ድለ

2020.07.19 ዕረፍቲ ኣባ ኃይለሚካኤል ተኽለ 2020.07.19 ዕረፍቲ ኣባ ኃይለሚካኤል ተኽለ 

ዕረፍቲ ኣባ ኃይለሚካኤል ተኽለ

ኣባ ኃይለሚካኤል ተኽለ ወዲ ማሕበር ካፑቺኒ ኤርትራ ኣብ መበል 62 ዕድመኦም ዝሓለፈ ሓሙስ 16 ሓምለ 2020 ዓም ኣብ ሃገረ ጣልያን ኣዕረፉ።
ብድምጺ ንምክትታል!

“ንስኻትኩም እዚ ዝለኣኽኩኹም ዘበለ እንተ ፈጸምኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም። ደጊም ጊላዎት (ኣገለገልቲ) ኣይብለኩምን ኢየ” (ዮሓ. 15: 14-15)።


መድኀኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ዘጸናንዕ ቃል ነቶም ኲሉ ገዲፎም ዝሰዓብዎ፡ ንሱ ዝለኣኾም ኲሉ ኪፍጽሙ ድሉዋት ዝኾኑ ሓዋርያቱ ኢዩ። “ሓዋርያ” ማለት ከኣ መልእኽቱን ምስክርነቱን ኬብጽሕ ዚጐዓዝ፡ ኣብ መንገዲ እንታይ ኮን የጓንፈኒ ይኸውን ኢሉ እውን ዘይሰግእ፡ ንስፍሓት መንግሥቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ዝሃበ ሰብ ኢዩ “ደጊም ዓርከይ ኢኻ” ዝብሎ ዘሎ።  ኣባ ኃይለሚካኤል ተኽለ ብርሃነ ጒዕዞኦም ኣቋሪጾም ናብ’ቲ ዝተዳለወሎም ሕይወት ዘለዓለም ቅድሚ ቍሩብ መዓልቲ፡ ብዕለት 16 ሓምለ ተፋንዮም። 

ካብ ነዊሕ ጊዜ ጀሚሮም ብሕማም ሽኮር፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ ጊዜ ኸኣ ኣዚ ዘይንፈልጦ ዝነበርና ኮቪድ-19 ዝተባህለ ሓዲስ መቅዘፍቲ ዘኸተለሎ ናይ ሳንቡእን ናይ ኵሊትን ረኽሲ ተወሲኹዎ፡ ብሰብ-ሰርሖ መስተንፈሲ እናተሓገዙ ኣብ ጽዑቕን ቀጻልን ሕክምና (“ኢንተንሲቭ ኬር”) ካብ ዝኣትዉ ዳርጋ 4 ወርሒ ሓሊፉ። ቅድሚ ቍሩብ መዓልቲ ከም ተኣምራት ደሓን ኮይኖም፡ ከም ግቡእ ኬስተንፍሱ ስለ ዝኸኣሉ፡ ካብ “ኢንተንሲቨ ኬር” ወጽዮም፡ ናብ ንቡር ክፍሊ መእለዪ ሕሙማት ሓሊፎም ኣለዉ ኢሎም ምስ ኣበሰሩና፡ ስለ’ቲ ዓቢይ ተኣምራት ንእግዚኣብሔር ኣመስጊንና። እንተኾነ ግን “ሰብ ኣማሚ፡ እዝጊ ፈጻሚ” ከም ዚበሃል፡ ክላበዉ ግዲ ደልዩዎም ኮይኑ፡ ሰብ ከለልዩን ኪዛረቡን ኣብ ዝጀመሩሉ ጊዜ፡ ብሃንደበት ወሲዱዎም፡ “ፍቓድካ ይኹን” እናበልና ሕጂ’ውን ነመስግኖ። ኣባ ኃይለሚካኤል ብዙሕ ተሳቕዮምን ተፈቲኖምን ኢዮም፡ ኢየሱስ ግን ንስቅያት ኃውና ምስ’ቲ ናቱ ስቅያት ጸንቢሩ ንጻማን ንጽድቅን ይግበረሎም፡ ከም’ቲ ቅ. ጳውሎስ ዝበሎ፥ ስቓይ እዚ ዘመን’ዚ ነቲ ኣባና ኪግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ክብሪ ከምዘይወዳደሮ እኣምን ኢየ (ሮማ.8፡18) ኣናበሉ ከይዶሙዎ ኣለዉ፣ ይቀበሎም።

