ድለ

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንናይ ሃገሮም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንናይ ሃገሮም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘቕረብዎ ጻውዒት 

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንናይ ሃገሮም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘቕረብዎ ጻውዒት

ብጹዕነቶም “ከም ካቶሊክ ጽንሲ ምንጻል ናይ ሕይወት መሰረታዊ ሕጋዊ መሰል ዝግህስ ብምዃኑ ንዅንን፡ ጽንሲ ምንጻል በርገሳዊ ሕጊ ፍቑድ እውን እንተበሎ ጽንሲ ዝንጽላ ኣዴታት ብቐጻሊ ንኻልእ መኽሰብ ብዘማዕድዋ ኢንዳስትሪታት ንቐጻሊ ዘዕንው ከቢድ ሓደጋን ዓመጽን ይቃልዓ”

ናይ መኽሰብ ሕጊ ስዒሩ፥ ብዝብል ሓሳብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጽዓን ጳጳሳት ናይ ሉዊሳኒያ ግዝኣት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ምንጻል ጽንሲ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ከምዝነቐፉን፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሓልዮ ሕይወት ሽማግለ ኣቦ መንበር ናይ ናኡማን ሊቀ ጳጳሳት፥ እቲ ናይ ግዝኣት ልዊሳኒያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ውሳኔ “ምኽንያት ስቓይ ኮይኑና ኣሎ” ቢሎም ምእንቲ ፍትሒ ነዴታትን ሕጻናትን ጸሎትና ዘየቛርጽ እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንናይ ሃገሮም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘቕረብዎ ጻውዒት
ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንናይ ሃገሮም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘቕረብዎ ጻውዒት

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 30 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ናይ ግዝኣት ልዊዛኒያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ምንጻል ጽንሲ ዝምልከት ሕጊ ብሓሙሽተ ኣሉታውን ኣርባዕተ እወታውን ድምጽ እቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝጸደቐ ጽንሲ ምንጻል ክልኩል ዝብል ጽኑዕ ሕጊ ውድቂ ከምዝገበሮ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ብጹዕ ኣቡነ ናኡማን፥ ቅድም ቀዳድም ውሕስነት ክንክን ጥዕና

እቲ ቅድመ ኩነት ናይ ኣደ ጥዕና ውሕስ ንምግባር እዩ፥ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓልዮ ሕይወት ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ናኡማን፥ “ዘድሊ መሰረታዊ ክንክን ጥዕናን ውሕስነት ጥዕናን ዕሽሽ ክበሃል እንከሎ ጽንሲ ምንጻል እውን ንገዛእ ርእሱ ምኽንያት ስቓይ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ እዚዩ ኣዕናዊ እዩ ዝኸውን” ስለዚህ እቲ ውሳኔ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሕይወት መኸሰብ ዝብልን ጽንሲ ምንጻል ከስዕቦ ዝኽእል ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ስቓይ ግምት ዘይህብ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣስዒበን፥

ከቢድ ኢፍትሓውነት

ብጹዕነቶም “ከም ካቶሊክ ጽንሲ ምንጻል ናይ ሕይወት መሰረታዊ ሕጋዊ መሰል ዝግህስ ብምዃኑ ንዅንን፡ ጽንሲ ምንጻል በርገሳዊ ሕጊ ፍቑድ እውን እንተበሎ ጽንሲ ዝንጽላ ኣዴታት ብቐጻሊ ንኻልእ መኽሰብ ብዘማዕድዋ ኢንዳስትሪታት ንቐጻሊ ዘዕንው ከቢድ ሓደጋን ዓመጽን ይቃልዓ” ከምዝበሉ ኣፍሊጠን

ጸሎትን ተጋድሎን

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውድቂ ዝበሎ ሕጊ መኽሰብ ናይ ኢንዳስትሪታትን ጽንሲ ዘነጽሉ ተቕዋማት ሕክምናን ቅድሚ ናይ ኣዴታትን ደቀንስትዮን ጥዕና ከምዝሰርዕ ዘረጋግጽ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኩሉ ምእንቲ ጸረ ምንጻል ጽንሲ ጸሎትን ተጋድሎን ከበራትዕ እውን ከምእተላበዉ ካምፓኒለ ገሊጸን፥

