ድለ

2020.03.01 ካህናት ኣብ ጸሎት! 2020.03.01 ካህናት ኣብ ጸሎት! 

ቆሞስ ኩሎም ካህናት ዓለምና ቅ.ዮሓንስ ማርያ ቫያኒ!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስ ማርያ ቫያኒ ቆሞስ ኣርስ ዘኪራ ውዒላ። ተልእኮ ጒስነት ኣብ ድሕነት ነፍሳት ዘተኰረ ብምባሩ ክሳብ 16 ሰዓታት ኣብ መንበረ ኑዛዜ ዕለት ዕለት የዘውትሩ ነበሩ።

ዜና ቫቲካን!

ጠበቃ ኩሎም ካህናት ምንዳ ኸኣ ንቆሞሳት ኣብነቶም ዝኾነ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኢየቤል ድሕነት 2025 ዓም መበል ሚእቲ ዓመት ቅድስናኡ ክንዝክር ኢና። ሎሚ ካብ ዝመውት 161 ዓመቱ እንክኸውን ዓመታዊ ክብረ በዓሉ እውን ይዝከር። ዓሚ በዚ ዕለት እዚ ኣብ ዓለም ምሉእ ንዝርከቡ ኩሎም ካህናት መልእኽቲ ጽሒፎም ነሮም።  ጽማቊ ናቱ  ድሐሪ ሓጺር ታሪኽ ሕይወቱ ክነቅርበልኩም ኢና።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወቱ!

ዕለት 8 ግንቦት 1786 ዳርዲሊ ኣብ እትበሃል ንእሽቶ ቊሸት ከተማ ልዮን ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ተወልዱ። ካብ ሽድሽተ ኣሕዋት ራብዓይ ነበረ። ዕድመ ሕጻንነቱ ምስ ሓረስቶት ወለዱ ኣብ ግራት እናሰርሐ ዓብዩ። መጀመርያ ቊርባን ምስ ገበረ ፍሉይ መንፈሳውነት ጸዋዕታ ክህነተን ዝተዓዘበት ምንኣስ ሓውቲ ማርገሪታ ነበረት። እቲ ዓመታት እቲ ግን ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ብጣዕሚ ከቢድ ነበረ። ከመይ ንሰውራ ፈረንሳይ ዝሰዓበ ነበረ። ቅዳሴ ተተሓቢእካ ኣብ ዕጽው ገዛውቲ ይግበር ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ እዩ መጀመርያ ቊርባን ገሩ። ብኽንደይ ቃልስን ድኻምን ጸገምን ናይ ወላዲኡ ተማሂሩ ዕለት 13 ነሐሰ 1815 መዓርገ ክህነት ተቀበለ።

ኣብ ግዜ ትምህርቱ ምስ ኣባ ካርሎ ባለይ ዝበሃሉ ተጸጊዖም ስለዘጽንዔ ንሱን ካልኦት ንክህነት ዝሰናደው ዝነበሩ መንእሰያትን ምስዞም ካህን ፍሉይ ምትእስሳር ነርዎም። እዚ ግን ብቀሊል ዝተረኽበ ኣይኮነን ኣብ ቀዳማይ ፈተነ ኣባ ካርሎ ኣይፋል ኢሉ ነበረ ደሓር ግን ተቀበሎ። ኣብ ከምዚ እነከሎ ከኣ መንእሰይ ዮሓንስ ቫያኒ ንዕስክርና ተወስደ ከይፈተወ ምስ ገሊኦም ዝሃድሙ ሃደመ ኩሉ ምስ ሓለፈ ብ1810 እቲ ገዛኢ ምሕረት ምስ ኣወጀ ተመልሱ። ብ1812 ዓም ከኣ ካብ ኣባ ባለይ ተሰናቢቱ ናብ ዘርአ ክንት ቨርየር ምስ ከደ ቋንቋ ላቲን ከበዶ። ድሕሪ ክንደይ ቃልሲ ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መዓርገ ክህነት ለበሱ። ቀዳማይ ቅዳሴኦም ኣብ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ምስ ኣዕረጉ ብቀጥታ ናብቶም ብዙሕ ዝሓገዝዎም ኣባ ካርሎ ባለይ ይምለሱ ብዓቢ ታሕጓስ ተቀቢሎምከኣ ሓጋዚኦም ኰይኖም ኣብ ኑዛዜ ክነጥፉ ተኣዘዙ። ክልተ ዓመት ምስ ሓገዙ ወዮም ሓጋዚኦምን መንፈሳዊ ኣቦኦምን ዝነበሩ ኣባ ባለይ ይሓሙ መጽሓፈ ቀንዲል ባዕሎም የብጽሑሎም። እዛ ፍጻሜ እዚኣ ሕይወት ኣባ ዮሓንስ ማርያ ቫያኒ ይልውጥ።