ታሪኽ ኣባ ኃይለሚካኤል

ናብ ታሪኽ ኣባ ኃይለሚካኤል ክንምለስ፥ ኣብ ጥቓ መንደፈራ ሠራየ ብ19 መጋቢት 1958 ተወሊዶም። ወለዶም ኣቶ ተኽለ ብርሃነን ወ/ሮ ለተየሱስ ወ/ገብርኤልን ይበሃሉ። ትውልዲ-ዓደ’ቦኦም ሠገነይቲ እኳ እንተኾነ፡ ኣቦኦም ስራሕተኛ ሓለዋ ኣግራብ (ጓርዲያ ፎረስታለ) ስለ ዝነበሩ፡ ኵሎም ደቆም ተወሊዶም ዝዓበዩሉ ኣብ’ቲ ብሥራሕ ዝተመደቡሉ ዓዲ ኣብ መንደፈራ ኢዩ። ኣቶ ተኽለ ጥሮታ ምስ ወጹ ግን፡ ኣብ ዓዶም ኣብ ሠገነይቲ ገዛኦም ሰሪሖም ኪቕመጡ ጸኒሖም። እዛ ሥድራ-ቤት እዚኣ ንቤተ-ክርስቲያን ክልተ ደቃ ዘወፈየት ቅድስቲ ሥድራ ኢያ። ምዕባዮም ሓዎም ነፍስ-ኄር ኣባ ተስፋልደት ተኽለ እውን፡ ኣብ 59 ዕድመኦም ብ2012 ዓሪፎም፡ ቀዲሞሙዎም ሓሊፎም። ክልቲኦም ኣኅዋት ካህናት ደቂ-ማኅበር ካፑቺኒ ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመን ብተመሳሳሊ ሕማምን ናብ ሰማያዊ ኣቦኦም ተሳጊሮም፥ ኣባ ተስፋልደት ኣብ መበል 59 ዕድመኦም፡ ኣባ ኃይለሚካኤ ኣብ መበል 62 ዕድመኦም። ፍቓድ ኣምላኽ ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ንፍቓዱን መደቡን ኪፈልጦን ኪቃወሞን ዚኽእልከ መን ኣሎ? ኣምላኽ ባዕሉ እንደኣሉ፡ ከም’ቲ ቅ. ጴጥሮስ ፡ “ንሱ ነቲ ዘይበርስን ዘይበላሾን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ኣንቢሩልና ዘሎ ርስቲ ከም እንወርስ ገበረና” (1ጴጥ. 1፡4) ዝብሎ፡ ርስቶም ኪቕበሉ ዚጽውዖም ዘሎ።

ኣባ ኃይለሚካኤል ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ምስ በጽሑ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ መንደፈራ ብደናግል ደቂ ቅ. ሃና ዚካየድ ዝነበረ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ጣልያን “ኣርማንዶ ዲያዝ” ካብ መዋዕለ-ሕጻናት ክሳብ 5ይ ክፍሊ ተማሂሮም። ናብ ማእከላይ ደረጃ ምስ ሓለፉ፡ ኣሰር ሓዎም ተኸቲሎም፡ ኣብ ገዳም ካፑቺኒ መንደፈራ ኣትዮም ናይ ማእከላይን ላዕለዋይን ትምህርቶም ብንኡድ ደረጃ ፈጸሙ። ብመስከረም 1976 ዓመተ-ተመክሮ ኣብ ደቀምሓረ ፈጸሙ። ብ4 መስከረም 1977 ከኣ ብንኡስ መብጽዓ ናብ ኣምላኽ ተወፈዩ።

ድሕሪ ዓመተ-ተመክሮ ብመስከረም 1977 ናይ ሰለስተ ዓመት ፍልስፍና ንኽመሃሩ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ኣምርሑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍልስፍና እናተማህሩ፡ ምስ ገሊኦም ብጾቶም እቲ ክሳዕ ሽዑ ዝደለቡዎ ናይ ጣልያን ትምህርቲ፡ ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ረብሓን ብስለትን ዘስንቐካ እኳ እንተኾነ፡ ንሓዋሩ ኣብ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ኪምህሩሉ ዘይክእሉ ቋንቋ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ዝነበሮም ፍልጠት ቋንቋ እንግሊዝ ንኸማዕብሉ፡ ምስ ብጾቶም፡ ኣብ ናይ ምሸት ሰዓታት ናይ 2ይ ድረጃ መደባት መንግሥታዊ ትምህርቲ ብ’ንግሊዝ ተኸታቲሎም፡ ብ1981 ናይ ማትሪክ መርመራ ጌሮም ብጽቡቕ ነጥቢ ሓለፉ።

