓንትስ ንሕና ንቕረባ እምበር።

ብርግጽ ቅ. መጽሓፍ መዓልቲ ልደታ አይነግረናን እዩ ወላ ወለዳ መነመን ከም ዝኾኑ አይነግረናን እዩ። ምናልባት ማርያም ብዛዕብአን ብዛዕባ ስድርአን ክጽሓፍ ክዝረብ ምናልባት ንሓዋርያት ከይጽሑፍ ነጊራቶም ትኸውን። ከም ዝተባህለ ብዛዕባ ወለዳ ካብቲ ትውፊት ያዕቆብ ዝብል አብ ፪ይ ክፍለ ዘመን ዝተጻሕፈ ኢና እንረኽቦ።  ማርያም ትሕቲ ኩሉ ጊዜ ከይተራእየት ኩሉ እትገብር እያ። ንሳ ኵሉ ብዛእባ ወዳ ኢየሱስ መድኃኔ ዓለም እምበር ብዛዕብአ ከምዘይኮነ ትፈልጥ እያ። ሓት ዘይንጠራጠረሉ አብ ምልክት ሕቶ ዘይአቱ ምሉእ እምነታ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዳ እዩ። ንሳ ክሳብ መጨረሻ ምስኡ ብምሉእ እምነት ተጓዒዛ አብ መወዳእታ ኸአ አብ ትሕቲ ኮይና ምእንቲ ኩልና ክስዋእ እንከሎ አሰንያቶ።

ማርያም ከምቲ ንኢየሱስ አብ ጊዜ ንእስነቱ ዝአለየቶን ዝሓገዘቶን አብ ትህቲ መስቀል ከአ ሓዲስ ተልእኮ ተቐቢላ ንሱ ኸአ ንነፍሲ ወከፍና ክትሓሊ ክትህግዝ ዓቢ ሓላፍነት ለቢሳ። ሎሚ እውን ኢየሱስ እዚአ አደኹም እያ ይብለና። እንተ ተጸገምኩም እንተ ጉሃኹም ኮታስ ዝኾነ ሓገዝ እንተ ደለኹም እዚአ አደኩም መራሒትኩም እያ ኢሉና። ማርያም ነቲ ሓዲስ ተልእኮአ ነታ ወዳ ዝመስረታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ብምምራሕ እያ ጀሚራቶ። አብ ግ.ሓ. 1፡14 ከም ዝሕብሮ “እዚአቶም ኩሎምምስ ገሊአን አንስትን ምስ ማርያምን አደ ኢየሱስን ምስ አኅዋቱን ኃቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነሮም” ይብለና። ማርያም ቀዳማይ ተልእኮአ ጸሎት ክንገብር ምሕባር እዩ። አብ ሉርድስ አብ ፋጢማ አብ ኩሉ ማርያም ዝተራእየቶ ምሕጽንታአ ጸሎት ምግባር እዩ።

አብ ፋጢሚ ዓለም አብ ጸልማት ውግእን ዝገደደ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምውድኡ አልቦ እግዚአብሔር ፍልስፍና ማርክሲስም ለኒንዝም ንዓለም ይላብዓ ነሩ ብዙሓት ሃገራት ተውሪሮም ብዙሓት ተቐቲሎም ብሰንኪ እምነቶም ከምኡ ተሰዲዶም አብዚ እዋን እያ ማርያም አብ ፋጢማ ነቶም ዝተራእየቶም ንአሽቱ ቆልዑት ክጽልዩ ነገርት። ጸሎት ንማርያም ቋንቋ አምላኽ እዩ ስለዚ ሎሚ እውን ነዚ አብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ተላባዒ መዓት ብጸሎት ኢና ክነሸንፎ እንኽእል።

