ድለ

ብጹዓን ጳጳሳት ሕ. መ. ኣመሪካ፥ ብዛዕባ ጉዳይ ሚኒኣፖሊስ ፍትሕን ዘይጎነጻውን ኣገባብ ይሓቱ ብጹዓን ጳጳሳት ሕ. መ. ኣመሪካ፥ ብዛዕባ ጉዳይ ሚኒኣፖሊስ ፍትሕን ዘይጎነጻውን ኣገባብ ይሓቱ 

ብጹዓን ጳጳሳት ሕ. መ. ኣመሪካ፥ ብዛዕባ ጉዳይ ሚኒኣፖሊስ ፍትሕን ዘይጎነጻውን ኣገባብ ይሓቱ

እቲ ሎሚ ዝርአይ ዘሎ ኣድልዎ ብዘርእን ዓሌታውነትን ዝበጽሓሉ ደረጃን ካብ ርሑቕ ዕሽሽ ክበሃል ከምዝጸንሔ ዘረጋግጽ እዩ፡ ሎሚ እውን በዚ ዓይነት ለብዒ ኣድልዎ ብዘርኢ ዝተለኽፉ ኣብ ብዙሓት ዞባታት ሰሜን ኣመሪካ ከምዘለዉን እዚ ጸገም እዚ ግቡእ መፍትሒ ክረክብ ናብቲ ኣናስሩ ምኻድን ካብ ስሩ ንኽመሓው ዘኽእል መገዲ ምልላይ

ኣብ ልዕሊ ኣፍሮ ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መቕትልቲ ዘቖጠዖ ሕብዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ንዱርን ጐነጻውን ሕዝባዊ ዓመጽ ብቐጻሊ የካይድ ከምዘሎን፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣዚዩ ዘተሓሳሰባ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምቁጽራጽ ፍትሒ ብምንቕቓሕ ጽልእን ኣድልዎ ብዘርእን ፈጺሙ ክጥፍእ መታን ቅድም ቀዳድም ካብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ልቢ ክውገድ ከምዘለዎ ጻውዒት ኣቕሪባ፡ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ትራምፕ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ከቢድን ንዱርን ተቓውሞ ውሳጣዊ ግብረ ሽበራ እንክብሉ ገሊጾም፡ ነዚ ሁከት’ዚ ንምቁጽጻር ሓይሊ ምክልኽል ክጥቀሙ ምዃኖ ከምዘጠንቀቑን፡ ኣብ 14 ግዝኣትን ኣብ ርእሰ ከተማ ዋሽንግቶን ብሔራዊ ሓይሊ ጸጥታ ንኸዋፍሩ ክግደዱ ምዃኖም ከምዘፍለጡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፋዉስታ ስፐራንዛ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሕዝባዊ ናዕብን ሁከትን ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥን እቲ ኣብ ልዊስቪለ ከተማ ካንታክይ ብኣባል ብሓይሊ ጸጥታ ዝተቐተለ ኣፍሮ ኣመሪካዊ ጆርጆ ፍሎይድ ዘቖጠዖ ሕዝቢ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሕዝባዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሓደ ዜጋ ማህሰይት ከምዝወረዶን ካልኦት ክልተ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ዝሓበራ ስፐራንዛ ኣስዒበን ካልእቶ ኣርባዕተ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ካብቶም ኣድማ ካብ ዘካይዱ ሰባት ብዝተተኮሰ ጥይት ማሕሰይቲ ከምዘጋጠሞምን፡ እቲ ዘጋጠሞም ማህሰይቲ ንሕይወቶም ከምዘየስግእን፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲ ዝግመቱ ዜጋታት ከምእተኣሰሩን ኣብ 20 ግዝኣት ኣብ ዝረከባ ሎስኣንጀለስን ዋሽንግቶትንን ሳን ፍራንሲስኮን ሚነያፖሊስን ኣትላንታን ቺካጎን ደንቨርን ሚያሚን ዘጠቓልል ኣብ ኣርብዓ ከተማታት ኣዋጅ እቶ እቶ ከምእተደንገገን፡ እቲ ግብረ ቅትለት ዝፈጸመ ድሮ ነበር ኣባል ሓይሊ ጸይታ ኮይኑን ዕለት 8 ሰነ 2020 ዓ.ም. ንቐዳማይ ክሂሎት ክቐርብ ከምዝኾነን ኣፍሊጠን።