ቆሞስ ኣርስ

እዛ ብሰለስተ ፍደላት ዝቆመት ቊስና ካብ ከተማ ልዮን ብዙህ ርሑቅ ዘይኮነት ብወርሒ ለካቲት 1818 ዓም ሓንሳብ ምስ ኣተው ክሳብ ዕለተ ሞቶም ንኣአርባዓ ዓመት ተቀመጡ። ነቲ ሰላሳ ኪሎሜትር ዝኸውን ብእግሩ ተጓዒዙ እቲ መንገዲ ጋሻ ስለዝኾነ ሰባት እናሓታተ እዩ በጺሑ። ንሓደ ካብቶም ዝሓተትዎም ሰባት ኣንቶንዮ ጂቭር ንዝበሃል መንእሰይ ጓሳ ` ንስኻ መንጊድ ኣርስ ኣርእየኒ ኣነ ኸኣ መንገዲ መንግሥተ ሰማይ ክምህረካ እየ’ በሎ ይበሃል። እዘን ቃላት እዚአን ክሳብ ሎሚ ኣብ እምኒ መቃብሮም ተጻሒፈን ኣለዋ። እዛ መንገዲ መንግሥተ ሰማያት ንኣሽሓት እንከስተምህርዋ ልዕሊ ኩሉ ከኣ በብቁሩብ ቊምስና ኣርስ ዳርጋ መካነ ንግደት ኰይና ብዙሓት ተቀዲሶምላ።

ኣብ ጽሑፋቱ ከምዝገልጾ ናብ ኩሉ ላዕልን ታሕትን እናበለ እውን ኣብ ጐደናታት ኣገልግሎት ክህነት ይፍጽም ከምዝነበረ ይጽሊ ከምዝነበረ ይገልጽ። ቀንዲ ሥርሑ ትምህርቲ ክርስቶስ ምምሃርን ምሥጢረ ንስሓ ምዕዳልን ነበረ። ክሳብ 16 ሰዓታት ዕለት ዕለት ኑዛዜ ይሰምዑ ነበሩ። ብ1859 ዓም ካብዚ ዓለም ብሞተ ጻድቃን ተፈልዩ። ብ1905 ዓም ብር.ሊ.ጳ ቅዱስ ፕዮስ 10 ብፁዕ ተባህሉ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ብር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ቅዱስ ተባሂሎም ብ1929 ዓም ከኣ ጠበቃ ቆሞሳት ኢሎም ኣውጁ። ብ1959 ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ብስሙ ሓንቲ ሓዋርያት መልእክቲ ጽሒፎም ኣብነት ካህናት ምዃኑ እውን ገሊጾም። ዕለት 6 ጥቅምቲ 1986 ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብታ እዞም ቅዱስ ዝሰርሑላ ቊምስና ኣርስ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዝኽሪ መበል 160 ዓመት ሞት ቅዱስ ዮሓንስ ማርያ ቫያነይ ቆምስ ኣርስ ንምዝካር ካብ መላእ ዓለም ኣብኡ ተጋቢኦም ንዝነበሩ ካህናት ደገፎምን ቅርበቶምን ምትብባዖምን ንኩሎም ካህናት እንክገልጹ ምናዳ ኸኣ ምስ ኩሉ ድኻሞምን ጻዕሮምን እቶም ዕለት ዕለት ንምሥጢራት ጐይታ ንምእመናን ዝዕድሉ ፍሉይ ምስጋና ብምቅራብ መልእኽቲ ጽሒፎም።

