ድለ

ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ተልእኾ ኣብ ኣስተንፍሶ ቅዱስ ካሚሎ ዘ ለሊስ

ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሙያዊ ጥራሕ ዘይኮነ ዕለት ብዕለት ንህሙማን ኣብ ክንክን ጥዕና ሙያዊ ኣገልግሎት ብምቕራብን ውሑስ ብምግባር ሕይወቶም ክሳብ ንመስዋዕትነት ዘዳልዉ ሰባት ናይ ዝተቐበልዎ ተልእኾ እውነተይና ኣገልግሎት መግለጺ እውን ከምዝኾነ

“ድህረ ለብዒ ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ተስፋን ነቲ ሓላዊ ቅዱሶም ንምፍቃር ጸዋዕታኦምን” ዝብል መርሕ ሓሳብ ዘቃልሕ “ክሳብ መስዋዕትነት” ብዝብል ኣርእስቲ ብምኽንያት ዕለት 14 ሓምለ ዓመታዊ በዓል ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ህሙማንን ሓላዊ ቅዱስ ካሚሎ ዘ ለሊስ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ተለፓቸ እተሰምየ ናይ መደብር ተለቪዥን ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ሲኩሎ ናፖሊ ናይ ዝርከብ ናይ ቅዱስ ካሚሎ ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ጨንፈርን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ሰነዳዊ ምርኢት ከምዝቐረበ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤውጀኒዮ ቦናናታ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕዮ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን እዋናዊ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ካሚሎ ዘ ለሊስ ኵላዊ ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ህሙማንን ኣባይቲ ሕክምናን ሓላዊ ቅዱስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 14 ሓምለ እትዝክሮ ዝፍለጥ ኮይኑ ናይቲ ዕለት 14 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ብናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ምስ ዞባ ሲኩሎ - ናፖሊ ናይ ካሚሊያውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ቤት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ክሳብ መስዋዕትነት - ናይ ቅዱስ ካሚሎ ዘ ለሊስ ግደን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ምርኢት ከምዝቐረበ ቦናናታ ሓቢሮም።

ተልእኾ

ኣብዚ ሰነዳዊ ምርኢት ናይቶም ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ቫኒኒ ዘገልግሉ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ምስክርነት ቃልን ሕይወትን ዘጠቓለለ ኮይኑ እቲ ምስክርነት ድማ ተስፋ ንመጻእን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናይቲ ኣገልግሎትን ዕዮን መሰረት ዝኾነ ጸዋዕታ ዘጉልሕ ምዃኑ ዝሓበሩ ቦናናታ ኣስዒቦም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሙያዊ ጥራሕ ዘይኮነ ዕለት ብዕለት ንህሙማን ኣብ ክንክን ጥዕና ሙያዊ ኣገልግሎት ብምቕራብን ውሑስ ብምግባር ሕይወቶም ክሳብ ንመስዋዕትነት ዘዳልዉ ሰባት ናይ ዝተቐበልዎ ተልእኾ እውነተይና ኣገልግሎት መግለጺ እውን ከምዝኾነ እቲ ሰነድ ብሰፊሕ ከምዘብረሆ ኣፍሊጦም።

ተራ ሰባት

ኣብዚ እዋን ለብዒ ኮቪድ - 19 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ወትሩ ንጐሆ ኣብ ዘዕርግዎ ዝነበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ብዙሕ እዋን ነቶም ሓኻይምን ሰብ ሙይ ክንክን ጥዕናን ከምዝጠቐስዎምን ማሕበረሰብ በቲ ዘቕርብዎ ዝነበረ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ጀጋኑ ብዝብል መጸውዕ ዝገለጽዎም ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን፡ ኣብቲ ዝቐርብ ሰነድ፥ ግቡእና ዝፈጸምና ዜጋታት ኢና እንክብሉ ዝገልጽዎ ዝነበረ ሓሳብ ደጋጊሞም ይሕብሩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ዝኸፈልዎ መስዋዕቲ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።

ዕለታዊ ኣግልግሎት

ኣገልግሎቶም ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ሳዕቤን ዘለዎ ምዃኑ መዓልትን ለይትን ዘይፈልጥ እናተበራረዩ ብምግልጋልን እቲ ኣብ ወርሒ ዝኽፍፈሎም ደሞዝ ናይቲ ዕዮኦም ከበድን ጻዕቕጥን ስነ ኣእምሮኣውን ናይ ስምዒትን ጸቕጢ ርኢኻ ምስቲ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ዝመዓራረይ እዩ ቢልካ ንኽትገልጾ ኣይድፈርን። እዚ ኩነት’ዚ ብጠቕላላ ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ኣገልግሎት ኣብ ግምት ብምእታው መጻኢ ብተስፋን እማኔን ንምምልካት ዘኽእል ምምሕያሽ ዘድልዮን ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝዋፈሩ ኩሎም ኩነታቶም ክመሓየሽ ከምዘለዎ እውን ኣመላኺቱ እዩ።

