ድለ

ኣብ ሲቺሊያ ስደተይናታት ተዋሂዶም ንኽነብሩ ዝድግፍ መደብ ኣብ ሲቺሊያ ስደተይናታት ተዋሂዶም ንኽነብሩ ዝድግፍ መደብ 

ኣብ ሲቺሊያ ስደተይናታት ተዋሂዶም ንኽነብሩ ዝድግፍ መደብ

ናይ ቁምስና ቅድስቲ ባርባራ ቆሞስ ኣባ ማርኮ ፓተርኖ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ መደብ ግብረ ሰናይ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዘካይዶ ርህወት እተሰምየ መደብ ክፍሊ ኮይኑ

ኣብ ኢጣሊያ ደሴታዊ ዞባ ሲቺልይ ኣብ እትርከብ ናይ ኣውራጃ ካልታኒሰታ ሰበኻ ዘነቓቐሖ ቁስምና ቅድስቲ ባርባራን ናይቲ ሰበኻ ናይ ስደተይናታትን ብካሪታስ ናይ ዝጽዋኦ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኣብ ካልታኒሰታን ናይ ደናግል ማሕበራት ዓለም ሓቆፍ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝጥርንፍ ማሕበር ብሓባር ዘዳለውዎ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዑቕባ ሓተትን ዝእንገድሉን ምስ ዘአንገዶም ሕብረተሰብ ተላልዮምን ተወሃሂዶምን ንኽነብሩ ዝድገፍሉን ዝተፈላለየ ሕንጸት ዝረኽብሉን መደብ ይሳለጥ ከምዘሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ካብ ናይጀሪያን ማሊን ካመሩንን ጋምቢያን ዝመጹ ኣብ ሲቺሊያ ዞባ ካልታኒሴታ ኣብ ዝርከብ “መእለyi ቤት ስደተይናታት ቅድስቲ ባርባራ” እንድገዳን ምስ ዘአንገዶም ሕብረተሰብ እውን ክወሃሃዱ ኣብ ዘብቅዕ መደብ ይሳተፉ ከምዘለዉን፡ ኣብቲ መደብ ዝሳተፉ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዑቕባ ሓተትን ብጠቕላላ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ዝረኽብሉን እውን ከምዝኾነን እቶም ስደተይናታት ብሓባር ኣብ ዝተፈላለየ መደብ ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ እውን ይዋስኡ ከምዘለዎ ዝሓበራ ካምፒዚ ኣስዒበን፥ እቶም ስደተይንታት ተዋሂዶም ካብቲ ቤት መእለዪ ስደተይንታት ቅድስቲ ባርባራ ምስ ወጹ ስራሕ ረኺቦምን ሕይወቶም ንክመርሑሉ ዘኽእሎም መደብ ሙያዊ ሕንጸት እውን ከምዝረኽቡ ይገልጻ።

ናይ ቁምስና ቅድስቲ ባርባራ ቆሞስ ኣባ ማርኮ ፓተርኖ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ መደብ ግብረ ሰናይ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዘካይዶ ርህወት እተሰምየ መደብ ክፍሊ ኮይኑ ኣብዚ መደብ ሰብ ጹቡቕ ድላይን ምእመናን ዝተፈላለዩ ኣካላት እውን ንኽዋስኡ ምንቕቓሕ ዘካይድን ብናይ ዓለም ሓቆፍ ደናግል ማሕበር ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝድገፍ እውን ምዃኑ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ናይ ሰበኻ ካልታኒሰታ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪት ዶናተላ ዳና እውን ብወገነን፥ እቶም ኣብቲ ቤት ቅድስቲ ባርባራ ዝድገፉ ስደተይናታት ገዝእ ርእሶም ክመርሑን ኣብቲ ዘአንገዶም ክፍሊ ሕብረተሰብ ተውሃሂዶም ዕለታዊ ሕይወቶም ንኽመርሑ ሕንጸት ዘረኽብሉን ንናይ ስራሕ ዓለም ስንድዋት ንኽኾኑ ዝድግፍሉ እዩ ኢለን።

ኣብ ሲቺሊያ ስደተይናታት ተዋሂዶም ንኽነብሩ ዝድግፍ መደብ
14 July 2020, 15:40