ካብ ርሑቕ ዓመታት ኣትሒዙ ዕሽሽ ክበሃል ናይ ዝጸንሔ ኣድልዎ ብዘርኢ ውጽኢት

“ትርጉም ዘይብሉን ጭካኔ ዝተመልኦ ግብረ ቅትለት፡ ናብ ሰማየ ሰማያት ፍትሕ ዝግዕር ሓጢኣት” ነዚ ዝበሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሎስኣንጀለስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሴ ጐመዝ ብስም ኣብታ ሃገር ብእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰንበት ዕለት 2 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ ምእንቲ ጆርጅ ፍሎይድን ስድራ ቤቱን እጽሊ ቢሎም፡ ብስም መላእ ብጹዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣመሪካዊ ማሕበረሰብ ጸለምቲ ዘረእይዎ ዘለዉ ቑጥዔ ከምዝሻረኽዎን ኣብ ሚኒያፖሊስ ድዩ ኣብ መላእ ሃገሮም ዝርአይ ዘሎ ቁጥዐ ናትና ቁጥዐ እውን እዩ” ቢሎም ንሶምን መላእ ብጹዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ መንግስትን ዝምልከቶ ኣካል እቲ ዝተፈጸመ ከቢድን ዘቖጥዕን ዘስቅቕን ገበን ከጻርን ነቲ ዘሎ ቁጥዐን ብስጭትን ካብ ርሑቕ ዝመጽእ ዘሎ ብሕብሪ ቆርበቶም ምኽንያት ጥራሕ ዘጓንፎም ውርደትን ሕስራን ኣድልዎን ግምት ዝህብን እዚ ዓይንት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንኸበቕዕ ዝድርኽ ፍርዲ ንሓተት፡ ግቡእ ፍርዶም ንኽረኽቡ ዝውሑስ ውሳኔ ከተግብሩ ጻውዒት ነቕርብ ከምዝበሉን ስፐራንዛ ኣፍሊጠን።

እቲ ሎሚ ዝርአይ ዘሎ ኣድልዎ ብዘርእን ዓሌታውነትን ዝበጽሓሉ ደረጃን ካብ ርሑቕ ዕሽሽ ክበሃል ከምዝጸንሔ ዘረጋግጽ እዩ ዝበሉ ብጹዕነቶም፡ ሎሚ እውን በዚ ዓይነት ለብዒ ኣድልዎ ብዘርኢ ዝተለኽፉ ኣብ ብዙሓት ዞባታት ሰሜን ኣመሪካ ከምዘለዉን እዚ ጸገም እዚ ግቡእ መፍትሒ ክረክብ ናብቲ ኣናስሩ ምኻድን ካብ ስሩ ንኽመሓው ዘኽእል መገዲ ምልላይ እምበር ጐነጻዊ ዓመጽ መልሲ ኣይኮነን፡ ዓምጽ ቀጻሊ ምኽንያት ዕንወትን ጥፍኣትን እዩ፡ እሞ ናይ ፍሎይድ ትርጉም ኣልቦ ሞት ክም ቅቡልን ከጋጥም ዝኽእል ብሓደ ግለ ሰብ ዝተፈጸመ እዩ ቢልና ክንርእዮን ከምዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ክንለማመዶ ኣይግባእን፡ ንፍሎይድ እነኽብሮ ዓሌታውነትን ኣድልዎ ብዝርእ ብምውጋድን ብምጥፋእን እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ልብና ዝጅምር ኪደት ክኸውን ኣለዎ፡ ካብ ልብና እቲ ጸገም እንተድኣ ዘይኣለናዮ ኣብ ማሕብረሰብና ከይህሉ ዝግበር ደጋዊ ጻዕር ኵሉ ከንቱ እዩ ዝኸውን ሃገርና ሕይወትን ናጽነትን ማዕርነትን ውሑስ ብዝገብር ሕብረተሰብ ዝቖመት እያ እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ስፐራንዛ ኣፍሊጠን።

ናይ ትራምፕ ውሳኔን ናይ ቤተ ክርስቲያን ግብረ መልስን

ርእሰ ብሔር ትራፕ ካብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝርከብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ብኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ተኸቢቦምን ካብ ቀጽሪ ወጻኢ ዋይት ሃውስ ብዙሓት ኣሽሓት ዝቑጸረ ዜጋታት ተቓውሞኦም ኣብ ዘስምዕሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ናይ ብርቱዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ “ውሳጣዊ ግብረ ሽበራ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ናይ 1807 ዓ.ም. ሕዝባዊ ናዕቢ ንምእላይ ዝምልከት ሕጊ ጠቒሶም “ኣነ ናይ ሕጋውነትን ስርዓትን ርእሰ ብሔር እየ” ስለዚህ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ሰለማዊ ሰልፉ ዝብትኑን ከይህሉ ዝገብሩን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ናብ ከተማታት ከዋፍር ስንድው እየ” ከምዝበሉን እቲ ሰላማዊ ኣድማ በቶም ክኢላታት ስርዓት ኣልቦነት ደለይትን ፋሉላትን ይጽለውን መስመሩ ይስሕት ኣሎ ከምዝበሉ ስፐራንዛ ሓቢረን።