ብመስከረም 1981 ትምህርተ-መለኮት (ተዎሎጊያ) ንኪቕጽሉ ናብ ኣሥመራ ሓለፉ። ኤርትራ ብፖሊቲካ ዝመጸ ኣብ ብርቱዕ ውግእን ነውጽን ኣብ ዝነበረትሉ ጊዜ፡ ትምህርተ-መለኮት እናፈጸሙ እንከለዉ፡ ብ2 ጥቅምቲ 1983 ብዓቢይ መብጽዓ ንኣምላኽ ተወፈዩ። ድኅሪ ክልተ ዓመት፡ ብ14 ሓምለ 1985 መዓርገ ክህነት ለበሱ። እግዚኣብሔር ልክዕ ኣብ መበል 35 ዓመት ናይ ክህነቶም ኢዩ ጸዊዑዎም ዘሎ ማለት ኢዩ።


ክህነታውን ካፑቺናውን ኣገልግሎቶም ከም’ዚ ዚኽተል ኢዩ። 

ከም ፈላሚ ኣገልግሎት፡ ካብ 1985 ክሳዕ 1992፡ ን8 ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ደሴ፡ ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ገዳም ዚርከብ ካቶሊካዊ ቤት-ትምህርቲ ዳይረክተር ኮይኖም ትጉህን ውዕዉዕን ኣገልግሎት ኣወፈዩ። ምስኡ ምኽትል ሓለቓ ገዳም እውን ነበሩ። እታ ቤት-ትምህርቲ ናብ ማኅበር ካፑቺኒ ካብ እትሓልፍ ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ እትርከብ ዝነበረት ቤት-ትምህርቲ ኢያ። ሽዑ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ዝነበረት ሎሚ ክሳዕ 2ይ ደረጃ ከተስተምህር ትርከብ ኣላ።

ካብ 1992 ክሳዕ 1995 (ድኅሪ ናጽነት ኤርትራ ምዃኑ ኢዩ)፡ ናብ ሽዕብ ሰለባ ተቐይሮም፡ ኣብኡ’ውን፡ ምስ ካልእ ውሽጣዊ ናይ ማኅበር ኃላፍነት፡ ናይ’ቲ ሽዑ ብማኅበር ዚካየድ ዝነበረ ቤት-ትምህርቲ ማርያም ቍስቋም ሽዕብ ዳይረክተር ኮይኖም ኣገልገሉ። ድሕር’ዚ ካብ 1995 ክሳዕ 1998፡ ከም ምኽትል ቆሞስን ምኽታል ሓለቓን ናብ ምሕላብ ተመደቡ። ብ1998-1999 ኣብ መንደፈራ ኣብ ስራሕ ምምህርና ተመደቡ።

ብ1999 ን2ይ ጊዜ ናብ ሽዕብ ሰለባ ተመዲቦም ን5ተ ዓመት (1998-2004) ከም ሓለቓ ገዳምን ምኽትል ቆሞስን ኣገልገሉ። ድሕር’ዚ ካብ 2005 ክሳዕ 2010 ኣብ ዓዲቐይሕ ከም ምኽትል ሓለቓ ማኅበርን ኣላይ ናእሽቱ ሓደርቲ ተመሃሮን መጠን ኣገልገሉ። ብ2010 ናብ እምባይላ (ደግራ-ሊብኤ) ተመዲቦም፡ ቅድም ከም ዲረክተር መዋዕለ-ሕጻናት፡ ድሕሪኡ ሓለቓ ገዳም ኮይኖም ክሳዕ 2014 ኣገልግሎቶም ኣበርከቱ።

ኣብ መወዳእታ ናብ መንደፈራ ተቐይሮም፡ ከም ኣላዪ ተመሃሮ ዘርኣ-ምንኵስናን መምህርን መጠን ን2ተ ዓመት ምስ ኣገልገሉ፡ ዝነበሮም ናይ ሽኮር ሕማም እናበኣሰ ስለ ዝኸደ ንዝሓሸ ሕክምና፡ ከም ዓቕሞም ከኣ ናይ ንስሓ (ማለት ኑዛዘ) ኣገልግሎት ከወፍዩ ብ2016 ናብ ዓዲ-ጣልያን ተጓዕዙ። ኣብ ሓንቲ ቲየነ እትበሃል ከተማ ዚርከብ ዓቢይ ናይ ቅ. ድ. ማርያም ደብሪ (Shrine) ንኡድ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እናፈጸሙ እንከለዉ ኢዮም፡ ብፍላይ ኣብ’ዛ ዓመተ-2020 ነቲ ንዝነበሮም ሕዱር ሕማም ሽኮር፡ እቐዲምና ዝጠቐስናዮ ለበዳ ዘኸተሎ ረኽሲ ኰላሊትን ሳናቡእን ተወሲኹዎ፡ ካብ ምድራዊት ሕይወት ናብ ዘለዓለማዊትህ ሕይወት ተሳጊሮም።