መልእኽቲ  ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ!

ቅዱስነቶም መልእክቶም ‘ካህናት ኣሕዋተይ’ ክብሉ ይጅምሩ እሞ ትሕትናን ተወፋይነትን ብዙሓት ካህናት ንክገልጹ ከኣ ‘ምናዳ እቶም ብዘይ ናይ ረኣዪለይ ስምዑለይ ደርጓዕጓዕ ብሱቚታ ለይትን መዓልትን ትጽዕሩ ኣብተን ኣብ ጐዳጒዲ ወኻሩ ከይተረፉ ዝነብሩ ዘለው ማሕበረ ክርስትያን እትገድፍዎ ኣሰር ምንም ዓይነት ክብርን ኣፍልጦን ከይደለኹም ዕለት ዕለት ሕዝቢ እግዚአብሔር ጒስነትን ምስናይን ንክረኽቡ ትቃለሱ ኩሉኹም ንነፍሲወከፍ በብሓደ ሰላም እብለኩም። ኣብ ብዙሕ ኣከባቢታትን ኩነታትን ንስኹምን እዝግን ብእትፈልጥዎ ብድኻምን ጻዕርን ብሕማምስ ይኹን በይንኹም ብምትራፍ ከይተሰናኸልኩም ነታ ዝተዋህበትኩም ተልእኮ ከም ኣገልግሎት ኣምላኽን ሕዝቡን ተቀቢልኩም ንኩሉ ጸገማት ሰጊርኩም ዝበለጻ ገጻት ሕይወት ክህነት ንእትጽሕፉ ዘሎኹም ንኩሉኹም ሕውነታዊ ሰላምታይ አቅርበልኩም’ እንክብሉ ልቢ ዝትንክፍ መልእኽቲ ጽሒፎም።

ሽሕ’ኳ ዝበዝሑ ካህናት ብኩሉ ኩሉ ውፉያትን ኣብ ተልእኮኦም ጽኑዓትን እንተኾኑ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ግን ብሓደ ክልተ ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ከምቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ጻዓዱ ኣባግዕ ሓንቲ ጸላም ተነጺራ እትረኣየሉ እቲ ብሓደ ክልተ ዝወረደ ዓመጽን ዕንቅፋትን ግን ብዙሕ ከምዘጒህዮም እውን ኣይሓብኡን።

ቃንዛ ዕንቅፋት ጾታዊ ዓመጻት!

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነዚ ኣቀንዛዊ ዝኾነ ክፍሊ ከይጠቀሱ ክሓልፉ ስለዘይደለዩ ከምዚ ይብሉ ‘ኣብዘን መጨረሻ ግዝያት ነቲ ብዙሕ ግዜ ብሱቚታ ከምኡ ሱቚ ክብል ዝተገደደ ገዓር ናይቶም ግዳይ ዓመጽ ሥልጣንን ሕልናን ጾታን ዝኾኑ ብንጹር ክንሰምዖ ክኢልና። ኰይኑ ግን ናይዚ ዓመጽ ዘስዓቦ ጒድኣት ከይዘንጋዕካ ነቶም ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ንጹሓት ካህናት መስዋዕትነትን ተወፋይነትን ንሠናይ ነገር ካልኦት ብዙሕ ዘወፈዩን ከይመስገንካ ምሕላፍ ከኣ ፍትሒ የጒድል። እቶም ሕይወቶም መሥዋዕቲ ብምግባር ብዙሕ ጸገማት ተጻዊሮም ብቀሊሉ ክብጻሕ ካብ ዘይከኣል ቦታታት ጀሚርካ ሕማምን ጸገማትን ተነጽሎን ተጻዊሮም ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ እንከሎ ስኖም ነኺሶም ዘገልግሉ ዘለው ዘይምዝንጋዕ። ነዚኦም ስለ ኣብነቶም ስለተወፋይኖቶም ስለ ትብዓቶም ኣመስግኖም’ ኢሎም።