ሰላም ኣይክህልወናን እዩ

ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምክንኻን ክሳብ ዘየለ ሰላም ኣይክህልወናን እዩ፡ ስለዚ እቲ ናይቲ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ወትሩ ካብ ምቅዋም ኣይንስልክይን፥ ሕይወት ወትሩን ገና ናይ ዘይተወልዱን እውን ምዕቃብ ምኽባርን ናይ ዝተወልዱን ገና ናይ ዘይተወልዱን ሕይወት ውሑስ ክኸውን ኣለዎ፡ ሕይወት ሕግን ስርዓት መንግስትን ይኹን ኣይኹን ዝብል ጉዳይ ኣይኮነ ከምዝበሉ የመላኽታ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድሕሪ እቲ ዘውጸኦ ናይ ጸረ ጽንሲ ምንጻል መግለጺ ኣስዒቡ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 30 ሰነ 2020 ዓ.ም. ብፈደረላዊ ደረጃ ናይ ሞት ፍርዲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ምኽንያት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብጹዕን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ውሳጣዊ ፍትሕን ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ኮኣለይ ክታም ብዝተነብሮ መልእኽቲ፡ ጽኑዕ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ከምዘውጸአን እቲ ውሳኔ ወንጌልን ሰብኣዊ ሕይወትን ዝጻረር እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢሳበላ ፒሮ ሓቢረን።

ኣብተን ንልዕሊ 17 ዓመት ካብ እዋን ርእሰ ብሔር ጆርጅ ቡሽ ኣትሒዘን ናይ ሞት ፍርዲ ትግባሬ ኣቋሪጸን ኣብ ዝነበራ ግዝኣት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ በቲ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ መሰረት ካብ ዕለት 13 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ከውዕላ ከምዝኾነ እቲ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ከምዘመላኽት ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥ ናይ ቅዋም ሃገር ኣኽባሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቶም ናይ  ሞት ፍርዲ ዝተመሓላለፎም ዘቕረብዎ ዘለዉ ናይ ይግባይ ሕቶ ዘይቅብሉ ከምዝበሎ ገሊጸን ቡጽዕ ኣቡነ ኮኣክለይ እዚ ብሓቒ ዘሕዝን ውሳኔ እዩ ቢሎም፡  ብጹዓን ጳጳሳት፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ ብናይ ሕይወት ባህሊ ካብ ምቅዋም ከምዘይትቦክር ኣረጋጊጾም ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምኽባር ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ፡ ሕይወት ብማንም ዘይገሃስ ጸጋ እዩ ቢሎም ኣተሓሕዞም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶም ዘቃልሕዎ ጸዋዕታ ከምዝኾነን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16 ደሓር እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብፍላይ ከኣ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ መዝገበ ሃይማኖት ፍቕዲ 2267 ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ዝምልከት ናይ ሞት ፍርዲ ቅቡልን ፍቑድን ክኸውን ብፍጹም ዘይከኣል እዩ ብዝብል ሓሳብ ክሕድስ ዝገበርዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብምቕላሕ ናይ ሞት ፍርዲ ዝውሕሶ ሰላምን ምርግጋእን ክህሉ ዘይከኣልን ናይ ሞት ፍርዲ ብጀካ ሞት ካልእ ውጽኢት የብሉን፡

ናይ ሞት ፍርዲ ምሉእ ብምሉእ ክሕከኽ

ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብናይ ውሽጣዊ ፍትሕን ናይ ኵለንተናዊ  ምሉእ ሰብኣዊ ዕበይት ሓልዮ ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኮኣክለይ ኣቢሉ፥ ንናይ ሃገሮም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጠቕላላ ኣኽባሪ ሕጊ ዊሊያም ባርን ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ክኣልዩን ናይ ሞት ፍርዲ ጠሪሹ ከይህሉ ንኽገብሩን ጻውዒት ከምዝቐረበ ዝሓለፈ 23 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሞት ፍርድ ካብ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ዝኣለየት ኮሎራዶ መበል 22 ግዝኣት ሃገረ ኣመሪካ ንምዃን በቒዓን ብጹዓን ጳጳሳት ኣመሪካ እውን በዚ ምኽንያት ሓጎሶም ገሊጾም ከምዝነበሩን ፒሮ ኣዘኻኺረን እዚ ኹሉ ድሮ ተረሲዑ ድሕሪ 17 ዓመት ኣብተን ናይ ሞት ፍርዲ  ኣቋሪጸን ኣብ ዝነበራ ግዝኣት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከይተረፈ ዳግም ኣብ ግብሪ ክውዕል ምርኣይ ብዝሓቂ ዘሕዝን ማህበራውን ፖለቲካውን ሰብኣውን ፍሽለት ይስዕር ምህላዉ ዘመላኽትን እዚ ንድሕሪት ምምላስ ዝብል ውሳኔ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እንተካይዶ ናይ ጸረ ሞት ፍርድን ናይ ጸረ ጽንሲ ምንጻል ቃልስ ኣይዓግቶን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንናይ ሃገሮም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘቕረብዎ ጻውዒት
02 July 2020, 23:22