ፍሉይ ጠባይ፡ ኣባ ኃይለሚካኤል!

ከም ፍሉይ ጠባይ፡ ኣባ ኃይለሚካኤል ሕያዋይ፡ ርግኣትን ርዝነትን ዘይፍለዮም፡ ንሰብ ኪጐድኡ ዘይደልዩ፡ ሰላምን ሠናይን ዝመለልይኦም ወዲ ቅ. ፍራንቸስኮስ ኢየኦም ዝነበሩ። ካብ ንእስነቶም ኣትሒዙ ዝወረዶም ብርትዕ ዝበለ ሕማም ሽኮር ሒዝካ ምንባር ቀሊል ኣይነበረን። ከም ሓዎም በዓል ጥዑም ዝኽሪ ነፍስ-ኄር ኣባ ተስፋልደት ተኽለ፡ ናብ ሓውትና ሞት ገጻ ዘሰነየቶም ሕማም እዛ ከም መስቀል ዝተዋህበቶም ሕማም ሽኮር ኢያ። 

ኣብ መወዳእታ ነቶም ከይተሓለሉ ነርባዕተ ወርሒ ዝኣክል፡ ልዑል ወጻኢ ዚሓትት ብሉጽ ሕክምና ከበርክቱሎም ዝጸንሑ ኣኅዋት ካፑቺኒ ሰበኻ-ማኅበር ቨነስያ ልባዊ፡ ዓሚቝ ምስጋና ነቕርብ። ኣባ ኃይለሚካኤል ካብ 2016 ጀሚሮም ኣብ ዓዲ ጣልያን፡ ኣብ ካፑቺናዊ ሰበኻ ቨነቶ (ከባቢ ቨኒስ፡ ሰሜናዊ-ምብራቕ ዓዲ-ጣልያን) እናተቐመጡ፡ ቲየነ ኣብ እትበሃል ከተማ ኣብ ኣገልግሎት ኑዛዜ እናሓገዙ፡ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ኪግበረሎም ጸኒሑ። ንካፑቺኒ ኣኅዋት ሰበኻ-ማኅበር ቨነቶ፡ ነዞም ብጽኑዕ ጥዕናዊ ኵነታት ኪሳቐዩ ዚጸንሑ ኃውና፡ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ዘበለ ኩሉ ኣተኣላልያ ሕሙማት ኪገብሩሎም ዚጸንሑ ፍሉይ ምስጋና ይብጸሓዮም። ጻማኹም ካብ ልዑል ኣምላኽ ርኸቡዎ።


ሥነ-ሥርዓት ቀብሪ ክቡር ኣባ ኃይለሚካኤል!

ሥነ-ሥርዓት ቀብሪ ክቡር ኣባ ኃይለሚካኤል ሰኑይ፡ ዕለት 20 ሓምለ፡ ኣብ’ታ ዝዓረፉላ ከተማ ቲየነ ኪፍጸም ኢዩ። እግዚኣብሔር ስቓይ ዝመልኦ ጉዕዞ-ሕይወቶም ከም ጥዑም ዝመዓዛኡ ሞባእ ኪቕበለሎም ምዃኑ ንኣምን። ዓቢይ ሓዎምን ወዲ-ማኅበሮምን ኣባ ተስፋልደት ምስ ኵሎም ቅዱሳንን መላእኽትን ኮይኖም ይቀበሉልና። ንቤተ ክርስቲያንን ንማኅበርን ራሕስን በረኸትን ይግደፍፉ ፡ ንወላዲቶም ወ/ሮ ለተየሱስ፡ ነቶም ኣዚዮም ዜፍቅሩዎም ኣኅዋቶም፡ ንቤተ-ሰብ ብምሉኦም ከኣ ጽንዓት ይሃብ።
ኣኅዋቶም ማኅበር ን. ኣ. ካፑቺን

19 July 2020, 14:02