ድለ

ምርጫ መራሕ መንግሥቲ ብየላሩስያ ምርጫ መራሕ መንግሥቲ ብየላሩስያ 

ኣብ ብየላሩስያ ንውግእ ሓድሕድ ኪዓግት ዝኽእል ዘተን ጸሎትን ጥራይ እዩ! ሊቀ ጳጳስ ኮንድርሽቪሽ

ብዙሕ ዘዛረበ ፖሎቲካዊ ምርጫ መራሕ መንግሥቲ ብየላሩስያን ተዓዊቱ ዝበሃለሉ ዘሎ ሉካሸንኮን እቲ ምርጫ ግሉጽ ኣይነበረን ብማለት ኣብ ኣደባባያት ንተቃውሞ ዝወጹን ሓለዋ ጸጥታን ብዝተገብረ ግጭት ነቲ ብቀደሙ ተኣፋፊ ዝነበረ ኩነታት ከምዘጋደዶ ብምምልካት ሊቀ ጳጳሳት ሚኒስክ ብፁዕ ኣቡነ ኮርድርሽቪሽ ‘ስለሠናይ ነገር ኩሉ ማለት ንመንግስትን ንሕዝብን ዘተ ክግበርን ስለ ሰላም እታ ሃገር ጸሎት ክግበርን እጽውዕ` እንክብሉ እንኮ ፍታሕ ዘተን ጸሎትን ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ዜና ቫቲካን!

ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ብዙሓት ሃገራት ይትረፍ ምርጫ መራሕቲ ክትገብር ነዛ ዕለታዊ እንጌራኻ ክትምእርር እኳ ንጋዳ ኰይኑ ኩሉ ተወሺቡሉን ዝበዝሐ ሕዝባዊ ርክባትን ኣቀዲሙ ዝተገብረ ናይ ጉባኤታትን መረጻታትን መደባት ንኣዋርሕን ዓመታትን ንድሕሪት ዝጒተተሉ ዘሎ ግዜ ሃገረ ብየላሩስያ ፕረሲደንታዊ ምርጫ እንተዘይገበርኩ ኢላ ንመላእ ዓለም ብዝሰደመመ ኣዘራራቢ ዝኾነ ውጽኢት ማለት ሊካሸንኮ ብሰማንያ ሚእታዊት ተዓዊቱ ተባሂሉ ክእወጅን ሰባት ምእማን ሰኣኑ ሓቁ ይነገር ግሉጽነት የብሉን ክብሉ ኣብ ኣደባባያት ምስ ወጹ ብዙሕ ዕግርግር ኰይኑ ወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ከይተረፉ ዝተኣስሩሉን ግዳይ ናይቲ ዕግርግር ዝኾኑሉን ኩነታት ገና ይቅጽል ኣሎ።

ዳርጋ ኩሉ መራኸቢ ብዙሓን እውን ተዓጽይሉ ኣብ ዘሎ ነቶም ደጋጊሞም ኩሉ ጸጥ ይብል ዘተ ይገበር ጸሎት ንግበር እናበሉ ጻውዒት ዘቅርቡ ዘለው ናይ ሚኒስክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ታደዩስ ኮንድሩሼቪች ብስልኪ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ።

“‘ዘሎናዮ ግዜ ንሃገረ ብየላሩስያ ዝኸበደ ግዜ እዩ ምናዳ ድሕሪ ፕረሲደታዊ መረጻ ኣብ ጐደናታት ከተማና ዳርጋ ዓውደ ውግእ ኰይኑ እዩ ዝስመዓካ። ሓደ ሰብ መይቱ ካብ ሰላማውያንን ሓለውቲ ጸጥታን ብዙሓት ቈሲሎም ኣሎው። ሕዝብና ናብ ንግሥቲ ዘጥቀ ቅዱስ ሮዛርዮምን ንግሥተ ሰላምን ዝኾነት ድንግል ክጽሊ እምሕጸን ኣሎኹ። ነዚ ደጋጊመ እየ ዝሓቶ ኣብ ርእሲኡ ኩሎም ዝራከበሉ ኣገባብ ተፈጢሩ ዘተ ክግበር እውን እጽውዕ ኣሎኹ። ምኽንያት ክዝረበሉ ክዝተየሉ እንተዘይተኻኢሉ ሕዝባዊ ናዕብን ውግእን ከይለዓል ዓቢ ስግኣት ኣሎ እዚ ከኣ ንኩሉ ክሳራ እዩ ንሕዝብስ ይኹን ንመንግሥቲ። ብዙሕ ተጨኒቅና ኣሎና ንዓለም ምሉእ ስለሰላ ብየላሩስያ ክጽሊ ንምሕጸን’”

ምስ በሉ ኣብ ሕጂ ዘሎ ኩነትከ ትብል ሕቶ ኣልግብ ኣበሉሎም።

“‘ብዙሕ ስቃይ ኣሎ! እዚ ከኣ ሰላም ስለዘየለ ብሰልፊ ተቃውሞታት ይረኤ ኣሎ። እዚ ኩሉ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ’ እዩ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
13 August 2020, 13:25