ኣስተንፍሶ

እቲ ሰነዳዊ ምርኢት ብሓፈሻኡ ናይ ዕስራ ደቓይቕ ንውሓት ዘለዎ እውን እንተኾነ ነቲ ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ንገዛእ ርእሱ ግብረ ሰናይ መግለጺ ብውሽጡ ሓልዮት ዝብል ክብሪ ዘጠቓልል ምዃኑ የነጽር። ናይ ቅዱስ ካሚሎ ዘ ለሊስ ጸዋዕታ ፍቕሪ ንህሙማንን ምክንኻንን ዝብል መብጽዓ እዩ፡ እቲ መንፈሳዊ ጸጋ - መርሖ ህሙማን ምክንኻን ዝብልን እዚ ናይ ጸዋዕታ ሕመረት ዝግበር እዩ። ኣብ 1613 ዓ.ም. ቅዱስ ካሚሎ ብዛዕባ ህሙማን ምግልጋል ዝምልከት ኣብ ዝጸሓፎ ናይቲ ብኣኡ ዝተመስረተን ብቤተ ክርስቲያን ይኹንታ ዝተወሃቦን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል፥ ህሙማን ምግልጋልን ምክንኻንን ዝብል ናይ ማሕበር ሕጊ፥ ብናይቲ ማሕበር ኣባላት ንኽኾኑ ጸጋ ጸዋዕታ ዝቕበሉ ኣብ ዝፍጽምዎ መብጽዓ ዘቃልሕዎ ክኸውን እንክሎ ነዚ ሓሳብ እዚ ዘቃልሕ ቀዳማይ ናይቲ ጸዋዕታ ናይ ምስክርነት ሰነድ ኣብ ሚላኖ ናይ መንግስቲ ቤተ መዝገብ ከምዝርከብ ቦናናታ ይሕብሩ።

ራብዓይ መብጽዓ

ካልእ ኣብቲ ሰነድ፥ ኣባላት ማሕበር ካሚሊያኒ ብጀካ ናይ ድኽነትን ንጽሕናን ተኣዝዞን ዝብል ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዳማትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ማሕበራት ደናግልን ዝንበር መብጽዓ ብተወሳኺ ራብዓይ መብጽዓ “ሕይወት ክሳብ ምውፋይ (ምስዋእ)” ዝብል እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ማሕበር ኣባል ዝፍጽሞ መብጽዓ ከምዝኾነ ብሰፊሕ ናይ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኣባል ገዳማውን ኣብ ካሶሪያ ከተማ ዞባ ናፖሊ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ቅድስተ ማርያም ዘምሕረት ዋና ኣመሓዳሪ ሓው ካርሎ ማንጆነ ኣብቲ ዝተመሓላለፈ ሰነዳዊ ምርኢት ብሰፊሕ የብርሁ።

ክብሪ ቕዱሳት

ኣብ ናይ ቅዱስ ካሚሎ ደ ለሊስ ሓቀይና ስኑድ ታሪኽ ሕይወት ዝተማእከለን ዘስተንትንን መንፈሳዊ መልክዕ ዘለዎ ሰነዳዊ ምርኢት እውን ከምዝኾነ ኣብ ሮማ ፎርላኒኒ ዝርከብ ናይ ቅዱስ ካሚሎ ቤት ሕክምና ቤተ ጸሎት ቆሞስ ብዛዕባ ክብሪ ቅዱሳት - ክብሪ ንቕዱስ ካሚሎ ብዝብል ርእሰ ጉዳይን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሮማ ኣብ ቅድስቲ ማሪያ ማዳለና ቤተ ክርስቲያን ተዓቂቡ ዝርከብ ክፋል ናይ ቅዱስ ካሚሎ ቅዱሳት ትሩፋትን ኣማእኪሎም ዝሃብዎ ምስክርነት ዘጠቓልል ሰነዳዊ ምርኢት እውን ከምዝኾነ ቦናናታ ይሕብሩ።

ምጽንናዕ

ናይ ልኡካነ ወንጌል ካሚሊያኒ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ጃንፍራንኮ ሉናርዶን፥ ብዙሓት ህሙማንን ቤተ ሰብ ህሙማንን ናይ ስቓዮምን ጓሂኦምን ሓዘኖምን ከበድ ሒዞም ካልኦት እውን ናይ ኣእምሮ ጸቕጥን ድኻምን ብስጭቶምን ተስፋ ቁርጸቶምን ኩሉ ሒዞም ምጽንናዕን ድጋፍን ክረኽቡ ናብቲ ናይ ቅዱስ ካሚሎ ዘ ለሊስ ቅዱሳት ትሩፋት ዝተነብረሉ ስፍራ ከምዝነግዱን ኣብኡ እውን ምጽንናዕን ድጋፍን ሓይልን ካብ እግዚኣብሔር ከምዝጽገው ኣብቲ ሰነዳዊ ምርኢትም ተመልኪቱ ከምዘሎን ሓቢሮም ሕያዋይ ጓሳ ንኹላትና የድልየና እዩ ከምዝበሉ ቦናናታ ኣፍሊጦም።

ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ተልእኾ ኣብ ኣስተንፍሶ ቅዱስ ካሚሎ ዘ ለሊስ
15 July 2020, 19:09