ነዚ ዘሎና ግዜ ናይ ምንጻሕ ግዜ ኢሎም ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘እዚ ናይ ቤተክርስትያን ምንጻሕ ዘመን ዝግበር ጻዕርን ቃልስን ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ብዙሕ ፍረ ከፍርን ዘሐጒስ ክኸውንን ከምዝከኣል ኣሚንኩም ነቲ ጐይታ ንመርዓቱ ንምንጻሕን ናብኡ ንክመልሳን ዘካይዶ ዘሎ ጒዕዞ ተስፋ ከቊርጸኩም የብሉን። ነዚ ፈተና እዚ ከም እንጥዕሞ ዝገብረና ዘሎ ከኣ ብዘይካኡ ኢምንት ምዃና ንክንርዳእ ኢሉ እዩ’ ድሕሪ ቢሎም ናብ ምስጋና ይሓልፉ።

ምስጋና!

ቅዱስነቶም ንህልው ኩነታት ቤተክርስትያንን ቤተክህነትን ምስ ገልጹን ናብ ቀንዲ ሕመረት ጸዋዕታ ስግር ይብሉ እሞ ጸዋዕታ ናትና ምርጫ ጥራይ ዘይኮነስ ብቀንዱ ጸዋዕታ ኣምላኽ ኰይኑ እዚ ብጸጋ ዝዕደለና ነጻ ህያብ ኣምላኽ ስለዝኾነ ቅድሚ ዝኣገረ ንእግዚኣአብሔር ስለእዚ መለኮታዊ ጸዋዕታ ክነመስግኖ። ነፍሲወከፍ ካህና ከኣ ናብታ ጐይታ ክጽውዖ እንከሎ ዝነበሮ ሁመት ምልስ ነታ ሽዑ ጐይታ ክጽውዖ ከሎ ዘስተማቀሮን ስዒቡ ኣብ ኣገልግሎት ንክጽንበር እወ ፍቃደይ እዩ ኢሉ ኣብ ማሕጸን ማሕበረ ክርስትያን ንክዓብን ንክነብርን ንምሉእ ሕይወቱ ዘወፈየላ ሁመት እውን ብምዝካር ንጐይታ የመስግን።

ርግጽ እዩ ድኻም ጸገም ፈተና መሊኡ እዩ እንተኾነ እውን ኣብቲ ዝሓሰመ ግዜ ፈተናን ተነጽሎ እውን እዚ ዝኽሪ እዝን ጐይታ ስለቲ ኩሉ ኣብ ሕይወትና ዝገበሮ ምምስጋንን ሓጋዚ እዩ ። ንጸጋ ኣምላኽ ክንፈልጥን ክነመስግንን ምስ እንኽእል ጥራይ ኢና ክንጸናንዕን ክነጸናንዕን እንኽእል ኢሎም  ስለ እቲ ኩሉ ዝገብርዎን ተኣማንነቶምን ኣመስጊኖም ኣብዚ ዘመንና ገና ብዙሕ ነገራት ከምዘድልዮም ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነንሕድሕዶም ክተሓጋገዙን ንሕዝበ እግዚኣአብሔር ከሰንዩ ብሓዲስ መንፈስ ክለዓሉን ተማሕጺኖም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

04 August 2020, 13:20