ማርያም አደ ኩልና እያ፥ ብወዳ ዝተዋህበትና ስለ ዝኾነት ክንቅበላ አሎና። ከም ማርያም እሙናት ንክርስቶስ ክንከውን ይግብአና።  ንሳ ንአና እውን እምንቲ እያ፥ ምሳና ደው ትብል ብፍላይ አብቲ ናይ ነፍስወከፍና መስቀል ከቢዱና ተሰቒልናሉ ዘሎና ክንሳቐ ክንቍንዞ፥ ክንፈር፥ ክንጠራጠርን ተስፋ አምቍራጽ ከሎና ምሳና አላ። ነቲ አብአ ዘሎ ምልአት ጸጋ ምሳና ክትካፈሎ ፍቓዳ እዩ።

ብወገና ነቲ ትሕትንአ ከም እንለብሶን እንኽተሎን ቃል ክንአትወላ አሎና። አብቲ እሙንን እንኮን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እሙናት ኮና ጸኒዕና ቅዱስ ሕይወት ንምራሕ ንአአ እውን እሙናት ደቃ ንኹን። ከምዚ ክንገብር እንከሎና በዚ ኹሉ ዝገጥመና ዘሎ ፈተነታትን ፍርሕን ሰጋእ አይክንብል ኢና። ምስ ማርያም ጸጋ አምላኽ እኹል ክኸውን እዩ።

ማርያም ዝተወልደትሉ እዋን ብዙሓት ተስፋ ቆሪፎምሉ አብ ዝነበሩ ብፍላይ ንምጽአት መስሕ ዘይሕሰበሉ እዋን እያ ተወሊዳ። ከምዚ ሎሚ አብ ዓለምና ናይ ኢየሱስ አፍልጦ ካብ ብዙሓት ተኸውሉ ብዙሓት ካብ እምነት ርሒቖም ወይ እውን ንሓቀኛ እምነት ሓዲጎም አብ ካልእ ሓቂ ዝረኸቡ መሲልዎም ዝዕልሉ ዘለዉ እውን ዘሎና እዩ። አብ ገለ እዋን አምላኽ ክሳብ አብቲ ዝበርትዐ ጸልማት እንበጽህ ናይ ምሕረት ኢዱ አይሰድድን እዩ። ከምቲ ገለ ዝብልዎ “ጸልማት ለይቲ ቅድሚ ናይ ወጋሕታ ብርሃን ምምጽኡ ዝበርትዐ እዩ”።

ቅ. ቶማስ ብዓል ቪላኖቫ ዝተባህለ አብ ስብከቱ ማርያም ናይ ሰማይ ወጋሕታ ንዓለም ጥራሕ ዘይኮነ ብፍሉይ መገዲ ንነፍሲ ወከፍ ግለ ሰብ። ልደት ማርያም ሓዲስ ዘመን አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ እዩ አምጺኡ። ነፍሲ ወከፍና አብ ማርያም ዘሎና አኽብሮ ክነዕዝዝ እንከሎና ሓዲስ ምልክት ጩራ ኢና ነተአታቱ ዘሎና።

ማርያም ንነፍሲ ወከፍና ንወዳ ክንረክብ ትሕግዘና። ማርያም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍቕሪ ወዳ ከዕቢ ትሕግዝ፥ ከምቲ መዓልቲ ልደት ምድራውያን ወለድና እነኽብር ሎሚ ናይ እቲአ ብመንፈስ አደ ኹልና ዝኾነት ማርያም ብምልኡ ሓጎስ ነብዕል።

ልደት ማርያም ንልባትና ብተስፋን ሓጎስን ይመልእ፥ ሓጎስን ተስፋን ምስ ቤተ ክርስትያን አብ ኩሉ ዘመናት ስለ ዘላ፥ ተስፋን ሓጎስን ንኹሎም ነቶም አብአ ገጾም ዝምለሱ ሓገዛ ካብ ወዳ ይውሃቦም።

