ድለ

ዝኽሪ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ በነዲክቶስ፡ ሆለሪኽ፥ “ኣብ ኤውሮጳ ሰላም ኣብ ቅልውላው” ዝኽሪ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ በነዲክቶስ፡ ሆለሪኽ፥ “ኣብ ኤውሮጳ ሰላም ኣብ ቅልውላው” 

ዝኽሪ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ በነዲክቶስ፡ ሆለሪኽ፥ “ኣብ ኤውሮጳ ሰላም ኣብ ቅልውላው”

ሰላም ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ቅልውላው፥ ሕዝቢ ኤውሮጳ በቲ ስልጣነ ብዝብል ምስምስን ካብ ክፍለ ዓለማዊ ናይ ብሔራዊ - ኢጎነታዊ ረብሓ ንምድላይ ብዘካይዶ ኪደት ንሓደጋ ዝተቓልዔ መንነትን ኣብ ርቡጽ ድልያ ይርከብ

ዕለት 11 ሓምለ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ በነዲክቶስ ከምዘብዓለትን በነዲክቶስ ናይ መላእ ኤውሮጳ ሓላዊ ቅዱስ እውን ክኸውን እንከሎ በዚ ምኽንያት’ዚ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብመንጽር ቅዱስን ገዳማውን በነዲክቶስ ብዛዕባ ኤውሮጳ የስተንትኑ፡ ቅዱስ ኣቦና እውን ቤተ ክርስቲያን ነዚ ቕዱስ እዚ ኣብ እትዝክረሉ ዕለት ኣብ ትዊተር ማሕበራው መረብት ብዝርከብ ኣድራሻኦም ኣቢሎም “ሕዝቢ ኤውሮጳ ኣብ ፍርሒ ከምዘለዉን መንነቶም ኣብ ምድላይ ይርከቡ፡ ስደተይናታት ብዘይ ምእንጋድ ክርስትናዊ ኣናስር ቢልካ ምዝራብ ሓሶት እዩ ዝኸውን” ዝብል ቀዳማይ መልእኽቲ ከምዝፈነዉን ዝዝከር ኮይኑ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ሓላው ኤውሮጳ እቲ ዓለም ክልውጥ ዝኽእል ፍሱህ ተስፋ ካብ እምነት ዝምንጨው ከምዝኾነ ንዓና ክርስቲያን ኣስተርእይ ዝብል መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ በነዲክቶስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት 11 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ካልኣይ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ በነዲክቶስ ዛዕባ እታ ጥንታዊት ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ኣስተንትኖ ዝግበረሉ ቅዱስ ዕለት እዩ።

መልእኽቲ ቅዱስ በነዲክቶስ ንሎማዊት ኤውሮጳ ኣስተንፍሶ

ሰላም ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ቅልውላው፥ ሕዝቢ ኤውሮጳ በቲ ስልጣነ ብዝብል ምስምስን ካብ ክፍለ ዓለማዊ ናይ ብሔራዊ - ኢጎነታዊ ረብሓ ንምድላይ ብዘካይዶ ኪደት ንሓደጋ ዝተቓልዔ መንነትን ኣብ ርቡጽ ድልያ ይርከብ፡ ስለዚህ ብነቢያዊ ኣገባብ ናይ ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ ኣናስር ምእዋን የድሊ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ሉሰምበር ሊቀ ጳጳሳት ብጽዕ ካርዲናል ዣን ክላውደ ሖለሪኽ ምስ ዜና ቫቲካን ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ በነዲክቶስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ናይቲ ባሕታውን ቅዱስን መልእኽቲ ኣብ ኤውሮጳ ንክርስትያናዊ እምነትን ባህልን ዓቢይ ግደ ዘለዎ ከምዝኾነ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1964 ዓ.ም. ኣብቲ Pacis Nuntius - ናይ ሰላም መልእኽቲ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ዝገለጽዎ ሓሳብ ሎሚ እውን እዋናዊ እዩ፡ ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ይብሉ ካርዲናል ሖለሪኽ።