ቀጺሎም እውን ኣብ ፊት ቅዱስ ዮሴፍ ኤጲስቆጶሳዊ ቤተ ክርስቲያን መጽሓፍ ቅዱስ ብኢዶም ሒዞም ንላዕሊ ሓፍ ከብሉ ከምእተራእዩን እዚ ዘቆጠዔን ናይ ዋሽንግተን ኤጲስቆጶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቡን ክቡርቲ ማሪያን ኤድጋር ቡደ ካብቲ ናይ ትራፕ ተግባር ገዛእ ርእሰን ነጺለን እቲ ናይ ትራምፕ ተግባር ከምዘቖጠዐን ገሊጸን ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ዜጋታት ሓይሊ ጸጥታ ዝወስድዎ ስጉምቲ ዓመጽ ከምዝኾነ  ገሊጸን ከምዝኾነነኦ ስፐራንዛ ኣፍሊጠን።

ነፍሰሄር ፍሎይድ ንኡስ ሓዉ ኣመጽ ከብቕዕ ጻውዒት የቕርብ

ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን ኣብ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን መዳይ ዝዓዩ ብዘይ ፍልልይ ሕብሪ ቆርበት ጸዓዱን ጸለምትን ፍትሕን ሓቅን ዝሓትቱ ብዙሒ ክብ ይብል ከምዘሎን፡ ምስቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ሰላማውያን ኩሎም ብሓባር ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ መቕተልቲ የውግዙን ፍትሒ ይሓትቱን ከምዘለዉ ዝሓበራ ስፐራንዛ ገሊጸን፡ ናይ ኣመሪካ እግሪ ኩዕሶ ስፖርተይና ኮሊን ካኤፐርኒክ፥ “ጐነጽ የብቅዕ ዕንወትን ደው ይበል - ቢሎም - ፍትሕን ሓቅን እዩ ክሕተት ዘለዎ፡ እዚ ኸኣ ዓመጽ ዘይኮን ሰላማዊ መጋበርያ ብምጥቓም ክኸውን” ጻውዒት ከምዘቕረቡን ናይ ነፍሰ ሄር ጆርጅ ፍሎይድ ምንኣስ ሓዎም ተረንሰ ኣብ ብሪክልይን ተቐማጢ ኣብቲ ሓዉ ዝተቐተለሉ ሚነኣፖሊስ ኣብ ዝርከ ጉደና ቺካጐ ተረኺቦም፥ “ኵሉ ነዕንው ኣሎና፥ ኣባይቲ መሸጣን ኣባይትን ናይ ገዛእ ርእስናን ንብረት ንዕንው ኣሎና፥ ደሓርከ እንታይ እዩ ክተርፈና?” ቢሎም እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣልቦ ዓመጽን ዘይጐነጻውን ክኸውን እላበው” ከምዝበሉ ዝሓበራ ስፐራንዛ ኣስዒበን፥

ኣብ ሚነኣፖሊስ ዝተፈጸመ ኢሰብኣዊ ተግባር

ዕለት 25 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣፍሮ ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሚነኣፖሊስ ናብ ዝርገብ መሸጣ ሽጋራ ብምእታው ዕስራ ዶላር ምስ ሃበ እቲ ዶላር ተምያን ብምንባሩ እቲ ኣብቲ መሸጣ ዝሰርሕ 911 ደዊሉን ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ምስ በጽሑ ደሪክ ቻውቪን እተሰምየ ኣባል ሓለዋ ጸጥታ  ፍሎይድ ኣብ መሬት ብኸብዱ ኣደቒሱን ብርኩ ኣብ ልዕሊ ክሳዱ ብኸዲድ ጸቐጥ ምስትንፋስ ክሳብ ዝስእን ገይርዎ ከብቕዕ ብጥቓኡ ዝሓልፉ ዝነበሩ ዜጋታት እቲ ዝኸውን ዝነበረ ብናይ ኢድ ተለፎኖም ከምዝቐረጽዎን ፍሎይድ ከተንፍስ ይሰኣነኒ ኣሎ በጃኻ ካብ ኪሳደይ እግሪኻ ኣልዕል እናበለ ክልምኖ እንክብሎ ዘስምዕ ዝተቐርጸ ኢሰብኣዊ ተግበር ብመርበብ ሓበሬት እቶም ዝቐረጽዎ ሓለፍቲ መገዲ ስለ ዝፈነውዎ እምበር እቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ተኸዋዊሉ ምተረፈ ነይሩ፡ ብማሕበራዊ መረብት እተዘይዝርጋሕ ነይሩ እንታይ ኮን ምተባህለ? ነቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዝተዘርገሔ ብምስማዐ ርእየት ዝተቐርጸ ኣቀታትላ ፍሎይድ ዝረኣዩ ዜጋታት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንኸካይድ ከምዘለዓዓለን ናይ ጸለምቲ ሕይወት ቀጻሊ  እዩ ዝብል ታሪኻው ጭርሖ ኣብ ኣመሪካ ዳግም ዘበራብር ኮይኑ እቲ ሕዝባዊ ናዕቢ ይቕጽል ከምዘሎ ስፐራንዛ ኣፍሊጠን።

ናይ ትራምፕ ውሳኔን ናይ ቤተ ክርስቲያን ግብረ መልስን
03 June 2020, 22:14