ልደት ማርያም አደና ክነብዕል እንከሎና ንፍሉይ ምኽንያት እዩ።

  1. አብ ሕይወትና አርአያና ክንገብራ። ማርያም ዓይኒ አምላኽ ዝዓለባ እሞ ነቲ ዝተዋህባ ጸጋ ከምቲ አምላኽ ዝሃባ ክትመርሕ ህራይ ዝበለት እያ ስለዚ ንሕና እውን ዝተፈላለየ ጸጋት ዝተዓደልና ኢና ግን ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክነውዕሎ ድላይ አምላኽ እዩ። ስለዚ ሎሚ ንወሃቢ አምላክ ንድላዩ ንገብር አሎና ንሕልናና እንሓተሉ እዩ።
  2. ልደት ማርያም ልደትና እዩ። ብመንፈስ ክንውለድ የድልየና። እዚ ኸአ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ብግብሪ ብሓሳብ ዝገበርናዮ ነጺሕና እሙናት ክንከውን እንጅምረሉ ዕለት እዩ። ከምቲ ሓደ ሕፃን ምስ ተወልደ ንሃጊስ ጉዕዚ ሕይወት ዝጅምሮ ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ብመንፈስ ተወሊድና ንጉዕዚ ቅድስና ክንጅምሮ ንዕደም አሎና።
  3. ልደት ማርያም ናይ ካልኦት ሓገዝ ከም ዝድልየና ይነግረና። ማርያም ምስተወልደ ወለዳ አዝማዳ ከምኡ ናይ ግዚኡ መራሕቲ ሃይማኖት በበመገዱ ሓጊዞማ። ንሕና እውን አብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ሕይወትና ሓገዝቲ አለዉና። ልዕሊ ኹሉ ቤተ ክርስትያን ከምኡ ናይ ቀረባ ቤተ ሰብናን አህዋትናን፥ ብመንፈስ ክንዓቢ ክሕግዙና አብ ጎንና አለዉ ክንሰምዕ ክንክእል አሎና። ሎሚ ንሰብ ጸጊምዎ ዘሎ ናይ ካልእ አየድልየን እዩ ዝብል መንፈስ እዩ።
  4. ልደት ማርያም ህያብ አምላኽ የዘኻክረና። ኩሉ ዘሎና ዝተወሃብናዮ እዩ፥ እዚ ንፍቕሪ አምላኽ ክንርኢ ይሕግዘና። ኩልና በብዓቕምና ጸጋ አምላኽ ዝተዓደልና ኢና። ጸጋ ዝውሃበና ክነፍሪ ክንዓብን እዩ። ከም ብዓል ቅርሺ ክንከውን አይግብአናን። ነቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋ ርኢና ንኽአል።

አብዚ ብሩኽ ዝኽሪ ልደት ወላዲተ አምላኽ እምብአር ንፍሉይ ምኽንያት ኢና ነብዕሎ ዘሎና። አምላኽ ከምቲ ወዱ ካብ ማርያም ተወሊዱ ድሕነት ዕርቂ ዘምጽአልና ሎሚ እውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሰይጣን ተዓዊትልና እንተሎ አብኡ ክንምለስ። አብ አምላኽ ንመለስ ከምቲ በታኒ ውሉድ አብ ሉቃስ 15፡21 ዝንገረና “አቦ አብ ቅድሚ አምላኽን አብ ቅድሜኻን ኃጢአት ገበርኩ ደጊምስ ወድኻ ክብሃል አይበቅዕን እየ” ዝበለ በዚ መንፈስ ተደፋፊእና አብ አምላኽና ክንምለስ አሎና።

ማርያም ክትውለድ እንከላ አብ ዓለም ብርሃን አትዩ አደ ብርሃን ዝተወልደትሉ ዕለት መቅድም ብርሃን ኮይና እያ መጺአትና ስለዚ ሕጂ እውን ብርሃና ይበርህ ስለ ዘሎ ብብርሃን ንመላለስ። ነፍሲ ወከፍና እሙናት ደቂ ማርያም ኮና ሎሚ እውን ሕይወትና ሓዲስና መንፈስ ማርያም አብ ኩሉ ነብጽሓዮ።

ኦ ማርያም አደና ሎሚ እውን አብ ወድኺ አብጽሕና ለምንልና ካብ ኩሉ ጸገም ወጺእና ፍቕሪ ወድኺ ክንሰብኽ ሓግዝና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

08 September 2020, 10:54