ኤውሮጳ ኣብ ናይ መንነታ ድልያ ትርከብ . . .  ኣብዚ ድልያ`ዚ ናይ ቅዱስ በነዲክቶስ ግደ

ካርዲናል ሆለሪኽ ብርግድ ኤውሮጳ መንነታ ኣብ ምድላይ እያ ትርከብ፡ ኣብ ዓቢይ ናይ ስልጣነ ምቅይያር ንርከብን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፍርሒ ወዲቑ ዘሎን ይመስል፡ ቅዱስ በነዲክቶስ ናይ ኤውሮጳ መንነትን ጸዋዕታን ኣነጺሩ የመላኽተና . . .  ቅዱስ በነዲክቶስ ዓቃባዊ ኣይነበረን ሓዳስን ሰጓምን እዩ . . . ንኤውሮጳ ክርስቲያናዊ  መንነታ ዘነጸረ።

ንቅኑዕን ማዕረኣውን ዘላቕን ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኤውሮጳ ኮሚሽን ዘቕረቦ ሓሳብ ንምርግጋጽ በነዲክቶስ ኣስተንፍሶ ክኸውን ይኽእል?

ቅዱስ በነዲክቶስ ቅኑዕ ሕብረተሰብ እዩ ዝሓነጸ፥ በነዲክታውያን ማሕበረሰብ፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን መሰረት ዓለማዊ ምእመን እንክብል የመላኽት፡ ማሕበረ ክርስቲያን ፍትሕን ማዕርነትን ዘላቕነትን ደላይን ተግባርን እዩ ኸውን ዘለዎ፡ ኤውሮጳ ናብቲ ክርስቲያናዊ  ኣናስራ እትምለስ ፍትሕን ማዕርነትን ዘላቕነትን ምስ እትነብር እዩ። ፍትሒ ኣብ መንጐ ውስጠ ወለዶን . . .  እዚ ዘገድስ ሓሳብ ክትግበር ዘለዎ ቅዱስ በነዲክቶስ ዘመላኸቶን ዝነበሮን መንፍሳውነትን ሰብኣውነት ፍትሕን ምድግጋፍን ዝብል እዩ።

ናይ ኤውሮጵ ኣምናስር ሎሚ እውን ክረጋገጽ ዘለዎን ናተይ እትብሎን ይግብኣንን እትብሎ ክብሪ እዩ . . .

ታሪኽ ኤውሮጳ ኣብ ክርስቲያናዊ ባህሊ እዩ፡ ከምዚ ክበሃል እንክሎ  ህብረኣውነት ንምኽሓድ ዘይኮነ ኤውሮጳ ኣብ ክርስትና ዝተመስረተት እያ፡ ንመጻኢ ርህው ዝገብር መጻኢ ተንተንቲ ዘይኮነ ንመጻኢ ርህው ዝገብር መሰረት፡ ንመጻኢ ክፉታት ንምዃን ናብ እግዚኣብሔር ክፉት ምዃን ምስ እግዚኣብሔርን ብጻይን ምርኻብን ምዝራብን የድሊ፡ ሎሚ እውን ዝጽውዕ ኣምላኽ እዩ።

ናይ ቅዱስ በነዲክቶስ መንፈሳዊ መርሖ፥ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለን  . . . ኣብ ሎማዊት ኤውሮጳ እቲ ናይ በነድክትስ ሕጊ?

እቲ ለብዒ ሰብኣዊ ድኽነት ኣበይን ከመይን ከምዝኾነ ኣነጺሩ እዩ፡ እብዚ ኩነት እዚ ናይ ኤውሮጳ መንነት ይስማዕ . . . እዚ መንነት እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ቅዱስ በነዲክቶስ ሕጊ ይስትውዓል።

ዝኽሪ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ በነዲክቶስ፡ ሆለሪኽ፥ “ኣብ ኤውሮጳ ሰላም ኣብ ቅልውላው”
13 July 2020, 13:05