ድለ

ኣብ ሮማ ምእንቲ ዝዓረፉ ስደተይናታት ጸሎት ዋዜማ ኣብ ሮማ ምእንቲ ዝዓረፉ ስደተይናታት ጸሎት ዋዜማ 

ኣብ ሮማ ምእንቲ ዝዓረፉ ስደተይናታት ጸሎት ዋዜማ

“ኣብ ጉዕዞ ተስፋ ሞት” ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰናዳው ምእንቲ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠመሞ ዝዓረገ ጸሎት ዋዜማ

ኣብ ሮማ ቅድስተ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ዘትራስተቨረ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዘሰናደዎ ምእንቲ እቶም ኣብ ናይ ናይ ተስፋ ጉዕዞ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ስደተይናታት ጸሎት ዋዜማ ዕለት 20 ሰነ 2020 ዓ.ም. ከምእንተኻየደ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ኣስዒቦም ካብ 1991 ዓ.ም. ክሳብ ዘለናሉ እዋን ኣብ ጉዕዝ ባሕርን ምድርን ልዕሊ 40.900 ስደተይናታት ከምዝሞቱ ጸብጻብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ጠቒሶም የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ጉዕዞ ተስፋ ሞት” ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰናዳው ምእንቲ እቶም ናይ  ሞት ሓደጋ ዘጋጠመሞ ዝዓረገ ጸሎት ዋዜማ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ  ብጹዕ ኣቡነ ስተፋኖ ሩሶ ዝመርሕዎ ከምዝነበረን እዚ ዝተሰናደው ጸሎት ዋዜማ ነቲ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ዘማዕደወን ብካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዝተዳለወ እውን ምዃን ጓራሺ ኣፍሊጦም።

ሱታፌ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውያንን ማሕበራትን ውድባትን

ኣብቲ ዕለት 20 ሰነ 2020 ዓ.ም. ዝተኻየደ ጸሎት ዋዜማ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ሰራሕተይናታት ማሕበርን ማሕበር ማእከል ኣስታሊን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኢጣሊያን ኣብ ኢጣሊያ ፈደራላውያን ወንጌላውን ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበር ስደተይናታትን ናይ ስካላብሪኒያን ናይ ምትሕብባር ማሕበርን ሽማግለ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23ን ከምእተሳተፉን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ስደተይናታትን ዝውክሉን ኣባይቲ ስድራ ስደተይናታትን መሓዙት ስደተይናታትን ብዙሓት ዜጋታት ኢጣሊያን እውን ከምእተሳተፉን እቲ ስነ ስርነዓት በቲ ተክሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብመንግስቲ ዝተወሰነ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ብዘኽበረ ኣገባብ ከምእተኻየደ ጓራሺ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ 1990 ዓ.ም. ክሳብ ዘለናሉ እዋን ካብቶም ብባሕሪ መዲትራኒያን ድዩ ብምድርን ተስፋ ኣቕኒዖም ካብ ዝተጓዕዙ ብጠቕላላ 40,900 ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጥሞምን ኣብዚ እዋን’ዚ ለብዒ ኮረና ተህዋስ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እውን ብዙሓት ደቀንስትዮን ሕጻናትን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 528 ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘግጠሞምን ብዙሓት ካልኦት ሊቢያ ኣብ ዝርከቡ ኣባይቲ ማእሰርቲ ስደተይናታት ተዳጒይኖም ከምዝርከቡን ነዚኣቶም ናይ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ክግበረሎም እንተዘይተወሰነ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ተወሲኽዎ ሕይወቶም ንዘስካሕክሕ ሓደጋን ሞትን ምቕላዕ ከምዝኸውን ጓራሺ ሓቢሮም፡ ኣብ ግሪክ ደሴት ለስቦ ዝርከቡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ህልው ኩነታቶም ኣዚዩ ዘስክፍም ምዃኑ የመላኽቱ።

ብጹዕ  ኣቡነ ሩሶ፥ እቶም ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝዓረፉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብሉጻት እያቶም

ነቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ዝመርሑ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ስተፋኖ ሩሶ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ስደተይናታት ህላዌ ግብኡ ክብሪ ምሃብ የድሊ፥ ቢሎም ኣብቲ ዝዓረገ ጸሎት ናይ ብዙሓት ኣስማት ዝተጠቕሰ እውን እንተኾነ ኣብቶም ዝተጠቕሱ እቶም ዘይተጠቕሱ ኩሎም ህልዋን እያቶም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብሉጻት እያቶም፡ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝመዛበሉን እውን ብዙሓት እያቶም እቶም ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ልዕሊ 50 ሚሊዮም ከምዝግመቱን ኣብ ኣባይቲ  ማሕቡስ  ሊቢያ ዘለዉ ስደተይናታትን ንዝተፈላለየ ዓመጽ ዝተቓልዑን ካብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ኢሰብኣዊ ኩነት ዘምልጡ ናብ ዝመጽሉ ምፍናው እውን ብሓቂ ዘሕዝንን ጭካኔን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግህሰት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣብ ሮማ ምእንት ዝዓረፉ ስደተይናታት ጸሎት ዋዜማ
21 June 2020, 00:58