ድለ

ኾረና ተህዋስ፥ ዜና ዕረፍት ኣብ ብራዚል ናይ ፓልማረስ ጳጳስ ኾረና ተህዋስ፥ ዜና ዕረፍት ኣብ ብራዚል ናይ ፓልማረስ ጳጳስ 

ኾረና ተህዋስ፥ ዜና ዕረፍት ኣብ ብራዚል ናይ ፓልማረስ ጳጳስ

ኣብ ዓለም ብኮቪድ - 19 ኣዚየን ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ብራዚል ካለአይቲ ከምዝኾነትን ብጠቕላላ ብኮረና ተህዋስ 2,100,00 ህዝቢ ከምእተለኽፈን 78, 772 ድማ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም

57 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብ ብራዚሊ ናብ ሰበኻ ፓልማረስ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሀንሪከ ሶኣረዝ ዳ ኮስታ ብምኽንያት ኾረና ተህዋስ ከምዝዓረፉ ክንገር እንከሎ፡ ብራዚል እታ ብኮረና ተህዋስ ኣዚያ ዝተጠቕዔትን ብብዝሒ ዝተለኽፉ ኣብ ዓለም ካልአይቲ ሃገር ከምዝኾነትን ብጠቕላላ ክልተ ሚሊዮን ዜጋታታ ብተህዋስ ከምእተለኽፉን 78 ሺሕ ዜጋታት ከምዝዓረፉን ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ብጹዕ ኣቡነ ሀንሪከ ሶኣረዝ ዳ ሶስታ ዕለት 16 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ብኾረና ተህዋስ ተለኺፎምን ብጽኑዕ ሓሚሞም ኣብ ሕክምን ክእለዩ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 18 ሓምለ ከምዝዓረፉን ዝሓበሩ ጓራሺ ኣስዒቦም፡ ብጹዕ ኣቡነ ሀንሪከ ሶኣረዝ ዳ ኮስታ ኣብ ብራዚል ኣብ ግዛኣት ኣላጎኣስ ኣብ እትርከብ ከተማ ፓናዶ ኣብ 1963 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ ፈደራላዊ መንበረ ጥበብ ብፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ተመሪቖምን ኣብ ሮማ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ብሃምነናዊ ቲዮሎጊያ ሊቕነት ዘመስከሩን ኣብ 1992 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣብ ብራዚል ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ክገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2009 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሰበኻ ኣራካዥ ተራዳኢ ጳጳስ ቢሎምን ደሓር እውን ኣብ 2014 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ፓልማረስ ሰበኻ ጳጳስ ቢሎም ከምዝሰመይዎምን ኣብቲ ሰበኻኦም ኣብ ዝርከበሉ ዞባ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ዕለትዊ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ተሓባባርን ዘጋብን ብራዲዮ ናይ ዝመሓላለፍ ናይ ዝነበረ ሓደ መደብ እውን ኣሰናዳኢ ዝነበሩን ኣብ ናይ ብራዚል ዞብ ሴሜናዊ ምብራቕ ካልኣይ ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸትን ባህልን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናይ ዝሓልይ ድርገት ኣቦ መንበር ኮይኖም እውን ከምዘገልገሉ  የዘኻኽሩ።

ኣብ ብራዚል ብኮቭ - 19 ዝዓረፉ ጳጳሳት

ኣብ ብራዚል ብኮቭድ - 19 ምኽንያት ዝዓረፉ ጳጳሳት ነፍሰ ሄር ዳ ኮስታ ሓዊስካ ሰለስተ ከምዝበጽሑን ቅድመኦም ዕለት 14 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ናይ ፓራኢባ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣልዶ ፓጎቶን ደሓር እውን ዕለት 1 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ፓሶ ዱንዶ ልሂቕ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፐድሮ ኤርፊሊዮ ሲሞን ብኾረና ተህዋስ ምኽንያት ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩን፡ ኣብ ዓለም ብኮቪድ - 19 ኣዚየን ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ብራዚል ካለአይቲ ከምዝኾነትን ብጠቕላላ ብኮረና ተህዋስ 2,100,00 ህዝቢ ከምእተለኽፈን 78, 772 ድማ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጓራሺ ይሕብሩ።

ኾረና ተህዋስ፥ ዜና ዕረፍት ኣብ ብራዚል ናይ ፓልማረስ ጳጳስ
20 July 2020, 13:01